Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ኣዱሊስ - ‘ኣደ ሉሲ’ - ፍሽኽ እናበለት ‘ቻው’ ኢላ!

Post by Meleket » 12 Mar 2020, 11:21

ወግዒ ኤርትራዊ ኣርክዮሎጂስት ምስ ኣዱሊስ

ኣርክዮሎጂስት - ደሓንዶ ሓዲርኪ ኣዱሊስ፧
ኣዱሊስ - እመስገኖ ወደየ።
ኣርክዮሎጂስት - ሎሚ ፈለማየይ እየ ናባኺ ዝመጽእ ዘለኹ፧
ኣዱሊስ - ሓቅኻ ዲኻ!፧
ኣርክዮሎጂስት - ግደ ሓቅስ ሓንቲ መዓልቲ ብማዕዶ ኣብ ፎሮ ኰይነ ርእየኪ ነይረ። ሽዓኡ እውን ሓደ ደራሲ ኣጋግዩኒ እየ መጺአ።
ኣዱሊስ - መን ዝበሃል ደራሲ እዩ ኣጋግዩካ፧ እንታይ ኢሉ እዩኸ ኣጋግዩካ፧
ኣርክዮሎጂስት - በየነ ሃይለ እዩ ዝበሃል - ሕጂ እኳ ብህይወት የለን። ኣብታ ‘ትጽቢት ባህጉ’ እትብል መጽሓፉ ኣብ ፎሮ ሰማይ-ጠንቁር ኵራዛት ባሕሪ ከምዘሎ ጽሒፉ ኣሎ። ንዓኣ ብዘምበብኩ እየ ብድድ ኢለ ናብ’ዚ መጺአ።
ኣዱሊስ - እሞ ኣብዚ በጺሕካስ ከይርኣኻኒ ተመሊስካ ማለት ድዩ፧
ኣርክዮሎጂስት - ሽዓኡ ደኣ ኣይኰነን ናባኺ ክመጽእሲ፡ ናብ ፎሮ ምምጻአይ እውን አጣዒሱኒ ነይሩ። ሕጂ ግዳ ካልእ ገዲፍኪ - ገለ ንዕዮ ኵዕታ እንተሓገዘኒ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣዕልልኒ በጃኺ።
ኣዱሊስ - እራይ በል ሓዝ። ኩሉ ክምልሰልካ ግዳ ኣይትጸበ ኢኻ። ኣርክዮሎጂስት ስለዝኾንካ ገሊኡስ ባዕልኻ ኵዒትካ ርኸቦ። ደቀይ ባዕልኹም ብዛዕባ ታሪኽኩምን መንነትኩምን ክትሓቱን ክትመራመሩን ምምጻእኩም ባህ ከምዝበለኒ ክሓብአልካ ኣይደልን እየ። ከምዚ ሕጂ ኣይትርኣዮ፡ ክንደይ ከርከባ እኳ እየ ኣሕሊፈ። ክንደይ ተልመደን ካብ ሕቝፈይ ቅርስታት ዘይወሰዱ! ክንደይ ተመራመርቲ ታሪኽ ኢና ዝብሉ ዘይስመይ ዘይሃቡኒ . . . ።
ኣርክዮሎጂስት - ይኣኽሎ! . . . ይኣኽሎ፡ ንብዓትኪ ክንሕብስ ኢና መጺእና ዘሎና። ኵራዛትኪ እውን ፍሒርና ምስ ደቂ ዓዶም ገጽ-ንገጽ ከነራኽቦም ኢና።
ኣዱሊስ - ይበልዎ ስላሰ። እሞ ኣብ ፎሮ ኵራዛት ምንባሮምሲ ክትኣምን ጀሚርካ ኢኻ፧
ኣርክዮሎጂስት - እጹብ ድንቂ ኣስላፋት መናድቕኺ ምስ ርኣኹ፡ ብኡነት ኢለ፡ ኵራዛትኪ ምርኣይ እውን ከምዘይተርፍ ኣሚነ።
ኣዱሊስ- ኵራዛት ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ውን ኣይሰኣንን እዩ። ምናዳ እኳ መጻሕፍቲ ናይቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ናይዚ ከባቢ እንተ ትውከስሲ ክንደይ ምጥዓመ ነይሩ። ኢብን ኻልዱን ትፈልጦዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - መን እዩ’ኸ እዚ፧
ኣዱሊስ - ናይ 14 ክፍለ-ዘመን ዓረባዊ ደራስን ጸሓፊ ታሪኽን እዩ። ኣብታ ‘ኣል-ሙቐዲማ’ እትብል መጽሓፉ፣ ኣብ ግዜኡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ‘ባሓር ኣል-ሓበሻ’ ተባሂሉ ይፍለጥ ምንባሩ ሰኒዱ ኣሎ።
ኣርክዮሎጂስት - ዶ ትብልኒ! እዚ እንታይ እዩ ዘመላኽት፧
ኣዱሊስ - እዋእ! ጽልዋ ባሕሪ ነገስታትካ ኣብ እዚ ዞባ’ዚ ሓያል ምንባሩ እዩ ዘርእይ። ሓያላት ባሕረኛታት እዮም ነይሮም። ኣብነት - ኣብ ከባቢ 630ታት ድ.ል.ክ. ነቲ ዓረብ ኣስላም ንዓይ ንምሓዝ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይሰመረሎምን። እቲ ብኣልቓማ ቢን ሙጃዛዝ ዝተባረኸ ኩናት ባሕሪ ብዓወት ወጺኦሞ እዮም። ኣብ 640 ድ.ል.ክ. እውን ተመሳሳሊ ፈተነታት ገይሮም ነይሮም እዮም። ኢብን ሳዓድ ኣብታ ‘ኪታብ ኣል-ጥባቓት’ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብነብዪ መሓመድ እምበር ብኻልእ ከም ዘይተኣዘዘ እዩ ዝምስክር።
ኣርክዮሎጂስት - እዚስ ፍጹም ዘጠራጥር ኣዩ። ኣይ ነብዪ መሓመድ ደኣ ንሰዓብቱ ናብታ ዓዲ ፍትሓዊ ክርስትያን ነጃሺ (ነጋሲ) እንድዩ ዕቑባ ክሓቱ ልኢኹዎም ነይሩ። ስለዝተቐበሎም ከኣ፡ ነብዪ መሓመድ ሰዓብቱ ናብዚ ከባቢ ገጾም መጥቃዕቲ ከይገብሩ ኣዚዙ እዩ። ንስኺ ከኣ ዳርጋ ባዕሉ ዝኣዘዞ ኵናት ከም ዝተኻየደ ኢኺ ተዘንትዊ ዘሎኺ።
ኣዱሊስ - ግርም ኣሎኻ። ግና ነብዪ መሓመድ ፈለማ እንተዘይ ኣጥቂዖምኹም፡ ከይተጥቅዕዎም እዩ ዝበለ እምበር፡ ከጥቅዕኹም ከለዉ ኢድኩም ኣጣሚርኩም ርኣይዎም ኢሉ ኣይኣዘዞምን።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ እዞም ናትናሲ ሰበብ ይደልዩዎም ነይሮም ማለትኪ ድዩ፧
ኣዱሊስ - እወ። ክሳዕ ህንዳዊ ውቅያኖስን ክንዩኡን ኣስፋሕፊሖም ስለዝጸንሑ፡ ጽልዋኦም በኣዕራብ ኣስላም ክምንጠሉ እንከለዉ ስቕ ክብሉ ኣይኰነሎምን። ብቐሊል ኢዶም ክህቡ ስለዘይክኣሉ፡ ክብሮም ክመልሱ ህርድግ ካብ ምባል ኣይበዀሩን። ኣረ ኣብ 702 ድ.ል.ክ. ንወደብ ጂዳ ተቘጻጺሮማ ነይሮም እዮም።
ኣርክዮሎጂስት - ኪዲ በሊ! ዳሕራይከ፧
ኣዱሊስ - እዚ ግዳ ሓያል መጥቃዕቲ ካብ ከሊፋ ሱሌማን ቢን ዓብደል ማሊክ እዩ ኣኸቲሉ። እዚ ወፍሪ እዚ በቲ ካልኣይ ከሊፋ ዑመር ኢብ ኣልኸጣብ፡ ዝተኣዘዘ እዩ ዝነበረ። ደሴታት ዳህላክ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽሮም ኣትየን።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ ኣዕራብ ኣስላምሲ ከይተንከናዮም ኣይተንከዩናን ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና፧
ኣዱሊስ - ዝያዳ መጽናዕቲ ዝሓትት እኳ እንተዀነ፡ ንግዚኡ ብኸምኡ ምሓዙ ይሓይሽ እብል። ምኽንያቱ፡ ጽልዋታት ዓረብ ኣስላም ኣብ ዞባና እናተዳኸመ ምስ መጽኣ፡ ዑስማናውያን እዮም ነዚ ከባቢ ተረኪቦምዎ። ብድሕሪኡ እዚ ከባቢ ዓውደ ኵናት እዩ ዀይኑ። ስለ’ዚ፡ ዑስማናውያን ነቲ ብነብዪ መሓመድ ዝተኣተወ መብጽዓ ከም ዝጠሓስዎ እዩ ዘርእይ።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ እቲ ‘ግዝኣት ቱርኪ’ ዝብል ክሳዕ ሕጂ ህዝብና እናስካሕክሐ ዝዝክሮስ፡ ካብዚ ሕሱም ወራራት ዑስማናውያን እዩ ዝነቅል። ኣቦሓጐኡ ነቲ ውሩይ ራሺያዊ ጸሓፊ - ኣለክሳንደር ፑሽኪን እውን ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተወሲዱ ከም ገጸ-በረኸት ንጻር ጴጥሮስ ናይ ሩስያ ዝተዋህበ እውን ብኣጋጣሚ ኣይኰነን።
ኣዱሊስ - ግርም ኣስተውዒልካ ኣሎኻ።
ኣርክዮሎጂስት - እንቋዕ እባ መጻእኩ። ኣይ ተደፊነ እንድየ ደኣ ነይረ። ክንድ’ዚ ዝምርዛኑ ታሪኽ እናፈለጥክስ ስቕ ኢልኪ ኰሪዕኪ ተቐሚጥኪ ኣሎኺ ማለት ድዩ!?
ኣዱሊስ - መጺኡ ዘውግዓኒ እንተ ረኺበስ አረ ብዙሕ ኣሎ። ስማዕ እስከ’ባ ፡ ሕባበት ናይ መብዛሕትኹም ኣርክዮሎጂስትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ዓድና እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - ኣይፈልጥን ወሪዱኒ። ኣንትዕዮ እስከ!፧
ኣዱሊስ - እዛ ሃገርናስ ካን ንስሓባ (ምስልምና) ጥራይ ከም ዘዕቈበት ገይርኩም ኢኹም እተቕርብዎ። ብዛዕባ ዋዕላ ቄልኬዶን ናይ 451 ድ.ል.ክ. እንታይ ትፈልጦ ኣሎኻ፧
ኣርክዮሎጂስት - ኣብ ብሰፊሑ ግዝአት ሮማ፡ ብፍላይ ኣብ ንእሽቶ እስያ (Asia minor)፡ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ክርፍስ ምንባሩ እፈልጥ እየ።
ኣዱሊስ - ግርም ኣሎኻ። እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ እቶም ክርስቶስ ክልተ ባህሪ ኣለዎ ዝብሉን ሓደ ባህሪ እዩ ዘለዎ ዝብሉን እዩ ተኸሲቱ። እቶም ክልተ ባህሪ ዝብሉ ሓዪሎም ስለዝወጹ ከኣ፡ ነቶም ካልኦት ክሃድንዎምን ክጭቍንዎምን ጀመሩ . . .
ኣርክዮሎጂስት - ዳሕራይ ከ . . . ተሃንጥየ አለኹ።
ኣዱሊስ - ደሕራይ ደኣ . . . እቲ ካልኣይ ሰበኻ ክርስትና ኣብዚ ከባቢና ተኸሲቱ። እቶም ትሸዓተ ቅዱሳን ካብ ግዝኣት ሮማ ዝነበራ ዓድታት ናብዚ መጺኦም ተዓቝቦም። ኣብዚ ከኣ ክርስትና ኣዕሚቑ ሰረት ከም ዝሕዝ ገይሮም።
ኣርክዮሎጂስት - ንኽልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዘዕቈብና ኢና እሞ ክንብል ንኽእል ኢና!፧
ኣዱሊስ - ዳርጋ ናብኡ ገጹ እዩ ዝመርሕ . . .
ኣርክዮሎጂስት - ጥዑም ወግዒ እዩ። እስኪ በሊ ድኻምኪ ከይጸብጸብኪ፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ንግስነት ቻይና ዝነበረ ዝምድናታት ንግድ ኣውግዕኒ።
ኣዱሊስ - ብመሰረት ዜና መዋእል ናይ ስርወ ንግስነት ሃን (220-589)፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ቀይሕ ባሕርን ምናዳኳ ኣብቲ ገምገም ኣፍሪቃ፡ ዕሙር ንግድ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ቻይናውያን ነቲ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሪቃ ዝነበረ ንግስነት፡ ‘ህዋንግ-ቺ’ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም። ዝርዝር ናይ’ቲ ካብዚ ናብ ቻይና ዝልኣኽ ዝነበረ ነገራት እንተርኢኻ እውን ነዚ ዘራጕድ እዩ። ገለ ዓታሩ ቻይና እኳ ድሮ ረኺብኩም ኣለኹም መስለኒ።
ኣርክዮሎጂስት - እወ ግርም ኣሎኺ። ግዳ ነቲ ዅሉ ክብ ኢልኪ ዘውጋዕክኒ ወተሃደራዊ፡ ንግዳዊን ካልእን ምንቅስቓሳት እንታይ እዩ ደሪኽዎ፧
ኣዱሊስ - እቲ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ፡ ኣብ ሕሉፍ እዋን ኰነ ሕጂ፡ ንቀይሕ ባሕርን እቲ ኣብኡ ዝጠጥዐ ንግድ ንምቍጽጻርን እዩ።
ኣርክዮሎጂስት - ካልእ እስከ ወስኽኒ . . .
ኣዱሊስ - ፓልሜርያ ትፈልጣዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ ይፈልጣ እየ። ኣይ እዛ ‘ዳዕሽ’ ዘዕነዋ ጥንታዊት ከተማ ናይ ሶርያዶ ኣይኰነትን!፧
ኣዱሊስ - ኣይተጋገኻን። ብዛዕባ እቶም ኣውሬልያን ብ274 ድ.ል.ክ. ንፓልሜርያ ወሪሩ ብዝሓዛ ዝማረኾም ኣቦዋትካ እንታይ ትፈልጦ አሎካ፧ ንጉስ ቈስጣንጢኖስ ቅድሚ ሞቱ ኣቦዋትካ ልክዕ ከም ሮማውያን ማዕረ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከም ዝኣዘዘኸ፧
ኣርክዮሎጂስት - ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ የብለይን። ነዚ ዝምልከት ጽሑፍ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧
ኣዱሊስ- ኣብ መጽሓፍ ‘ሂስቶርያ ኦግስታ’ (Historia Augusta) ኣሎካ እንዶ።
ኣርክዮሎጂስት - ነዛ መጽሓፍ ኣበይ ክረኽባ እኽእል፧
ኣዱሊስ - ነይረ ድየ . . . ድሓን ኩን። ዕዮ ገዛ ትኹንካ።
ኣርክዮሎጂስት - ሕራይ በሊ . . ሃሰስ ክብላ እየ።
ኣዱሊስ - ቻው
ኣርክዮሎጂስት - ቻው፡ የቐንየለይ።

ደምሳስ ጸጋይ ኣ/ዜ/ሰ/ቀ/ባሕሪ - ሓዳስ ኤርትራ - መበል 29 ዓመት ቍ.165 – 12 መጋቢት 2020 - ገጽ 4

ኽብሪን ዝኽሪን ንበየነ ሃይለ!

kerenite
Member
Posts: 4475
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: ኣዱሊስ - ‘ኣደ ሉሲ’ - ፍሽኽ እናበለት ‘ቻው’ ኢላ!

Post by kerenite » 12 Mar 2020, 12:51

Thanks Haw Meleket,

Usually, I am lazy, I avoid reading long written posts but yours was an exception.
Honestly speaking, I read it twice, it was beautifully narrated.

I admire your research and knowledge especially of the old muslim/arab caliphates and their impact on us the horners.

Keep it up.

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: ኣዱሊስ - ‘ኣደ ሉሲ’ - ፍሽኽ እናበለት ‘ቻው’ ኢላ!

Post by Sabur » 12 Mar 2020, 22:51

ክቡር ሓው Meleket:

ነዚ ድንቅ ዝኾነ ኣስተምህሮ ስለ ዘካፈልካና : ምስጋናይ ደረት የብሉን !

Meleket wrote:
12 Mar 2020, 11:21
ወግዒ ኤርትራዊ ኣርክዮሎጂስት ምስ ኣዱሊስ

ኣርክዮሎጂስት - ደሓንዶ ሓዲርኪ ኣዱሊስ፧
ኣዱሊስ - እመስገኖ ወደየ።
ኣርክዮሎጂስት - ሎሚ ፈለማየይ እየ ናባኺ ዝመጽእ ዘለኹ፧
ኣዱሊስ - ሓቅኻ ዲኻ!፧
ኣርክዮሎጂስት - ግደ ሓቅስ ሓንቲ መዓልቲ ብማዕዶ ኣብ ፎሮ ኰይነ ርእየኪ ነይረ። ሽዓኡ እውን ሓደ ደራሲ ኣጋግዩኒ እየ መጺአ።
ኣዱሊስ - መን ዝበሃል ደራሲ እዩ ኣጋግዩካ፧ እንታይ ኢሉ እዩኸ ኣጋግዩካ፧
ኣርክዮሎጂስት - በየነ ሃይለ እዩ ዝበሃል - ሕጂ እኳ ብህይወት የለን። ኣብታ ‘ትጽቢት ባህጉ’ እትብል መጽሓፉ ኣብ ፎሮ ሰማይ-ጠንቁር ኵራዛት ባሕሪ ከምዘሎ ጽሒፉ ኣሎ። ንዓኣ ብዘምበብኩ እየ ብድድ ኢለ ናብ’ዚ መጺአ።
ኣዱሊስ - እሞ ኣብዚ በጺሕካስ ከይርኣኻኒ ተመሊስካ ማለት ድዩ፧
ኣርክዮሎጂስት - ሽዓኡ ደኣ ኣይኰነን ናባኺ ክመጽእሲ፡ ናብ ፎሮ ምምጻአይ እውን አጣዒሱኒ ነይሩ። ሕጂ ግዳ ካልእ ገዲፍኪ - ገለ ንዕዮ ኵዕታ እንተሓገዘኒ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣዕልልኒ በጃኺ።
ኣዱሊስ - እራይ [ሕራይ] በል ሓዝ። ኩሉ ክምልሰልካ ግዳ ኣይትጸበ ኢኻ። ኣርክዮሎጂስት ስለዝኾንካ ገሊኡስ ባዕልኻ ኵዒትካ ርኸቦ። ደቀይ ባዕልኹም ብዛዕባ ታሪኽኩምን መንነትኩምን ክትሓቱን ክትመራመሩን ምምጻእኩም ባህ ከምዝበለኒ ክሓብአልካ ኣይደልን እየ። ከምዚ ሕጂ ኣይትርኣዮ፡ ክንደይ ከርከባ እኳ እየ ኣሕሊፈ። ክንደይ ተልመደን ካብ ሕቝፈይ ቅርስታት ዘይወሰዱ! ክንደይ ተመራመርቲ ታሪኽ ኢና ዝብሉ ዘይስመይ ዘይሃቡኒ . . . ።

Post by Meleket » 13 Mar 2020, 04:55

ክቡር ሓወይ kerenite ወዲ ከረን ጻዕዳ፡ ስለቲ ጭዉነት ዝመልኦ ኤርትራዊ ምትብባዕኻ ካብቱይ ኮፍ ዝበልኩዎ እናተሳእኹ ኣመስግነኻ። ጸሓፍትና ከምዙይ ዕቝር ሃብቶም ንሓዲሽ ወለዶ ክምግቡ ክንደየናይ ባህ ዘብል ኢዩ። እቱይ ዕላል ምስ ኣዱሊስ ኮነ ምስ ከስከሰ ምስ ግራመተን ምስ መጠራ ምስ እንዳ ኣባ መጣዕ ምስ ዓራቱከ ምስ ወዘተ ኪቕጽል ድማ ንትስፎ። ንጸሓፊ ደምሳስ ጸጋይ ድማ ንስለቲ መሃሪ ዝኾነ ዕላሉ ብሽም ኩልና ነመስግኖ። ኪቕጽሎ ድማ ንላበዎ። :mrgreen:
kerenite wrote:
12 Mar 2020, 12:51
Thanks Haw Meleket,

Usually, I am lazy, I avoid reading long written posts but yours was an exception.
Honestly speaking, I read it twice, it was beautifully narrated.

I admire your research and knowledge especially of the old muslim/arab caliphates and their impact on us the horners.

Keep it up.

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣዱሊስ - ‘ኣደ ሉሲ’ - ፍሽኽ እናበለት ‘ቻው’ ኢላ!

Post by Meleket » 13 Mar 2020, 05:20

ክቡር ሓወይ Sabur ስለቱይ ጭውነት ዝዓሰሎ ኤርትራዊ ኣኽብሮትኻ ኣመስግነኻ። ብርግጽ እቱይ ቀንዲ ምስጋና ዚግባእ ንጸሓፊ እቱይ ዕላል ንደምሳስ ጸጋይ ኢዩ፡ ስለቲ መሃሪ ዝኾነ ዕላሉ ብሽም ኩልና ነመስግኖ። ኪቕጽሎ ድማ ንላበዎ። :mrgreen:
Sabur wrote:
12 Mar 2020, 22:51

ክቡር ሓው Meleket:

ነዚ ድንቅ ዝኾነ ኣስተምህሮ ስለ ዘካፈልካና : ምስጋናይ ደረት የብሉን !

Meleket wrote:
12 Mar 2020, 11:21
ወግዒ ኤርትራዊ ኣርክዮሎጂስት ምስ ኣዱሊስ

ኣርክዮሎጂስት - ደሓንዶ ሓዲርኪ ኣዱሊስ፧
ኣዱሊስ - እመስገኖ ወደየ።
ኣርክዮሎጂስት - ሎሚ ፈለማየይ እየ ናባኺ ዝመጽእ ዘለኹ፧
ኣዱሊስ - ሓቅኻ ዲኻ!፧
ኣርክዮሎጂስት - ግደ ሓቅስ ሓንቲ መዓልቲ ብማዕዶ ኣብ ፎሮ ኰይነ ርእየኪ ነይረ። ሽዓኡ እውን ሓደ ደራሲ ኣጋግዩኒ እየ መጺአ።
ኣዱሊስ - መን ዝበሃል ደራሲ እዩ ኣጋግዩካ፧ እንታይ ኢሉ እዩኸ ኣጋግዩካ፧
ኣርክዮሎጂስት - በየነ ሃይለ እዩ ዝበሃል - ሕጂ እኳ ብህይወት የለን። ኣብታ ‘ትጽቢት ባህጉ’ እትብል መጽሓፉ ኣብ ፎሮ ሰማይ-ጠንቁር ኵራዛት ባሕሪ ከምዘሎ ጽሒፉ ኣሎ። ንዓኣ ብዘምበብኩ እየ ብድድ ኢለ ናብ’ዚ መጺአ።
ኣዱሊስ - እሞ ኣብዚ በጺሕካስ ከይርኣኻኒ ተመሊስካ ማለት ድዩ፧
ኣርክዮሎጂስት - ሽዓኡ ደኣ ኣይኰነን ናባኺ ክመጽእሲ፡ ናብ ፎሮ ምምጻአይ እውን አጣዒሱኒ ነይሩ። ሕጂ ግዳ ካልእ ገዲፍኪ - ገለ ንዕዮ ኵዕታ እንተሓገዘኒ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣዕልልኒ በጃኺ።
ኣዱሊስ - እራይ [ሕራይ] በል ሓዝ። ኩሉ ክምልሰልካ ግዳ ኣይትጸበ ኢኻ። ኣርክዮሎጂስት ስለዝኾንካ ገሊኡስ ባዕልኻ ኵዒትካ ርኸቦ። ደቀይ ባዕልኹም ብዛዕባ ታሪኽኩምን መንነትኩምን ክትሓቱን ክትመራመሩን ምምጻእኩም ባህ ከምዝበለኒ ክሓብአልካ ኣይደልን እየ። ከምዚ ሕጂ ኣይትርኣዮ፡ ክንደይ ከርከባ እኳ እየ ኣሕሊፈ። ክንደይ ተልመደን ካብ ሕቝፈይ ቅርስታት ዘይወሰዱ! ክንደይ ተመራመርቲ ታሪኽ ኢና ዝብሉ ዘይስመይ ዘይሃቡኒ . . . ።
ኣርክዮሎጂስት - ይኣኽሎ! . . . ይኣኽሎ፡ ንብዓትኪ ክንሕብስ ኢና መጺእና ዘሎና። ኵራዛትኪ እውን ፍሒርና ምስ ደቂ ዓዶም ገጽ-ንገጽ ከነራኽቦም ኢና።
ኣዱሊስ - ይበልዎ ስላሰ። እሞ ኣብ ፎሮ ኵራዛት ምንባሮምሲ ክትኣምን ጀሚርካ ኢኻ፧
ኣርክዮሎጂስት - እጹብ ድንቂ ኣስላፋት መናድቕኺ ምስ ርኣኹ፡ ብኡነት ኢለ፡ ኵራዛትኪ ምርኣይ እውን ከምዘይተርፍ ኣሚነ።
ኣዱሊስ- ኵራዛት ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ውን ኣይሰኣንን እዩ። ምናዳ እኳ መጻሕፍቲ ናይቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ናይዚ ከባቢ እንተ ትውከስሲ ክንደይ ምጥዓመ ነይሩ። ኢብን ኻልዱን ትፈልጦዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - መን እዩ’ኸ እዚ፧
ኣዱሊስ - ናይ 14 ክፍለ-ዘመን ዓረባዊ ደራስን ጸሓፊ ታሪኽን እዩ። ኣብታ ‘ኣል-ሙቐዲማ’ እትብል መጽሓፉ፣ ኣብ ግዜኡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ‘ባሓር ኣል-ሓበሻ’ ተባሂሉ ይፍለጥ ምንባሩ ሰኒዱ ኣሎ።
ኣርክዮሎጂስት - ዶ ትብልኒ! እዚ እንታይ እዩ ዘመላኽት፧
ኣዱሊስ - እዋእ! ጽልዋ ባሕሪ ነገስታትካ ኣብ እዚ ዞባ’ዚ ሓያል ምንባሩ እዩ ዘርእይ። ሓያላት ባሕረኛታት እዮም ነይሮም። ኣብነት - ኣብ ከባቢ 630ታት ድ.ል.ክ. ነቲ ዓረብ ኣስላም ንዓይ ንምሓዝ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይሰመረሎምን። እቲ ብኣልቓማ ቢን ሙጃዛዝ ዝተባረኸ ኩናት ባሕሪ ብዓወት ወጺኦሞ እዮም። ኣብ 640 ድ.ል.ክ. እውን ተመሳሳሊ ፈተነታት ገይሮም ነይሮም እዮም። ኢብን ሳዓድ ኣብታ ‘ኪታብ ኣል-ጥባቓት’ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብነብዪ መሓመድ እምበር ብኻልእ ከም ዘይተኣዘዘ እዩ ዝምስክር።
ኣርክዮሎጂስት - እዚስ ፍጹም ዘጠራጥር ኣዩ። ኣይ ነብዪ መሓመድ ደኣ ንሰዓብቱ ናብታ ዓዲ ፍትሓዊ ክርስትያን ነጃሺ (ነጋሲ) እንድዩ ዕቑባ ክሓቱ ልኢኹዎም ነይሩ። ስለዝተቐበሎም ከኣ፡ ነብዪ መሓመድ ሰዓብቱ ናብዚ ከባቢ ገጾም መጥቃዕቲ ከይገብሩ ኣዚዙ እዩ። ንስኺ ከኣ ዳርጋ ባዕሉ ዝኣዘዞ ኵናት ከም ዝተኻየደ ኢኺ ተዘንትዊ ዘሎኺ።
ኣዱሊስ - ግርም ኣሎኻ። ግና ነብዪ መሓመድ ፈለማ እንተዘይ ኣጥቂዖምኹም፡ ከይተጥቅዕዎም እዩ ዝበለ እምበር፡ ከጥቅዕኹም ከለዉ ኢድኩም ኣጣሚርኩም ርኣይዎም ኢሉ ኣይኣዘዞምን።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ እዞም ናትናሲ ሰበብ ይደልዩዎም ነይሮም ማለትኪ ድዩ፧
ኣዱሊስ - እወ። ክሳዕ ህንዳዊ ውቅያኖስን ክንዩኡን ኣስፋሕፊሖም ስለዝጸንሑ፡ ጽልዋኦም በኣዕራብ ኣስላም ክምንጠሉ እንከለዉ ስቕ ክብሉ ኣይኰነሎምን። ብቐሊል ኢዶም ክህቡ ስለዘይክኣሉ፡ ክብሮም ክመልሱ ህርድግ ካብ ምባል ኣይበዀሩን። ኣረ ኣብ 702 ድ.ል.ክ. ንወደብ ጂዳ ተቘጻጺሮማ ነይሮም እዮም።
ኣርክዮሎጂስት - ኪዲ በሊ! ዳሕራይከ፧
ኣዱሊስ - እዚ ግዳ ሓያል መጥቃዕቲ ካብ ከሊፋ ሱሌማን ቢን ዓብደል ማሊክ እዩ ኣኸቲሉ። እዚ ወፍሪ እዚ በቲ ካልኣይ ከሊፋ ዑመር ኢብ ኣልኸጣብ፡ ዝተኣዘዘ እዩ ዝነበረ። ደሴታት ዳህላክ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽሮም ኣትየን።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ ኣዕራብ ኣስላምሲ ከይተንከናዮም ኣይተንከዩናን ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና፧
ኣዱሊስ - ዝያዳ መጽናዕቲ ዝሓትት እኳ እንተዀነ፡ ንግዚኡ ብኸምኡ ምሓዙ ይሓይሽ እብል። ምኽንያቱ፡ ጽልዋታት ዓረብ ኣስላም ኣብ ዞባና እናተዳኸመ ምስ መጽኣ፡ ዑስማናውያን እዮም ነዚ ከባቢ ተረኪቦምዎ። ብድሕሪኡ እዚ ከባቢ ዓውደ ኵናት እዩ ዀይኑ። ስለ’ዚ፡ ዑስማናውያን ነቲ ብነብዪ መሓመድ ዝተኣተወ መብጽዓ ከም ዝጠሓስዎ እዩ ዘርእይ።
ኣርክዮሎጂስት - እሞ እቲ ‘ግዝኣት ቱርኪ’ ዝብል ክሳዕ ሕጂ ህዝብና እናስካሕክሐ ዝዝክሮስ፡ ካብዚ ሕሱም ወራራት ዑስማናውያን እዩ ዝነቅል። ኣቦሓጐኡ ነቲ ውሩይ ራሺያዊ ጸሓፊ - ኣለክሳንደር ፑሽኪን እውን ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተወሲዱ ከም ገጸ-በረኸት ንጻር ጴጥሮስ ናይ ሩስያ ዝተዋህበ እውን ብኣጋጣሚ ኣይኰነን።
ኣዱሊስ - ግርም ኣስተውዒልካ ኣሎኻ።
ኣርክዮሎጂስት - እንቋዕ እባ መጻእኩ። ኣይ ተደፊነ እንድየ ደኣ ነይረ። ክንድ’ዚ ዝምርዛኑ ታሪኽ እናፈለጥክስ ስቕ ኢልኪ ኰሪዕኪ ተቐሚጥኪ ኣሎኺ ማለት ድዩ!?
ኣዱሊስ - መጺኡ ዘውግዓኒ እንተ ረኺበስ አረ ብዙሕ ኣሎ። ስማዕ እስከ’ባ ፡ ሕባበት ናይ መብዛሕትኹም ኣርክዮሎጂስትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ዓድና እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - ኣይፈልጥን ወሪዱኒ። ኣንትዕዮ እስከ!፧
ኣዱሊስ - እዛ ሃገርናስ ካን ንስሓባ (ምስልምና) ጥራይ ከም ዘዕቈበት ገይርኩም ኢኹም እተቕርብዎ። ብዛዕባ ዋዕላ ቄልኬዶን ናይ 451 ድ.ል.ክ. እንታይ ትፈልጦ ኣሎኻ፧
ኣርክዮሎጂስት - ኣብ ብሰፊሑ ግዝአት ሮማ፡ ብፍላይ ኣብ ንእሽቶ እስያ (Asia minor)፡ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ክርፍስ ምንባሩ እፈልጥ እየ።
ኣዱሊስ - ግርም ኣሎኻ። እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ እቶም ክርስቶስ ክልተ ባህሪ ኣለዎ ዝብሉን ሓደ ባህሪ እዩ ዘለዎ ዝብሉን እዩ ተኸሲቱ። እቶም ክልተ ባህሪ ዝብሉ ሓዪሎም ስለዝወጹ ከኣ፡ ነቶም ካልኦት ክሃድንዎምን ክጭቍንዎምን ጀመሩ . . .
ኣርክዮሎጂስት - ዳሕራይ ከ . . . ተሃንጥየ አለኹ።
ኣዱሊስ - ደሕራይ ደኣ . . . እቲ ካልኣይ ሰበኻ ክርስትና ኣብዚ ከባቢና ተኸሲቱ። እቶም ትሸዓተ ቅዱሳን ካብ ግዝኣት ሮማ ዝነበራ ዓድታት ናብዚ መጺኦም ተዓቝቦም። ኣብዚ ከኣ ክርስትና ኣዕሚቑ ሰረት ከም ዝሕዝ ገይሮም።
ኣርክዮሎጂስት - ንኽልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዘዕቈብና ኢና እሞ ክንብል ንኽእል ኢና!፧
ኣዱሊስ - ዳርጋ ናብኡ ገጹ እዩ ዝመርሕ . . .
ኣርክዮሎጂስት - ጥዑም ወግዒ እዩ። እስኪ በሊ ድኻምኪ ከይጸብጸብኪ፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ንግስነት ቻይና ዝነበረ ዝምድናታት ንግድ ኣውግዕኒ።
ኣዱሊስ - ብመሰረት ዜና መዋእል ናይ ስርወ ንግስነት ሃን (220-589)፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ቀይሕ ባሕርን ምናዳኳ ኣብቲ ገምገም ኣፍሪቃ፡ ዕሙር ንግድ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ቻይናውያን ነቲ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሪቃ ዝነበረ ንግስነት፡ ‘ህዋንግ-ቺ’ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም። ዝርዝር ናይ’ቲ ካብዚ ናብ ቻይና ዝልኣኽ ዝነበረ ነገራት እንተርኢኻ እውን ነዚ ዘራጕድ እዩ። ገለ ዓታሩ ቻይና እኳ ድሮ ረኺብኩም ኣለኹም መስለኒ።
ኣርክዮሎጂስት - እወ ግርም ኣሎኺ። ግዳ ነቲ ዅሉ ክብ ኢልኪ ዘውጋዕክኒ ወተሃደራዊ፡ ንግዳዊን ካልእን ምንቅስቓሳት እንታይ እዩ ደሪኽዎ፧
ኣዱሊስ - እቲ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ፡ ኣብ ሕሉፍ እዋን ኰነ ሕጂ፡ ንቀይሕ ባሕርን እቲ ኣብኡ ዝጠጥዐ ንግድ ንምቍጽጻርን እዩ።
ኣርክዮሎጂስት - ካልእ እስከ ወስኽኒ . . .
ኣዱሊስ - ፓልሜርያ ትፈልጣዶ፧
ኣርክዮሎጂስት - ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ ይፈልጣ እየ። ኣይ እዛ ‘ዳዕሽ’ ዘዕነዋ ጥንታዊት ከተማ ናይ ሶርያዶ ኣይኰነትን!፧
ኣዱሊስ - ኣይተጋገኻን። ብዛዕባ እቶም ኣውሬልያን ብ274 ድ.ል.ክ. ንፓልሜርያ ወሪሩ ብዝሓዛ ዝማረኾም ኣቦዋትካ እንታይ ትፈልጦ አሎካ፧ ንጉስ ቈስጣንጢኖስ ቅድሚ ሞቱ ኣቦዋትካ ልክዕ ከም ሮማውያን ማዕረ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከም ዝኣዘዘኸ፧
ኣርክዮሎጂስት - ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ የብለይን። ነዚ ዝምልከት ጽሑፍ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧
ኣዱሊስ- ኣብ መጽሓፍ ‘ሂስቶርያ ኦግስታ’ (Historia Augusta) ኣሎካ እንዶ።
ኣርክዮሎጂስት - ነዛ መጽሓፍ ኣበይ ክረኽባ እኽእል፧
ኣዱሊስ - ነይረ ድየ . . . ድሓን ኩን። ዕዮ ገዛ ትኹንካ።
ኣርክዮሎጂስት - ሕራይ በሊ . . ሃሰስ ክብላ እየ።
ኣዱሊስ - ቻው
ኣርክዮሎጂስት - ቻው፡ የቐንየለይ።

ደምሳስ ጸጋይ ኣ/ዜ/ሰ/ቀ/ባሕሪ - ሓዳስ ኤርትራ - መበል 29 ዓመት ቍ.165 – 12 መጋቢት 2020 - ገጽ 4

ኽብሪን ዝኽሪን ንበየነ ሃይለ!

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣዱሊስ - ‘ኣደ ሉሲ’ - ፍሽኽ እናበለት ‘ቻው’ ኢላ!

Post by Meleket » 13 Mar 2020, 05:26

ለኢትዮጵያዉያን ወንድሞቻችንም ይህን ታሪክ ብናጋራው አይከፋም ኣይደል!

የኤርትራዊው ኣርክዮሎጂስትና የአዱሊስ ወግ

ኣርክዮሎጂስት - እንዴት አደርሽ አዱሊስ፧
ኣዱሊስ - እግዚአብሔር ይመስገን፡ ልጄ።
ኣርክዮሎጂስት - ወዳንቺ ስመጣ ዛሬ ለመጀመርያ ግዜየ ነው።
ኣዱሊስ - እውነትክን ነው!፧
ኣርክዮሎጂስት - እውነት ለመናገር አንድ ቀን ከማዶ ፎሮ ከተባለችው ቀዬ ላይ ሆኜ አሻግሬ አይቼሽ ነበር። ያኔም ቢሆን የመጣሁት፡ አንድ ደራሲ አሳስቶኝ ነው።
ኣዱሊስ - ማን የሚባል ደራሲ ነው ደግሞ ያሳሳተህ፧ ምንስ ብሎ ነው ያሳሳተህ፧
ኣርክዮሎጂስት - ደራሲውበየነ ሃይለ ነው የሚባል - አሁን እንኳን በህይወት የለም፡ አልፏል። ‘ትጽቢት ባህጉ ወይም የባህጉ ምኞት’ በምትባለው መጸሓፉ ፎሮ ውስጥ ሰማይን-የሚሸነቍሩ የባሕር ኩራዞች ማለትም ቀንዴሎችና ጧፎች እንዳሉ ነው በመጸሐፉ ያሰፈረው። ታድያ ይህንን ጽሑፉን እንዳነበብኩ እየተጣደፍኩ ነው ወደዚህ የመጣሁት።
ኣዱሊስ - ታድያ እዚህ ድረስ መጥተህ ስታበቃ እኔን ሳታገኝና ሳታየኝ ተመለስክ ማለት ነው፧
ኣርክዮሎጂስት - ያኔማ ወዳንቺ ልመጣ ይቅርና፡ ወደ ፎሮ መምጣቴም ቆጭቶኝ ነበር። ይልቅስ አሁን ሁሉን እርሺውና - ለቁፋሮና ለምርምር ሊያግዘኝ ቢችል አንዳንድ እውነታዎችን ስላለፈው ታሪኽ እባክሽ ንገሪኝ።
ኣዱሊስ - ካልክ ይሁና። ሁሉንም ዝርግፍግፍ አድርጌ እንድነግርህ ግን አትጠብቅ። አርክዮሎጂስት ስለሆንክ አንዳንዱን ራስህ ቆፍረህ ትደርስበታለህ። ልጆቼ ራሳችሁ ስለ ታሪካቹና ማንነታችሁ ልትጠይቁና ልትመራመሩ ልትፈትሹ መምጣታችሁ እጅግ ደስ እንደሚያሰኘኝ ልደብቅህ አልሻም። አሁን እንዳለው እንዳይመስልህ፡ ስንት ተነግሮ የማያልቅ ጉድ ነው ያሳለፍኩት መሰለህ! ስንቱ ኩታራ ተለማማጅ እየመጣ ከማህጸኔ ውስጥ ስንትና ስንት ቅርሶችን ያልወሰደና ያልመዘበረ መሰለህ! ስንትና ስንት የታሪክ ተመራማሪዎች ነን የሚሉ ያለስሜ ስም ያልሰጡኝ መሰለህ . . . ኧረ ጉዳቸው ተነግሮም አያልቅ።
ኣርክዮሎጂስት - ኣይዞሽ ኣይዞሽ ኣሁንስ ይብቃሽ፡ እኛ ልጆችሽ የመጣነው እንባሽን ለመጥረግ ነው። አይዞሽ! ኩራዞችሽን ቀንዴሎችሽንና ጧፎችሽንም ቆፍረን አውጥተን ለሁሉም ልጆችሽ ጋር ፊት ለፊት እንደምናገናኛቸው ቃል እንገባልሻለን።
ኣዱሊስ - የአብርሃሙ ስላሶች ይሁን ይበሉት። ታድያ አሁን ፎሮ ውስጥ ኩራዞች ማለትም ቀንዴሎችና ጧፎች እንዳሉ ማመን ጀምረሃል ማለት ነውን፧
ኣርክዮሎጂስት - እጹብና ድንቅ የሆኑትን ብርቅ ግንበኞች ያነጹትን ግድግዳዎችሽን እንዳየሁማ፡ በእርግጥ ነው የምልሽ፡ ኩራዞችሽን ማለትም ቀንዴሎችሽንና ጧፎችሽንም ማየቴ እንደማይቀር አምኛለሁ።
ኣዱሊስ - ምን ኩራዞች ብቻ በቅጡ ለመረመረኝ እማ ሌላም ዕጹብ ድንቅ ነገሮችም አይታጡብኝም። በተለይማ የዚህ ኣካባቢ ታላላቅ ጸሓፊዎችን ጹሁፎች ብትመረምራቸው ኖሮ፡ አቤት ምንኛ መልካም በነበር። ለመሆኑ ኢብን ኻልዱን ታውቀዋለህን፧
ኣርክዮሎጂስት - ይህ ደግሞ ማን የሚሉት ነው፧ ምንስ ያደረገ ነው፧
ኣዱሊስ - የ 14ኛው ክፍለዘመን የዓረቡ ዓለም ደራሲና የታሪክ ጸሓፊ ነው። ‘ኣል-ሙቐዲማ’ በምትባለው መጸሐፉ እንዳሰፈረው፣ ያኔ በዚያ ዘመንና በዘመኑ ህንድ ውቅያኖስ ‘ባሓር ኣል-ሓበሻ ’ ተብሎ ይታወቅ እንደነበረ ቁልጭ አድርጎ ሰንዶታል።
ኣርክዮሎጂስት - አትይኝም! ታድያ ይህ ምንን ያመላክታል ማለት ነው፧
ኣዱሊስ - እንዴ! ይህማ በዚህ ቀጠና፡ የባሕር ነገስታቶችህ ሚናና ተጽእኖ ምን ያህል ብርቱ እንደነበረ ነው የሚያሳየው። ቀደምት አያቶችህ እንዥላቶችህና ምንዥላቶችህ ብርቱ ባሕረኞች ነው የነበሩት። ለምሳሌ - በ630ዎቹ ዓ.ም. ገደማ እስላም አረቦች እኔን ለመቆጣጠር ያደረጉት የወረራ ሙከራ አልተሳካላቸውም። ያ በኣልቓማ ቢን ሙጃዛዝ የተባረከው ወይም ቡራኬ የተደረገለት የባሕር ላይ ውጊያ ቀደምቶችህ ድል በድል ተጎናጽፈው ነው ያጠናቀቁት። በ640ዎቹ ዓ.ም. ገደማም ተመሳሳይ ሙከራዎች ተደርጎባቸዋል። ኢብን ሳዓድ በዚያች ‘ኪታብ ኣል-ጥባቓት ’ የሚል ርእስ በሰጣት መጸሐፉ፡ ያ ወታደራዊ የወረራ ዘመቻ በራሱ በነብዩ መሐመድ እንጂ በሌላ በማንም እንዳልታዘዘ ነው የመሰከረው።
ኣርክዮሎጂስት - ይህንን ለማመንስ እጅግ አዳጋች ነው፡ ኧረ እንዲያውም የሚያጠራጥር ነው። ራሱ ነብዪ መሓመድ አይደለም እንዴ ተከታዮቹን ወደዚያች ፍትሓዊ ክርስትያን ነጃሺ (ነጋሲ) ወደሚያስተዳድራት ሃገር ጥገኝነት እንዲጠይቁ የላካቸው። ፍትሐዊው ክርስትያን ነጃሺ (ነጋሲ) ጥገኝነት ስለሰጣቸውም፡ ነብዪ መሓመድ ተከታዮቹን፡ በዚህ አካባቢ ምንም ዓይነት ጥቃት እንዳይፈጽሙ አዟቸው ነበር። አንቺ ደግሞ ራሱ ነብዪ መሓመድ ጦርነቱንና ውጊያውን እንዳዘዘ አስመስለሽ ነው እየተረክሽልኝ ያለሽው።
ኣዱሊስ - እውነት ብለሃል ልጄ። ማወቅ ያለብህ ግን ነብዪ መሓመድ ተከታዮቹን ያዘዛቸው፡ ካላጠቋቹ ወይም ጥቃት ካልፈጸሙባችሁ በስተቀር አታጥቋቸው አላቸው እንጂ፡ ሲያጠቋችሁ እጃችሁን አጣጥፋችሁ ዝም ብላችሁ እዩዋቸው ብሎ ብሎ አላዘዛቸውም።
ኣርክዮሎጂስት - እንዲህ ከሆነማ ታድያ፡ የኛዎቹ ይተናኮሏቸው ነበር ማለትሽ ነውን፧
ኣዱሊስ - እንዴታ። የኛዎቹ እስከ ህንድ ውቂያኖስና ከዚያም ባሻገር አስፋፍተው ስለነበር፡ በቀጠናው የነበራቸውን ሚና በእስላም አረቦች ሲቀሙ ዝም ብለው ለማየት አያስችላቸውም። ብቀላሉ እጃቸውን ስለማይሰጡም፡ ክብራቸውንና የቀጠናው ላይ ሚናቸውንና ጥቅማቸውን ተጽእኗቸውንም ለማስመለስ ከመፍጨርጨር አልቦዘኑም። ኧረ እንዲያውም ባይገርምህ በ 702ዓ.ም. ገደማ የጂዳ ወደብን ተቆጣጥረዋት ነበር።
ኣርክዮሎጂስት - አትይኝም! ከዚያስ፧
ኣዱሊስ - ከዚያማ ይህ የጂዳ ወደብን የመቆጣጠር መፍጨርጨራቸው፡ በከሊፋ ሱሌማን ቢን ዓብደል ማሊክ የሚመራውን ብርቱ የሆነ የእስላም አረቦችን የመልሶ ማጥቃት እርምጃ ነው ያስከተለባቸው። ይህ የእስላም አረቦች ዘመቻ በሁለተኛው ከሊፋ በዑመር ኢብ ኣልኸጣብ፡ ነበር የሚታዘዘው። የዳህላክ ደሴቶችንም ሙሉ በሙሉ በቁጥጥራቸው ስር ለማድረግ ችለዋል።
ኣርክዮሎጂስት - እንዲህ ከሆነማ ታድያ፡ እስላም አረቦች ሳንነካቸው አይነኩንም ብለን ልንደመድም እንችላለን ማለት ነውን፧
ኣዱሊስ - ይህ እንኳን ጠለቅ ያለ ጥናትና ምርምር የሚያሻው ጉዳይ ቢሆንም እንኳን፡ ለግዜው ግን እንዲያ ማለትም ይቻላል ቢባል ይሻላል። ምክንያቱም፡ የእስላም አረቦች ሚናና ተጽእኖ በቀጠናችን እየተዳከመ እንደሄደ፡ ይህን ቀጠናችንን የተረከቡት ዑስማናውያን ናቸው። ከዚያ በኋላ ይህ ቀጠናችን የውጊያ አውድና ሜዳ ነው የሆነው። ስለሆነም፡ ይህ የሚያሳየን ሓቅ ቢኖር፡ ዑስማናውያኖች የነብዪ መሐመድን የአደራ ቃል እንደጣሱና እንዳፈረሱ ነው።
ኣርክዮሎጂስት - ታዲያ ህዝባችን ‘ግዝኣት ቱርኪ ማለትም የቱርክ አገዛዝ’ እያለ እያንገሸገሸው የሚያወሳው የግፍ ግዜ የሚጀምረው ለካ፡ ከነዚህ ከጨካኞቹ ዑስማናውያን ወረራ ጋር ነው ማለት ነው። የዚያ የእውቁ ሩሲያዊ ጸሓፊ - የአሌክሳንደር ፑሽኪን አያትም፡ ከጓደኞቹ ጋር ተጠልፎ ተወስዶ ለሩሲያው ዛር ለጴጥሮስ እንደ ገጸበረከትና እጅ መንሻነት ሆኖ የተሰጠው ለካ በዚያ ዘመን መሆኑ ያጋጣሚ ነገር አይደለም ማለት ነው።
ኣዱሊስ - አለች’አ ጭንቅላት፡ ጥሩ አድርገህ አስተውለሃል ልጄ።
ኣርክዮሎጂስት - ኧረ ጉድ ነው ዛሬስ እንኳን መጣሁ፡ እንኳንስ አልቀረሁ። ይገርማል፡ ሁሉም ነገር ተሸፍኖብኝ ነበር ማለት ነው፡ ግልጥልጥ እኮ አደረግሽልኝ። ለመሆኑሳ ይህንን ያህል ግዙፍ ሚዛን የሚደፋ ታሪኽ እያወቅሽ ነው እንዴ ምንም እንደማታውቂ ለማስመሰል እስከአሁን ድረስ እንዲሁ ኮርተሽ ቁጭ ያልሽ ማለት ነው!፧
ኣዱሊስ - መጥቶ የሚያዋራኝና የሚመረምረኝ ካገኘሁማ ኧረ ብዙ አለ የሚወሳና የሚነገር። ስማ እንጂ ልንገርህ፡ ለመሆኑ የብዙዎቻቹ የሃገራችን አርኪዮሎጂስትና የታሪኽ ጸሐፊዎቻችን ዕቃቤ ምን መሆኑን ታውቃለህን፧
ኣርክዮሎጂስት - ኧረ ወርዶብኝ እኔስ አላውቅም። እቲ በይ ያበጠው ይፈንዳ ራስሽ ንገሪኝ!፧
ኣዱሊስ - ይህቺ ውቢቱ አገራችን ስሓባዎችን (እስስልምናን) ብቻ ጥገኝነት እንደሰጠች አድርጋችሁ ነው የምታወሱት። ለመሆኑ ስለ የ451 እ.ኤ.አ. የቄልኬዶን ጉባኤ ምን የምታውቀው ታሪክ አለ፧
ኣርክዮሎጂስት - በታላቋ የሮማ ግዛት ውስጥ፡ በተለይም በትንሿ እስያ (Asia minor)፡ ትልቅ የሃይማኖት ክርክር እንደነበረ አውቃለሁ።
ኣዱሊስ - ልጄ ቀላል ሰው አይደለህም! ክርክሩ የተፈጠረው፡ ክርስቶስ ሁለት ባህሪ አለው በሚሉና አንድ ባህሪ አለው በሚሉ ክፍሎች መካከል ነው። ሁለት ባህሪ አለው የሚሉት ወገኖች ኃይልና ብርታትን ስላገኙም፡ ሌሎቹን ማሳደድና መጨቆን ጀመሩ . . .
ኣርክዮሎጂስት - ከዚያስ ምን ሆነ ባክሽ . . . ልቤን እኮ ሰቀልሽው።
ኣዱሊስ - ከዚያማ . . . ሁለተኛው ሰበካ በዚህ በቀጠናችን ተከሰተ ማለት ነው። እኒያ ተስዓቱ ቅዱሳን የሮማ ግዛት ከነበሩ ሃገሮች እየተሰደዱ በዚህ በሃገራችን ጥገኝነት አገኙ። በዚህ መልኩም በሃገራችን ክርስትና ጥልቅ መሰረትን እንዲይዝም የበኩላቸውን ሚና አበረከቱ።
ኣርክዮሎጂስት - እንዲህ ከሆነማ ሁለቱንም ትልልቅ እምነቶችን ያስጠጋን ነን ለማለት እንችላለን ማለት ነዋ!፧
ኣዱሊስ - ያው እንግዲህ ሓቁ ይህን ነው፡ ያሉትና የሚታወቁት እውነታዎች ወደዚህ ድምዳሜ ነው የሚያመሩን . . .
ኣርክዮሎጂስት - እጅግ ጣፋጭ ጨዋታ ነው። በዪ እንግዲህ ከጀመርሽው አይቀር ደከመኝ አትበዪና፡ ከቻይና ስርወ መንግስታት ጋር ስለነበረን የንግድ ዝምድናዎች እስቲ አጫውችኝ።
ኣዱሊስ - እ.አ.አ (220-589) የነበረው የ ሃን ስርወ መንግስት ዜና መዋእል እንደሚገልጸው፡ በቻይናና በቀይባሕር በተለይም በአፍሪካው የቀይባሕር ዳርቻ ክፍሎች መካከል የነበረን መንግሥት የ‘ህዋንግ-ቺ’ መንግስት ብለው ይጠሩት ነበር። ከዚህ ወደ ቻይና ይላክ የነበረውን ነገር ዝርዝር ከተመለከትክም ይህንን የሚያጠናክር መረጃ ነው የምታገኝ። እናንተም አንዳንድ የቻይና ገንቦዎችን እዚህ ሳታገኙ አልቀራችሁም አይደል፧
ኣርክዮሎጂስት - እውነት ነው የቻይና ገንቦዎችን አግኝተናል። እኔን የገረመኝ ግን ይን ሁሉ አስቀድመሽ የገለጽሽልኝን ወታደራዊ፡ ንግዳዊና ሌላም ሌላም እንቅስቃሴዎችን ለማድረግ የሚገፋፋ እዚህ በቀጠናችን ምን ቢኖር ነው፧
ኣዱሊስ - ዋናውና ቀንደኛው ምክንያትማ፡ ያኔ በትንቱ ግዜ ሆነ አሁንም፡ ቀይ ባሕርንና በአካባቢው የተንሰራፋውን ንግድ የመቆጣጠር አባዜ ነው።
ኣርክዮሎጂስት - ይገርማል ሌላ ምን ይባላል፡ ብዙ ታሪክ አለ ለካ የማናውቀው፡ ኧረ በፈጠረሽ ጨምሪኝ . . .
ኣዱሊስ - ፓልሜርያን ታውቃታለህን፧
ኣርክዮሎጂስት - ባልሳሳት አውቃታለሁ መሰል። ፓልሜርያተማ፡ ይህቺ ‘ዳዕሽ’ የደረማመሳትና ያፈራረሳት የሶርያዋ ጥንታዊት ከተማም ኣማደለች!፧
ኣዱሊስ - አልተሳሳትክም ልጄ፡ መች የዋዛ ሆንክና! ስለነዚያ ስለ ኣውሬልያን እ.አ.አ. በ274 ፓልሜርያን ወሮ እንደያዛት ስለማረካቸው አባቶችህ የምታውቀው ታሪክስ ይኖርሃልን፧ ንጉስ ቈስጣንጢኖስ ከመሞቱ በፊት፡ አባቶችህ ልክ እንደ ሮማውያን በክብር እንዲያዙ ትእዛዝ እንዳስተላለፈስ ታውቃለህን፧
ኣርክዮሎጂስት - ስለዚህ ጉዳይስ የማውቀው ነገር የለም። ይህንን የሚመለከት ታሪክ የት ላገኝ እችላለሁ፧ በፈጠረሽ እባክሽ ጠቁሚኝ!
ኣዱሊስ- ይህ ታሪክ እኮ ‘ሂስቶርያ ኦግስታ’ (Historia Augusta) በተባለችው መጸሐፍ ላይ ቁልጭ ብሎ ተገልጾልሃል።
ኣርክዮሎጂስት - ታድያ ይህችን መጽሐፍ የት ላገኛት እችላለሁ፧
ኣዱሊስ - እንዴ ምን ሆንክ ልጄ፡ ፈረስ ያደርሳል እንጂ . . . ሲባል አልሰማህም። በል ደህና ሁን። የቤት ስራ ሰጠሁህ አይደል!
ኣርክዮሎጂስት - እውነትሽን ነው ድንቅ የቢት ስራ ነው የሰጠሽኝ . . . ከአሁኗ ደቂቃ ጀምሬ ይህችን መጽሐፍ ማፈላለጌን ጀምሪያለሁ።
ኣዱሊስ - ቻው
ኣርክዮሎጂስት - ቻው በዪ፡ አመሰግናለሁ።

ደምሳስ ጸጋይ ኣ/ዜ/ሰ/ቀ/ባሕሪ - ሓዳስ ኤርትራ - መበል 29 ዓመት ቍ.165 – 12 መጋቢት 2020 - ገጽ 4

ክብር ለኤርትራዊው ምርጥ ደራሲ ለበየነ ሃይለ እንዲሁም ይህን ታሪክ ላቋደሰን ለደምሳስ ጸጋይ!:mrgreen:

Post Reply