Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Apr 2021, 04:45

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

55 - ትሑት ምዃንን፥ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማንን

ንስኻ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራይ ምእንቲ ክትኣምን፡ እግዚኣብሔር ብፈተና ከምትሽገርን ከምትሳቀን ኪገብረካ ኢዩ’ሞ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትካ መሠረት ትሕትና ኣንጽፈሉ ኢኻ። እምነትካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብዘንበርካዮ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣባኻ ምስራሕ ከቋርጽ ኢዩ። እግዚኣብሔር ብሕያውነቱ እንተዘይረዲኡካ፡ ንምሉእ ሕይወትካ፡ ክትወድቕን ክትንሥእን ክትነብር ኢኻ። ብዙኅ ጊዜ፡ ኣብ ርእሰ-ተኣማንነት ብምትእምማን፡ እግዚኣብሔር ንዚህበካ ብርሃን፡ምቕባል ትኣቢ ኢኻ። ነቲ ናትካ ዓቢይ ጌጋ ኣብ ሕይወትካ እግዚኣብሔር ክንዲ ተንግሥ ገዛእ ርእስኻ ኢኻ ክትነግሥ እትደሊ።

ትምህርቲ ሰብኣዊ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍጻምን ትሑት ግምት ገዛእ ርእስኻ ካብ ምግባርን ዘርሕቐካን ዘዔንቅፈካን እንተኾይኑ፡ እዙ ዓይነት ትምህርቲዙይ፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ጥራይ ከኅድረልካ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ወሰን ዘይብሉ ናይ ኣምላኽ ጥበብ፡ ካብ ምሉእ ፍልጠት ዓለም ምኃዝ፡ ሓደ ናይ ትሕትና ተግባር ምፍጻም ይበልጽ።

ከምቲ መጸብሓዊ ዚገበሮ (ሉቃ 18፡13 ረአ)፡ ንእግዚኣብሔር ከተመስግን፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚኡ ኣዒንትኻ ቋሕ ምባል እንተዘይደፈርካኳ፡ ግን ነቲ ትሑት ዝኾነ ስቕታኻ ካብቲ ዝበለጸ ዘረባ ክኢላታት ኣብሊጹ ኢዩ ዚቕበሎ። ትሕትናኻ ብዝዓመቘን ብዝዓበየን መጠን፡ ንስኻ ምስ እግዚኣብሔር ትወሃሃድ ኢኻ። ትሕትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢዩ፡ ንእግዚኣብሔር ናብ ከርሳ ከምዚወርድ ዝገበሮ። እቲ ልዑለ ልኡላን ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ ሓቂ ስለ ዝኾነት ንትሕትና የፍቅራ ኢዩ።

ብገዛእ ኃይልኻ ቅዱስ ክትከውን ከምዘይትኽእል ብዝተኣመንካሉ መጠን፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብዝበለጸ ናብኡ ኬቕርበካ ኢዩ። ትዕቢት ኣብ ዝመልኦ ልቢ፡ ንእግዚኣብሔር ዚበቅዕ ቦታ ኣይርከቦን ኢዩ (ሉቃ 1፡52-53 ረአ)። ነፍስኻ መኅደሪ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክትከውን፡ ካብ ትዕቢትን ከንቱነት እዙ ዓለምዙይን ካብ ኣነ ዚብል ጠባይን ሓራ ኣውጽኣያ።

ከምቲ መሬት፡ ብዘይ ፀሓይ፡ እኽሊ ዘይትህብ፡ ከምኡ ከኣ፡ ነፍስኻ ብዘይ ጸጋ ኣምላኽ፡ ፍረ ቅድስና ከተፍሪ ኣይትኽእልን ኢያ። መንፈሳዊ ትዕቢት ንነፍስኻ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከምዘይትሕገዝ ኢዩ ዚገብራ። ትሑት ሰብ ግን፡ ብርሃን ኣምላኽ ብዝመጸ ይምጻእ ይቕበሎ ኢዩ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሞያካ ክንዲ ትጀሃር፡ ብኃጢኣትካ እንተበከኻ ይሓይሽ።

ንርእስካ ብትዕቢት ክብ እንተዘይኣቢልካዮ፡ እግዚኣብሔር ደኒኑ ጽን ኢሉ ኪሰምዓካ ኢዩ። እግዚኣብሔር፡ በቲ ኵሉ ዚኽእል ፍቕሩ፡ ተኣምር ዚገብር፡ ኣብቲ ትሕትና እምነትን ዚመልኦ ጽቡቕ መሬት ኢዩ። ትሑት ኮይንካ እንተተቐሚጥካ፡ ምሕረት ኣምላኽ ካባኻ ኣይፍለን ኢዩ። ዓይኒ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ትሑታን ኢየን ዚዓርፋ፥ ንድምጾም ይሰምዖን የድኅኖምን ኢዩ፥ “ጸሎት ትሑት ሰብ፡ ንደመና ሰንጢቓ ትሓልፍ” (ሲራ 35፡17)።


ሓቀኛ ትሑት፡ ንሰላሙ ከየጥፍኤ፡ እምነቱ ኣብ ኣምላኽ ኣንቢሩ፡ ብኃጢኣቱ ኢዩ ዚሓዝን። ንሱ ብዘይ ናይ እግዚኣብሔር ሓገዝ፡ ጽቡቕ ነገር ኪገብር ከምዘይኽእል ኣዒሪዩ ይኣምን ኢዩ። ንስኻ፡ ከኣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ምንባር ክሳብ እትኽእል፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እንተዘይገብርካዮ ጽቡቕ ኢዩ።

ሓቀኛ ትሕትና ዘለዎ ሰብ ኣይቍጣዕን፡ ኣይርበሽን፡ ኣየሸግርን፡ ኢዩ፥ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንነፍሱ ብዝበለጸ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላክ ጸሚዱ፡ ኣብ ታሕጓስን፡ ጣዕሚ ኣብ ዘለዎን ኢዩ ዘንብራ። መንፈስ ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ትሕትና ኢዩ ዜኅድር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቕሪ ዝመሠረቱ ሕጊ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 Apr 2021, 04:51

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

56 - ፍቕሪ ዝመሠረቱ ሕጊ

እቲ ኵሉ ንዓኻ ኪገብሩልካ እትደልዮ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ንኻልኦት ግብሮ ኢኻ። እቲ ሕግን ነብያትን ዚእዝዞ ከኣ፡ እዙይ ኢዩ (ማቴ 7፡12 ረኣአ)። ቅዱስ መጽሓፍ ብምልኡ ትእዛዛት ኣምላኽ ኢዩ ሒዙ ዚርከብ። እቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚዛረብ ሕጊ ግን፡ ብፍላይ ናቱ ከምዝኾነ ጐይታ ይነግረና (ዮሓ 15፡12 ረአ)። ተቐቢሉ ኣብ ዘለዓለማዊ መኣዱ ምእንቲ ከእትወካ፡ ንኽርስቶስ ኣብ መኣድኻ ከም ጋሻኻ ገይርካ ተቐበሎ።

ኣብ መወዳእታ ፍርዱ ኣብ ሰማያዊ መንግሥቱ፡ ከም ወዱ ገይሩ ምእንቲ ኪቕበለካ፡ ንኽርስቶስ ጋሻ ኣብ ገዛኻ ኣዕቁቦ። ብሓብለ ሰላምን ፍቕርን ገይርካ፡ ኣኅዋት ነንሕድሕዶም ብኅብረት ተኣሳሲሮም ከምዚነብሩ ግበር። ምሕረትን፡ ሕያውነትን፡ ትሕትናን፡ ለዋህነትን፡ ትዕግሥትን ከምዚህልወካ ግበር። ከምቲ ጐይታ ዚመሓረካ፡ ንስኻ ከኣ መሓር። ኣብ ፍጽምና እተብጽሕ ንሳ ኢያ እሞ፡ ልዕሊ ኵሉ ፍቕሪ ይሃልኻ (ቆላ 3፡12-14 ረአ)።


ብዛዕባ ካልእ ትሓስብ እንተኮይንካ፡ ብህያውነት ክትእርሞ ጽዓር እምበር፡ ተቐዳዲምካ ኣይትዀርየሉ። ነቶም እትዕገሶም ክትእርሞም ኢልካ ጸዓር፥ ነቶም እትእርሞም ከኣ ተዓገሶም ኢኻ። ንስኻሲ፡ ስለምንታይ ኢኻ ብጌጋ ካልኦት ትሓዝን? ንስኻ ዲኻ ትፍረደሉ? ብዛዕባ ጌጋ ካልኦት እንክትግደስ ብዛዕባ ጌጋኻ ኣይኽትግደስን ኢኻ። እቲ ዚቃወመካ፡ ንዓኻ ጠቒሙ፡ ንርእሱ ስለ ዚጐድእ፡ ንኸምዙይ ዝበለ ሰብ፡ ኣፍቅሮ እምበር፡ ኣይትሓዘሉ።

እቲ ንስኻ እትርእዮ ትዕግሥትን ለዋህነትን ብጠባዩ ከምዚመሓየሽ ኪገብሮ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ምስክርነት ፍቕሪ፡ ክፉእ ንዚገበረካ ፍቕሪ ምልጋስ ኢዩ (ሉቃ 6፡27 ረአ)። ንዓርክኻ ብስም ክርስቶስ ንጸላኢኻ ከኣ ምእንቲ ክርስቶስ ኢልካ ኣፍቅሮም። ነቲ ከተፍቅሮ እናደለኻ እውን ባህሪኻ ዚቃወመካ እቲ ኣብ ነፍሱ ተኃቢኡ ዚርከብ ኢየሱስ፡ ባዕሉ ከምተፍቅሮ ይገብረካ። ንጸላእትኻ ክትዕገሥ ከሎኻ፡ ሰብ ከም ቅድስና ገይሮም ኢዮም ዚርእይዎ፥ ንጸላእትኻ ከተፍቅር ከሎኻ ከኣ፡ እግዚኣብሔር ከም ቅድስና ኢዩ ዚርእዮ (ማቴ 5፡44: ሉቃ 6፡27 ረአ)። ጽልኢ ባእሲ የለዓዕል፡ ፍቕሪ ከኣ ንበደል ይኃድግ።

ፍቕሪ ዶብ ስለ ዘይብሉ፡ ፍቅሪ ንዘለዎ ሰብ ኵሉ፡ ብርቱዕ ዚበሃለሉ ነገር የልቦን። ነቶም ፍሉይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት፡ ብምኽንያት ፍሉይ ህያቦም ኣብሊጽካ ኣይትፍተዎም፡ ከመይ እዚኣቶምውን ብስራሖም ክፉኣት ኪኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ካብ ፍቕርን ካብ ጸሎትን ዚርከብ ድንቂ ዝኾነ ነገር ኣፍቅሮ ኢኻ። ምስ ኵሎም ኣኅዋት ኃቢርካን ንዅሎም እናፍቀርካን ክትነብር ጽዓር። ኣብዙ ዓለምዙይ ስደተኛን መንገደኛን ከምዝኾንካ ከይረሳዕካ፡ ኣብዙ ስደትዙይ ንበይንኻ ከምዘይኮንካን፡ እንታይደኣስ ዕላማኹምን ሃገርኩምን ሓደ ዝኾነ፡ ኵልኹም ደቂ መንግሥተ ሰማይ ምዃንኩም ኣይትረስዕ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምሕረት ንኽትረክብ፡ ምሕረት ግበር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 05 May 2021, 04:11

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

57 - ምሕረት ንኽትረክብ፡ ምሕረት ግበር

ንብጻይካ፡ በኅልፊ ግን ነቶም ዘሳቕዩኻ፡ ብልብኻ ኣይትቕተሎም። ንሳቶም እቶም ብመደብ እግዚኣብሔር ነዓኻ ዚሰርሑ፡ ባዕሉ ኣምላኽ ዘዋፍሮም ልኡኻቱ ከምዝኾኑ ገይርካ ረኣዮም። ኢየሱስዶ ኣንፃር ሃናን፡ ቀያፋን፡ ጲላጦስን፡ ተዋጊኡ ኢዩ? ኣብ ልብኻ ቂምን በቐልን ዚስመዓኻ እንተሊዩካ፡ ስለ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልካዮ፡ ብዙኅ ጊዜ ኣንፃር ርእስኻን ኣንፃር እቲ ዝሩግ ዝኾነ ፍትወት ሥጋኻን ተበቀልን ሕነኻ ፍደን። ሰባት ሓንቲ ዘረባ ኣንጻርካ ምስ ዚዛረቡ ትዅሪ ካብ ኰንካ፡ እግዚኣብሔር ደኣ፡ እዙ ኵሉ ካብ ፍጡራቱ ዚወርዶ በደል ከመይ ገይሩ ይዕገሶ ይኸውን ኢልካ፡ እስኪ ቁሩብ ሕሰብን ኣስተንትንን።

ንኵሉ ስለ እትፈቱ፡ ጸላኢ ኪህልወኒ ኣይግባእን ኢልካ ብምሕሳብካ፡ ብዙኅ ኢኻ ትጋገ። ኢየሱስ እኳ፡ ጽቡቕ ጥራይ እናገበረን፡ ነቶም ኵሎም ብሸይጣን ተወሪሶም ዝነበሩ ናጻ እናውጽኤን (ግብ 10፡38 ረአ) ካብ ኵሉ ሕማምን ስንክልናን እናሕወየን (ማቴ 4፡23 ረአ)፡ ምሉእ ሕይወቱ ኣኅሊፉ ከሎኳ፡ ጸላእቲ ከምዝነበሩዎ ኣይትረስዕ።


እግዚኣብሔር ኪምሕረካ እንተደሊኻ ንስኻ እውን መሓር (ማቴ 6፡14-15 ረአ)። ንብጻይካ ይቕረ ብምባል፡ ንዓኻ ዓቢይ ክብሪ ኢዩ፥ ውሉድነት እግዚኣብሔር ኢዩ ዜውበካ (ማቴ 5፡45 ረአ)። ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ንብጻይካ ምሕረት እንተገይርካ፡ ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ነቐልካ፡ መላእኽቲ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ቤትካ ምስ ክርስቶስ ኮይኖም ኪቕበሉኻ ኢዮም። ከምቲ እግዚኣብሔር ክትልምኖ ከሎኻ ኪሰምዓካ እትደሊ፡ ንስኻ እውን ንዚልምነካ ኵሉ ልመናኡ ስምዓዮን ተቐበሎን።

እቲ ኪግበረልካ ኢልካ ንርእስኻ እትሓቶ ነገር፡ ንኻልእ ኣይትኽላእ። ልቢ ኣምላኽ ንዓካ ኪኽፈተልካ እንተደሊኻ፡ ንስኻ ከኣ ብወገንካ፡ ንዚልመነካ ኵሉ ልብኻ ኣይትዕጸወሉ። ንርእስኻ ርኅራኄ ትደሊ ካብ ኮንካ፡ ንስኻ እውን ንኻልኦት ርኅራኄ ግበር። ብዓይኒ ርኅራኄ ኪርእዩካ ትደሊ እንተኾይንካ፡ ንስኻ እውን ብዓይኒ ርኅራኄ ረኣዮም (ማቴ 18፡21-35 ረአ)። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ብልግሲ ዝሃብካዮ ነገር፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ክትረኽቦ ኢኻ፥ እቲ በቒቕካ ዘይሃብካዮ ከኣ፡ ጥፉእ ኮይኑ ኪጸንሓካ ኢዩ።

ነቲ ኵሉ ዝረኸብካዮ በደል ረስዕ፥ ነቲ ኵሉ ዝተገብረልካ ጽቡቕ ነገር ከኣ ኣይትረስዕ። ጽቡቕ ንዚገበረልካ ሞሳ ምምላስን፡ ንዚበደለካ ይቕረ ምባልን ምልክት ጭዋ ሰብ ኢዩ። ነቶም ዚጸርፉካ ብጽቡቕ ኣልዕሎም፥ ነቶም ዘዋርዱኻ ከኣ ኣኽብሮም ኢኻ (ሉቃ 6፡28 ረአ)። ኣብ ስራህካ፡ ሰብ ከኽብረካን ሞሳ ኪመልሰልካን ኢልካ ኣይትጸበ። ንድኅሪት ግልጽ ከይበልካ፡ ውራይ ምዝራእካ ግበር።

በዲልካዮ ከሎኻ፡ እግዚኣብሔር ካብ ምፍቃርካ ዘየቋረጸ፡ንስኻ ደኣ፡ ከመይ ገይርካ ንዘየፍቅረካ፡ ፍቕርኻ ትኸልኦ? ንስኻ ግን ነቲ ዚጸልኣካ ከተፍቅር ጽዓር (ማቴ 5፡44: ሉቃ 6፡27 ረአ)። ነቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ስምዒት ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ንስምዒት ሕነምፍዳይ ናብ ምሕረት ኪቕይረልካ ንእግዚኣብሔር ለምኖ። ኦ ጐይታ ኣብ ጸበባ ጭቝናትን፡ ኣብ ሻቕሎት ሕዙናትን፡ ኣብ ስቓይ እቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉን፡ ዚደናገጽን ዚሳተፍን ልቢ ሃበኒ፥ ከምኡ እውን ንድኻ ዚርኅርኅን፡ ቀልጢፉ ዚድንግጽን፡ ቀልጢፉ ዘማኻንን፡ ቀልጢፉ ይቕረ ዚብልን ልቢ ክትህበኒ እልምነኻ ኣሎኹ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምጽዋት፡ ንግሥቲ መንፈሳዊ ኃይላት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 May 2021, 03:41

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

58 - ምጽዋት፡ ንግሥቲ መንፈሳዊ ኃይላት

ምጽዋት፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጻሒፉ ከምዚርከብ፡ እታ ሓቀኛ ናይ ርኅራኄ ተግባር እያ (ጦቢት 4፡7፡11: ሲራ 4:1 ረአ)። ምጽዋት፡ ንግሥቲ መንፈሳዊ ኃይላት ኢያ። ምጽዋት ክትገብር ከሎኻ፡ ቅድሚ ኵሉ ብገንዘብ እማትካ ከይትምጽውት ቅኑዕን ፍትሔኛን ሰብ ክትከውን ጽዓር። ንድኻ ክትሕግዞ ዚግብኣካ ከኣ፡ ሰብ ብምዃኑ ደኣ እምበር፡ ትፈልጦ ስለ ዝኾንካ ጥራይ ኣይኮነን።

ምጽዋት ክትገብር ከሎኻ፡ ጠባዩ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዘይኮነስ፡ ድኽነቱን ሕማቕ ዕድሉን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ጥራይ ኢኻ ክይሕግዞ ዝግብኣካ (ኢዩ 31፡32 ረኣ)። ምጻዋት ክትህብ ከሎኻ፡ ፈራዲ ክትኮኖ ኣይግባእን። ሕይወት ድኻ ክትምርምር እንተጀሚርካ፡ ንማንም ኣይክትድንግጽን ኢኻ። ኣብ ጸበባ ንዚርከብ ኵሉ፡ እቲ ሰብ ከመይ ኢሉ ኣብ ድኽነት ከምዚበጽሔ ክትፈልጥ ከይደለኻ ብግሩህ ልቢ፡ ህልው ኵነታቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ጽቡቕ ግበረሉ።

እዚ ሓገዝ ዚቕበል ሰብ፡ እግዚአብሔር ጸብጻብ እቲ ዝተቐበሎን ንምንታይ ኢሉ ከምዝተቐበሎን ኪጥይቖ ኢዩ። ኢድካ ምጽዋት ኪህብ ወስ ክብል ከሎ፡ ልብኻ ከኣ ብፍቕሪ ይለግስ። ምጽዋት ኪትህብ ከሎኻ፡ ኣይትጠዓስ፡ እንታይደኣ ነቲ ጻማኻ ዚህበካ ኢየሱስ እናዘከርካ፡ ተሓጕስካ መጽውት (2ቆሮ 9፡6-15: ሳም 112፡9 ረአ)።

እትገብሮ ምጽዋት ናብ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ዚቕየር መኣስ ይመስለካ፡ ምስኡ ክትዳነገጽ ከሎኻን ኣብቲ ጸገሙ ብኣካል ክትሳተፍ ከሎኻን ኢዩ (ሮም 12፡15 ረኣ)። ክትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቶም ብሰብ ኪምጐሱ ኢሎም፡ መለኸት እናነፍሑ ዚምጽዉቱ ፈሪሳውያን ኣይትኹን። እነግረካ አሎኹ፡ ንሳቶም ዓስቦም ድሮ ተቐቢሎም ኢዮም። ንስኻ ግን ምጽዋትካ ብኅቡእ ግበሮ፡ እቲ ብኅቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ከኣ፡ ዓስብኻ ኪህበካ ኢዩ (ማቴ 6፡24 ረኣ)።

እግዚአብሔር፡ ንዓኻ ብምሕረትን ርኅራኄን ምእንቲ ኪቅበለካ፡ ንስኻ ከኣ ብወገንካ ምስ ኵሉ ድኻ ርኅሩኅን ለጋስን ኩን። በቲ ዝገበርካዮ ክፉእ ነገር ተጣዒስካ እናኽትምጽውት ንበደላትካ ካሕሳ ትኸፍል፡ ምእንቲ ኃጢኣትካ ከኣ ንስሓ ትገብር፥ ምጽዋት ካብ ጸሎትን ካብ ጾምን ዝበለጸ ኢዩ (ዳን 4፡24 ረኣ) ።ወርቂ ካብ ምዅማር ምጽዋት ምግባር ይሓይሽ። ምጽዋት ካብ ሞት የድኅነካ፡ ካብ ኃጢኣት ከኣ የንጽሓካ። እቶም ምጽዋትን ናይ ፍትሒ ተግባራትን ዜዘውትሩ ነዊኅ ዕድመ ኪህልዎም ኢዩ (ጦቢት 12፡8-9 ረአ)።


ምጽዋት ጠበቃ ነገርካን ዋሕስ ሕይወትካን ኢዩ። ሓደ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገበሮ ምጽዋት ናብ ሰማይ ኂዙዎ ኪኣቱ ከሎ፡ ኣብኡ ዚቃወሞ ኣይኪረኽብን ኢዩ (ግብ 10፡4 ረአ)። ገንዘብ ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ ቤት ምእንቲ ኪቕበሉኻ፡ ብገንዘብ እዙ ዓመጸኛ ዝኾነ ዓለምዙይ ገይርካ ኣዕሩኽ ፍጠር ኢኻ (ሉቃ 16፡9 ረአ)። ምጽዋት፡ ሽሕዃ ሰማያዊ ዓስቢ ዚውህብን ኣብ ሰማይ ከኣ ሃብቲ እትቕበለሉን እንተኾነ፡ ግን ንጊዚኣዊ ረብሓ ኢልካ ዚግበር ነገር ኣይኮነን፡ እንታይደኣ እቲ ንሓደ ድኻ እትህቦ ወይ እትገብሮ ነገር ንኢየሱስ ከምዝተዋህበን ከምዝተገብረን ገይርካ፡ ኪእመን ይግባእ (ማቴ 25፡31-46 ረኣ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ጸገም ዚርከብ ኃውካ ርዳእ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Jun 2021, 03:06

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

59 - ኣብ ጸገም ዚርከብ ኃውካ ርዳእ

ንድኻ ጐሲኻ ኣይትሕለፍ፥ ንስኻ እውን ከምኡ ድኻ ኮይንካ እንተትኸውን ነይርካ፡ እንታይ ኪግበረልካ ምደለኻ ነይርካ? ምስ ድኻ ርክብ ምብዛኅ ዚያዳ ሕያዋይ ክትከውን ይሕግዘካ ኢዩ። ሓደ ድኻ ተገዲዱ ምሽክንክን እንተበለካ፡ ነቲ ጽኑዕ ልብኻ ከረስርሶ ኢሉ ኢዩ። ንድኻ ክትሕግዝ ከሎኻ ብዘይካ ብድኽነት ብኵሉ ከማኻ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ኣይትተዓበየሉ።

እቲ ንድኻ ዚንዕቕ ንርእሱ ኢዩ ኪነዓቕ ዚግባእ። ድኻ ምዃን ዜሕፍር ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ድኻ ዝኾነ ሰብ ናባኻ ኪመጽእ ከሎ፡ እግዚኣብሔር ብኃደራ ናባኻ ይሰደልካ ከምዘሎ ገይርካ ሓሲብካ ብኽብሪ ተቐበሎ ደኣ እምበር፡ ፈጺምካ ክትንዕቆ የብልካን። ኣብ ናይ ድኻ ሽግር እንድኅሪ ተሳቲፍካ፡ ንዓኻ፡ ዓቢይ ክብሪ ከምዝኾነ ክትርዳእ ይግባእ። ምስ ኵሉ ተቐባሊ ጋሻ ኩን። መን ይፈልጥ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ከይተፈለጠካ መላእኽቲ አጋይሽካ ኪኾኑ ይኽእሉ ኢዮም (ኦዘ 18፡2: 19፡2: ዕብ 13፡2 ረአ)።

ምእንቲ ፍቕሪ ካልኦት ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ረስዕ። እቲ ካብ መኣድኻ ዝተርፍ እንጌራ፡ እንጌራ ድኻ ከምዝኾነን፥ እቲ ኣብ ከብሕኻ ተቐሚጡ ዘሎ ክዳን፡ ክዳን እቲ ዓሪቑ ዘሎ ድኻ ከምዝኾነን፥ እቲ ዘይቲወድዮ ሳእንኻ፡ ሳእኒ እቲ ጥራሕ እግሩ ዚኸይድ ዘሎ ድኻ ከምዝኾነን፥ እቲ ክትገብሮ ዚግባኣካ ግን ከኣ ዘይትገብሮ ናይ ፍቕሪ ስራህ፡ ክንድኡ ዝኸውን ከኣ፡ ንስኻ እትፍጽሞ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከምዘሎን ሓሲብካ፡ እዙ ኵሉ ካብ ምዝካር ዓዲ ኣይትውዓል ኢኻ (ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ባሲልዮስ)።

ብሓሳብካ ናብቲ ናይ ሰማይ ሕይወት ክትሰግር እንተኺኢልካ፡ ንሃብቲ፡ ንጣዕሚ ሕይወት፡ ንወርቂ፡ ንብሩር፡ ንኽዳን ሓሪ፡ ንድግሳት፡ ነዙ ኩሉ ከም ኢምንት ገይርካ ክትቈጽሮ ኢኻ፥ ድኻ ንምሕጋዝ ከኣ ዝበለጸ ድሌት ኪኃድረካ ኢዩ።

በቲ ኢየሱስ ዘምጽኣልካ ድኅነት፡ ብብዝኂ ይኹን ብዓይነት ይኹን ክንደይ ሃብቲ ከምዝረከብካ፥ ከምኡ እውን ካብ ክንደይ ሕማቕ ነገር ከምዝደኃንካን፥ ቅድም ንስኻ መን ከምዝነበርካን፡ ድኃርከ መን ከምዝኾንካን እስኪ ሕሰብ። ጠፊእካ ነይርካ ግን ተረኺብካ፥ ሞይትካ ነይርካ ግን ካብ ሞት ተንሢእካ (ሉቃ 15፡32 ረአ)፥ ጸላኢ ኣምላኽ ነይርካ ግን ምስኡ ተዓሪቕኻ። ንስኻ ኅልፊ ካልኦት ተቐቢልካ ከሎኻስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ደኣ፡ ሓገዝካ ንዚደሊ ክንዱዙይ ዚኣክል ትበቕቕ?።

ንዝለመነካ ድኻ ብለጋስነትን ብኣኽብሮትን ሃብ (ኦዘጸ 15፡10-11 ረአ)። ጽቡቕ ክትገብር ክእለት ኣሊዩካ እንተኮይኑ፡ ቀልጢፍካ ግበሮ። ሃብታም እንተኮይንካ፡ ካብቲ እግዚኣብሔር ሂቡካ ዘሎ ሃብቲ ንድኻ ኣካፍል። ሃብታም ንድኻ ኪሕግዝ ግቡኡ ኢዩ። ነቲ ኣብ መሬት ኮፍ ኢሉ ዚልምን ድኻ ዝሃብካዮ ሓገዝ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ፈጣሪ ኢኻ እትህቦ፡ (ማቴ 25፡40 ረአ)። ነቲ ዚሳቐ፡ ንስኻ ኣብ ጸገሙ ዘጸናንዕ መልኣኽ ኩኖ። እግዚኣብሔር ጸብጻብ እቲ ዝሃበካ ኵሉ ከይሓተካ፡ ዝከኣለካ ኵሉ ንድኻ ሃብ። ንስኻ እውን፡ ሓደ ካብቶም “ህንካ ምባል ዘይለመዱስ፡ ሃበኒ ምባል መን ኣልመዶም” ዚበሃሉ ከይትኸውን፡ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ ኪቕበሉን ኢዶም ዚዝርግሑ፡ ኪህቡን ኢዶም ዘይዝርግሑ ኣይትኹን። ንስኻ በኅዋት ገይርካ ንኢየሱስ ከተገልግል እምበር፡ ድላይካ ክትገብር ከምዘይትኽእል ኣይትረስዕ ኢኻ። እግዚኣብሔር ብሰንኪ ድኻ፡ ይጠምን ይጸምእን ኣሎ። ንስኻ፡ ነቲ ኣብ መንበረ ታቦት እተኽብሮ ሰብነት ክርስቶስ፡ ኣብቶም ኣካላቱ ዝኾኑ ድኻታት መስሓቕን ንዑቕን ከምዚኸውን ኣይትግበር።

እግዚኣብሔር ንምድራዊ ቤት ወይ ንቤተ ክርስቲያኑ ዚወሃብ ውህበት ብታሕጓስ ኢዩ ዚቕበሎ፡ ግን እቲ ኣውራ ዜሕጕሶ ውህበት እቲ ንድኻታት ዚወሃብ ሓገዝ ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣብነት፡ ዚረብሕ እቲ ወሃቢ ጥራይ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ ኣብነት ግን፡ ክልቲኣቶም ኢዮም ዚረብሑ።

እቲ መሥዋዕቲ ዚዓርገሉ ታቦት ብወርቂ ዝተሰርሐ ሽኽላ መሊኦም እንተሃለዉ እውን፡ ኢየሱስ ግን ኣብ ድኻ ኣካላቱ፡ ሰብነቱ ብጥሜት እንተሞይቱ እንታይ ኢዩ ረብሓኡ?። ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንዳሸለምካ፡ ነቲ ዚሳቐ ኃውካ፡ ልብኻ ኣይትዕጸወሉ። እምበኣር እቲ ሕያው ቤት መቕደስ ዝኾነ ልቢ ኃውካ፡ ካብቲ ብጽሩብ ኣእማን ዝተሰርሐ ቤት መቕደስ ዝኾነ ልቢ ኃውካ፡ ካብቲ ብጽሩብ ኣእማን ዝተሰርሐ ቤት መቕደስ ዝበለጸ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሽግርን ጸበባን ዘሎ ኃውካ ከይሓገዝካ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ኣባኻ ኪኃድር ይኽእል።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጻማኻ ኪበዝኅ፡ ንድኻ ሓግዝ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Jul 2021, 05:50

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

60 - ጻማኻ ኪበዝኅ፡ ንድኻ ሓግዝ

ንስኻ ሃብታም ኣንተኮይንካ፡ ካብ ኢድ ድኻ ዚቐርበካ ኢድ ከምዘይብልካ ዘክር። ሓቀኛ ሃብቲ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዘይኮነስ፡ እቲ ኢድ እትህቦ ኢዩ። እቲ ገንዘብካ፡ ገንዘብ ጐይታ ስለ ዝኾነ፡ ንሱ፡ ሃብቲ ዚሃበካ፡ ንድኻ ምእንቲ ከተካፍል ኢሉ ኢዩ። ስቓይ ሰብ ንኸተቃልል ኢልካ እትልግሶ ገንዘብ፡ ንዓኻ ዓቢይ መኽሰብ ከምዝኾነ ኣይትረስዕ። ካብቲ እትህቦ፡ እትቕበሎ ከምዚበዝኅ ፈሊጥካ፡ ክትህብ ከሎኻ ተሓጕስካ ሃብ። ጐይታ ዚፈቱ ነቲ ተሓጕሱ ዚህብ ሰብ ኢዩ (2ቆሮ 9፡7 ረኣ)።


ሓረስታይ ንዘርኡ ናብ ግራቱ እናበተነ ኪዘርእ ከሎ፡ ዚኸስብ ድኣ እምበር፡ ዚኸስር ኮይኑ ኣይስመዖን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ንድኻ ክትህብ ከሎኻ፡ ንዝበለጸ መኽሰብ ኢኻ ትገብሮ ዘሎኻ፡ ስለምንታይ እንተበልካ፡ እቲ እትህቦ ዘሎኻ ምጽዋት፡ ብኢድ ድኻ ገይርካ ንኽርስቶስ ኢኻ ትህቦ ዘሎኻ። ካብቲ እትህቦ ከኣ እትቕበሎ ይበዝኅ።

ከምቲ ዝተዘርኣ ስርናይ መኽሰብ ዘራኢኡ ዚኸውን፡ ከምኡ ከኣ፡ እቲ ንዝጠመየ ዝተዋህበ እንጌራ፡ ብዙኅ ጥቕሚ ኣለዎ። “ንስኻ ገጽካ ንድኻ፡ ኣይትኽልኣዮ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንዓኻ፡ ገጹ ኣይኸልኣካን ኢዩ” (ጦቢት 4፡7 ረኣአ)። ብለጋስነት ዝራእ፡ ብዙኅ ምህርቲ ከኣ ክትእክብ ኢኻ። ንድኻ ዚህብ፡ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዚህብ። እቲ ኣብ ኢድ ድኻ ዝተቐመጠ ኃላፊ ገንዘብካ፡ ዘይበላሾን ዘይሓልፍን ገንዘብ ኢዩ ዚኾነልካ። ጽባሕ፡ ምስ ሞትካ፡ እትረኽቦ ገንዘብ፡ እዙ ሕጂ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ፡ ዝለገስካዮ ገንዘብ ኢዩ።


ብሰብ ክትሙገስ ኢልካ፡ ንድኻ ኣይትሓግዝ። እግዚኣብሒኤር ጥራሕ ኢዩ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ዓስቢ ዚህበኻ፥ ሰብ ብሓንቲ ነገርኳ ኪጠቕመካ ኣይኽእልን ኢዩ። ንስኻ፡ እቲ ንድኻ እትህቦ፡ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ኢኻ ትዓቝሮ። ምጽዋት ብምሃብ፡ ሃብቲ ከተጥሪ ኢኻ (ሲራ 29፡12 ረአ)። “ምሳሕ እንተገበርካ ድኻታትን፡ ቈራያትን፡ ሓንካሳትን፡ ዕዉራትን፡ ደኣ ጸውዕ፡ ንሳቶም ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብፁዕ ክትከውን ኢኻ፣ ብትንሣኤ ጻድቃን እውን፡ ክትፍደዮ ኢኻ” (ሉቃ 14፡13-14)።

ምስ ድኻ እቲ ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ገንዘብካ ከተቐምጦ ትኽእል ኢኻ፥ ዚሕገዝ ድኻ ክትረክብ ከሎኻ፡ ንዓኻ፡ ዓቢይ ዕድል ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ “ኣታ በቦይ ዝተባረኽካ እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልካ መንግሥቲ ክትወርስ ንዓ፥ ምኽንያቱ ጠምየ ነይረ አብሊዕካኒ፡ ጸሚኤ ነይረ ኣስቲኻኒ፡ ጋሻ ኮይነ መጺኤካ ተቀቢልካኒ፡ ዓሪቐ ነይረ ከዲንካኒ፡ ሓሚመን ተኣሲረነ ነይረ በጺሕካኒ” (ማቴ 25፡ 34-36)።

ኢየሱስ ብምኽንያት ድኻ ይጠምን ይጸምእን ኣሎ። ንሱ እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚቕበላ ገንዘብ፡ ኣብ ሰማይ ኪመልሰልካ ኢዩ (ማቴ 25፡42 ፥ ሉቃ 14፡4 ረአ)። “እቲ ንድኻ ዚህብ ንእግዚኣብሔር ኢዩ ዜለቅሖ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኪፈድዮ ኢዩ” (ምሳ 19፡17)። ንድኻ ምስ ትሕግዝ፡ ኣብቲ ሰማያዊ ባንክ ኢኻ ትዓቝሮ እምበር፡ ሃብትካ ኣይጠፍእን ኢዩ። ንቤተ መንግሥቲ ኣገልጊልካ ካብ እትረኽቦ ክብሪ፡ ንድኻ ኣገልጊልካ እትረኽቦ ክብሪ ይዓቢ። ገንዘብ ንረብሓ ድኻታት እንተኣውዒልካዮ፡ ንድኅነትካ ዕንቅፋት ዘይኮነስ፡ ኣብ ድኅነት ንኽትበጽሕ ኢዩ ዚሕግዘካ (ዳን 4፡24 ረአ)።

ሃብቲ ጠፋእይ ኢዩ፥ ሎሚ ድኻ ዝነበረ ካልእ መዓልቲ ሃብታም ኮይኑ ትርእዮ፡ ጽባሕ ከኣ፡ ሓደ ሃብታም ዝነበረ ድኻ ኮይኑ ትርእዮ። እምበኣርከስ፡ ሃብትኻ ተሓልዩን፡ እናማዕበለን፡ እናወሰኸን ንኺነብር ገንዘብካ ድኻታት ኪሕልዉልካ፡ ኣብ ትሕቲ ዕቕባኦም ኣንብሮ። ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተፋኖኻ፡ ንሳቶም ኣብቲ ዘለዓለማዊ ቤቶም ኪቕበሉኻ ኢዮም (ሉቃ 16፡9 ረአ)።



ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቕሪ፡ ፀሓይ - ጽድቂ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 02 Aug 2021, 09:07

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

61- ፍቕሪ፡ ፀሓይ - ጽድቂ ኢዩ

ፍቕሪ እንተሊዩካ፡ እቲ ፍቕሪ’ቲ ንምውታን ዜተሥእ ህያብ ኢዩ። ብዘይፍቕሪ፡ ናይ ሃይማኖት ሰማዕትነት እውን ኣይጠቕምን ኢዩ። ንስኻ፡ ንኣምላኽ እትመስሎ፡ ተኣምር ሰሪሕካ ዘይኮነስ፡ ንኵሉ እንተፍቂርካ ጥራይ ኢዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ (1ዮሓ 4፡8 ረኣ)። እቶም ተፃይ ኣምላኽ ከኣ፡ እቶም ዘየፍቅሩ ጥራይ ኢዮም።

ንሕና ኵሉ ክንገብር ንኽእል ኢና ክንብል ከሎና፡ ኣብ ሕጊ ፍቕሪ ተመሥሪትና ኢና። ፍቕሪ፡ ንኻልእ ክትእርምን ከተለዓዕልን፡ ከተማዕብልን፡ ዚደፍኣካ ኃይሊ ኢዩ፥ ብዘይ ፍቕሪ ጽቡቕ ስራሕ ኪስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ፍቕሪ፡ ናብ ልቢ እትኣቱ፡ ምስ ካልኦት መንፈሳዊ ኃይላት ኃቢራ ኢያ። ብዛዕባ ናይ ፍቕሪ መንፈሳዊ ኃይሊ ክንዛረብ ከሎና፡ ብዝለዓለ ደረጃ፡ እቶም ካልኦት መንፈሳውያን ኃይላት እውን፡ ኣብኣ ተጠቕሊሎም ኢዮም ዚርከቡ።

ብሓቂ ፍቕሪ፡ ፀሓይ ጽድቂ ኢያ፥ ፍቕሪ ልዕሊ ኵሉ መንፈሳዉያን ኃይላት ኢያ። ፍቕሪ፡ እታ ኣብ ኵሎም መንፈሳውያን ኃይላት፡ ኣብ ልቢ ደቅ ሰብ፡ ብርቱዕ ምልክት እትገድፍ ኢያ። ፍቕሪ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝበርትዔ መሣርሒ ኢዩ። ንፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጊ ወይ መስፈሪ ከተንብራ ኣይትኽእልን ኢኻ። ፍቕሪ ኢያ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኃጢኣትና እትሽፍኖ (ምሳ 10፡12 ፥ 1ጴጥ 4:8 ረኣ)።

ፍቕሪ’ እቲ ካብ መጻሕፍቲ ዘይትመሃሮ ልቦና ልቢ ኢያ ተምህረካ። ከምቲ ሕሰም፡ ምልክት ሓደ ጸቢብን፡ ድኻን ልቢ ዝኾነ፡ ከምኡ ከኣ፡ ፍቕሪ፡ ምልክት ሰፊሕ ልቢ ኢያ። እቲ ንመንፈሳዊ ገዝኡ፡ ብትሕትና ዚምሥርትን ዚሓንጽን፡ ብትምህርቲ ዘይኮነስ፡ ብፍቕሪ ኢዩ (1ቆሮ 8:1 ፥ 3፥11 ረኣ)። ብዘይፍቕሪ ንኣምላኽ ዜሕጕስ ነገር የልቦን፥ ፍቕርን ሓድነትን ዘይብሉ፡ እግዚኣብሔር የብሉን። ኣብ ሕይወት ወዲሰብ፡ ሓንቲ ዓባይ ነገር ጥራይ ኢያ ዘላ፡ ንሳ ከኣ፡ እታ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እትገራ ነገር ኢያ።

ናብ ናይ እምነት ማዓሙቕ ንኽትኣቱ፡ ናብ ናይ ፍቕሪ ብርሃን ክትጥሕል ኣሎካ። እቲ ጽቡቕ ዚገብር ብርሃን ኢዩ ዚፈቱ። እቲ ዜፍቅር ከኣ፡ ብብርሃን ኢዩ ዚኸይድ። እቲ ንፍቕሪ ዚወልዶ ጽቡቕ ተግባር ኪኸውን ከሎ፡ ንእምነት ከኣ ፍቕሪ ኢያ ትወልዳ። ከምኡ ከኣ፡ ንፍቕሪ ሕይወት እትህባ፡ እምነት ኢያ። ንስኻ ፍቕሪ ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ምናልባት እምነትካ ስለ ዝሞተት ይኸውን።

ንርእስኻን ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይን ምፍቃር፡ ንፍቕሪ ክንደይ የባልሽዎን ንልቢ ከኣ ክንደይ የንቅጾን ይመስለካ! ንስኻ ንሰብ ካብ ፍቕሪ ዚዓቢ ነገር ከተቕርበሉ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ከማኡ እውን ንሰብ ብዘይካ ፍቕሪ ካልእ ክትህቦ ኣይግባእን ኢዩ። መብዛኅትኡ ጊዜ፡ ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ሰባት ታሕጓስ ዚፍጠር፡ ንስኻ ብሕያውነትን ብፍቕርን ትቀርቦም እንተዀንካ ኢዩ።

ብዘይፍቕሪ ካብ ምንባር፡ ብሓደ ኣፉ ዘይምንባር ይሓሽ። እዛ ፍቕሪ ብጻይ፡ ከም ሓንቲ ዓባይ እመቤት ስለ ዝኾነት፡ ንሳ እትእዝዞ ነገር ምፍጻም ይግባእ። ፍቕሪ፡ ንኻልኦት ምስ ኵሉ ክፉእ ኣመላቶም ከምታ ዘለውዋ ገይርካ ክትቅበሎም ኢያ ትግድደካ። ንስኻ፡ ንኵሉ ከም ኃውካን ኃፍትካን ገይርካ ንኽትኅዞ፡ ንኵሉ ስራሕ ብጻይካ፡ ጽቡቕ ትርጉም ክትህበሉ ጽዓር።

ጽቡቕ ነገር እምበር፡ ክፉእ ነገር ክትዕዘብ ኢልካ ናይ ካልኦት ስራሕ ኣይትመልከት። ዋላ ነቲ ጸላኢኻ ዚበሃል ተፃይ ፍቕሪ ዝኾነ ሓሳብ ኣባኻ ኣይኅደር። ቅድስና ዚርከብ ኣብ ፍቕሪ እምበር፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ወይ ኣብ ፍልጠት ኣይኮነን። ፍቕሪ ዘልዎ ድኻ ሃብታም ኢዩ፥ ፍቕሪ ዘይብሉ ሃብታም ከኣ ድኻ ኢዩ።

ንስኻ፡ ብተግባር ንቕድስናኻ እትሓንጽ፡ ብናይ ፍቕሪ ተግባር ኢዩ። ፍቕሪ፡ ንገዛእ ርእስኻ፡ እትሥውዓሉ ሕይወት ከኅድረልካ ይግባእ። እቲ ካብ ኵሉ ዝነኣሰ ግን፡ ብፍቕሪ ዝተሰነየ ስራህካ፡ ብመሠረት እቲ ሱታፌ ቅዱሳን፡ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ሕያዋንን ምውታንን ኣድማዒ ዝኾነ ስራሕ ከምዚፍጸም ኣይትረስዕ። ንስኻ፡ ንኢየሱስ ከተፍቅሮ እንተደሊኻ፡ ኣካላት ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ስለ ዚርከቡ፡ ፍቕርኻ ናብ ኵሉ ዓለም ከምዚበጽሕ ግበር። ግን እዙይ ክትገብር ከሎኻ ከኣ፡ ምእንቲ ታሕጓስ እቶም ምሳኻ ኃቢሮም ዚጐዓዙ ዘለዉ ኢልካ ግበሮ።

ከምቲ ጐይታና ብዙኅ ፍቕሪ ዚገብረልካ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ፡ ንኻልኦት ደስ እናበልካ፡ ናይ ፍቕሪ ተግባር ከተዘውትር ጽዓር። ፍቕሪ፡ ጓል ዓይኒ ኣምላኽ ኢያ። ንስኻ፡ ብዘይፍቕሪ ንእግዚኣብሔር ከተሕጕሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምቲ ሙቐት እንተሊዩ ፀሓይ በሪቑ ከምዘሎ ዚርድኣካ። ከምኡ ከኣ፡ ፍቕሪ ተዘውትር እንተኮይንካ፡ ኣብ ነፍስኻ፡ ኣምላኽ ከምዘሎ ንኻልኦት ከተረድእ ኢኻ።

ኦ ጐይታ ፍቕርካ ኣምህረኒ፡ ፍቕርኻ ሕሹኽ በለኒ። ኣነ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኮይነ፡ ከም ኾኸብ ብፍቕሪ ከም ዚበርህ ግበረኒ። ንዓይ፡ ፍቕርኻ ዋጋ ጻዕረይን፡ ብርኅራኄኻ ዝረኸብኩዎ ሩፍታ ስቓየይን፡ ጽቡቕ ስልማት ጻዕረይን ይኹነለይ። ስራሕ ፍቕሪ፡ ልክዕ ከም ስራሕ ፀሓይ ኢዩ፥ ንሳ እትነብሮ ሰማይ፡ እተብርሆ ንመሬት፥ ንሳ ንሰማይ ሃብታም ትገብሮ፡ ንምድሪ ከኣ፡ ሓጐስ ትመልኣ።

ኦ ጐይታ፡ ኣብ ፍቕርኻ እናነበርኩ፡ ነቶም ዚሳቐዩ ኣኅዋተይ ከምዘጸናንዖም፡ ነቶም ዚጠራጠሩ ከምዘብርሃሎም፡ ነቶም ዘይፈልጡ ከኣ ከምዘምህሮም ግበረኒ። ከመይሲ ሓቀኛ ፍልጠት ዚርከብ ካብ ፍቕሪ ኢዩ፥ ፍቕሪ ከኣ ተምህረካ ኢያ፥ናብ ፍቕሪ ከኣ ትመርሓካ። ኦ ጐይታ ፍቅርኻ ኣምህረኒ። ፍቅርኻ ሕሹኽ በለኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ሕጉስ ዝኾነ ማኅበር ቅዱሳን፡ ማኅሌትካ ምእንቲ ከዚመልካ፡ ሕይወተይ ምስክር ፍቅርኻ ከምዝከውን ግበረኒ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቕሪ ብጻይ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 19 Aug 2021, 05:04

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

62 - ፍቕሪ ብጻይ

ብጻይ ዚበሃል፡ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትካ ምሳኻ ከምዚራኸብ ዚገብሮ፡ ሰብ ኢዩ። ነፍስወከፍ ሰብ፡ ብጻይካ ኢዩ፥ ነፍስወከፍ ብጻይ ከኣ፡ ኃውካ ኢዩ። እቲ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዚርከብ ሰብ፡ ንሱ ፍቕሪ ዚግብኦ ፍጡር ኢዩ። ብፍላይ ግን፡ ብጻይካ ዚበሃል፡ ነፍስወከፍ ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ ኢዩ። ሌላን ጕሌላን ከይገበርካ፡ ንዚሳቐ ኵሉ፡ ሓግዝ። ዚሳቐ ሰብ፡ ንኽትሕግዞ፡ ንዓኻ፡ እዅል ምኽንያት ኢዩ።

ፍቕሪ ኣምላኽ፡ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ኢዩ፥ እንተኾነ ብተግባር፡ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ፡ ፍቕሪ ብጻይ ኢዩ። ነኅዋትካ እተርእዮ ፍቕሪ፡ እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ብተግባር እትገልጾ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ (1ዮሓ 4፡11 ረአ)። ናብ ጐይታ ገና ኣይከድካን ኣሎኻ፡ ብጻይካ ግን፡ ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ኢዩ ዚርከብ። እቲ ቅዱስ አጎስጢኖስ ዚበሎ ዘረባ ኣይትረስዕ፥ “ኣብቱ ምስኡ ክትነብር ኢልካ ትኸዶ ዘሎኻ ምእንቲ ክትበጽሕ፡ ነቲ ምሳኻ ኃቢሩ ዚጐዓዝ ዘሎ ብጻይካ ሓግዝ”። ንብጻይካ እሞ ኣፍቅር፡ ኣብ ውሽጥኻ ኣቲኻ ከኣ፡ ምንጪ ፍቕሪ ብጻይካ፡ እግዚኣብሔር ምዃኑ ክርድኣካ ኢዩ።

ፍቕሪ ብጻይ፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ዚመጽእ። ንብጻይካ ብጽቡቕ ተግባር ፍቕርኻ ምስ ትገልጸሉ፡ ንእግዚኣብሔር ብሰብ ገይርካ ተፍቅሮ፡ ንሰብ ከኣ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ኣእቲኻ ተፍቅሮ ማለት ኢዩ። ንስኻ ፍቕሪ ኣምላኽ እትገልጽ፡ ንሰብ ኃውካ፡ ፍቕርኻ ምስ ትገልጸሉ ኢዩ። ዋላ ነቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሰባት፡ ደቂ ኣምላኽ ስለ ዝኾኑ ኣፍቅሮም። ንገዛእ ርእስኻ እተፍቅር፡ ኣርኣያ ኣምላኽ ስለዝኾንካ ኢዩ፥ ኵላትና ከኣ ደቂ ኣቦ ስለ ዝኾና፡ ብጻይካ እውን ብኣርኣያ ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ።

ገጽ ኣምላኽ ክትርኢ ሃረር ትብል እንተኰይንካ፡ ኣብ ፍቕሪ ብጻይካ ድለዮ እምበር፡ ኣብቲ ባዶ ዝኾነ ሃዋህው ኣእምሮኻ ኣይትድለዮ። ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ክትለምድ እትኽእል፡ ንሰብ ብምፍቃር ኢዩ። ንእግዚኣብሔር ብእምነት ዘክሮ፡ ንብጻይካ ከኣ ብጽቡቕ ተግባር ዘክሮ። ኣብ ልብኻ ፍቕሪ ኣምላኽ ብዝበዝኃሉ መጠን፡ ኣምላኽ ኪብደል ከሎ ከኣ፡ ብዙኅ ክትሓዝን ኢኻ፥ ከምኡ እውን፡ ኣብ ልብኻ ፍቕሪ ብጻይ ብዝበዝኃሉ መጠን፡ ንሱ ናብ ጥፍኣት ኣቢሉ ኪኸይድ ከሎ፡ ንስኻ ብዙኅ ክትሓዝን ኢኻ። “ዚከኣለካ እንተኾይኑ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሠናይ ግበረሉ” (ምሳ 3፡27 ረአ)።

ንምሉእ ሕይወትካ፡ ንእግዚኣብሄር እናፍቀርካን ንብይካ ጽቡቕ እናገበርካን ኣኅልፎ። ሓቀኛ ፍልጠት ዚበሃል ከኣ፡ እዙይ ኢዩ። እንተኾነ ንብጻይካ ክትሕግዞ ዓቕሚ እንተሲኢንካ ብሥነ ሥርዓትን ብጽቡቕ ኣገባብራን ከተረድኦ ጽዓር፥ ክመይ ብሥነ ሥርዓት ከተርድኦ እንተኺኢልካ፡ ዳርጋ ዚሃጋብካዮን ዘሔጐስካዮን ኢዩ። ከምቲ ኢየሱስ፡ ሕይወቱ ኣኅሊፉ ክሳብ ምሃብ ንዓኻ ዘፍቀረካ፡ ንስኻ ከኣ ነኅዋትካ ኣፍቅር። ኣብዙ ዓለምዙይ ምእንቲ እቶም ተፍቅሮም፡ ካብ ምስቓይን ሕይወትካ ኣኅሊፍካ ካብ ምሃብን ዚዓቢ ነገር የልቦን (ዮሓ 15፡13 ረአ)።

እቲ ንምጻሩ ኃያል ዚመስል ዝነበረ ጾር፡ ግን ፍቕሪ ንዘለዎ ሰብ፡ ቀሊል ኢዩ። ፍቕሪ ብጻይ እንተሊዩካ፡ መዓልታዊ ሕይወትካ ናብ ኣገልግሎት ኣኅዋት ኢዩ ዚቕየር። ሕጊ ኣምላኽ ብምሉኡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ፡ ኣፍቅር” (ገላ 5፡14) ኣብ ዚብል ትእዛዝ ተጠቕሊሉ ይርከብ። እዙ ትእዛዝ እዙይ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ዚመስል። “እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር፡ ንሕጊ ፈጺሙዎ ኢዩ” (ሮማ 13፡8)።


ኢየሱስ ንቕዱስ መጽሓፍ ኣብ ፍቕሪ ብጻይ ጠቕሊሉዎ ኢዩ። “ሕግን ነቢያትን እዙይ ኢዩ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ግበሩሎም” (ማቴ 7፡12)። ከምቲ ንርእስኻ እተፍቕርን ንስቓይካ ከኣ ብዙኅ ግዲ እትሞተሉን፡ ንብጻይካ ከኣ እንተተፍቅሮ ነይርካ፡ ንስቓዩ ርኢኻ ከይተገደስካሉ ሱቕ ኣይምበልካን ነይርካ። ከምቲ ካልኦት ንዓኻ፡ ኪፈትዉኻን፡ ኪከናኸኑኻን፡ ኪግደሱልካን እትደሊ፡ ንስኻ ከኣ፡ ንኻልኦት ከምኡ ክትገብረሎም ይግብኣካ።

ንዋላ ሓደኳ ከይትሓሚ፡ ንኵሉ ጽቡቕ ሕሰበሉ። ብዛዕባ ብጻይካ ጽቡቕ ጥራይ ተዛረብ ወይ ከኣ ፈጺምካ ብዛዕባኡ ኣይትዛረብ፥ እንድኅሪ ትዛረብ ኮይንካ ከኣ ብቕንዕና ፍረዶ፥ ማለት ንስኻ ኣብ ክንድኡ ኮይንካ ፍረድ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ክንዳኻ ኮዩ ይፍረድ።

ምስ ብጻይካ ክትሰማማዕ እንተደሊኻ፡ ቅድሚ ኵሉ ነቲ ኵሉ ዚብሎ ነገር ጽን ኢልካ ስምዓዮ። እቲ ንብጻይካ፡ እትገብሮ ቀዳማይ ኣገልግሎት፡ ጽን ኢልካ ምስምዑ ይኹን። ንብጻይካ ንክትርድኦ እትጽዕር፡ ተፍቅሮ እንተኾይንካ ኢዩ። ብሓቂ ተፍቅሮ እንተደኣ ኾይንካ ፍቕርኻ ክትኃብኣሉ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ዘይተፍቅሮ እንተደኣ ኮይንካ ግን፡ ከምተፍቅሮ ኣምሲልካ ክትዛረቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብቱ እትገልጾ ፍቕሪ፡ ዕግበት ርእስኻ እትደሊ እንተኾይንካ፡ ብሓቀኛ ፍቕሪ እተፍቅር ዘሎኻ ኣይምሰልካ። ከምታ ጠብታ ኣሳሓይታ ኣብ ውሽጢ ቆጽሊ ዕምባባ ተኃቢኣ እትርከብ፡ ከምኡ ከኣ እቲ ንኃውካ ዘሎካ ፍቕሪ፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ኃቢእካ ኃዞ። ነዙ ዓለምዙይ ብዘይካ ካብ ፍቕሪ፡ ካብ ካልእ ኵሉ ናጻ ኮይንካ ኅለፎ። ፍቕሪ ፍልጠት ቅዱሳን ኢዩ። ኵሉ ነገር ኪኃልፍ ክንዲ ዝኾነ፡ ንኵሉ ነገር ምእንቲ ፍቕሪ ኢልካ ግበሮ። ኣብ መወዳእታ ሕይወት፡ ፍቅሪ ጥራሕ ኢያ ትተርፍ። እቲ ዜድሊ ቀንዲ ነገር፡ ካብ ፍቕሪ ከይወጻእካ ኵሉ ጊዜ ኣብ ፍቕሪ ምንባር ኢዩ።

ልቢ ክርስትና፡ ፍቕሪ ኢዩ፥ ፍቕሪ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ኢየሱስን፡ ጓል ዓይኑን፡ ቀንዲ መፈለጢ ሓዋርያቱን ኢዩ (ዮሓ 13፡35 ረአ)። ኣብ ነፍስወከፍ ኃው፡ ብሰብኣዊ ሥጋ ዝተኃብኤ፡ ኢየሱስ ባዕሉ’ሎ። ኣብ ቅዳሴ ምስ ኢየሱስ ኢኻ ትራኸብ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ከኣ፡ ምስ ኣኅዋትካ ኢኻ ትራኸብ። ንኢየሱስ እናሰገድካ፡ ነኅዋትካ እንተበዲልካዮም፡ እምነትካ ብሓቂ ተጋራጪዩ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ቅዳሴ ምስቲ ብዘይምቍራጽ ነቲ ዝለዓለ ተግባራዊ ዝኾነ ፍቕሩ ዚገልጸልካ ኢየሱስ፡ ኢኻ ትራኸብ። ብሓቂ፡ ነኅዋትካ እንተዘያፍቂርካዮም ክርስትያናዊ ሕይወትካ ይጋራጮ ኣሎ ማለት ኢዩ።

እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ገይሩ፡ ምስቶም ኣብ ዓለም ተወጊኖምን ተጨቝኖምን ዚርከቡ ሰባት ኃቢሩ ስለ ዚርከብ፡ እቲ ንዓኻ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽበካ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንዓኣቶም ናጻ ከተውጽእ ኢልካ፡ ብምጽዓርካ ኢዩ፥ ፍርድኻ ከኣ ብዛዕባኡ ኪኸውን ኢዩ (ማቴ 25፡31-46 ረአ)። ድሌት ኣምላኻ ኣንፃር ጠቕሚ ድኻ ኣይቖውምን ኢዩ። ምእንቲ ጥቕሚ ብጻዩ ዚሰርሕ ሰብ፡ ምስ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ርክብ መሥሪቱ ከምዚርከብ እሙን ኢዩ።


ምሉእ መዓልቲ ጽቡቕ ክትገብር ድኅሪ ውዒልካ፡ ምሸት ምስ ኮነ እቲ ዚስመዓካ ልባዊ ሓጐስ፡ ናይቱ ምሉእ ምድራዊ ሕይወትካ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ ኣኅሊፍካስ፡ ኣብ ዓራርቦ ምድራዊ ሕይወትካ ምስ በጻህካ፡ ኢየሱስ ንዓኻ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” (ማር 4፡35 ረአ) ምስ በለካ ኪስመዓካ ዘልዎ ሃሳስ ታሕጓስ ኢዩ። ጽቡቕ ክትገብር ከሎኻ፡ ተጠንቂቕካ ግበሮ። ካብ ብዙኅን ዘይጽቡቕን ነገር ምግባር፡ ሒዶትን ጽቡቕን ነገር ምግባር ይሓይሽ።

ጽቡቕ ንምግባር ኣይትሰልኪ፡ ዚጠፍእ ነገር የብሉን። ንኵሉ ሰብ ዚርኢ ዓይኒ ኣምላኽ ኣሎ። ኵሉ ሻዕ ጽቡቕ ግበር፥ ንኵሉ ጽቡቕ ግበር ክፉእ ነገር ንማንም ኣይትግበር። ክፉእ ነገር እትገብሮ ጥራሕ ኣይኮንካን እትሕተት፡ ናይቱ ክትገብሮ ዚግብኣካ ጽቡቕ ነገር እውን ክትሕተት ኢኻ። ሞት፡ ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ነገር ወሲዳ፡ ነቲ ኵሉ ዝገበርካዮ ነገር ክትመልሰልካ ኢያ።

ነቲ ትማሊ ዝገበርካዮ ነገር ከይዘከርካን፡ ብዛዕባ ጽባሕ፡ ይብጻሕ ኣይብጻሕ ብዘየገድስ፡ ከይተሻቐልካ፡ ሎሚ መዓልቲ ጽቡቕ ክትገብር ውዓል። ጊዜ ክሳብ ዘሎካ ጽቡቕ ግበር። ንእግዚኣብሔር ብኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከምእትፍጽሞ ኢዩ ዚግድሶ እምበር፡ ጽቡቕ ግበር ኣይትግበር ግዲ የብሉን። ሠናይ ነገር ክትገብር ከሎኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ይኹን ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም ይኹን፡ ዓስቢ ምእንቲ ክትቅበል ኢልካ ኣይትግበሮ። ኣተና ሕይወትካ፡ ንእግዚኣብሔር እንዳገልገልካ ነኅዋትካ ከተገልግል እንተትመርጽ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ ይመስለካ!።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንፍቕሪ ኣይትበድል” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Sep 2021, 04:31

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

63 - ንፍቕሪ ኣይትበድል

ከምቲ ተጣዒስካን ልብኻ ናብ ኣምላኽ መሊስካን፡ ምሕረት እትጥይቕ፡ ከምኡ ከኣ፡ ቅድሚ ኵሉ፡ ንኃውካ ከምቲ ንርእስኻ እትደልዮ ገይርካ ክትምሕሮ ይግባእ። ፍቕሪ ብምጕዳል፡ ንኃውካ ኣይትቕተል። እቲ ንኻልኦት ዝተመነኻዮ ክፉእ ነገር፡ ብልብኻ እምበር ብተግባር ክትፍጽሞ ስለ ዘይከኣልካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንልቢ ሰብ ዚምርምር ኣምላኽ ግን፡ ብተግባር ከምዝፈጸምካዮ ኢዩ ዚቝጸር (ራእ 2፡23 ረአ)።

ምስ ሓሳብካ ዘይሰማማዕ ዘረባ ንዚዛረብ ሰብ፡ ሚዛናዊ ብዝኾነ ፍርዲ ምእንቲ ክትመዝኖ፡ ንባዕልኻ እውን፡ ሚዛን ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ክትውን፡ ንበደሉ ደእ እምበር፡ ንዕኡ ኣይትጽላእ። እዙይ እንታይ ማለት ኢዩ፡ ንስኻ፡ ንጌጋን፡ ነቲ ሽሕ ጊዜ ይጋገ እምበር፡ ግን ከኣ፡ ከም ሰብ መጠን፡ ምስ ገዛእ ክብሩ ዚነብር ወዲ ሰብ፡ ፈላሊኻ ክትርእዮም ክትክእል ኣሎካ።

መን እዩ እቲ፡ ሓደ፡ ብኵሉ ዝተጸልኤ ከሎ፡ ንኵሉ ዜፍቅር፡ ንኵሉ ጽቡቕ ዚሓስብ፡ ንሓደ’ኳ ክፉእ ዘይዛረብ፡ ዓቢይ ዝኾነ ሰብ፡ ኪረክብ ዚኽእል? ዕቤትን ዋጋን ናይዙ ከምዙይ ዝበለ ሰብ፡ ካብ ወርቅን ሉልን ዝበለጸ ኢዩ። ንፍቕሪ ብጻይካ ዚምልከት ከኣ፡ ንዕኡ ዘይግባእ ነገር ከይትገብርን (ጦቢ 4፡15 ረአ)፡ እቲ ንዕኡ ክትገብሮ ዝግብኣካ ነገር ከኣ ዕሽሽ ኢልካ ከይትገድፎ፡ ተጠንቐቕ ኢኻ (ማቴ 7፡12 ረአ)።

ክፉእ እንተዘይገይርካ፡ ክፉእ ክረክብ ኢየ ኢልካ ኣይክትሰግእን ኢኻ። ክፉእ እንተደኣ ገይርካ ግን፡ እናፈራሕካን እናሰጋእካን ክትነብር ኢኻ። ካልኦት ዝገበሩዎ ክፍኣት ክትጽብጽብ ከሎኻ፡ እቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ክፍኣት ግን ክትጽብጽቦ ኣይትሓስብን ትኸውን። እምበኣር ንስኻ ንኻልኦት ክትፈርድ ክትብል፡ ንባዕልኻ ግን ምፍራድ ይሰኣነካ፥ ከም ሳዕቤን እዙይ ከኣ፡ ንጕድለትካ ሰኣን ምልላይ፡ ምስ ካልኦት ጨካን ትኸውን።

ብሓቂ ቅዱስ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ኃጢኣት ካልኦት ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ብዛዕባ ኃጢኣትካ ኣስተንትን። ንኃጢኣትካ ብልቢ እናጸላእካን እናዀነንካን ብዝኸድካዮ መጠን፡ ንኃጢኣት እማትካ ከኣ፡ ብዝበለጸ ብቕንዕና እናፈረድካዮ ክትከይድ ኢኻ። ንመንም ሰብ፡ ብንዕቀት ኣይትርኣይ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደእ፡ ካብ ኵሉ ከምእትንእስ ገይርካ ንርእስኻ፡ ክትሓስብ ይግብኣካ።

ንኻልእዕት ክትንዕቕ ከሎኻ፡ ተስፋ ዜቝርጽን ልቢ ዚወግእን ነገር ኢዩ። በዙ ክፉእ ተግባርዙይ፡ ብሰንክኻ ሓደኳ ከይሳቐ ተጠንቐቕ። ንኃውካ ክትእርሞ ከሎኻ፡ ብትዕቢት ተለዓዒልካ ዘይኮነስ፡ ብሓቅነትን ብትሕትናን፡ ንጥቕሚ እቲ ሰብ ኢልካ ጥራይ፡ ግበሮ። ትዕቢት፡ ጽልኢ ጥራይ ኢዩ ዚፈጥር፥ ትሕትና ግን፡ ፍቕሪ ኢዩ ዚፈጥር። ንኽፍኣት እማትካ ቅድሚ ምርኣይን ምእራምን፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣርም፥ ኃጢኣተኛ ምዃንካ ከኣ፡ ተኣመን። ኣመል እማትካ ክትእርም እንተደሊኻ፡ ቅድሚ ኵሉ ንስኻ፡ ካብ ኣመልካ ተኣረም። ጭቃ ዝተጸየቐ ኢድ፡ ሓጺቡ ኬጽሪ ኣይኽእልን ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንፍቕሪ ብተግባር ግለጾ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 Sep 2021, 10:29

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

64 - ንፍቕሪ ብተግባር ግለጾ

ብዛዕባ ፍቕሪ ክትዛረብ ቀሊል ኢዩ፥ ኣብ ተግባር ከተርእዮ ግን፡ ጽንኩር ኢዩ። ሓደ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ክትገብር እንተደሊኻ፡ ክቡርን ኃያልን ነገር ኪኸውን ከሎ፡ ፍቕራዊ ዘረባ ጥራሕ ምዝራብ ግን፡ ኵሉ ዚኽእሎን ድኻም ዘይብሉን ኢዩ። ንሕና፡ ንፍቕሪ ብኣፍና ኢና ንዛረቦ፡ ብልቢ ከኣ ነፍቅር። ንኵሉ ፍጡር ወዲ ሰብ፡ ፍቕሪ ምእዋጅ ቀሊል ኢዩ፥ ንሰብ ሓደ ብሓደ፡ ብጭቡጥ ንኸተፍቅሮ ግን፡ ቀሊል ኣይኮነን። ፍቕሪ ብኣፍካ ክትዛረቦን፡ ብሕይወትካ ክትነብሮን ከተርእዮን ሓደ ኣይኮነን።

ንስኻ፡ ከኣ፡ ነቲ ብስራሕካ ከተርእዮ ዘሎካ ናይ ፍቕሪ ተግባር፡ ብዘረባ ጥራይ ክትወድኦ ኣይትድለ። መብዛኅትኡ ጊዜ ዘረባ ኪበዝኅ ከሎ፡ ፍቕሪ ስለ ዚውሕድ ኢዩ፡ ፍቕርኻ ካብ ብዘረባ፡ ብተግባር ግለጾ። መልሓስ እትህቦ ብዙኅ ኣይኹን እምበር፡ እትወስዶስ ብዙኅ ኢዩ። ኢድካ ብጹቡቕ ተግባር ኪመልእ ኣለዎ ደኣ እምበር፡ ኢደይ ጽሩይ ኢዩ ኢልካ ሱቕ ምባል እኹል ኣይኮነን። እቲ ኣጸቢቑ ዚርዳእ ዘረባ፡ እቲ ብስራሕካ እትገልጾ ፍቕሪ ኢዩ።

ብዛዕባ ፍቕሪ ክትዛረብ ከሎኻ፡ ኵሉ ኢዩ ዚርድኣካ። ብዛዕባ ፍቕሪ ብጻይ ክትዛረብ ከሎኻ፡ እቲ ኣውራ ናዕታ ዘለዎ ዘረባ፡ እቲ ብተግባር እትዛረቦ ነገር ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓደሰብ፡ ኣነ ኣፍቅረካ ኢየ እናበለ እንተመሓለልካ፡ ካብ ንዘረባኡ፡ ነቲ ንሱ ዝገበረልካ ወይ ዘይገበረልካ እትኣምኖ ተግባር ርኢኻ ኢኻ ትኣምን ወይ ትኃድጎ። እምበር ነቲ ኣፍቅሮ ኢየ እትብሎ ነገር፡ ብስራሕካ ኣርእዮ። ልብኻ ናብ ፍቕሪ ጥራይ ዘንቢሉ ዚርከብ እንተኾይኑ፡ ብዘይካ ጽቡቕ ተግባር ካልእ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ተግባር ከየስዓብካ፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ጥራይ ትዓግብ እንተኾይንካ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ መኣዲ ሺሻይ ተቐሪቡሉ ከም ብጥሜት ዚመውት ሰብ ኢኻ ትመስል። ሓደ ኃውካ ዚኽደኖ ክዳንን ዚበልዖ መግብን ስኢኑ፡ “ብሰላም ኪድ፡ ሙቕ፡ ጽገብ” (ያዕ 2፡16) ኢልካ ዜድልዮ ነገር ከይሃብካ እንተኣፋኖኻዮ፡ እንታይ ይጠቅሞ? ምእንትዚ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብዘረባን ብመልሓስን ጥራሕ ኣይተፍቅር (1ዮሓ 3፡318 ረአ)።

ጽቡቕ ተግባር ገይርካ እንተዀይንካ ክትርስዖ ኢልካ ጽዓር፥ ወይ ከኣ ክትዝክር እንተደሊኻ፡ ነቲ ሓድሓደ ዝገበርካዮ ጌጋ ዘክር። እቲ ናትካ ዝዓበየ ታሕጓስን ሩፍታን ግን፡ ሳላኻ፡ ብዙኃት ተጠቒሞም ምርኣይካ ጥራይ ይኹን። “እቲ ካልኦት ንዓኻ፡ ኪገብሩልኻ ዘይትደልዮ፡ ንስኻ ንኻልኦት ኣይትግበር” (ጦቢ 4፡15)። ኵሉ ጊዜ ጽቡቕ ግበር፡ ንኵሉ ጽቡቕ ግበር፡ ንሓደኳ ክፉእ ኣይትግበር፡ ኣብ ጊዜ ፈተና ከኣ፡ ሓገዝ ኪወሃበካ ኢዩ። ጽቡቕ ክትገብር እንተጽዒርካ፡ ኵሉ ጊዜ ብሰላም ክትነብር ኢኻ። ጽቡቕ ተግባር፡ እቲ ኣብ ሰማይ ቦታ ዘሰናድወልካ፡ ሓቀኛ ሃብቲ ኢዩ።

ፍቕርኻ ሓቀኛ ምዃኑ ብተግባር ከተርእዮ ኣሎካ እምበር፡ ከምተፍቅር ብዘረባ ጥራሕ እንተገለጽካዮ እኹል ኣይኮነን። ጠገለ ብዘይብሉ ኣገባብ ወርቂ ካብ ምልጋስ፡ ሓደ ጊዜ ኣጸቢቕካ “እግዚኣብሔር ይሃበለይ” ምባል ይበልጽ። ጊዜ ክሳብ ዘሎካ፡ ጽቡቕ ምግባር ኣይትሰልኪ፥ ወይ ድማ ጊዜ ኣሎኒ ወይ ሕጂ ደኺመ ኢየ ኢልካ ንኻልእ ጊዜ ኣይተመኃላልፎ፥ እተዕርፈሉ ጊዜ፡ ሕጂ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኢዩ።

ሕይወት ወዲ ሰብ ቀልጢፉ ከም ንፋስ ኢዩ ዚኃልፍ! ካብዙ ዓለምዙይ ቅድሚ ምኻድካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚተርፍ ጽቡቕ ተግባር ግበር። ኣብዙ ዓለምዙይ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ስለ እትነብር፡ እቲ ንሓደ ሰብኣዊ ፍጡር ክትገብሮ እትኽእል ጽቡቕ ተግባር ኵሉ፡ ነቲ ሰብ ከምብሓዲሽ ክትረኽቦ ኣይክትረኽቦ ስለ ዘይፍለጥ ሕጂ ግበሮ።

እቲ ዝነኣሰ ናይ ፍቕሪ ስራሕ፡ ካብ ኵሉ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዝበለጸ ኢዩ። ክትሰርሕ ከሎኻ ፈጺምካ ክትመውት ከምዘይብልካን ክትነብር ከሎኻ ከኣ መዓልቲ መጸ ክትመውት ከምዘሎካን ገይርካ ኢኻ ክትሓስብ ዘሎካ። ኃይልን ሓቅነት ፍቕርን ዚፍለጥ፡ ነቲ እተፍቅሮ ሰብ፡ ሕይወትካ ኣኅሊፍካ ንኽትህቦ ኪደፋፍኣካ ከሎ ዚስመዓካ ፍቕሪ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜ ፍርዲ፡ ማዕረ ክንደይ ኣፍቂርካ እምበር፡ እምነትካ ክንደይ ነይሩ ኢሉ ኣይሓተካን ኢዩ። ብሓደ መዳይ ንእግዚኣብሔር ፍቕርካ እናኣወጅካሉ ከሎኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ሓገዝ ንዚሓተካ ኃውካ ሓገዝካ እንተዘይሂብካዮ፡ እዙይ መልክዕ ክርስትና ምብልሻው ማለት ኢዩ። ንእግዚኣብሔር ዚግድሶ ንስራሕካ ብኸመይ ዝበለ ፍቕርን፡ ሓሳብን፡ ቅንዕናን፡ ከምትፍጽሞ ደኣ እምበር፡ ብወጻኢ ከመይ ከምትገብሮ ኣይኮነን።

ኣብዙ ዓለምዙይ መበሠሪ ፍቕሪ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ኣብ ፍቕሪ ጥሒልካ ንበር። እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን ከኣ፡ ምፍቃር ትመሃር ምህላውካን፡ ብኣናባብራ ሕይወትካ ግለጾ። እቲ ነኅዋት እተርእዮ ፍቕሪ፡ ነቲ ኣሠር እግዚኣብሔር ኪርኢ ዘይኽእል ሰብ ኣሠር ህልውናን ኣባትነት ኣምላኽን ከምዚርኢን ከምዚፈልጥን ይገብሮ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሥላሴን ፍቕርን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 25 Sep 2021, 05:02

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

65 - ሥላሴን ፍቕርን

እቲ ንእግዚኣብሔር ደስ ዜብል ኣምልኾ፡ ፍቕሪ ኣኅዋት ኢዩ (ማቴ 5፡23-24 ረአ)። ንብጻይካ እንተዘይኣፍቂካዮ፡ብእግዚኣብሔር ቅቡል ኢየ ኢልካ ምሕሳብ፡ ንርእስኻ ምትላል ኢዩ። ንብጻዩ ዜፍቅር፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሉኡ ፈጺምዎ ማለት ኢዩ፥ ፍቕሪ፡ ምሉእ ፍጻሜ ሕጊ እግዚኣብሔር ኢያ (ገላ 6፡2 ረአ)። ንስኻ ምእንቲ እቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ኢልካ ንብጻይካ ኣፍቅር።

ምስ ብጻይካ፡ ጽልኢ እንተኣሊዩካ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ብወገኑ፡ ንእተቕርበሉ መሥዋዕቲ ኣይቕበሎን ኢዩ (ማቴ 5፡23-24 ረአ)። መሥዋዕትኻ ከተቕርበሉ ከሎኻ፡ ንልብኻ ኢዩ ዚርኢ እምበር፡ ንመሥዋዕትኻ ኣይኮነን። ስለዚ ገርሄኛ ልቢ ይሃሉኻ፡ ምስ ኵሉ ከኣ፡ ብሰላምን ብስኒትን ንበር።

እቲ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ እተቕርቦ መሥዋዕቲ እንተኸቢዱካ፡ እግዚኣብሔር ምእንትኣቶም ቢሉ ንወዱ ከምዚሠወዔን ወዱ ከኣ ምእንትኣቶም ኢሉ ኪሥዋዕ ከምዝፈተወን ኣይትረስዕ። ንእግዚኣብሔር ብፍቕሪ ምእንቲ ክትመስል፡ ንብጻይካ ኣፍቅር (ማቴ 5፡44 ረአ)። ኣብ ፍቕሪ ትነብር እንተሊኻ፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ክንዲ ዝኾነ፡ ድሮ ኣብ ፍቕሪ ኢኻ ዘሎኻ። ኣብ ሕይወትካ፡ ምልክት ሕያውነት እግዚኣብሔር ከምዚግለጽ ግበር። ንኻልኦት ግዳሴኻን ሕብሓቤኻን ጥራይ ኣይትሃብ፡ ልብኻ እውን ሃቦም።

እግዚኣብሔር ንብጻይካ ወሰን ብዘይብሉ ፍቕሪ ኢዩ ዜፍቅሮ። ኢየሱስ ከኣ ንስኻ ንሰብ በቲ እግዚኣብሔር ዜፍቅሮ ፍቕሪ ገይርካ ከተፍቅሮ ኢዩ ዚደሊ (ማቴ 5፡48 ረአ)። እቶም ምሳኻ ኃቢሮም ዚሰርሑ ሰባት፡ ኣባኻ ነጸብራቕ ፍቕሪ ኣምላኽ ከምዚርእዩ ይግበሮም!። ንእግዚኣብሔር ብምፍቃር፡ ነቶም እግዚኣብሔር ዜፍቅሮም ሰባት ኢኻ ትጠቕም እምበር፡ ንእግዚኣብሔር እትውስኸሉ ጥቕሚ የልቦን።

እግዚኣብሔር ንሰብ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ስለ ዚፈጠሮ፡ ንስኻ ከኣ ንሰብ፡ በቲ ንኣምላኽነቱ ዚግባእ ፍቕሪ ጌርካ፡ ከተፍቅሮ ኢዩ ዚእዝዘካ። እቲ ንኣምላኽ እተፍቅሮ ፍቕርኻ፡ ፍጹም ዚኸውን፡ እቲ ንብጻይካ እተፍቅሮ ፍቕሪ፡ ፍጹም ምስ ዚኸውን ኢዩ። ንኣምላኽ ኣፍቅሮ ኢየ እናበልካ፡ ንኃውካ ዘይተፍቅሮ እንተኾይንካ፡ እቲ ንኣምላኽ እትምሕለሉ ቃል-ፍቕሪ ኣሉ ኢዩ (1ዮሓ 4፡20 ረአ)።

እቲ ሕልሚ ነቢያት ዝነብረ፡ ዓለም ሓቆፋዊ ኅውነት ኵሉ ሰብ፡ በቲ ሓዲሽ ኣዳምን በቲ ቦዅሪ ኵሎም ኣኅዋትን ዝኾነ ክርስቶስ ዓጽምን ሥጋን ለቢሱ ብኣኡ ተረኽበ (ሮማ 8፡29 ረአ)። እቶም ብኢየሱስ ዚኣምኑን ኣብ ልቦም ዚቕበሉዎን ሰባት ኣኅዋቱ ንምዃን ይበቕዑ፥ እዙይ ከኣ ከምዙይ ዚኸውን ዘሎ፡ ብኣምሳል ዘይኮነስ፡ በቲ ኃይሊ ሓዲሽ ሥርዓት ምሥጢረ ጥምቀት ኢዩ (ዮሓ 3፡3 ረአ) ከምኡ እውን ደቂ እግዚኣብሔር ክንዲ ዚገብሮምን (ሮማ 8፡14-17 ረአ) ካብቲ ናይ ሥጋን ናይ ደምን ዚብርትዕ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክንዲ ዚፈጥረሎምን ኢዩ። ደቂ ሰብ እቲ መሠረትን ምንጭን፡ ዓለም ሓቆፍ ኅውነቶም፡ ኣብ ኢየሱስ ኢዮም ዚረኽብዎ። እምበኣርከስ ንሰብ ከም ገዛእ ኃውካ ገይርካ ኣፍቅሮ ኢኻ።


ንብጻይካ ከተፍቅር ዚደፍኣካ ቀዳማይ ምኽንያት፡ ነቲ ካብ ብጾትካ ንዝነኣሰ እትገብሮ ነገር፡ ንኢየሱስ ከምዚገበርካዮ ምዃኑ፡ ብምርዳእ ኢዩ (ማቴ 25፡40 ረአ)። እዙ ሓሳብ እዙይ ኣኅዋትካ ንኸተፍቅር ኪደፋፍኣካ እንተዘይኺኢሉ፡ እቲ ንኢየሱስ ኣሎኒ እትብሎ ፍቕሪ፡ ኣፍኣዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣይትዘንግዕ ኢኻ።

ኢየሱስ ኣብ ኵላቶም ከምዚርከብ ሕሰብ እሞ፡ ንኵላቶም ከኣ ኣኽብሮትን ፍቕርን ክትገልጸሎም ኢኻ። ንኃዉ ዝተቐበለ ንኢየሱስ ኢዩ ዝቕበል፥ ንኢየሱስ ዝተቐበለ ከኣ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኢዩ ዝቕበል (ማቴ 10፡40 ረአ)። ኢየሱስ፡ ሓዋርያቱ ብኻልኦት ኪልለዩ ዚደልዮም፡ ተኣምራት ብምግባር፡ ትንቢት ብምዝራብ፡ ወይ ካልእ ፍሉይ ነገር ብምግባር ወይ ብቅያን ዘይኮነስ፡ ብሕድሕዳዊ ፍቕሪ ኢዩ ኪልለዩ ዚደልዮም (ዮሓ 13፡35 ረአ)። ንስኻ ከኣ ንብጻይካ እንተዘይ ኣፍቒርካ፡ ንኢየሱስ ኣፍቅሮ ኢየ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ከመይ ኢየሱስ ደሙ ዘፍሰሶ፡ ንድኅነት ኵሉ ውሉደ ኣዳም ኢሉ ኢዩ።

ንዚሳቐዩ ኣኅዋትካ ልብኻ ዓጺኻሎም ከሎኻ፡ ኣብ ቤተ መቕደሱ ኬድካ ንኢየሱስ እንተሰገድካሉ እተኽብሮ ዘሎካ ይመስለካ ይኸውን፡ እንተኾነ ግን ትጋገ ኢኻ ዘሎኻ። ንስኻሲ፡ ንኣካላት ሰብነቱ ከየኽበርካ ከመይ ገይርኻ ንኢየሱስ ኣኽብሮ ኢየ እትብል? እቲ ምስ እግዚኣብሔር እትገብሮ ጥቡቕ ርክብ፡ ንጽጉማት ኣኅዋት ካብ ምሕጋዝ ኪርሕቐካ ኣይግባእን ኢዩ። ኢየሱስ እኳ ኣምላኽ ከሎ፡ ካብ ሰብ ርሒቑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ምእንትዚ ከምቲ ኢየሱስ ንዓኻ ዜፍቀረካ፡ ንስኻ ከኣ፡ ንብጻይካ ኣፍቅሮ። ዓቐን ፍቕርኻ፡ መለኮታዊ ዓቐን እምበር ሰብኣዊ ዓቐን ኣይኮነን። ኢየሱስ ብልብኻ ገይሩ፡ ንዓለም ፍቕሩ እናገለጸሉ ከምዚነብር ግበር።

ፍቕሪ ብምጕዳል፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተሕዝኖ፥ (ኤፌ 4፡30 ረአ) እቲ ኣባኻ ኪፈሪ ዚግብኦ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ መኺኑ ከምዚተርፍ ኣይትግበሮ (ገላ 5፡22 ረአ)። ንኃውካ እንተዘይ ኣፍቂርካ፡ መንፈስ ቅዱስ ንልብኻ ኣይኪዛረቦን ኢዩ። ትምህርትኻ ካብ ፍቕርኻ ዚዓቢ እንተኾይኑ፡ እግዚኣብሔር ንትምህርትኻን ነቲ ንሱ ዚሃበካ ክእለት ኣእምሮን እንታይ ከምዚሰራሕካሉ ጸብጻብ ኪሓተካ ኢዩ። ኵሉ ህያባትካ፡ ነኅዋት ከገልግል ዚግባእ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ።

ኵላትና፡ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ከነቝም፡ ብሓደ መንፈስ ኢና ተጠሚቕና። ሓደ ክፍሊ ኣካል እዙ ሰብነትዙይ ኪሳቐ ከሎ፡ እቲ ካልእ ክፍሊ እውን ይሳቐ ኢዩ፥ ከምኡ እውን፡ ሓደ ኣካል ኪኸብር ከሎ፡ እቲ ካልእ ኣካል እውን፡ ምስኡ ኃቢሩ፡ ይሕጐስ ኢዩ (1 ቆሮ 12፡26 ረአ)። ንስኻ ከኣ፡ ምስ ዚሕጐስ ተሓጐስ፡ ምስ ዚበኪ ከኣ ብኸ ኢኻ (ሮማ 12፡15 ረአ)።

ናይ ብሓቂ፡ ብልብኻ ንብጻይካ እንተፍቂርካ፡ ዕዉትን ብፁዑን ኢኻ! ኢየሱስ ብኵሎም መላእኽቲ ተኸቢቡ ኪመጸካ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ፡ መንቅብ ዘይብልካ ንጹሕ ኮይንካ እትጸንሖ፡ ንብጻይካ ኣፍቂርካ እንተዀይንካ ጥራይ ኢዩ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብናጻ ዚግለጽ ፍቕሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 13 Oct 2021, 01:53

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

66- ብናጻ ዚግለጽ ፍቕሪ

ምናልባት፡ ብርትዕ ዝበለ ናይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝንባሌ ኣባኻ ኪህሉ ይኽእል ኢዩ። ንዓኻ ጥራሕ ኢኻ ትሓስብ ትመስል፥ ብዛዕባ ካልኦት ክንድቱይ ዚግድሰካ ኣይትመስልን ኢኻ፥ ኣብዙ ዓለምዙይ ንበይንኻ ዘሎኻ ኢዩ ዚመስለካ፥ ሓድሓድ ጊዜ እውን ንትህኪትካ ከይተረፈ እትጀሃረሉ ትመስል። ሓድሓድ ጊዜ እውን ንብጻይካ ከም ሓደ ኣቕሓ ገይርካ ኢኻ ትርእዮ። ከምቲ ዘይጠቅም ኣቕሓ ዝድርበ፡ ከምኡ ከኣ፡ ንዓኻ፡ ጥቕሚ ንዘይህብ ብጻይ፡ ከም ሓደ ዘይጠቅም ኣቕሓ ገይርካ ንኽትድርብዮ ቅጭጭ ዝብለካ ኣይትመስልን ኢኻ።

ንጥቕምኻ ዚምልከት ጕዳይ፡ ብሩህ ኢዩ ዓይንኻ፥ ንጥቕሚ ካልኦት ዚምልከት ግን፡ ኣይርእን ኢዩ ዓይንኻ። ብሰንኪዙይ ከኣ፡ ኣብ መንጎኹም ብዙኅ ዘይምርድዳእ ይፍጠር። ብርግጽ፡ ጥቕምኻ ኣብ እትርእየሉ ጕዳይ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ስራሕ፡ ነኅዋት ከተገልግል ትጓየ ኢኻ። እንተኾነ፡ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ዘይብሉ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ጥራሕ ኢልካ ዚግበር ኣገልግሎት ንምርካብ ሳሕትን ዕፁብን ኢዩ። ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ዘይብሉ ብፍቕሪ ጥራይ ተለዓዓል፥ ሓቀኛ ፍቕሪ ብረብሓ ኣይግዛእን ኢዩ፥ ኢየሱስ ንዓኻ ኢሉ ሕይወቱ ኣኅሊፉ ዝሃበ ብዘይ ሓደ ረብሓ ኢዩ፥ ንስኻኸ ጥቕምኻ ከይጸብጸብካ ንኃውካ፡ ጽቡቕ ክትገብረሉ ኣይትኽእልንዶ?

ንስኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከምዘየለኻ ገይረካ፡ ንርእስኻ ክትርስዕ ጽዓር (ቆላ 3፡3 ረአ)። ኣብ እትገብሮ ስራሕ፡ ብድሌትካ ንውልቃዊ ታሕጓስካ መኒንካ፡ ንብጻይካ ክትጠቕምን፡ ንጐይታ ከተገልግልን ከተሕጕስን ኢልካ ጽዓር እምበር፡ ነቲ ከተጥፍኦን ክትከስቦን እትኽእል ነገር ኣይትሕሰብ። ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ኢልካ እተኅልፎ ሕይወት፡ ኣየ ክንደይ ክቡር ሕይወት ኢዩ።

ካልኦት ካብ ከጸናንዑካ፡ ከተጸናንዕ፥ ካብ ዜፍቁሩካ ከተፍቅር፥ ካብ ኪምሕሩኻ ክትምሕር፡ ካብ ክትቅበል ክትህብ ጸዓር። ርእስኻ፡ ንኻልኦት ከተወፊ ከሎኻ ነቲ ዝገበርካዮ መሥዋዕቲ ኣይትዘክር፡ ከመይ ታሕጓስ እቲ ዚሃብካዮ መሥዋዕቲ ከይጠፍእ። ጽቡቕ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቶም ኪፈድዩኻ ዘይኽእሉ ግበረሎም፥ ኣብ ትንሣኤ ጻድቃን ከኣ፡ ዓስብኻ ክትቅበል ኢኻ (ሉቃ 14፡14 ረአ)።

ተግባራዊ ፍቕሪ ዚበሃል፡ ሂበ ንኽቕበል ዘይኮነስ ጥቅምኻን ረብሓኻን ከይጸብጸብካ፡ ብልግሲ ምሃብ ኢዩ።
ትምህርቲ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብ ጸብጻብ ገዛእ ጥቕምኻ፡ እልፊ ኣእላፋት ዚርሕቕ ኢዩ። ባዕልኻ እናደኸምካ፡ ዜድሊ እንተኮይኑ ከኣ፡ ካብ ጁባኻ ኣውጺእካ፡ ዓሻ እንተበሉኻን እውን እናተዓገስካ፡ ንክሉ ጽቡቕ እናገበርካ ንበር።

ናይቶም ሞሳ ዘይብሎም ክሕደትን፡ ሕሰምን፡ ሸለልትነትን ንልብኻ ኣይዕጸዎም ኣየድኽሞን። ሓጐስ ኪስመዓካ ዚግባእ ክትህብ ከሎኻ እምበር፡ ክትቅበልን ክትህብትምን ከሎኻ ኣይኮነን። ናይ ፍቕሪ ተግባር ምስ ገበርካ፡ ነቲ ዝገበርካዮ ነገር ንንፋስ ኣይትሃቦ።


ብርግጽ፡ ናይ ፍቕሪ ስራሕ፡ እቲ ዝጸበቐ ታሪኽን፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ እትገብሮ ዝዓበየ ተመክሮ ሕይወትካን ኢዩ። እቲ ትርጉም ህያብ-ሕይወት ዚርድኦን ንኻልኦት ከኣ ከም ህያብ ገይሩ ከማኃላልፎ ዚኽእል፡ እቲ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዜዘውትር ጥራሕ ኢዩ። ካብዙ ዓለምዙይ ክትፋኖ ከሎኻ፡ ናይቲ ዝፈጸምካዮ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዓስቢ ጥራይ ኢኻ ሒዝካ እትኸይድ፥ ሽዑ ነቲ ዝሃብካዮ ነገር ተማሊእካዮ ክትከይድ ኢኻ፥ ምእንትዚ ነቲ ኵሉ ኂዝካዮ ዘይትኸይድ ነገር፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ኣጥፍኣዮ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ፍቕሪ፡ ማኅበራዊ ሕይወት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 Oct 2021, 03:49

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

67 - ፍቕሪ፡ ማኅበራዊ ሕይወት

እቶም ኣብ ማኅበር ኃቢሮም ዚነብሩ ሰባት፡ ነንሕድሕዶም ዚከባበሩን ዚፋቐሩን እንተኾይኖም፡ ድሮ ኣብዙ ዓለምዙይ ከለዉ፡ ንመንግሥተ ሰማይ የስተማቕሩዎ ኣለዉ ኪበሃል ይከኣል። ኣብ መንጎኦም ተወጊኑ ዚነብር የሎን፡ ኣብ ታሕጓስ ኮነ ኣብ ሓዘን ኮነ ኵላቶም ብኃባር ኢዮም ዚሳተፉ። ነንሕድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ኢሎም ዚቀዳደሙ ኣኅዋት ክትርኢ ከሎኻ፡ ብሓቂ ክንደይ ጽቡቕን ቅዱስን ነገር ኢዩ! (ሮማ 12፡10 ረአ)።

ኣብ መንጎ እቶም ዚፋቀሩ ሰባት ሽግር ዚበሃል ነገር የሎን። እዙ ምድራዊ መንግሥተ ሰማይ ዚበልናዮ ሕይወት፡ ብሰንክኻ ከይዝረግ ተጠንቐቕ። ንማኅበር ኣኅዋት ጠሚሩ ኪኅዝ ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣኅዋት ፍቕሪ እንተሊዩ፡ ዚሰኣን ነገር የልቦን፡ ፍቕሪ እንተጐዲሉ ከኣ ኵሉ ኢዩ ዚሰኣን።

ፍቕሪ ዚነግሠሉ ድኽነት፡ ዓቢይ ሃብቲ ኢዩ፥ ፍቕሪ ዘይነግሠሉ ሃብቲ ከኣ፡ ዜስካሕክሕ ድኽነት ኢዩ። ሃብቲ ነፍሲ፡ ፍቕሪ ኢዩ። ንሕጊ ኣኽቢሮም ዚነብሩ ሰባት ብዙኃት፡ ሕያዎት ሰባት ግን ውሑዳት ኢዮም። ኣብ ዓለም፡ ብርግጽ፡ “ረኣዩ እሞ ክንደይ ይፋቐሩ” ኪበሃለሎም ዚኽእሉ ብዙኃት ንፉዓት ክርስቲያን ኣለዉ። ኢየሱስ እምነት ናብ ምሉእ ዓለም ንኺዝርጋሕ ንዓኻን ንማኅበር ኣኅዋትን ብኃደራ ኃላፊነት ኣልቢሱኩም ይርከብ (ዮሓ 17፡23 ረአ)።

ወንጌላዊ ፍቕሪ ዚበሃል፡ እቲ ብሓንሳእ ብምንባር ዚምሥረት ዕርክነታዊ ፍቕሪ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ መሠረት ኅውነታዊ ፍቕርና፡ ብወንጌላዊ ፍቕሪ ሕይወትና ክንመርሕ እንርከብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኵላትና ስለ ዝኾነን፡ ንሕና ከኣ፡ ደቂ ሓደ ኣቦ ስለ ዝኾንናን ኢዩ። ነቲ ካብ ሥጋዊ ዝምድና ዚውለድ ፍቕሪ፡ ብኽርስቶሳዊ ፍቕሪ እንተዘይቀዪርናዮ፡ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ውዑይ ዝኾነ ፍቕሪ ኣይክህሉን ኢዩ። እምበኣር ካብዚ ዝተላዕለ፡ ከይተፋለጥካ ብሓንሳእ ክትነብር ኢኻ፥ ከይተፋቐርካ ኃቢርካ ክትሰርሕ ኢኻ፥ ከይተናፈቕካን ከይተሰዓዓምካን እውን፡ ክትፈላለ ኢኻ ማለት ኢዩ።

ብዘይ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣይርከብን ኢዩ። ኣባኻ ዘሎ ፍቕሪ ብጻይ፡ እግዚኣብሔር ስለ ዚሃበካን (ሉቃ 6፡36 ረአ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብኻ ስለ ዚወረደን ኢዩ (ሮማ 5፡5 ረአ)፣ ምንጪ ሓድነትን ፍቕርን መንፈስ ቕዱስ ጥራይ ክንዲ ዝኾነ፡ ነዙ ህያብ እዙይ ምእንቲ ኪህበካን ኪውሰኸካን ብዘይምቍራጽ ለምኖ ኢኻ። ንሕና ኣብ መኣዲ ክርስቶስ እንሳተፍ፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና (1 ቆሮ 10፡17: 12፡27 ረአ)። ኣብ “ነንሕድሕድና ከኣ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና” (ሮማ 12፡5)።

እዙ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ዘሎ ሓቀኛ መለኮታዊ ሓድነት እዙይ፡ ካብቲ ብሥጋን ብደምን ዚርከብ ሓድነት ዝበርትዔ ኢዩ፥ እቲ ሰብኣዊ ሓድነት ብሞት ኬብቅዕ ከሎ፡ እቲ መለኮታዊ ሓድነት ግን፡ ንዘለዓለም ኢዩ ዚነብር። ምስ ኵሎም ብስኒት ክትነብር ጽዓር እሞ፡ እቲ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ፡ ምሳኻ ኪኸውን ኢዩ (2ቆሮ 13፡11 ረአ)። ንገሊኣቶም ፍቕርኻ ኣጕዲልካሎም እንተኾይንካ ግን፡ ትሕትና ገይርካ ከሓሶም።

ብዅሉ መዳይ፡ ንሓደኳ ከይፈለኻ፡ ተወዳዳሪ ብዘይብሉ ሕያውነት፡ ምስ ኵሎም ጥዑም ሰብ ክትከውን ጽዓር። ምስ ገዛእ ርእስኻ ዕጉብ እንተኾይንካ፡ ምስ ካልእ እውን ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ክትፍቶ እንተደሊኻ፡ ኣቐዲምካ ፍቶ። ካብ ካልእ ኪፈትወካ፡ ንስኻ ንኻልእ ክትፈቱ ይቐልል። ንእሽቶ ነገር ምሃብ ካብ ሰኣንካ፡ ከመይ ገይርካ ደኣ፡ ካልእ ሰብ ዓቢይ ነገር ኪህበካ ትጽበ?

እቲ ጽቡቕ ኣብነት ክትህብ ኢልካ ተካይዶ ዘሎካ መንፈሳዊ ሕይወትን ጠባይን፡ ፍቕሪ ንኽትሕሉ ኢልካ ኢኻ እምበር፡ ክትረኤ ኢልካ ከምዘይኮንካ ግሉጽ ኢዩ። ነቲ ፍቕሪ ኃዉ ኣጕዲሉ፡ ንዚዠመሮ መንገዲ ጽድቂ ዘቋረጸ ሰብ፡ ኣይትፍረድን ኣይትዀንን፥ ንሱ ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ሕማቕ ውሳኔ ኪበጽሕ ዝኸኣለ፡ ምናልባት፡ ናትካ ዓገብ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ፥ ንሱ ከኣ ንስኻ ክትህቦ ዝግብኣካ ዝነበረ ፍቕሪ ስለ ዘይሃብካዮ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ ክንዲ ዝኾነ፡ ነንሕድሕድና ንፋቐር። እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር፡ ኣብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዚነብር፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብኡ ኢዩ ዚነብር (1ዮሓ 4፡7: 16 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንስምዒታዊ ጽልኢ ኣሸኒፍካ፡ ዓርኪ ኵሉ ኹን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 28 Oct 2021, 08:57

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

68- ንስምዒታዊ ጽልኢ ኣሸኒፍካ፡ ዓርኪ ኵሉ ኹን

ብኵሉንተናኻ ንእግዚኣብሔር እንተተወፈኻ እውን፡ ኵሉ ሰብ ዚፈትወካ ኣይምሰልካ። እኳ ደኣ፡ ገሊኣቶምስ፡ እቲ ጽቡቕ ጠባይካ ንሕይወቶም ተግሳጽ ኮይኑ ስለ ዝረኣዮም፡ ብዘይ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሌኻ ዝኾነ ተቓውሞን ኣንጻርነትን ከምዘለዓዕለሎም ይረደኣካ። ሓቂ ኢዩ፥ ሓደ ሰብ እሩምን ቅዱስን ብዝኾነ ኣካያይዳ ሕይወቱ ምስ ዚግስጸና፡ ንሕና ብኡብኡ ነቲ ጽቡቕ ኣከያይዳኡ፡ ሓደ ኣበር ፈጢርና ክንኵንኖ ንርከብ።


ኣይሁድ እውን ንኢየሱስ ከምኡ ኢዮም ገይሮምዎ። ብሰንበት መዓልቲ ተኣምራት ይገብር ስለ ዝነበረ ኣሳደድዎ (ዮሓ 5፡16 ረአ)። ከምኡ እውን ብተኣምራቱ ምኽንያት ብዙህ ሕዝቢ ብእኡ ይኣምን ስለ ዝነበረ ኪቐትልዎ ወሰኑ። ብምኽንያት እቲ ብእኡ ዚኣምን ዝነበረ ሕዝቢ ከኣ፡ ሮማውያን ንሕዝቢ ኣይሁድ ስደት ምእንቲ ከየለዓዕለሉ ዕባራ ምስምስ ዜምጽኡ ዝነበሩ (ዮሓ 11፡47-53 ረአ)።

ሕዝቢ “ኣብ ምሉእ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ነገር’ኳ ተራእዩ ኣይፈልጥን” እናበሉ ኢዮም ብእኡ ዚድነቑ ዝነበሩ። ፈሪሳውያን ግን “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ” ይብሉ ነበሩ (ማቴ 9፡34)። ንስኻ ግን፡ ኃውካ ጽቡቕ ኪሰርሕ ከሎ ኣይትቕናእ፡ እኳ ደኣ ብኣንፃሩ፡ ልክዕ ከም ናትካ ገይርካ፡ ኃውካ ጽቡቕ ስለ ዝረኸበ ምስኡ ተሓጐስ። ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ክንዲ ዝኾኑ፡ ንኵሎም ብልቢ ኣኽብሮምን ፍተዎምን፡ ድኅሪኡ ነቲ ኵሉ ስምዒታዊ ተቓውሞኻን ኣንጻርነትካን ከተሸንፎ ኢኻ።

ነቶም ክፉእ ዚገብሩኻ ኣብ ልብኻ ብኽፉእ ጽልኢ ኣይትጽልኣዮም። ብዛዕባቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚሽከምዎ ኃላፍነት ሕዘነሎም። ብፍሉይ ዓይኒ ሕያውነት ንኽትጥምቶም ጽዓር (1 ተሳ 5፡15 ረአ)። ጕንዖ ክትገብረሎም እንተዘይኸኣልካ እኳ፡ ጸሎት ግበረሎም (ማቴ 5፡44 ረአ)። ንሳቶም ፍቕሮም እንተዘይ ገለጹልካ እውን፡ ከተፍቅሮም ሓቦ ግበር። ነቶም ኣበር ዘይብሎም ጥራሕ ከተፍቅር እንተደኣ ደሊኻ ግን ፈጺምካ ንሓደዃ ኣይክተፍቅርን ኢኻ። ንልብኻ እሞ ሕያዋይ ከምዚኸውን ግበሮ፡ ሽዑ፡ እትሓስቦ ኵሉ ብዛዕባ ሕያውነት እትፈርዶ ፍርዲ ኵሉ ከኣ፡ ርኅራኄ ዚመልኦ ኪኸውን ኢዩ።

እቲ፡ ንዓኻ ኬገብሩልካ እትደልዮ፡ ንስኻ እውን ንዓኣኣቶም ግበረሎም (ሉቃ 6፡31 ረአ)። ምስቶም ኣንፃርካ ዚሰርሑ ሰባት፡ ተሳኒኻ ምንባር ዓቢይ ቅድስና ኢዩ። ንኽፉእ ነገር ረሲዕካ ምኽኣልን፡ ካብ ቅንኢ ምርሓቕን፡ ክእለትን ዕቤትን ኃውካ ምቕባልን ምእማንን፡ ጽቡቕ ንዚገበረልካ ሞሳ ምምላስን፡ ብሓቂ እዙይ ዓቢይ ሰብ ዚገብረካ ጠባይ ኢዩ።

ጽቡቕ ንዚገበረልካ ኣመስጊንካ ምኽኣል፡ ከም ሓደ ኣብ ጎቦ ዚበቝል ዕምባባ ኮይኑ፡ ኣምሳል እተን ኣብ ቕድስና ዚርከባ ነፍሳት ኢዩ። ንስኻ፡ እውን ምእንቲ ቅድስናን መንፈሳዊ ኃይላትን ኃውካ ኢልካ ደኣ ኣድንቕ እምበር፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ወይ ህያባዊ ክእለቱ፡ ግዲ ኣይትሙት።

ንሓድነት ነፍሳትን ተፋቒሮም ንዚነብሩ ኣኅዋትን ሕማም ፌራ ዝኾነ፡ ኣብ ሰብኣዊ ጥቕሚ ዝተመሥረተ ዕርክነት ካብ ምግባር ተጠንቐቕ። ክርስቶስዶ ተኸፋፊሉ ኢዩ? ( 1 ቆሮ 1፡13 ረአ)። ዓርኪ ኵሉን ብኵሉ እትግደስን ንኽትከውን ጽዓር። ሌላን ጕሌላን ከይገበርካ ንኵሎም ብመንፈሳዊ ፍቕሪ ኣፍቕሮም። ልብኻ ባርያ እቲ ብደሙ ዚገዝኣካ ክርስቶስ ጥራይ እምበር፡ ባርያ ሰብ ንኸይትገብሮ ተጠንቐቕ። ዕርክነት፡ ጽቡቕን ቅዱስን እንተኮይኑ፡ ንኽልተ ሰብ ኣብ ሓንቲ ነፍሲ ኣወሃሂዱ ዜንብር መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ።

ክልተ ኣዕሩኽ፡ ብሓሳብ ይሰማምዑ ኣይሰማምዑ፡ እቲ ኪሰማምዑሉ ዚግባእ ነጥቢ ግን፡ ብኃባር ቅዱሳት ምዃንን፡ ኣብዙ ዓለምዙይ እናነበርካ ሃረርታ-ልብኻ ኣብ ሰማይ ምንባርን ኢዩ። ልብኻ ከፊትካ ከተርእዮን፡ ተሳታፊ ውሽጣዊ ጕዳይካ ክትገብሮን፡ ምሥጢርካ ክትነግሮን፡ እትኽእልን እትፈትዎን እትኣምኖን ሰብ ምርካብ፡ ብሓቂ ሩፍታ ኅሊና ኢዩ። ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ ዓርክኻ፡ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ገይርካ ብጥንቓቔ ኃዞ። ክንዲ ሓደ ሓቀኛ ዓርኪ ዚኸውን፡ ክቡር ዝኾነ ነገር የልቦን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንኃውካ፡ ጨካን ፈራዲ ኣይትዅኖ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Nov 2021, 04:24

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

69 - ንኃውካ፡ ጨካን ፈራዲ ኣይትዅኖ

ክትፈርድ ከሎኻ፡ ብዘይመጠን ኣይትጨክን፥ ንስኻ እውን ብወገንካ ብኃጢኣት ክትክሰስ ከምትኽእል ኣይትረስዕ። ህጂ ብርቱዕ ዝዀንካ ይመስለካ ኣሎ፡ ግን ድኹም ኮይንካ ዝስመዓካ ዝነበረ ጊዜ ከኣ፡ ኣይትረስዕ። ጨካን ፈራዲ ኮይንካ ከይትርከብ ንርእስኻ፡ እቲ ዝገደደ ኃጢኣተኛ ምዃንካ ገይርካ ሕሰብ። እቲ ንዓኻ ዝተዋህበ ጸጋ፡ እግዚኣብሔር ንኻልኦት ሂብዎ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ንሳቶም ካባኻ ምበለጹ ነይሮም።

ንባዕልኻ ብኃጢኣት ተቐቢርካ ዘሎኻስ፡ ንኻልኦት ክትፈርድ እትደሊ፡ ክንደይከ ትደፍር ኢኻ? (ሮማ 2፡1 ረአ)። እቲ ፈራዲ ኃውካ ዝገበረካኸ መን ኢዩ?። ኣብቶም ትቐርቦም ሰባት ዘይጽቡቕ ተግባር እንተተዓዚብካ፡ ነቲ ሓድሓደ ጊዜ ዚገብርዎ ጽቡቕ ተግባር ብምዝካር፡ ንፍርድኻ ሚዛን ግበረሉ። እንተኾይኑልካ ንማንም ኣይትፍረድ። እንተኺኢልካ ከኣ፡ ከተመኽንየሉ ኢልካ ጽዓር። ካልዖት ጸብጻብ ሕይወቶም ኪህቡ ዘለዎም ንእግዚኣብሔር እምበር፡ ንዓኻ ኣይኮነን።

ብጹቡቕ ይኹን ብኽፉእ ንማንም ኣይትፍረድ፥ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ኢልካ ክትፈርዶ እትኽእል ንተግባሮም ጥራሕ ኢዩ። እቲ ተግባር ክፉእ ኮይኑ እንተተረኣየካ እውን፡ ነቲ ገባሪኡስ ንኽትፈርዶ መሰል የብልካን። ንዓርክኻ ክትእርሞ ከሎኻ ንበይኑ ገይርካ ኣርሞ፡ ክትንእዶ ከሎኻ ግን፡ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሰብ ንኣዶ። ሓደ ሰብ ኣብ ዓለም ከመይ ኢሉ ከምዚነብርን እንታይ ከምዚሰርሕን ከይፈለጥካ ኣይትፍረድ። ንኵሉ ዝኃለፈ መሽጐራጉር ሕይወቱ፡ ከመይ ከምዝነበረ እንተትፈልጥ ነይርካ፡ ምናልባት ጨካን ፍርዲ ከይሃብካ መናሕሰኻሉ ነይርካ። ፍርድኻ መናሕሰዪ ምእንቲ ኪኸውን፡ ቅድም ብርኅራኄ ኪምዘን ኣለዎ።

ብርግጽ፡ ሓደ ሰብ ኣመለኛ ንኺበሃል፡ ንነዊኅ ዓመታት ኣብኡ ዚላደየ ኪኸውን ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ ኃጢኣተኛ ዝነበረ ሰብ፡ ካብ ኃጢኣት ርሒቑ ኪመሓየሽዶ ኣይኽእልን ኢዩ? ቅዱስ ሰብ ኪኸውንዶ ኣይኽእልን ኢዩ? ንስኻ ቅዱስ ንዝኾነ ስራሕ ክትፈርድ ኢልካ ኣይትተሃወኽ። ከም’ቶም ንዚበልዕዎ ዘበለ ኵሉ፡ ናብ መርዚ ዚቕይሩዎ እንስሳታት፡ ከምኣቶም ኣይትኹን። ብኣንጻሩ፡ ከምቲ ካብ ኵሉ እናመጸየ መዓር ጥርራይ ዜፍሪ ንህቢ ኮይንካ፡ ንኵሉ ነገር ጽቡቕ ፍርዲ ንኽትህበሉ ፈትን።

ክትፍረድ እንተዘይደሊኻ ኣይትፍረድ፥ ክትዅነን እንተዘይደሊኻ ኣይትዀንን፥ ክትመሓር እንተደሊኻ ከኣ መሓር (ሉቃ 6፡37 ረአ)። በቲ ንኻልኦት ዝሰፈርካሉ መስፈር-ፍርዲ ገይሮም፡ ንዓኻ እውን ሓደ መዓልቲ ኪፈርዱካ ኢዮም (ማቴ 7፡2: ሮማ 2፡3: 14፡10 ያዕ 2:13: 4፡11: 5፡9 ረአ)። ፍቕሪ፡ ሰብ-ኣመል ምስ ዘጋጥምዋ፡ ነዕንታ ናብ ካልእ እልይ ኣቢላ፡ ንኃጢኣቶም ትሰትሮ ኢያ። ፍቕሪ ፈውሲ ኵሉ ሕማም ክትከውን ከላ፡ ካብ ኵሉ ግን፡ ፈውሲ ሓደገኛን ንሕስያ ዘይትፈልጥን፡ ፍርዲ ኢያ። ነቶም እትቐርቦም ሰባት ኵሎም፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣፍቅሮም እምበር፡ ብሰብዓዊ ዓይኒ ጥራይ ኣይተፍቅሮም።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምውቃስን ምጕርምራምን ገዲፍካ፡ ጽቡቕ ተዛረብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 11 Nov 2021, 04:52

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

70 - ምውቃስን ምጕርምራምን ገዲፍካ፡ ጽቡቕ ተዛረብ


ከምቲ ካብ ሓዊ እትጥንቐቕ፡ ንኃውካ ከኣ፡ ብልብኻ ካብ ምውቃስን ምፍራድን ተጠንቐቕ። ንስኻ እውን ከምቶም ብዘይካኦም ካልእ ፍጹም ዘሎ ዘይመስሎም ሰባት ኣይትኹን። ስራሕ ሓደ ቅዱስ ሰብ ምርዳእ እንተሰኣንካዮ፡ ቀልጢፍካ ክትኵንኖ ኣይትተሃወኽ። በቲ ስምዒታዊ ዝኾነን፡ መብዛኅቱ ጊዜ ከኣ፡ ፈጠራ ሓንጐልካ ዝኾነን ኣንፃርነት፡ ኣይትሸነፍ። ንውሳኔ ሓለቓኻ ኣይተፍርስ፥ ከመይ ንናይ ሰብ ሥልጣን ዚወቅስ፡ ነቲ ኵሉ ሥልጣን ዚህብ ኣምላኽ ኢዩ ኪወቅስ ዚርከብ (ኁል 21፡3 ረአ)።

ምስኡ ኃቢርካ ንሰብ ንኸይትሓምን ንኸይትብድልን፡ ነቲ ንሰብ ዚሓሚ ተገዲስካ ጽን ኣይትበሎ። ኃጢኣት ኃውካ እውን እንተነገሩኻ ምእንታኡ ጸሎት ንኺገብሩ መዓዶም። ምስ ኵሉ ተሳኒኻ ምእንቲ ክትነብር ንሰብ ኣይትሕመ። እቲ ንሰብ ዚሓሚ ንርእሱ ይጐድእ፡ ዚፈትዎ ሰብ እውን ኣይኪህሉን ኢዩ። መልሓስ፡ ሓማዪ፡ ንጽቡቕ ተግባር መርዚ እናተፍኤ፡ ነቲ ተሰቲሩ ኪተርፍ ዚግብኦ ክፉእ ተግባር ከኣ፡ ዜቃልዕ ሕማቕ ሰብ ኢዩ።

ናእዳ ንዚግብኦ ንኢድካ ዘይትኽእል እንተኾይንካ፡ ንሰብ ክትወቅስን ክትኵንን ክትነብር ኢኻ፥ እትሕጐሰሉ ሰብ እውን ኣይክህሉን ኢዩ፥ ብኣኻ ዚሕጐስ ሰብ ከምዘየሎ እውን ባዕልኻ ክትርድኦ ኢኻ። ካልኦት ብዛዕባኻ ኪብልዎ ዘይትደሊ ነገር ኵሉ፡ ንስኻ እውን ብዛዕባ ካልኦት ክትብሎ ከምዘይብልካ ተረዲእካ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕሜታ ተሓሎ።

ስለምንታይ ኢኻ ብኃጢኣት እማትካ ማዕረ ክንድዙይ ትግደስ? ብዛዕባ ኃጢኣትካ ግዳ ዘይትሓስብ? ንብጻይካ ብዝበለጸ ንኽትርድኦ፡ ካብ ቅድስና ክንደይ ርሒቕካ ከምዘሎኻ እንዶግዳ፡ ሕሰብ። ንኻልኦት ምውቃስ ኵሉ ሰብ ዚኽእሎ ቀሊል ነገር ኢዩ፥ እቲ ሰብ ዘይኽእሎ ብርቱዕ ነገር፡ ንርእስኻ ምእራም ኢዩ። ንስኻ፡ ከኣ ካብ መንፈሳዊ ኃይልን ካብ ቅድስናን ብዝርሓቕካዮ መጠን፡ ንኣመልካ ኣፍኵስካ፡ ነቲ ናይ ካልኦት ግን፡ ኣኽቢድኻ ክትርዮ ኢኻ።

ብዛዕባ መንፈሳዊ ምዕባሌኻ ብሓቂ ትግደስ እንተኾይንካ ናይ ካልእ ኣመልን ኃጢኣትን ክትግደስ ጊዜ ይኹን ድሌት ይኹን፡ ኣይኽትረክብን ኢኻ። ክትጠቕሞ ኢልካ፡ ንጕድለት ሰብ ክትወቅስ እንተኾይንካ፡ ከየጋነንካ ሚዛናዊ ብዝኾነን፡ ምስቲ ንኽትእርሞ መሰልን ክእለትን ዘለዎ ሰብ ጥራይ፡ ተዛረብ።

ብዙኅ ጊዜ ነቲ ጕድለት-ጥበብን ሜላን ዝኾነ ኣበር፡ ከም በደል ገይርካ ምርኣዩ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንኃጢኣቱ ከተመኽንየሉ እንተዘይከኣልካ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ ደንግጸሉ። ሓደ ሰብ ኪህመ እንተሰሚዕካ፡ ብጥርጣሬ ሰሚዕካ፡ ፈሊጡ ከምዘይገበሮ ገይርካ ኣመኽንየሉ። እዙይ ክትገብር ዘይትኽእል እንተኾይንካ ግን፡ እቲ ዘረባ ከም ዚቋረጽ ግበር።

ንኃጢኣት ኃውካ፡ ክትጕልብቦን ክትሰትሮን ግቡእካ ኢዩ። ንጽቡቕ ጐድኒ ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ነቲ ሕማቕ ጐድኒ ሸለል ክትብሎ ይግባእ። ንስኻ ንቕድስና ኃውካ እምበር፡ ንኃጢኣት ኃውካ ኣይትቕላዕ። እቲ ሓደ ዚብሎ ነቲ ሓደ ብምንጋርን ብምልካዕን፡ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኮይንካ ነኅዋት ካብ ምጽላእ ተጠንቐቕ (ምሳ 6፡19 ረአ)። ነቲ ኣብ ቅድሜኡ ክትብሎ ዘይትደፍር ነገር፡ ብድኅሬኡ ኮይንካ ኣይትዛረበሉ።

ክብሪ ካብ ምኽላእን ካብ ምንዓቕን ንፍቕሪ ዚጐድእ ነገር የልቦን። ንሓደ ሰብ ብንዕቀት ተላዒልካ ከተባጭወሉ ከሎኻ፡ ብዙኅ ኢኻ ተኅዝኖ። ንሰብ ከየኽበርካን ክፉእ እናተዛረብካን ንእግዚኣብሔር ከተሕጕሶን ከተፍቅሮን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንመንም ሰብ ክፉእ ንኸይትዛረብን፡ ንኵሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰበሉ። ንንዕቀት ሓሳብ ከም ሓደ ፈተና፡ ካባኻ ኣርሕቆ። ካብ ሕያዋይ ልቢ፡ ብዘይካ ጽቡቕ ነገር፡ ክፉእ ነገር ኪወጽእ ስለ ዘይግባእ፡ ንኵሉ ሰብ ብልቢ ከተፍቅሮ ጸዓር። ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ንኸተውርየሉ እንተጸጊሙካ፡ ትም ምባል ምረጽ። በረከት ኣምላኽ ምእንቲ ክትቅበል፡ ንኵሉ ሰብ ጽቡቕ ተዛረብ፥ ነቶም ክፉእ ዚዛረቡልካ እውን ጽቡቕ ተዛረበሎም፥ ነቶም ዚሓምዩኻ ከኣ ጸሎት ግበረሎም (ሉቃ 6፡28 ረአ)።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንፍርዲ ሰብ፡ ግዲ ኣይትሙተሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Nov 2021, 04:35

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

71 - ንፍርዲ ሰብ፡ ግዲ ኣይትሙተሉ

ጽቡቕ ነገር ምስ ትገብር፡ ሰባት እንተወቐሱኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ፥ እኳ ደኣ፡ ነቲ ጻማኻ ዓቂቡ፡ ብዘለዓለማዊ ታሕጓስ ኪሽልመካ ዚደሊ ሕያዋይ ኣምላኽካ ሕሰብ። ነቶም ክፉእ ዚዛረቡልካ ሰባት፡ ኣይትጽልኣዮም፥ ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ነገር ገይርካ ሕነኻ ፍደ፡ ንእግዚአብሔር ከኣ ለምነሎም (ሮማ 12፡21 ረአ)። እቲ ዚወቕሰካ ካብቲ ዚንእደካ ዝዓበየ ጥቕሚ ስለ ዜምጽኣልካ፡ ከም ደማዒኻ ገይርካ ረኣዮ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ፡ ብዙኅ ጽቡቕ ነገር እናገበርካ ከሎኻ እውን፡ ብኣኻ ኵሉ ጊዜ ክፉእ ዚዛረብ ኣይክሰኣንን ኢዩ።
ብኵለንተናኻ ንእግዚኣብሔር ተወፈ እሞ፡ ብድኅሪኡ እቲ ኵሉ ብዛዕባኻ ዚስማዕ ሕሜታ፡ ትርጕም ከም ዘይብሉ ህልሚ ኮይኑ ኪረኣየካ ኢዩ። ብኵሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምስ ኣቶኻን፡ ናትካ ዚበሃል ነገር ከኣ፡ ከምዘይብልካ ምስ ተረደኣካን፡ እቲ ኵሉ ብዛዕባኻ ዚውረ ጽቡቕን ሕማቕን ነገር፡ ግዲ ኣይኽትሞተሉን ኢኻ።

ሰብ፡ ንዓኻ ይንዓቕኻ የኽብርካ ብዙኅ ኣይገድስካ! ንሱ ኣኽቢሩካ ዚውስኸካን ንዒቑካ ዚንክየልካን የብሉን! ብዛዕባኻ ክፉእ እንተውረዩ፡ ክትግረም ኣይግባእን። ብዛዕባ ኢየሱስ እንታይ እስኪ ዘይተባህለ! ነቲ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝወረደ ጸርፍን፡ ውርደትን፡ እንተደኣ ሓሲብካዮ፡ ክትከብር ምድላይካ፡ ከሕፍረካ ኢዩ። ብስም ኢየሱስ እንተተሓሚኻ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኻ ዓቢይ ስለ ዝኾነ፡ ተሓጐስን ባህ ይበልካን (ማቴ 5፡11 ረአ)።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጥበበኛ ኮይንካ ክትርከብ ጸዓር እምበር፡ ንናይ ሰብ ፍርዲ ኣይትፍራሕ። እቲ ምእንታኻ ሕይወቱ ኣኅሊፉ ዚሃበ ኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ ዚፈርደካን ዚሽልመካን። ንዚመጸካ ውርደትን ንዕቀትን ፍቓድካ ይኹን ኢልካ እንድኅሪ ተቐቢልካዮ እቲ ክቡር ዝኾነ ወርቂ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓመድ ዝኾነ ውርደትን ንዕቀትን ተኃቢኡ ከምዚርከብ ዘክር።

ኣልዕል ኣቢሎም ብሓሶት፡ ብንእሽቶ ነገር እንተኸሰሱኻ፡ ነቲ ዘይተኸሰስካሉ ዓቢይ ኃጢኣት ሕሰብ። ዝኸበርካ ኃወይ! ብሓደ ወገን ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እናደለኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንኽብሪ እዙ ዓለምዙይ ሃረር ትብሎ እንተኾይንካ፡ ትጋገ ከምዘሎኻ ከመልክተልካ እፈቱ። ነዙ ቀልጢፉ ዚኃልፍ ክብሪ እዙ ዓለምዙይ፡ ሃረር ትብሎ እንተኾይንካ ግን፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ክብሪ እግዚኣብሔር ከኣ ከተጥፍኦ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እቲ ኣብ ሰብ ዚኣምን፡ ዝተረግመ ኢዩ።” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 26 Nov 2021, 04:19

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

72- እቲ ኣብ ሰብ ዚኣምን፡ ዝተረግመ ኢዩ።

እምነትካ ኣብ ሰብ ኣመና ኣይተንብር፡ ከመይ ብሰንኩ ብርቱዕ ጓሂ ኪወርደካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ወዲ-ሰብ ዚኣምን፡ ኣብ ገዛእ ኃይሉ ዝተኣማመንን ልቡ ከኣ ካብ እግዚኣብሔር ዘርሓቐን ኢዩ እሞ፡ ዝተረግመ ኢዩ (ኤር 17፡5 ረአ)። ቀልጢፉ ብዙኅ ቃል ዚኣትወልካ ሰብ፡ ኣመና ኣይትእመኖ። ካብ ኵሉ እኳ ደኣ፡ ካልኦት ኣባኻ ንዜንበሩዎ ተስፋ፡ እምነትካ ከይተጕድለሎም ተጠንቐቕ። ሰባት ሎሚ ኪውድሱኻ ውዒሎም፡ ጽባሕ ኪኽሕዱኻ ኢዮም፥ ሎሚ ዮሃና ኪብሉኻ ውዒሎም፡ ጽባሕ ይቀተል ኢሎም ኣንፃርካ ኪጭርሑ ኢዮም፥ ሎሚ ኣብ ዙፋን ኣቐሚጦም፡ ጽባሕ ኣብ መሬት ኮፍ ከብሉኻ ኢዮም፥ ኣውራ ኣብቲ ደገፍ ዜድልየካ ጊዜ ከኣ፡ ኪድርብዩኻ ኢዮም (2ጢሞ 4፡16 ረአ)።

ንዓኣቶም ዜድልዮም ስራሕካን ገንዘብካን ደኣ እምበር፡ ንስኻ ኣይኮንካን እተድልዮም። ኣብ ሓገዞም ተስፋ ኣይተንብር፥ ንሳቶም ብቐሊል ንፋስ ዚስበሩ ቃንጫ መሸላ ኢዮም። ኣብ ናይ ሰብ ጕንዖን በቲ ንሳቶም ብዛዕባኻ ዚብልዎን ብዙኅ ተስፋ ኣይተኅድር፡ ክንድዙይ ግዲ እውን ኣይትሙተሉ። በዓል ብዙሕ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተኾንካ እውን፡ ተፃይካ ዚዛረብን ነቲ መንፈሳዊ ኃይልኻ እውን ከም ኃጢኣት ገይሩ ዚርእዮን ኣይሰኣንን ኢዩ። ብዙኅ ጊዜ ነቲ መንፈሳዊ ኃይልኻን ቅድስናኻን ከይተረፈ፡ ከም ክፉእ ኣመል ገይሮም ኪፈርዱዎ ኢዮም። ኢየሱስ ንሞት ዝተፈርደ ንኣልኣዛር ዓርኩ ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኦዶ ኣይኮነን? (ዮሓ 11፡53 ረአ)።

ሰብ ኣኽቢሩ ዚውሰኸካ የብሉ፡ ሰብ ኣሕሲሩ ዚንከየልካ የብሉን። ከምታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለኻያ፡ ከምኣ ኮይንካ ኢኻ ትተርፍ። ኣብ ሕይወትካ፡ ካብቲ ብዛዕባኻ ሰባት ዚብልዎ፡ ብዛዕባኻ መላእኽቲ ዚብልዎ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልካ ምስካፍ ኢዩ ዚግብኣካ። ነቶም ምሳኻ ዚነብሩ እንተነዓቑኻን እንተረስዑኻን እውን ኅሊናኻ ኣይተዕርብ። ኣብ ገዛእ ዓዱ ዚኸብር ነቢይ የሎን። ኢየሱስ እውን ኣብ ገዛእ ከተማኡ ተባሪሩ ኢዩ (ሉቃ 4፡29 ረአ)።

ጽቡቕ ስራሕ እናሰራህካ፡ ዚሓሜካን ሕማቕ ዚዛረበልካን እንተሰማዕካ፡ ካብ ህማቕ እናሰራሕካ ምስቓይ፡ ጽቡቕ እናሰራህካ ምስቓይ ከምዚሓይሽ ኣይትረስዕ (1ጴጥ 3፡17 ረአ)። ንናይ ሰብ ተቓውሞ ኣይትፍራሕ፥ ብዛዕባ ፍርዶም ከኣ ግዲ ኣይትሙት። ሰብ ንሰብነት ኪቐትል ይኽእል ኢዩ፡ ካብኡ ኃሊፉ ግን ዚገብሮ የብሉን (ሉቃ 12፡4 ረአ)። ባዕልኻ እንተዘይደሊኻዮ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ኪፈልየካ ዚኽእል የልቦን (ሮማ 8፡35 ረአ)።

ሰብ ብኻልእ፡ ኪፈርድ ከሎ፡ ብዙኅ ጊዜ፡ ከም መለክዒ ፍርዱ ንገዛእ ርእሱ ወሲዱ ኢዩ ዚፈርድ። ምእንትዙይ እቲ ዚህቦ ፍርዲ ድሩት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብውልቃዊ ጥቅሚ ዝተተንከፈ እውን ኢዩ። ናይ ልብኻ መሽጐራጉር እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ ዚፈልጦ። ሰብ ምዃንካ ኣይትዘንግዕ፥ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምሒር ኣይትተኣመን፡ ከመይ ዝዓበየ ጸላኢ ነፍስኻ ንስኻ ባዕልኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ክፉእ ዝንባሌኻ ናብ ጥፍኣት ኪወስደካ ይኽእል ኢዩ። ቅዱሳን ዅሉሻዕ ተፃይ ርእሶም ኢዮም። ቅድሚ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ንገዛእ ሕይወትካ ትመርጽ እንተኾይንካ ወዲ መዝሙሩ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ (ሉቃ 14፡26 ረአ)።

ኣዒንትኻ ናብ ሰማይ እናኣንቃዕረርካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ንበር። ግቡእካ እናፈጸምካ፡ ነቲ ኪፈርደካ ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራሕ ከተሕጕስ ጽዓር። ነቲ ዝበለጸ ዓርክኻ ኣብ ጊዜ ሞትካ ከኣ ኣብኡ ጥራይ እትእመን ኢየሱስ ቀጥ ኣቢልካ ኃዞ። “እምነትካ ኣብ ሰብ ካብ ምንባር፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምዕቋብ ይሓይሽ። እምነትካ ኣብ መሳፍንቲ ካብ ምግባር፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምዕቋብ ይሓይሽ” (መዘ 118፡8-9 ረአ)። ከቶ ዘይኽሕድ ከኣ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ (መዘ 32፡3 ረአ)

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብርሃን እምነት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 02 Dec 2021, 04:33

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

73- ብርሃን እምነት

እምነት፡ ናብ ደመናን ናብ ግብ ዝበለ ጸላምን ጨዲዳ እትኣቱ ኣምላኻዊት ብርሃን ኢያ። እምነት እትሰርሕ ኣብቲ ብዓይንኻ ክትርእዮ ዘይትኽእል ነገር ጥራይ ኢያ (ዕብ 11፡1 ረአ)። ንስኻ ከኣ፡ ብእምነትካ፡ ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ኢኻ ትርኢ። ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ፡ እምነት ከም ፀሓይ ኣምላኽ ምእንቲ ክትበርቕ፡ ንዕንብረ ከም ዚበታትኖ ንፋስ ኢያ። እምነት፡ ብሓደ ወገን፡ ራእይ እቶም ብንጹር ዘይረኣዩ ክትከውን ከላ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ንጹራት ንዘይኮኑ ነገራት፡ ንጹር ገይራ እተርኢ ኢያ። እምነት መሠረትን ትኅዝቶን ተስፋኻ ኢያ (ዕብ 11፡1 ረአ)።

እምነት ናይቲ ዘይረኤ፡ ራእይ ኢያ፥ ንሳ ሓንቲ ነገር ከይሓዘት ጐይታ ኵሉ ኢያ። ብእምነትካ ገይርካ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ክትረክቦ ኢልካ እትትምነዮ ነገር፡ ድሮ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ወኒንካዮ ትርከብ አሎኻ። እምነትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሠረተት ነገር ክንዲ ዝኾነት፡ ካብቲ ብሕዋሳትናን ብቓል ሰብን እንረኽቦ ውሕስነት፡ ካብኣ እንረኽቦ ውሕስነት ይበልጽ። እምነት ማለት ነቲ ገና ብዓይንኻ ዘይትርእዮ ነገር ምእማን ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ሽልማት እምነትካ ከኣ፡ ነቲ እትኣምኖ ዝነበርካ ነገር፡ ብኣካሉ ምርኣይ ኢዩ።

ዓይኒ ዘይትእዮ ንምርኣይ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ ንምስማዕ እቲ ልቢ ዘየስተማቐሮ ንምስትምቓር ከኣ የብቕዕኻ። እቲ መሠረት ድኅነትካን ቅድስናኻን ኮይኑ ዘሎ፡ ንምሉእ ሕይወትካ እውን ኣጽሊሉዎ ዘሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ኢዩ። ካብ እምነት ዝተረጋገጸ መሪሕ-ሕይወትካ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዛ ብርሃን ዝኾነት እምነትና፡ ብዙኃት ቅዱሳን እውን ዜፍረየት ኢያ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ከመይ ገይርካ ጽቡቕ ሕይወት ከተኅልፍ ከምእትኽእል ዜምህሩኻ መማህራን፡ ብዙኃት ኢዮም፥ ከመይ ገይርካ ጽቡቕ ሞት ክትመውት ከምእትኽእል እተምህር ግን፡ እምነት ጥራይ ኢያ። ክትመውት ምስ ቀረብካ፡ ኣዒንትኻ ናብ ምዕጻው ምስ ቀረቡ፡ እምነት ኣብ ጥቓ ዓራትካ ኮይና፡ ብኢዳ ንሰማይ ከተመልክተልካ ኢያ። መንግሥተ ሰማይ ወይ ከኣ ዘለዓለማዊ ህይወት ብእምነት ዚርከብ ፍረ ኢዩ። እምበኣር እምነት፡ ዘርኢ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኢያ።

ኣብ ትምህርቲ ሃይማኖትና፡ ብሓደ ወገን ብሰብኣዊ ኣእምሮና ክንርድኦ እንኽእል ትምህርቲ ብዙኅ ኪህሉ ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ከም ሰብ መጠን ክንርድኦ ዘይንኽእል ትምህርቲ ኣሎ። ነቲ ዘይንርድኦ ነገር ብስም ክርስቶስን ብስም ቤተ ክርስትያንን ኣሚንና ክንቅበሎ ከሎና፡ ብኣኡ ጻማ ኢና ንረክብ። ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ዝኾነ ሃረርታኻን፡ ትርጉም ሕይወትካን፡ ስራሕካን፡ ሞትካን፡ ዚረኣዩኻ ዓበይቲ ግድላትን ምሉእ መልሲ ክትረኽበሎም እትኽእል፡ ብእምነትካ ጥራይ ኢያ። እቲ መብራህቲ ብመንጽር ጸልማት ክትርእዮ ከሎኻ ዚህበካ ጥቕምን፡ እምነት ዘለዎ ከኣ፡ ብመንጽር እቲ እምነት ዘይብሉ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ዚህበካ ጥቕሚ ሓደ ኢዩ።

እምነት ዘይብሉ ሰብ፡ ኣብ ጸላም ከምዚጐዓዝ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ እምነት ዘለዎ ሰብ ግን፡ ዓይኑ እናረኣየ ዚኸይድ ኢዩ። ነቲ እምነት ዘይብሉ ሰብ፡ ምስ ሞተ ኢዩ ኵሉ ነገር ዜብቅዕ፥ ነቲ እምነት ዘለዎ ሰብ ግን፡ ምስ ሞተ ሽዑ ኢዩ ኵሉ ነገር ከምብሓዲሽ ዚጅምር። ነቲ ቀዳማይ ሰብ፡ ሞት ማለት፡ ኣብ ህልም ዝበለ ጸላም ዝል ኢልካ ምእታው ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ካልኣይ ሰብ ግን፡ ሞት ማለት ናብ እንዳቦኻ መዓረኻ ዝኾነ ገዛ ምእታው ማለት ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ሰብ ናብ ሞትን ናብ ኢምንትነትን ኢዩ ዚኸይድ፡ እቲ ካልኣይ ሰብ ግን፡ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓቀኛ ሕይወትን ታሕጓስን ኢዩ ዚኸይድ።

ንዚኦምን፡ መወዳእታ ዕላማ ሕይወት-ወዲ-ሰብ፡ ዘለዓለማዊ ዓወት ኢዩ፥ ንዘይኣምን ግን፡ ሕይወት-ወዲ-ሰብ፡ ካብሞት ዚመጽእ፡ ዘለዓለማዊ ክሳራ ኢዩ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ኵሉ፡ ከም ሓደ ተጓዓዛይ ናበይ ይጐዓዝ ከምዘሎ ዘይፈልጥ ኢዩ፥ ወይ ከኣ ከም ሓደ ዚዋጋእ እሞ፡ ዓወት ኪረክብ ተስፋ ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። ናብ ብሓቂ፡ ካብቲ፡ ኣብ ኣምላኽ እምነት ከየኅደረ ዚመውት ሰብ፡ ዚደኪ የልቦን። ከምቲ ብርሃን መዓልቲ ክትርኢ ኢልካ፡ ንወጋሕታ ብሃረርታ እትጽበያ፡ ከምኡ ከኣ፡ ኣብ ናይ እምነት ጸላም ዚርከብ ሰብ፡ ንዘለዓለም ወጋሕታ ሕይወት ኪርእያ ኢሉ ብሃረርታ ኢዩ ዚጽበ።

ንሞት ከይፈራሕካያ፡ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ክትርኢ ንሞት ሃረር እናበልካ ንሕይወትካ ምምራሕ ዓቢይ ጥበብ ኢዩ። እቲ ብትንሣኤኡ ናይ ዓለም ብርሃን ዝኾነ ኢየሱስ፡ ንዓኻ፡ ነቕ ዘይብል መሠረት እምነትካን መንፈሳዊ ሕይወትካን ኢዩ። ብዘይካ ሓገዙ ኣብ እምነትካ ክትጸንዕ ኣይትኽእልን ኢኻ (1ቆሮ 3፡11: ዮሓ 20፡8፡25-29 ረአ)።
እዙ ተዋሂቡካ ዘሎ ሓጺር ምድራዊ ህይወት፡ ኣብ ብርሃን እቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ኢየሱስ ኮይንካ ከምተኅልፎ ግበር። ነዙ እምነት እዙይ ኂዝካ፡ ምስ ኢየሱስ፡ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ (ዮሓ 20፡31 ረአ)።

እቲ እትኣምኖ ሰማያዊ እምነትካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ከምተስተማቕሮ ግበር። እቲ፡ ነቶም ዚደኃኑ ቅዱሳን ብብርሃን ራእዪኡ ገይሩ ከጽግቦም ከሎ፡ ንዓኻ ከኣ ብእምነትን ብምሥጢራዊ መንገድን ስለ ዜጽግበካ፡ እቲ እትኣምኖ ሰማይ ምሳኻ ኂዝካዮ ተጐዓዝ። ዕለት ሞትካ ክሳብ ዚኣክል፡ ነቲ ቅዱሳን ኣብቲ ገነተ ሰማይ ብተመስጦ ንዜምልኽዎ ኣምላኽ፡ ኣብ እምነቱን ኣብ ፍቕሩን ንኽትነብር ጽዓር።

ክፉእ ዝንባሌኻን መንፈሳዊ ዝንጋኤኻን ኣብ ውሽጥኻ ተሰቢሉ ዜሸግረካን ንእምነትካ ከኣ ዜዕውሮ እንተኾይኑ፡ ኢየሱስ ናባኻ ቀሪቡ፡ ነቲ ዝጠፍኤ ብርሃን ዓይንኻ መታን ኪመልሰልካ፡ ከይደኸምካ ተመላሊስካ ለምኖ (ማቴ 20፡29-34 ረአ)። ኦ ብርሃን ሓቂ ዝኾንካ ጐይታ፡ ብህያብ እምነት ገይርካ ካብ ዓለም ናጻ ኣውጺእካኒ ኢኻ እሞ፡ ካባኻ ንኽርሕቕ ከቶ ኣይትፍቀድ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እምነት፡ ምስ እግዚኣብሔር የራኽብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Dec 2021, 04:07

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

74 - እምነት፡ ምስ እግዚኣብሔር የራኽብ

ቀንዲ ትርጕም እምነት፡ ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ምንባርን፡ ነቲ ምሥጢራውን ኅቡእን ዝኾነ ህልውናኡ፡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ኣብ ሕይወት እዙ ዓለምን፡ ከምዚዝርጋሕን ከምዚሠርጽን ምግባር ኢዩ። እምነት፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ወዱ ገይሩ ዚገለጸልና ትምህርቲ፡ ፈቲኻ ምቕባሉን ጸኒዕካ ምሕላዉን ኢዩ ዚገልጸልና። ንትምህርቲ ሃይማኖት ጸኒዕካ ምሕላዉን ፈቲኻ ምቕባሉን ማለት ከኣ እግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ዝኾነ፡ ከጋግየና ከምዘይኽእል ንምርዳእ ኢዩ።

እምነት ናይ መንፈስካን ልብኻን ሓደ ተግባር ኪኸውን ከሎ፡ ብነፍስኻ ገይሩ ብርሃንን መንፈሳዊ ሙቐትን ዜመኃላልፈልካ ኃይሊ ኢዩ። እግዚኣብሄር ልዕሊ ኵሉ ኣእምሮ ደቂ ሰብ ከምዝኾነ ኣይትዘንግዕ። እግዚኣብሔር ምስ ነፍስኻ ዚወሃሃድ ብኃይሊ እምነት ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብኡ ክትቀርብ እትኽእል፡ ብእምነትካ ጥራይ ኢዩ (ዕብ 11፡6 ረአ)።

ከምቲ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ብብርሃን ዓወት-ክብርኻ ገይርካ፡ ንእግዚኣብሄር እትርእዮ፡ ከምኡ ከኣ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ምስ እግዚኣብሔር እትራኸብ ብእምነት ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ፡ እቲ ኣውራ ንዓና ዜጸናንዓና ነገር፡ ብእምነትና ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ ምኽኣልና ኢዩ። እግዚኣብሔር ስለ ዘየጋግየና፡ ቅድሚ ኵሉን ልዕሉ ኵሉን፡ ተዓሚትና ብእግዚኣብሔር ንእመን።

ንእግዚኣብሔር ክትፈልጥ ኢልካ ካብ እትጽዕሮ ጻዕሪ፡ ንህልውናኡ ክትክሕድ ኢልኻ እተጥፍኦ ጻዕሪ ከምዚበዝኅ ኣይትዘንግዕ። እግዚኣብሔር ንሓደ ሕያውን ቅኑዕን እምነት ዘልዎ ሰብ ብዘይመጠን ርኅሩኅ ኢዩ (ማር 9፡23 ረአ)። እምነት እንተሊዩካ፡ ተኣምር ክትገብር ኢኻ። ግና ብእምነትካ ንጹሕ ኮይንካን ከይተጋገኻን ናብ እግዚኣብሔር ንኽትበጽሕ ተኣምር ክትገብር ሃረር ኣይትበል።

መጋረጃ መዋቲ ሰብነትና ምስ ተቐንጠጠ፡ ጥርጣሬ ጸላም እምነትና ኬቋርጽ ኢዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ከምቲ መላእኽቲ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ገጽ ንገጽ ዚርእይዎ፡ ንስኻ እውን ገጽ ንገጽ ክትርእዮ ኢኻ (1ቆሮ 13፡10 ረአ)። እቲ ብእምነት እንነብሮ ዘሎና ጊዜ፡ ጊዜ ዘርኢ ኢዩ። ነቲ ዝዘራእካዮ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክትዓጽዶ፡ ተስፋ ከይቈረጽካ ኣብ እምነትካ ጸኒዕካ ቀጽል። ብእምነትን ብተስፋን ሃብታም እንተደኣ ኮይንካ፡ እቲ ንትሑታት ዜኽብር (ሉቃ 1፡52 ረአ) ኣምላኽ ባዕሉ፡ ኣባኻ ዓቢይ ነገር ኪፍጽም ኢዩ (ሉቃ 1፡49 ረአ)። ከም ብዝኂ እምነትካ፡ እግዚኣብሔር፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ከምዚወርድ ኪገብር ኢዩ።

ብሓቂ፡ እምነት ዓባይ ሃብቲ ኢያ። እምነት ካብ ወርቂ ኣዚያ ትኸብር፥ ናይ እምነት ቀንዲ ስራሕ ድኅነት ነፍሲ ኢዩ (1ጴጥ 1፡7፡9 ረአ)። እምነትካ ሓቀኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን እተረጋግጽ፡ ብኅሊናኻ ኢዩ። ኣብ ሕይወትካ፡ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ተዘውትር እንተኾይንካ፡ ኣብ ውሽጥኻ እግዚኣብሔር ከምዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ንጐይታ ከይረኤኻ ንቓሉ እንተኣሚንካ፡ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ (ዮሓ 20፡23 ረኣ)። ንሱ ከም ዕቤት እምነትካ፡ መዓልቲ መጸ፡ ምሳኻ ኃቢሩ ኪነብር ኢዩ (ማቴ 28፡20 ረአ)።

ኦ ጐይታ ኣነ ኣኣምን ኢየ! ነዙ ቀይቀይ ዚብል እምነተይ ኣጽንዓለይ! (ማር 9፡24 ረአ) ኣሜን!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እምነትን ተግባርን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply