Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
molover
Member
Posts: 1692
Joined: 26 Apr 2013, 05:16

Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by molover » 09 Feb 2020, 04:08

justo
Member
Posts: 2053
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by justo » 09 Feb 2020, 04:15

molover wrote:
09 Feb 2020, 04:08
I've seen this guy's name being mentioned over and over again. We have so many heroes and there is no need to continuously pick few among them in a way that looks suspect.

There is this guy on youtube, Tesfamikael Tekleberhan, who is narrating the story of the early days of the EPLF. He keeps mentioning the name of few people from the same region on and on, in a way that makes you suspect there might a hidden agenda in his agenda.

molover
Member
Posts: 1692
Joined: 26 Apr 2013, 05:16

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by molover » 09 Feb 2020, 04:34

justo wrote:
09 Feb 2020, 04:15
molover wrote:
09 Feb 2020, 04:08
I've seen this guy's name being mentioned over and over again. We have so many heroes and there is no need to continuously pick few among them in a way that looks suspect.

There is this guy on youtube, Tesfamikael Tekleberhan, who is narrating the story of the early days of the EPLF. He keeps mentioning the name of few people from the same region on and on, in a way that makes you suspect there might a hidden agenda in his agenda.
I Am From All over Eritrea from kurora all the way Assab barka semienawi bahri to kebesa i never understood what Region is.

justo
Member
Posts: 2053
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by justo » 09 Feb 2020, 04:58

molover wrote:
09 Feb 2020, 04:34
I Am From All over Eritrea from kurora all the way Assab barka semienawi bahri to kebesa i never understood what Region is.
Yeah, that is the way we want it to be, and we will insist on it

Meleket
Member
Posts: 532
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by Meleket » 11 Feb 2020, 09:34

justo wrote:
09 Feb 2020, 04:15
molover wrote:
09 Feb 2020, 04:08
I've seen this guy's name being mentioned over and over again. We have so many heroes and there is no need to continuously pick few among them in a way that looks suspect.

There is this guy on youtube, Tesfamikael Tekleberhan, who is narrating the story of the early days of the EPLF. He keeps mentioning the name of few people from the same region on and on, in a way that makes you suspect there might a hidden agenda in his agenda.
ሓውና justo ከመይ ከመይ ደኣ’ያ እዛ ኣበሃህላኻ፧ “ናይቲ መስራቲ ክርስትና ደቀመዛሙርቲ ተባሂሎም ስለምንታይ ሰብ ገሊላን ከባቢአን ጥራህ ይስመዩ፧” ቢሎም ክርስትያን ነቲ ዓቢ ዛንታ እቱይ ዓቢ መጽሓፍ ክነጽጉዎ አይረአናን። እንታይ ደኣ ታሪካዊ ሓቂን ክውንነትን ዝፈጠሮ ክስተት ምዃኑ ተቀቢሎም ሓንጎፋይ ቢሎም ነቱይ ዛንታ ተቀቢሎሞ ደአምበር አይዀነንዎን አይተጠራጠሩን እውን። ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሙስሊሚን አሕዋትና ‘ደቂ ኢንዶኔዥያ ወይ ሰብ ሞሮኮ ስለምንታይ ቀዳሞት ሰዓብቲ ነቢይ መሓመድ ተባሂሎም አይተረቑሑን’ አይበሉን፤ ነቲ ታሪኻዊ ሓቂን ክውንነትን ርዒሞም “ሰብ መካ መዲና ብተደጋጋሚ” እንተተገልጹ ክውንነት ምኳኑ ፈሊጦም ቀጨውጨው አየብሎምን ኢዩ። ዛንታ ጀነራላት ሃገርና እንተመርሚርካ ብዝሕ ዝበሉ ጀነራላት ኰኑ ኮለነላት ደቂ ሓደ ከባቢ እንተረከብካ አይግረምካ፣ ታሪካዊ ሓቂን ኩነትን ዝፈጠሮ ክስተት ኪከውን ስለዝኽእል፡ እቱይ ቀንዲ ከገድሰኻ ዝግባእ ምእንቲ ኤርትራን ፍትሕን ሐቅን ደው ምባሎም ጥራሕ ኢዩ እምበር ዛዕባ ከባቢኦም ኣይዀነን፤ ምእንቲ ሓቂን ፍትሕን ደው ዘይብሉ ኰይኖም እንተረኪብኻዮም ሽዑዑ እንተ ተጠራጠርካ አየክፍኣልካን ኢዩ።

ዛንታ ቀዳሞት ተጋደልቲ ክግለጽ ከሎ ድማ ከምኡ ኢዩ። ንአብነት ዛንታ ቀዳሞት ባሕርያ ክግለጽ እንተኰይኑ በታ እታ ባሕሪያ ዝተመስረተላ ከባቢ ዝነበሩ፡ ነበርትን ቀዳሞት ተጋደልትን ክስመዩን ክጽውኡን ናይ ግድን ኢዩ። ከምኡ ጌሩ ድማ እዩ አምባሳደር ጣህር ባዱሪ ብመሳጢ አገላልጻ ነቲ ሓቀኛ ታሪክ ባሕርያ በመጸሐፍ ሰኒድዎ። ከምዙይ ዓይነት ብርቂ ዛንታ ብፊልም’ዉን ክስነድ ይግባኦ። እዚ ዝቀረብኩልካ ኣብነት ብአብነት ክረድአካ ስለዝደለኹ ኢየ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፦

ዛንታ ሰልፊ ናጽነት ክትረኽን ክስነድን እንተደአ ዀይኑ እታ ሰልፊ ናጽነት ዝተጠነሰትሉን ዝተወልደትሉን ዝዓዀኸትሉን ስፍራ ቀዳሞት ተጋደልቲ ጎልጎል ዓላን ሰለድን ጭወትን እንተተገልጸ እንታይ ጸገም አለዎ ዲዩ። ሕምቀት ደረስትናን ዳይረክተራትናን ኰይኑ ደአ እምበር እዙይ ከምዙይ ዝበለ ዛንታ ደኣ ብተንቀሳቃሲ ፊልም እዉን ክስነድ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ፤ ኣብ መዓልቱ ብፊልም ከምዝስነድ ጥርጥር የልቦን፤ እቲ ምንታይ እንተተባህለ አካል ወርቃዊ ዛንታ ገድሊ ኤርትራ ስለዝዀነ ኢዩ። ነፍስወከፍ ቀዳሞት ተጋደልቲ አኼባ ዝገብሩሉ ስፍራ፣ ሕድሞ፣ ኦም፣ ዘጽሉሉ ዝነበረ ገረብ፣ ማይ ዝሰትዩሉ ዒላ፣ ሕሉፍ ሃሊፉውን ጸባ ዝሰተዩሉ ጓጉድን ጣይታ ዝተቀበሉሉ ጊባቦ ኰነ ገዓት ብርግዖ ዝበልኡሉ ስፍራ እናርኣዩ ነቲ ዛንታ ህይወት ክህብዎ ዝኽእሉ አቦታትን አዴታትን ገና ብህይወት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ ጽቡቕ ኢዩ።

ክንዲዝኰነ ድማ ታሪኽ መታን ከይስረቕ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ዝፈልጦ ዛንታ ክትርኽን ከዘንትዉን ክተባባዕ አለዎ ደአ እምበር ንዘዝተበገሰ ምጥርጣርን ምቍንጻብን ምድሀልን ደኣ “ሱሳ አላታ!” እንዲዩ ዘብል። ህዝቢ ኤርትራን ገድሉን ብዙሕ ዘይተገልጸ ታሪኽ ከምዘለዎ ፈሊጥኻ፡ ሰሚዕካዮ ዘይትፈልጥ ዛንታ እንተጓኒፉካ ሓቕነቱን ቁምነገሩን ተረጋግጽ ደአ እምበር፡ ብሓደ ዝኣፉ ነቶም ተረኽቲ ምድሀል አይግባእን። ንስኻ ሓዉና ድማ ትፈልጦ ዛንታ እንተሎ ሃየ ዳሕድሓዮ፣ ሕዝቢ ድማ ነፍዩን መምዩን ነቱይ ሓቂ ምፍላጡ ኣይተርፍን፡ እቲ ምንታይ እንተተባህለ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ዝኽወል ሓቂ የሎን።

ክቡር ሓወና justo ተመራመርትናን ተረኽትናን ጸሐፍትናን ስለዘይተግሁን ስለዘይተተባብዑን ኢዩ እምበር፡ መንእሰይ ወለዶ ክሳብ ሕጂ “ቀዳሞት መስረቲ ማህበር ፍቅሪ ሃገር” መነመን ከምዝነበሩ ዝተአከብሉ ናይ ቤት ገርግሽ ከባቢ ብዕሊ ብቴሌቭዥንን ፊልምን ተሰኒዱ ኪፈልጦ ንንኡስ ወለዶ ክሰጋገር ጽቡቕ ኣይምነበረን’ዶ፧ ዅናት ናይ ሓዝሓዝ፡ ኤርትራዊ እምቢታን ዓወትን አንጻር ወረርቲ ሰብ ስግር ማዕዶ ብፊልም ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ እምቢታ ደግያት ባሕታ ሓጎስ አባጥመርን ቀዳሞት ሓርበኛታትን ኣብ ሃባብ ዝሸፈቱሉ ታሪክ’ከ ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ናይ ሰበርቲ ናኹራ ሃገራዉያን ዛንታ ብፊልም ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ታሪኽ ሓርበኛ ዓዋተ ብፊልም ክስነድ አይምተገባኦን’ዶ፧ ዓዋተ ንናይ እንግሊዝ መኰንን ብረቱ ዘሕደገ ኣበይ ኢዩ ፧ አበይ ምስመን’ከ ተዋጊኡ፣ አበይ ቆሲሉ፣ አበይ ተሰዊኡ፣ መቃብሩ አበይ አሎ ወዘተ፡ ዝገብሮ ዝነበረን ህይወቱን ብፊልም ክስነድ’ዶ አይምተገብአን። ኵናት ግንባራት ናቕፋ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳህልን እንታይ ይመስል ኔሩ፧ መነ መን ነቱይ ኩናት መሪሖሞ፧ አየነይቲ ክፍለሰራዊት በየን አትያ መንከ ይመርሓ ኔሩ ወዘተ ክስነዶ ኣይምተገባኦን፧ ነፍስወከፍ ወራራትን መጥቃዕቲ ውቃዉን ናደውን ዓሰብን ብፊልምታት ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ኩናት ምሕራር ባጽዕን ገለ ክፋል ታሪክ ባሕርያን’ኳ ካባኡ ናባኡ ጽቡቕ ይግለጽ አሎ። ብሓፈሻ ታሪኽ እቲ እፈልጥ ዝብልሰብ ከሰጋግሮ ይግባእ፡ መንእሰይና ብናይ ደርፍታት ክሊፓት ክዕዘርን ናብ ናይ ደገ ፊልምታት ጥራህ ከድህብ ክግደፍ አይግባእን። ታሪኽ ሃገሩን ታሪኽ ገድሉን ንኪፈልጥ እንተ ተተባብዐ ኢዩ ዝሓሸ። ሓሶትን ዘይኮነ ታሪኽን እንተተዘንትዩ ድማ ብጭብጢ ነተን ብፍላጥ ዝግበራ ሓሶታት ኮነ ብዘይፍላጥ ዝዝንተዋ ጌጋታት ነቂስኻ አውጺእኻ ሓቀኛ ታሪክ ምዝንታው ኢዩ ዝሓሸ እምበር ንታሪኻዊ ሓቕታት አብ ሕቶ ምልክት ክተእቱ አይግድን!
ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ድማ ኩሎም ህልዋት ዓበይቲ ተጋደልቲ ኤርትራ ዝምስክሩሉን ዛንታ ገድላዊ ህይወትኩም ጸሐፉ እንተተባህሉ ከይጠቀስዎ ዘይሓልፉ ውፉይ ተጋዳላይ ኢዩ፡ ስውእ ድማ፡ ዛንትኡ ሽሕ ግዜ እንተተዘንተወ የኹርዕ ደኣ እምበር ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ክንዲ ፍረ አድሪ ርስሓት ከምዘይርከቦ ፈለጥቱ ይምስክሩሉ ኢዮም። ብርግጽ ኩሎም ስውኣት ሃገርና ናጽነት ዘጨበጡና ቀንዴል ናጽነት ዝዀኑ ከዋክብቲ ኢዮም ኾከብ ካብ ኾከብ ድማ መጠን ብርሃኑ እንተተፈላለየ ክገርመና የብሉን። ንነፍስወከፍ ብርሃኖም ከከም ዝጥዕመና ጌርና እንተስተማቕረና ድማ ጽቡቅ ኢዩ፡ ነውሪ’ዉን አይዀነን።

ሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:

kerenite
Member
Posts: 2410
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by kerenite » 11 Feb 2020, 13:38

Haha...

I have known molover since almost 7 years now. He is a good hearted eritrean and a very cool one. He may hail from gash or barka or senhit or hammasien or akele guzai but he ain't a regionalist.

Now, you are trying to tell us that he is from akele guzai!!! What for a narrow minded person you are!!!!

No wonder here, your god wedi medhin tricked you when he publicly said some months ago that only one region is causing problem and by that he meant our akele guzai, the land of jeganu same as their other compatriots the deQi hammassien, the deQi seraye, the deQi barka, the deQi semhar and the rest.

justo
Member
Posts: 2053
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by justo » 11 Feb 2020, 14:25

Meleket wrote:
11 Feb 2020, 09:34
ሓውና justo ከመይ ከመይ ደኣ’ያ እዛ ኣበሃህላኻ፧ “ናይቲ መስራቲ ክርስትና ደቀመዛሙርቲ ተባሂሎም ስለምንታይ ሰብ ገሊላን ከባቢአን ጥራህ ይስመዩ፧” ቢሎም ክርስትያን ነቲ ዓቢ ዛንታ እቱይ ዓቢ መጽሓፍ ክነጽጉዎ አይረአናን። እንታይ ደኣ ታሪካዊ ሓቂን ክውንነትን ዝፈጠሮ ክስተት ምዃኑ ተቀቢሎም ሓንጎፋይ ቢሎም ነቱይ ዛንታ ተቀቢሎሞ ደአምበር አይዀነንዎን አይተጠራጠሩን እውን። ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሙስሊሚን አሕዋትና ‘ደቂ ኢንዶኔዥያ ወይ ሰብ ሞሮኮ ስለምንታይ ቀዳሞት ሰዓብቲ ነቢይ መሓመድ ተባሂሎም አይተረቑሑን’ አይበሉን፤ ነቲ ታሪኻዊ ሓቂን ክውንነትን ርዒሞም “ሰብ መካ መዲና ብተደጋጋሚ” እንተተገልጹ ክውንነት ምኳኑ ፈሊጦም ቀጨውጨው አየብሎምን ኢዩ። ዛንታ ጀነራላት ሃገርና እንተመርሚርካ ብዝሕ ዝበሉ ጀነራላት ኰኑ ኮለነላት ደቂ ሓደ ከባቢ እንተረከብካ አይግረምካ፣ ታሪካዊ ሓቂን ኩነትን ዝፈጠሮ ክስተት ኪከውን ስለዝኽእል፡ እቱይ ቀንዲ ከገድሰኻ ዝግባእ ምእንቲ ኤርትራን ፍትሕን ሐቅን ደው ምባሎም ጥራሕ ኢዩ እምበር ዛዕባ ከባቢኦም ኣይዀነን፤ ምእንቲ ሓቂን ፍትሕን ደው ዘይብሉ ኰይኖም እንተረኪብኻዮም ሽዑዑ እንተ ተጠራጠርካ አየክፍኣልካን ኢዩ።
ሓቅኻ ኢኻ መለኸት ሓዉና ... ዘጋጠመ ነገር ኣየገርምን እዩ ... ንምንታይ ኢልካ እዉን ኣይትሓትትን ኢኻ።

ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ... ሰብ መካ መዲና ... ወይ ሰብ ናዝሬት ገሊላ ... ኣብ ዝኾነ ናይ ታሪኽ መድረኽ ክቋራቖሱ ምርኣይ ኣይገረምን እዩ።
ግን ኩሉ ሳዕ ከኣ ከምኡዩ ማለት ኣይኮነን።

ብዞኾነ ... ናይ ደቂ መካ መዲና ድዩ ... ደቂ ናዝሬት ገሊላ ... ወይ ዉን ናትና ... ታሪኽ ኣብ ንፋስዩ ዝጸሓፍ ... ደሓር ደቂ ሰብ መጽኦም የቕዋማጥዕዎ።
ታሪኽ ክጋጥም ኮሎ ኣብ ንፋስ ይጽሓፍ ... ደሓር ሃልካፋት መጽኦም የቋማጥዕዎ ... ደሓር ከኣ ብኽንደይ ጻዕሪ ... ጥዑያት መጺኦም የተዓራርይዎ

History is a delicate matter that should not be served on first come basis. ሕልፍ ኢልካ ምጽሓፍ ወይ ምንጋር ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽ ጠልቀፍቀፍ ክዉሕድ ኣለዎ። Historians are acutely aware of this, modern historiography is critical. It questions. It compares. It asks why. Who are the unsung heroes, it asks?

ኣባና ኸኣ ብዙሕ ሃልከፍከፍ ርኢና ኢና።

Meleket
Member
Posts: 532
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by Meleket » 13 Feb 2020, 10:21

ክቡር ኃዉና justo እቱይ ሓሳባተይ ተረዲኡኻ ከምዝከውን እኣምን። ብዝዀነ ብዛዕባ ታሪኽ ዛሎኻ ኣተሓሳስባን ትንታነን ምስ ናይቲ ካልእ ሰብ አተሓሳስባን ትንታነን እንተዘይተሳነየ’ውን አይትገረም። ንስኻ “ታሪክ ኣብ ንፋስ ኢዩ ዚጸሓፍ” ኢኻ ትብል ዛሎኻ፣ እንተኰነ ግዳ “ታሪኽ ኣብ ልቢ ደቕሰባትን ኣብ ኣእምሮኦምን ዚጸሓፍን ዚነብርን ዝኽሪ ኢዩ” ቢሎም ዝኣምኑ ዜጋታት ውሑዳት አይዀኑን። እቱይ ኣብ ልቢን ዝኽሪን ደቅሰባት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኣብ ወረቀት እንተሰፈረ፡ እንተተሰነደ እንተተዘንተወ እንታይ ጸገም ኣለዎ ዲዩ፧ እቱይ ከገድሰኻ ዝግባእ ሓቕነት ትሕዝቶኡ ኢዩ ደኣ እምበር መን ጸሓፎ ኪከውን አይግባእን፡ ከምትፈልጦ ታሪኽ ብሕዝቢ ስለዚስራህ ሕዝቢ ንተመራመርቲ ከይተጸበየ እንተጸሓፎ እንታይ ጸገም አሎ ዲዩ፡ ኣማስያኡ ነቱይ ሓቕነት ባዕሉ ሕዝቢ ስለዝመምዮ ክንስከፍ አይግባእን።

ታሪኽ የገድሰኒ ኢዩ ንብል እንተዀይንና፡ እቱይ ንሕና አዳዕዲዕና እንፈልጦ ታሪኽ ቀኒኑ ቀሪቡ እንተደኣ ኰይኑ ነቱይ ቕኑዕ እንብሎ ብወገንና ንቕርብ፡ ነቱይ ጌጋ እንብሎ ትህዝቶ ናይቲ ዛንታ ጭብጢ ቀሪብና ንኣዘንታዊን ንጸሓፊን ንሙግቶምን ንብድሆምን ብሓናጺ መገዲ ንእርሞምን ደአ እምበር “ተመራመርቲን ሰብ ሞያ ታሪኽን ክሳብ ዝጽሕፍዎ ተጸበዩ” ክንብል ስነሞገታዊ አይኰነን፤ በዙይ ኣካይዳና ምጽሓፍ ታሪኽ ንፍሉያት ሰባት ዝተዋህበ ጉንዖ ንገብሮ አሎና ማለት ኢዩ። ሕዝቢ “ተመራመርቲ ታሪኽ” ታሪኹ ክሳብ ዝጽሕፉሉ አይጽበይን ኢዩ። ነቱይ ዚፈልጦ ይጽሕፍን ይስንድን፡ ተመራመርቲ ድማ ከምዚ ንዝአመሰለ ዝተፈላለየ ተራ ዝመስል ዛንታትን ካልእን አኪቦም ከምቲ ንስኻዉን ዝበልካዮ መምዮም ጸጽዮም ለንቂጦም ሰንኪቶም ይቕርብዎ፡ ብናቶም አረአእያን አረዳድኣን ይጽሕፍዎ። ‘ተመራመርቲ ታሪኽ’ ከምኡ ክሳብ ዝገብሩ ግና ዜጋታት ንዝፈልጥዎ ታሪኽ ሒዞሞ ኽቕበሩ ግቡእ ኣይዀነን፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ’ኳ ክንደይ ጅግና ዲያ ትፈልጦ ታሪኽ ሒዛ፡ ግዜ ክትጽበ ግዜ አርኪቡዋ ዝተቐብረት! ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ አለውና ንብሎም እንተልዮም’ዉን ንሕና’ዉን ብወገንና ከምሰብና ከይሃለፍና ሃየ’ንዶ ክንዝምረሎም ንጀምር! አይመስለካን፧

ቀዳሞት ጀጋኑ ሃገረ ኤርትራ ስሞም ክስመ ከሎ፡ ገሊኡ ሰብ ከምዘሕተፍትፍን ጸላዕላዕ ከምዝብሎን ይፍለጥ ኢዩ፤ እንተኰነ ግዳ መአል ኩስቶ ከየሕተፍትፉን ጸላዕላዕ ከይብሎምን ቢሉ ሕዝቢ ኤርትራ ወርቃዊ ታሪኹ ካብ ምጽብጻብን ምስናድን ምዝንታውን ከምዘይበኹር ፍሉጥ ኢዩ። ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ ደኣ ታሪኽ እምቢያለ ወልዱ፡ ታሪኽ ኣባጥመር፡ ታሪኽ ማሕራይ ሰባር ናኹራ፡ ታሪኽ ዓዋተ፡ ታሪኽ ፈንቅል ታሪኽ ቅብጸት ታሪኽ ተስፋሚካኤል ትኩእ ታሪኽ ወዘተ አይምተጻሕፈን ነቢሩሞ ነዙይ ሕጂ ዛሎ ወለዶዉን አይምበጽሖን ነቢሩ።

ተመራመርቲን ናይ ታሪኽ ሰብ ሞያን ድማ እንተከአሉ ማዕረ ሕዝቢ ይሰጉሙ ደአ እምበር ሓደ ዝአንፉ ንሶም ስለዘይተወሳወሱ ብግስ ንዝበለ አዘንታዊ “ትምበል” ምባል ደአ እንታይ ጣቋ ኣለዎ ዀይኑ!? ከምዚ ሕጂ ግዜ ከየርከበቶም ከላ እቶም ‘ታሪኽኻ ኣነየ ዝፈልጠልካ’ ወይ ‘ታሪኽኻ ንሕና ኢና ንፈልጠልኻ’ ወይ “ታሪኽኻ ‘ኩስቶ’ ኢዩ ዝፈልጦ” ዚብሉ ዝነበሩ ገዛእቲ ደኣ “ትምበሉ” እንደኣሎም ዝብሉ ዝነበሩ። ታሪኽስ ዝኸአለ ይጽሓፎ ደኣ፡ እቲ ምንታይ እንተተባህለ ንሓቀኛ ተመራማሪ እንተስ ንጽቡቕ ወይ ንህማቕ መወከሲ ስለዝኸውን።

ሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
justo wrote:
11 Feb 2020, 14:25

ሓቅኻ ኢኻ መለኸት ሓዉና ... ዘጋጠመ ነገር ኣየገርምን እዩ ... ንምንታይ ኢልካ እዉን ኣይትሓትትን ኢኻ።

ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ... ሰብ መካ መዲና ... ወይ ሰብ ናዝሬት ገሊላ ... ኣብ ዝኾነ ናይ ታሪኽ መድረኽ ክቋራቖሱ ምርኣይ ኣይገረምን እዩ።
ግን ኩሉ ሳዕ ከኣ ከምኡዩ ማለት ኣይኮነን።

ብዞኾነ ... ናይ ደቂ መካ መዲና ድዩ ... ደቂ ናዝሬት ገሊላ ... ወይ ዉን ናትና ... ታሪኽ ኣብ ንፋስዩ ዝጸሓፍ ... ደሓር ደቂ ሰብ መጽኦም የቕዋማጥዕዎ።
ታሪኽ ክጋጥም ኮሎ ኣብ ንፋስ ይጽሓፍ ... ደሓር ሃልካፋት መጽኦም የቋማጥዕዎ ... ደሓር ከኣ ብኽንደይ ጻዕሪ ... ጥዑያት መጺኦም የተዓራርይዎ

History is a delicate matter that should not be served on first come basis. ሕልፍ ኢልካ ምጽሓፍ ወይ ምንጋር ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽ ጠልቀፍቀፍ ክዉሕድ ኣለዎ። Historians are acutely aware of this, modern historiography is critical. It questions. It compares. It asks why. Who are the unsung heroes, it asks?

ኣባና ኸኣ ብዙሕ ሃልከፍከፍ ርኢና ኢና።
Meleket wrote:
11 Feb 2020, 09:34
justo wrote:
09 Feb 2020, 04:15
molover wrote:
09 Feb 2020, 04:08
I've seen this guy's name being mentioned over and over again. We have so many heroes and there is no need to continuously pick few among them in a way that looks suspect.

There is this guy on youtube, Tesfamikael Tekleberhan, who is narrating the story of the early days of the EPLF. He keeps mentioning the name of few people from the same region on and on, in a way that makes you suspect there might a hidden agenda in his agenda.
ሓውና justo ከመይ ከመይ ደኣ’ያ እዛ ኣበሃህላኻ፧ “ናይቲ መስራቲ ክርስትና ደቀመዛሙርቲ ተባሂሎም ስለምንታይ ሰብ ገሊላን ከባቢአን ጥራህ ይስመዩ፧” ቢሎም ክርስትያን ነቲ ዓቢ ዛንታ እቱይ ዓቢ መጽሓፍ ክነጽጉዎ አይረአናን። እንታይ ደኣ ታሪካዊ ሓቂን ክውንነትን ዝፈጠሮ ክስተት ምዃኑ ተቀቢሎም ሓንጎፋይ ቢሎም ነቱይ ዛንታ ተቀቢሎሞ ደአምበር አይዀነንዎን አይተጠራጠሩን እውን። ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሙስሊሚን አሕዋትና ‘ደቂ ኢንዶኔዥያ ወይ ሰብ ሞሮኮ ስለምንታይ ቀዳሞት ሰዓብቲ ነቢይ መሓመድ ተባሂሎም አይተረቑሑን’ አይበሉን፤ ነቲ ታሪኻዊ ሓቂን ክውንነትን ርዒሞም “ሰብ መካ መዲና ብተደጋጋሚ” እንተተገልጹ ክውንነት ምኳኑ ፈሊጦም ቀጨውጨው አየብሎምን ኢዩ። ዛንታ ጀነራላት ሃገርና እንተመርሚርካ ብዝሕ ዝበሉ ጀነራላት ኰኑ ኮለነላት ደቂ ሓደ ከባቢ እንተረከብካ አይግረምካ፣ ታሪካዊ ሓቂን ኩነትን ዝፈጠሮ ክስተት ኪከውን ስለዝኽእል፡ እቱይ ቀንዲ ከገድሰኻ ዝግባእ ምእንቲ ኤርትራን ፍትሕን ሐቅን ደው ምባሎም ጥራሕ ኢዩ እምበር ዛዕባ ከባቢኦም ኣይዀነን፤ ምእንቲ ሓቂን ፍትሕን ደው ዘይብሉ ኰይኖም እንተረኪብኻዮም ሽዑዑ እንተ ተጠራጠርካ አየክፍኣልካን ኢዩ።

ዛንታ ቀዳሞት ተጋደልቲ ክግለጽ ከሎ ድማ ከምኡ ኢዩ። ንአብነት ዛንታ ቀዳሞት ባሕርያ ክግለጽ እንተኰይኑ በታ እታ ባሕሪያ ዝተመስረተላ ከባቢ ዝነበሩ፡ ነበርትን ቀዳሞት ተጋደልትን ክስመዩን ክጽውኡን ናይ ግድን ኢዩ። ከምኡ ጌሩ ድማ እዩ አምባሳደር ጣህር ባዱሪ ብመሳጢ አገላልጻ ነቲ ሓቀኛ ታሪክ ባሕርያ በመጸሐፍ ሰኒድዎ። ከምዙይ ዓይነት ብርቂ ዛንታ ብፊልም’ዉን ክስነድ ይግባኦ። እዚ ዝቀረብኩልካ ኣብነት ብአብነት ክረድአካ ስለዝደለኹ ኢየ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፦

ዛንታ ሰልፊ ናጽነት ክትረኽን ክስነድን እንተደአ ዀይኑ እታ ሰልፊ ናጽነት ዝተጠነሰትሉን ዝተወልደትሉን ዝዓዀኸትሉን ስፍራ ቀዳሞት ተጋደልቲ ጎልጎል ዓላን ሰለድን ጭወትን እንተተገልጸ እንታይ ጸገም አለዎ ዲዩ። ሕምቀት ደረስትናን ዳይረክተራትናን ኰይኑ ደአ እምበር እዙይ ከምዙይ ዝበለ ዛንታ ደኣ ብተንቀሳቃሲ ፊልም እዉን ክስነድ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ፤ ኣብ መዓልቱ ብፊልም ከምዝስነድ ጥርጥር የልቦን፤ እቲ ምንታይ እንተተባህለ አካል ወርቃዊ ዛንታ ገድሊ ኤርትራ ስለዝዀነ ኢዩ። ነፍስወከፍ ቀዳሞት ተጋደልቲ አኼባ ዝገብሩሉ ስፍራ፣ ሕድሞ፣ ኦም፣ ዘጽሉሉ ዝነበረ ገረብ፣ ማይ ዝሰትዩሉ ዒላ፣ ሕሉፍ ሃሊፉውን ጸባ ዝሰተዩሉ ጓጉድን ጣይታ ዝተቀበሉሉ ጊባቦ ኰነ ገዓት ብርግዖ ዝበልኡሉ ስፍራ እናርኣዩ ነቲ ዛንታ ህይወት ክህብዎ ዝኽእሉ አቦታትን አዴታትን ገና ብህይወት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ ጽቡቕ ኢዩ።

ክንዲዝኰነ ድማ ታሪኽ መታን ከይስረቕ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ዝፈልጦ ዛንታ ክትርኽን ከዘንትዉን ክተባባዕ አለዎ ደአ እምበር ንዘዝተበገሰ ምጥርጣርን ምቍንጻብን ምድሀልን ደኣ “ሱሳ አላታ!” እንዲዩ ዘብል። ህዝቢ ኤርትራን ገድሉን ብዙሕ ዘይተገልጸ ታሪኽ ከምዘለዎ ፈሊጥኻ፡ ሰሚዕካዮ ዘይትፈልጥ ዛንታ እንተጓኒፉካ ሓቕነቱን ቁምነገሩን ተረጋግጽ ደአ እምበር፡ ብሓደ ዝኣፉ ነቶም ተረኽቲ ምድሀል አይግባእን። ንስኻ ሓዉና ድማ ትፈልጦ ዛንታ እንተሎ ሃየ ዳሕድሓዮ፣ ሕዝቢ ድማ ነፍዩን መምዩን ነቱይ ሓቂ ምፍላጡ ኣይተርፍን፡ እቲ ምንታይ እንተተባህለ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ዝኽወል ሓቂ የሎን።

ክቡር ሓወና justo ተመራመርትናን ተረኽትናን ጸሐፍትናን ስለዘይተግሁን ስለዘይተተባብዑን ኢዩ እምበር፡ መንእሰይ ወለዶ ክሳብ ሕጂ “ቀዳሞት መስረቲ ማህበር ፍቅሪ ሃገር” መነመን ከምዝነበሩ ዝተአከብሉ ናይ ቤት ገርግሽ ከባቢ ብዕሊ ብቴሌቭዥንን ፊልምን ተሰኒዱ ኪፈልጦ ንንኡስ ወለዶ ክሰጋገር ጽቡቕ ኣይምነበረን’ዶ፧ ዅናት ናይ ሓዝሓዝ፡ ኤርትራዊ እምቢታን ዓወትን አንጻር ወረርቲ ሰብ ስግር ማዕዶ ብፊልም ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ እምቢታ ደግያት ባሕታ ሓጎስ አባጥመርን ቀዳሞት ሓርበኛታትን ኣብ ሃባብ ዝሸፈቱሉ ታሪክ’ከ ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ናይ ሰበርቲ ናኹራ ሃገራዉያን ዛንታ ብፊልም ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ታሪኽ ሓርበኛ ዓዋተ ብፊልም ክስነድ አይምተገባኦን’ዶ፧ ዓዋተ ንናይ እንግሊዝ መኰንን ብረቱ ዘሕደገ ኣበይ ኢዩ ፧ አበይ ምስመን’ከ ተዋጊኡ፣ አበይ ቆሲሉ፣ አበይ ተሰዊኡ፣ መቃብሩ አበይ አሎ ወዘተ፡ ዝገብሮ ዝነበረን ህይወቱን ብፊልም ክስነድ’ዶ አይምተገብአን። ኵናት ግንባራት ናቕፋ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳህልን እንታይ ይመስል ኔሩ፧ መነ መን ነቱይ ኩናት መሪሖሞ፧ አየነይቲ ክፍለሰራዊት በየን አትያ መንከ ይመርሓ ኔሩ ወዘተ ክስነዶ ኣይምተገባኦን፧ ነፍስወከፍ ወራራትን መጥቃዕቲ ውቃዉን ናደውን ዓሰብን ብፊልምታት ክስነድ አይምተገብኦን’ዶ፧ ኩናት ምሕራር ባጽዕን ገለ ክፋል ታሪክ ባሕርያን’ኳ ካባኡ ናባኡ ጽቡቕ ይግለጽ አሎ። ብሓፈሻ ታሪኽ እቲ እፈልጥ ዝብልሰብ ከሰጋግሮ ይግባእ፡ መንእሰይና ብናይ ደርፍታት ክሊፓት ክዕዘርን ናብ ናይ ደገ ፊልምታት ጥራህ ከድህብ ክግደፍ አይግባእን። ታሪኽ ሃገሩን ታሪኽ ገድሉን ንኪፈልጥ እንተ ተተባብዐ ኢዩ ዝሓሸ። ሓሶትን ዘይኮነ ታሪኽን እንተተዘንትዩ ድማ ብጭብጢ ነተን ብፍላጥ ዝግበራ ሓሶታት ኮነ ብዘይፍላጥ ዝዝንተዋ ጌጋታት ነቂስኻ አውጺእኻ ሓቀኛ ታሪክ ምዝንታው ኢዩ ዝሓሸ እምበር ንታሪኻዊ ሓቕታት አብ ሕቶ ምልክት ክተእቱ አይግድን!
ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ድማ ኩሎም ህልዋት ዓበይቲ ተጋደልቲ ኤርትራ ዝምስክሩሉን ዛንታ ገድላዊ ህይወትኩም ጸሐፉ እንተተባህሉ ከይጠቀስዎ ዘይሓልፉ ውፉይ ተጋዳላይ ኢዩ፡ ስውእ ድማ፡ ዛንትኡ ሽሕ ግዜ እንተተዘንተወ የኹርዕ ደኣ እምበር ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ክንዲ ፍረ አድሪ ርስሓት ከምዘይርከቦ ፈለጥቱ ይምስክሩሉ ኢዮም። ብርግጽ ኩሎም ስውኣት ሃገርና ናጽነት ዘጨበጡና ቀንዴል ናጽነት ዝዀኑ ከዋክብቲ ኢዮም ኾከብ ካብ ኾከብ ድማ መጠን ብርሃኑ እንተተፈላለየ ክገርመና የብሉን። ንነፍስወከፍ ብርሃኖም ከከም ዝጥዕመና ጌርና እንተስተማቕረና ድማ ጽቡቅ ኢዩ፡ ነውሪ’ዉን አይዀነን።

ሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:

justo
Member
Posts: 2053
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by justo » 13 Feb 2020, 13:45

Meleket wrote:
13 Feb 2020, 10:21
ክቡር ኃዉና justo እቱይ ሓሳባተይ ተረዲኡኻ ከምዝከውን እኣምን። ብዝዀነ ብዛዕባ ታሪኽ ዛሎኻ ኣተሓሳስባን ትንታነን ምስ ናይቲ ካልእ ሰብ አተሓሳስባን ትንታነን እንተዘይተሳነየ’ውን አይትገረም። ንስኻ “ታሪክ ኣብ ንፋስ ኢዩ ዚጸሓፍ” ኢኻ ትብል ዛሎኻ፣ እንተኰነ ግዳ “ታሪኽ ኣብ ልቢ ደቕሰባትን ኣብ ኣእምሮኦምን ዚጸሓፍን ዚነብርን ዝኽሪ ኢዩ” ቢሎም ዝኣምኑ ዜጋታት ውሑዳት አይዀኑን። እቱይ ኣብ ልቢን ዝኽሪን ደቅሰባት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኣብ ወረቀት እንተሰፈረ፡ እንተተሰነደ እንተተዘንተወ እንታይ ጸገም ኣለዎ ዲዩ፧ እቱይ ከገድሰኻ ዝግባእ ሓቕነት ትሕዝቶኡ ኢዩ ደኣ እምበር መን ጸሓፎ ኪከውን አይግባእን፡ ከምትፈልጦ ታሪኽ ብሕዝቢ ስለዚስራህ ሕዝቢ ንተመራመርቲ ከይተጸበየ እንተጸሓፎ እንታይ ጸገም አሎ ዲዩ፡ ኣማስያኡ ነቱይ ሓቕነት ባዕሉ ሕዝቢ ስለዝመምዮ ክንስከፍ አይግባእን።
ሓዉና መለኸት ክልቴና ተራዳዲእና ኣሎና ግድብልካን። ታሪኽ ዘጋጠመ ነገር ማለትዩ። ስለዘጋጠመ ኸኣ ኣጋጢሙዩ ማለትዩ። እሱ ንምባልየ ኣብ ንፋስዩ ዝጽሓፍ ዝበልኩ። ደቂ ሰብ ኣታሓሳስባና ሓጺርዩ። መሻረትውቲ ... ኣዳለውቲ ... ኣብ ታሪኽ ከማን ንስስዕ ኢና። ኣነ ናተይ ክነግር ... አቲ ኻልእ ናቱ ከቀድም ተታኺኽና ኢና። ካብ ጸዓዱ ጀሚርካ ... ኣብ ጎሮቤትና ኢቶፕያዉያን ... ኣባና እዉን ገለ ሃልካፋት ... ሕጂ ብታሪኽ ዝግራህ ሰብ የሎን።

ሰሚዕካ ትኸዉን እዞም ባይቶ ዝበሃሉ ተቋወምቲ ... ብዓዋተ ዝበልካዮ ሰብኣይ ከም ዝተባአሱ። ቆርኔሌዎስ ንዓዋተ ቀጣፊ ኢሉዎ ... ካብ ታሪኽ ናይ ኩናማ ተበጊሱ እቶም ሓደ ኸኣ ዓዋተ ዝበሃል ሰብ ጅግናዩ ... ይቕሬታ ሕተት ኢሎሞ ... ቆርነሌዎስ ከኣ ታሪኽ ኣቦታቱ ከየባላሹ ኢሉ ዕጭ ሓንፈፍኩ ኢሉ ... ኣይሰማዕካን ዲኻ።

ኣብ ገለ ታሪኽ ዝረኣኽዎ ነዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ሰብ ካልአ ክብልዎ ሰሚዔሎኹ ... ንጉሰ ... ንጉሰ ስለዝተባህለ ብዙሕ ሰብ ኣሎ ኣብ ዓዓዱ ንጉሰ ዝበሃል ከም ዘለዎ ዘይፈልጥ። ስለዚ ሕጂ ብታሪኽ ዝግራህ ሰብ የሎን። ናይ ታሪኽ ምንጋር ልምዲ ዘለዎም ክፋላት ማሕበረ ሰብና ኣለዎ ... ናቶም ታሪኽ ስለዝተነግረ ... ናቶም ታሪኽ ዝበዝሕ ዝመስሎም ዓያሹ ኣለዉ። ኣይንተሃወኽ። ሓቂ ንፍቶ። ኣይነዳሉ። ኣብ ታሪኽ ኣይንሰስዕ። እታ ገሊኣ ክትጎዪ ንርእያ ኣሎና።

ብታሪኽሲ ሕጂ ጸለምቲ ኣይግርሁ ... ደቅንስትዮ ኣይግራሃ ... ኤርትራዉያን ኣይንግራህን ....ንታሪኽ ካብቶም ዝወዓሉ ተወኪሶም ናይ ገዛእ ርእሶም agenda ዘይብሎም ሰባት ክጽሕፍዎ ኣለዎም እምበር ሕጂ ናይ ኣይሁድ ነጊርካ ... ናይ ጸለምቲ መቕዘፍቲ ኣንኣኢስካ ... ንKennedy ዓቢ ኢልካ ... ንMalcolm ኣነኣኢስካ ... ዝንገር ታሪኽ የሎን።

ኣይጽሓፉ ኸኣ ኣይበልናን ... ኣይንሰምዕን ኢና ኢና ዝበልና ... ኣይዛረቡ ኣይበልናን ኣይንደግምን ኢና ኢና ዝበልና ... ኣይድረፉ ኣይበልናን ... ኣይንስዕስዕን ኢና ኢና ዝበልና

kerenite
Member
Posts: 2410
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by kerenite » 13 Feb 2020, 15:04

justo wrote:
13 Feb 2020, 13:45

The great HAMID IDRIS AWATE is our HERO and historians will introduce his authentic bio to the poor eris after the demise of he deqi arba who are ruling over eritrea such aa your sorry aaz.

This is just a note to the agazian dude above.

justo
Member
Posts: 2053
Joined: 05 May 2013, 17:54

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by justo » 13 Feb 2020, 16:04

kerenite wrote:
13 Feb 2020, 15:04

The great HAMID IDRIS AWATE is our HERO and historians will introduce his authentic bio to the poor eris after the demise of he deqi arba who are ruling over eritrea such aa your sorry aaz.

This is just a note to the agazian dude above.
ኣግኣዚት ባዕልኺ ... ጓል ኣርብዓ ባዕልኺ ... በቲ ቋንቋኺ ክነግረኪ ነጂስ ባዕልኺ ... ወደል ከልብ ባዕልኺ ... so just stfu and get outta my face

Meleket
Member
Posts: 532
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Legendary Hero Esayas wedi flansa favorite Revolutionary Song.

Post by Meleket » 14 Feb 2020, 11:11

ክቡራት ኣሕዋትና ኣፍና እምበር ልብናን ኣእምሮናን ታሪኽ ኣበይ ከምዝጸሓፍ ከምዘይስሕትዎ ንፈልጥ ኢና። ንደቂ ገርሂ ልባ ገለ ሃበሬታታት ንምስናቕ ድማ ኣብዙይ ብስም ሐደ ካብ ጀጋኑ ኤርትራ ኣብ ዝተኸፍተ አርእስቲ፡ ሐደ ክልተ ሐቅታት ብዛዕባ ታሪኽን ታሪኽ ዓዋተን እንተተቋደስና እንታይ ዝብለና ኰይኑ፧! ንቐደም በሉ!

እቱይ ብታሪኹ ዚሕበንን ዚኾርዕን ሕዝቢ ታሪኹ ናይ ምስናድ ብቕዓት አለዎ። ንታሪኹ እውን ብዝተከአሎ መጠን፡ ጽባሕ ዘይዀነ ሎሚ ኢዩ ዚስንዶ፤ እንተ እቲ ታሪኹ ዘሕፍሮ ባእታ ግና ምኽኒት ብምፍጣር ግዜ ንምዕዳግ ፋሕጠርጠር ኢዩ ዚብል፡ እቲ ምንታይ እንተተባህለ ብመጠን ንግዜ ዝመጠጦ መጠኑ ናይ ሓሶት ታሪኽ ንምስናዕ ዕድል ስለዝህቦ ኢዩ። ሕቡን ኅብረተሰብ ኤርትራ አይዀነን ሕጂ ኣብ ዘመነ ቴክኖሎጂ ቀደም’ዉን ቀለማት ቀሚሙ ኣብ በዓትታት ታሪኹ ሰኒዱ ኢዩ። ሕዝብና ኣብ ኣካውሕ’ዉን ታሪኹ ሰኒዱ ከምዝሓለፈ መጠራን ወዘተን ኣብነታት ኢዮም። እቱይ ጽቡቕ ነገር ሕዝብና ንገለ ኣጎናደብቲን ዓንቀፍቲን “ንዓና ተጸበ፡ ታሪክኻ ንሕና ኢና ንጽሕፈልኻ፡ ቀቀልጢፍካ ታሪኽካ ኣይትጽሓፍ ኣይንነቦን ኢና ኣይተዘንትዎ ኣይንሰምዖን ኢና” ንዚብሉ ሓንኰልቲን ኣቆናጸብቲን ባዕታታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ታሪኹ ንውሉድ ወለዶ ብመዝሙር ብዜማ ብፊልም ብጽሑፍ ብማሰ ብአውሎ ብወዘተ እናሰጋገረ ከመሓላልፍ ዝጸንሐን የመሓላፍ ዘሎ ብመንነቱን ብታሪኹን ዝንየት ሕዝቢ ምኳኑ ኢዩ። ንሕና ንመን ንሰምዕ፡ ንመን ንዝምር፡ ብምንታይ ንስዕስዕ ኣበይ ንቖጻጸ እንፈልጥ ህዝቢ ብምኳና ዕድለኛታት ኢና። ንታሪኽ ዝጸሓፎ ይጽሓፎ ዘዘንተወ የዘንትዎ ጽን ኢልና ንሰምዖን ንነቦን ንመምዮን ድማ፡ ክእረም ንዘለዎ ብክፉት ልቢ ንእርም፡ ክንእረመሉ ኣብ ዝግበኣና ድማ ንእረም ጭዋን ፈተውቲ ሓቂን ህዝቢ ኢና።

ንሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ትንታነ ከምዘሎ ሳላ ተጋዳላይ ኃይለስላሴ ወልዱን መጸሐፉን አዳዕዲዕና ፈሊጥና ኢና። ብዛዕባ “ሰላብ ሕያይ” ኣብዘዘንተዎ ጽሑፉ ነቱይ ዝነበረ ሕድሕድ ምዝምማት ብዙሓት ናይቲ እዋን ተነሓናሕቲ ከም በአል ፋይድ ቲንጋ ሎንጊን ሓምድ ዑስማን ኵሉሊ፣ ሚርኮ ኣዲ፣ ዑስማን ሎንጊ ኣርዳዲ፣ ሓጎስ ተምነዎ፣ ኣቡፋጥና እድሪስ ኣድም (ደንጎቢች)፣ሓሰን ከራር ዓዋተን፣ ወዘተን ብኣካል ረኪቡ ብምሕታት ነቱይ ዝነበረ ኩነት አብሪህዎ ኢዩ። እቱይ ዝነበረ ምጉርፋጥን ምዝምማትን ድማ ብ1951 ብዕርቂ ከምተዛዘመን “ሰላብ ሕያይ” ደው ከምዝበለን ምስክርነቶም ሂቦም ኢዮም። እቲ ዝገርም ከም አገላልጻ ተጋዳላይ ኃይለስላሴ ወልዱ፡ ህዝቢ ባዕሉ ጸገማቱ ኣለልዩ ሽግራቱ ንምፍታሕ ብሓባር ዘትዩ ሰላብ-ሕያይ ከምዘብቅዕ ምስገበረ፣ ጠንቂን ሃንዳስን ሰላብ-ሕያይ ብዘይካ እንግሊዝ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል ጋህዲ ምዃኑ ኢዩ። :mrgreen:

ንሎሚ ንገለገሌና ምርር ዝብለና እንተዀነ’ኳ፡ ኣካል ምስግጋር ገድላዊ ዛንታ ሕዝቢ ኤርትራ ክንዲዝዀነ፡ ተጋዳላይ ኃይለስላሴ ወልዱ ንታሪኽ ሓርበኛ ሓምድ ዕድሪስ ዓዋተ ንኣስታት 35 ዓመታት ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝሰነዳ መጽሓፍ ዘላ መእተዊት ክነካፍለኩም ኢና። ብርግጽ ኤርትራዊ ኣበየናይ ጓይላ ከምዘኹድንን ኣበየናይ ጓይላ ከምዚቖጻጸን እቱይ ወኒን ኒሕን ኤርትራዊ ዚፈልጥ ጥራሕ ኢዩ ኪግንዘቦ ዚኽእል። ኤርትራዊ ብዓንተቦኡ ‘ሓውኻ ዘይብሉ ኣይጓይላኻን!’ ቢሉ ዘዜመ ክቡር ህዝቢ ኢዩ! :lol:

መእተዊ

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅምር ከሎ ፖለቲካዊ ጽልዋታት ነይሩኒ’ኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ብዛዕባ ዓዋተ ዝበሃል ‘ተኵሱ ዘይስሕት ሓያል ሰብ’ ክዕለል እሰምዕ ነይረ። ካባና ዝዓብዩ መናእሰይ “ዓዋተ ምእንቲ ናጽነት’ዩ ሸፊዩ፣ ኣብ ነብሱ ዝዓለበት ጥይት ማይ’ያ ትኸውን፣ ተወጊኡ ዘይፈልጥ፣ ካብ ጠረር ናብ ጠረር ዝናጠር፡ ፖሊስ ክሕዝዎ ዘይክኣሉ ህያው’ዩ፡” ክብሉ ኸለው ንዅልና መዛኑ ዓርሞሸሽ ፍጡር ኰይኑ ይረኣየና ነበረ። ካብ ክቱር ኣድናቖት፣ ብዛዕብኡ ዝኰነን ዘይኰነን ሃለው ክንብል እዝከረኒ።

“ንኺድ መታሕተ - ጸባ ክንሰቲ ምስ ወዲ ዓዋተ፡”
“መሸላ ጉምበተ እሞ ዘይሸወተ - ኣነስ ክስለፍ’የ ምስ ወዲ ዓዋተ፡”
“ወዲ ዓዋተ - እንቋዕ ኣይሞተ፡”
“ወዲ ዓዋተ ናይ ልበይ ንምሸተ፡” ተባሂሉ ይድረፍ ነበረ ኸኣ ሽዕኡ። እዚ ከም ልምዲ ወይ እድሪስ ዓዋተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ስሙ ሓምድ’ዩ። እድሪስ ዓዋተ ኸኣ ስም አቦኡን ኣቦሓጐኡን።

እቲ እዋን እቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ተመሃሮ ተቓውሞ ንመግዛእቲ ሾበረ ይገብሩ፣ ኣብ መናድቕ ፖለቲካዊ ጭርሖታት ይጽሕፉን ይልጥፉን፡ ባንዴራ ኤርትራ ይስእሉ . . . ነበሩ። ንሕና’ዉን እቶም ናይ ሽዕኡ መተዓብይቲ ካብ መን ንሓምቕ ዝዓይነቱ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ክሓድረና ጀመረ። ካብ ኵልና እቲ ብንኡሱ ናይ ግጥሚ ዝምባሌ ዝነበሮን ኣብ መወዳእታ ስሳታት ናብ ቃልሲ ዝተጸምበረን ደስታ ማቱሳላ (ብሩኖ)፡ ኣብ ሓንቲ ቅንጣብ ወረቐት ንሓምድ ዓዋተ ካብ ዝገጠመሉ ገለ ክፋላ ትዝ ትብለኒ፦
“ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ምእንቲ ህዝቡ ዝሸፈተ፣
ንመግዛእቲ ዝመከተ፡ ፈጣሪ የጽልሎ ከም ዳዊተ፣”
ነዚኣ ቆልቋል ኣንጕዕና፡ ኣብ መንደቕ መዐደሊ ነዳዲ ነቑጣ ሰገነይቲ ለጢፍናያ። ዝረኣያ ሰብ ካብ ምግራም ሓሊፉ ግምት ሂቡዋ ኣይብልን። ከምዚ’ምበር ተረኺቡ ተባሂሉ ብዛዕብኣ ዝተወረየ’ውን የለን። እንተዀነ ካብ’ቲ እዋናት’ቲ ጀሚሩ ሓምድ ኣብ ኣእምሮና ሰፊሩ፡ ዝበዝሕ ዕላልና ብዛዕብኡ ዀነ።

ኣብ 1981 ኵናት ሓድሕድ እናተካየደ ኸሎ፡ ቦጦሎኒ 70.1 ሳዋ ተቖጻጺርና ቶጎሩባ ምስ ኣተና፡ ኣብ መዓስከር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም ኣብ እትብል መጽሔት ብዛዕባ ታሪኽ ሓምድ ዓዋተ ኣንቢበ። ኣመና ስሒባትኒ’ውን ኣብ ጁባይ ኣእትየያ። እንተ ዀነ፡ ብመጠን’ቲ ብዛዕባ ሓምድ ክፈልጥ ዝነበረኒ ድሌት - ስኢቡ ምጥዓሰይ ዘይተረፈ - ተገዲሰ ኣይዓቀብክዋን።

ድሕሪ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ከባቢ ፎርቶ-ሳዋ፡ አቡ-ሓሸላ ኣብ እትበሃል ዓዲ ንቝሩብ ጊዜ ዓስኪርና ነበርና። ሓደ መዓልቲ ስለስተ ሽማግለ ደቂ’ቲ ኸባቢ ካባና ፍንትት ኢሎም ጀበና ሰክቲቶም፡ ካብ ደቂ-መስርዕና ብዕድመ ድፍእ ንዘበልና ክልተ ጸዊዖም ቡን ክንሰቲ ዓደሙና። ባዕለይ ብዘንቀልኵሎም ሕቶ፡ ፈለማ ብዛዕባ’ቲ ከባብን ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ቀጺሎም ከኣ ብዛዕባ መንነትን ጅግንነትን ሓምድ ኣውጊዖምና። ሽዕኡ፡ ኣብ ሓምድ ዝነበሮም ኣድናቖት ንምንጽብራቕ “ማሸላህ፡” እናበሉ ከዘንትዉልና ኸለዉ ብተምሳጥ ክምዝግቦ ተደናዲነ። ግን ከኣ “ምሉእ ዘይኰነ መጽናዕቲ እንታይ ክዓብሰለይ” ኢለ፡ ሰሚዐ ጥራይ ከድኩ።

ብንጹር ሓፈሻዊ ታሪኽ ሓምድ ክፈልጥን ክምዝግብን ዝኸኣልኩ፡ ድሕሪ ፍሽለት ሻዱሻይ ወራር፡ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ናብ ክፍሊ ዜና ተቐይረ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ (ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ) ከም ጋዜጠኛ ክነጥፍ ምስ ጀመርኩ’የ። እቲ ንፈለማ ኣፍልጦይ ብዛዕባ ሓምድ ንኸዕቢ ዝሓገዘኒ፡ ሽዕኡ ኣብ ኣውጋሮ ሓረስታይ ዝነበረ ጸጋይ ሃይለማርያም (ደንጎላ) ዝበሃል ፍሉጥ ገጣማይ’ዩ። እዚ ኣቦ’ዚ ኣብ ሕርሻ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ካብ ቀደም ኣብ ጋሽ ባርካ ኣብ ፈቐድኡ ዝተደርበየ-ሓጻውን (ሮታመ) ኣራርዩ ይሸይጥን ይልውጥን ስለዝነበረ ኸኣ’ዩ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝነበረ ሓምድ ጥቡቕ ሌላ መስሪቱ ንታሪኹ ክፈልጥ ዝኸኣለ። ኣነ’ውን መሰረት ናይ’ዛ መጽሓፍ ንዝዀነት ጥራዝ ክጽሕፍ ዝኸኣልኩ ሽዕኡን ሳላኡን ኰይኑ፡ ኣብ ሕዳር 1983 ናብ ሬዲዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ልኢኸያ። ይዅን’ምበር ብኸም’ቲ ዝነበረኒ ትጽቢት ብኡ ንብኡ ኣይተቓልሐትን።

በቲ ድሒረ ዘጥረዅዎ ተመኵሮ ክግምግሞ ከለኹ፡ ነታ ጽሕፍቲ ቀልጢፎም ዘይፈነዉዋ፡ አጋጣሚታት ይጽበዩላ ስለዝነበሩ’ዮም። ሓቂ ይሓይሽ ከኣ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1984 ከቃልሕዋ ሃረር ኢለ። ከም’ቲ ዝሓሰብኩዎ ግን ኣይኰነን። ነቲ መደብ ብምልኡ ተኸታቲለዮ ዝለኣኽኵዎ ጽሑፍ ከም ዘይተነበ ኣረጋጊጸ። ሽዕኡ ንኣዳለውቲ መደባት ድምጺ ሓፋሽ፡ “ወይ’ቲ ታሪኽ ኣይዓጀቦምን ወይ ኣቀራርባይ ባህ ኣይበሎምን፡” ኢለ ብምሕማይ ክትፍኖ ከም ዘይኰነት’ዩ ተረዲኡኒ። ቀቢጸ’ውን።

ንጽባሒቱ ሰንበት 02 መስከረም 1984፡ ከም ወትሩ ሬዲዮ ድምጺ ሓፋሽ ከፊተ እናተኸታተልኩ ከለኹ፦
“ትማሊ ባሕቲ መስከረም መበል 23 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ስለዝነበረ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ ናይ ሎሚ ካባኹም ናባኹም መደብና፡ ታሪኽ ህይወት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብሓጺሩ ግለጹለይ እትብል፡ ብኣባል ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት መደበር ብድሆ ንዝቐረበት ሕቶ ክንምልሽ ኢና፡” ኢላ። ቀጺላ፡ “ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ዝርከብ ልኡኽ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ካብ ዝፈልጥዎ ሰባት ዝረኸቦ ሓበሬታን ብዛዕባ’ዚ ጎብለል ሓርበኛ’ዚ ቅድሚ ህጂ ካብ ዝተሓትመ ጽሑፋትን ዝተዋጽአ መልስና ድማ ኣነሆ፡” ዝብል መእተዊ ምስ ሰማዕኩን ምስ ተነበበትን፡ ጥራዘይ ዋጋ ከም ዝነበራ ኣሚነ።

እዛ ጽሕፍቲ ዝተቓለሐትላ ዕለት ክዝክራ ከለኹ’ምበኣር፡ ነዛ መጽሓፍ ኣብ መፈጸምታ ንኸብጽሓ ፍናን ካብ ዘሕደራለይ መዓልታት ሓንቲ ነበረት። ካብኡ ንደሓር ብዙሓት ብጾትን ካልኦት ግዱሳትን ስለ ዘተባብዑኒ መጽናዕተይ ክቕጽል ሓቦ ጌረ። ምስ’ቲ ንእግረ-መንገደይ ብጽሑፍ ዝረኽቦ ዝነበርኩ፡ ብድምጺ ዝተቐርጸ ናይ ልዕሊ ስሳ ሰብ ሐበሬታ መዝጊበ።

ኣብ’ቲ ፈለማ ከም ጀማሪ ጋዜጠኛ ኣብ ምእካብ ሓበሬታ ሓያል ጸገማት ነይሩኒ። ካልእስ ይትረፍ ርእየ ሰሚዐ፡ ኣነሀኹ ኣብ’ቲ ፍጻሜ ዝወዓልኩ እናበሉኒ፡ ኣስማቶም ዘይመዝገብኵዎም ነይሮም። ሕቶታተይ’ውን ዕቱብ ነይሩ አይብልን። ሎሚ ዝሓተትኵዎ ሰብ ንሽዕኡ ዘዕግብ መልሲ ዝሃበኒ ይመስለኒ። ድሓር ግን ገለ ከም ዝጐድለኒ ክርድኣኒ ይጅምር’ሞ፡ ከም እንደገና ድሕሪ ገለ እዋን ተመሊሰ እደልዮ። ከም’ቲ ዝደለዅዎ ግን ኣይሰምረለይን። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣውጋሮ ከይደ፡ ዳግም ክሓቶም ዝደለኹ ሰባት ዳርጋ ኩሎም ሞይቶም ጸኒሖምኒ። ንባዕሉ ጸጋይ’ውን ሎሚ ጽባሕ ክረኽቦ እናበልኩ ድሕሪ ናጽነት ኣይደንጐየን ስዒቡ። እቲ ሃጓፋተይ ንምጽባብ ካብኣቶም ክረኽቦ ኢለ ዝሓሰብኵዎ ተወሳኺ ሓበሬታ ኸኣ ምስ ኵሎም ሞይቱ።

ዘስደምም አጋጣሚታት’ውን ነይሩ። ናራዊ ያቆብ እድሪስ ዝበሃል ፖሊስ ከም መራሕ ማኪና ዝነጥፍ ዝነበረ’ዩ። እዚ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣንጻር ሓምድ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ወፍርታት ይሳተፍ ስለዝነበረ፡ ደልየ ኣብ ከሰላ-ሱዳን ረኺበዮ። ያቆብ ትግርኛ ስለዝዛረብ፡ ካብ’ቲ ሽዕኡ ብዘይ አስተርጓሚ ዝነገረኒ ሓጺር ሓበሬታ፡ ካልእ ታሪኽ ከዘንትወለይ ከምዝኽእል ገመትኩ። እንተ ዀነ፡ ካልኦት ተረኽቲ ንምርካብ ናብ ገዳርፍ ተበጊሰ ስለ ዝነበረኩ፡ አብ መልሰይ ነቲ ንሱ ዝፈልጦ ብዝሰፍሐ ክገልጸለይ፡ ኣብ ምትርጓም’ውን ክሕግዘኒ ተሰማሚዕናን ተቋጺርናን ተፈላለና። ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ጊዜ፡ ልክዕ ኣብ ቈጸራይ ምስ ተመለስኩ፡ ንሱ’ውን ከም’ቶም ቀዳሞት ከም ዝሓለፈ ኣርድኡኒ’ሞ፡ ዅሉ’ቲ ካብኡ’ምበር ካብ ካልእ ክረኽቦ ዘይክእል ታሪኽ ምሳኡ ተቐብረ።

እቲ ጸገማት ብዙሕ’ዩ። ብመንጽር’ቶም “ታሪኽና ክንገልጽ ዝዓግተና የለን፡” ኢሎም፡ ብቕንዕና ዘዘንተዉለይ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ዝነጽጉኒ’ውን ነይሮም። ኣነ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ንሳቶም ኣባላት ካልኦት ውዱባት ብምዃኖም ጥራይ፡ ገጽ ከሊኦሙኒ። ኣብ’ዛ መጽሓፍ ጽቡቕ ስም ዘትረፉ፡ ኣብ ከሰላ ናይ ሓምድ ስእልን ሰነዳትን ዓቂቦም ነይሮም ዝተበሃሉ ሰይድና ስሌማን፡ ኣብ ወድ-ሸሪፈይ ገዲም ተጋዳላይ ኣኑር ሓጅጅን ካልኦትን ክሓቶም ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ከራር ኣድም ናይ 1961 ገዲም ተጋዳላይ’ዩ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ወድ-ሸሪፈይ ዕንጨይቲ እናፈለጸ’ዩ ስድራኡ ዝኣሊ ዝነበረ። ምስ ተራኸብና፡ ካብ’ቲ ዝፈልጦ ብዙሕ፡ ቍሩብ-ቍራቦ ነጊሩ ከፌካ (ይኣኽለካ) ኢሉኒ። ሰንቢደ፡ “እሂ፡ እንታይ ተረኽበ፧” እንተ በልኩዎ፡ ቁልቁል ዝኣፉ “ጊዜ የብለይን፡” ኢሉ መሊሱለይ። ምሉእ ምድላዋት ከይገበርካ፡ ንኸም’ዚኦም ዝኣመሰሉ እሞ ኸኣ ብትርጁማን ሓቲትካን ጊዜኦም ብዕጽፊ ኣባኺንካን፡ ምስ ስድራ-ቤቶም ጸሞም ከተሕፍሮም ዓገብ’ዩ። ከብዶም ክሳብ ዘይዓንገሉ ጕዳይካ ክዓጦም’ውን ዘይመስል’ዩ።

ታሪኽ ክደግም ከሎ፡ “ብእዝነይ ብዓይነይ ብእግረይ ብዛዕባ ዘይሰማዕኵዎ ዘይረኣኹዎን ዘይበጻህኩዎን ኣይዛረብን’የ፡” ምባል ዘዘውትር ከራር ኣድም፡ “ጊዜ የብለይን፡” ምስ በለኒ፡ ከይሓድገኒ እናፈራህኩ “ዕንጨይቲ ፈሊጽካ ንመዓልቲ ክንደይ ጅኔ ኢኻ እተእቱ?” በልኵዎ። ደሓን ይእቶ፡ ኣይሓብኣለይን፡ “ካብ 30 ክሳብ 40 ጅኔ” ኢሉኒ። ንመሳለጥያ ሓገዝ ረኺበ ሳላ ዝጸናህኩ፡ ናይ መዓልቲ እቶቱ ከፈልኵዎ። ድሓርሲ፡ ብረብሓ ዘይኰነ ብዕላማ ተቐራሪብና፡ ንዅሉ’ቲ ዝፈልጦ ታሪኽ ብድምጺ ክቐርጾ ፈቒዱለይ።

ኣብ ሞጐራይብ ኣዳልማ፡ ንኣባላት ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ተወኪሰ ታሪኽ ሓምድ ይፈልጡዮም ንዝበሃሉ 5-6 ሽማግለታት ዓዲመ። መሳርሕተይ ሰኣላይ ምሕረተኣብ ገብረኣብ ወሲክካ ዳርጋ መስርዕ ነበርና። ነዚኦም ኵልና ንሳልስቲ መግብናን ወልፍናን ክኢሎም ኣብ ምትርጓም’ውን ዝሓገዙኒ ባዕሎም’ቶም ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ነበሩ። ብዘይቈጸራ ሃንደበት ስንቆምን ጉልበቶምን ክንጥቀመሉ ከለና፡ ንዓይ ከም’ዚ ግቡኦም ዝገበሩ ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ድሓር ግን’ ስራሐይ ወዲኣ ከፋንዉኒ ኸለዉ፡ “ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ንመቐበሊ ኣጋይሽካ ቀለብ፡ ቡንን ትምባኾን ሒዝካ፡ መሻርፍ ኣደልዲልካ፡ እንተ ተንቀሳቐስካ’ዩ ዝሓይሽ” ኢሎም ስለ ዝተዋዘዩኒ ጌጋ ከም ዝገበርኩ ተረዲኡኒ። ነፊጎሙለይ ዘይኰነስ ነቲ ክኸውን ዝግብኦ ኣገባብ’ዮም ሓቢሮሙኒ። ምትሕብባሮም ከኣ መዘና ኣይነበሮን።

መብዛሕትኡ እዚ ታሪኽ’ዚ ካብ ኣዝማዱ ንሓምድ፣ ምሳኡ ካብ ዝነበሩ ዓሳኽር ጣልያን፣ ምስኡ ካብ ዝነበሩ ሸፋቱ፣ ካብ መጋድልቱ፣ ካብ ፈተውቱን ጸላእቱን፣ ካብ ናይ’ቲ እዋን ሰበ-ስልጣን ከይተረፈ’ዩ ተማእሪሩ። ዝበዝሐ ኸኣ ኣብ ህያው ምስክርነትን ጭብጥታት ሰነዳትን ዝተመርኰሰ’ዩ።

ነዛ መጽሓፍ ከዳሉ ከለኩ፣ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ክብደት ዝውስኽ፡ ካብ ብዙሓት ዝተወከስኵዎ ሓደ ዝትሕዝትኡ ሓበሬታ እረክብ ነይረ። ገለ ግን፡ ኣብ ዘይወዓልዎ ውዒልና ዝብሉ፡ ንታሪኽ ሓምድ ልዕሊ’ቲ ልክዑ ዘጋንንኑ፡ ብኣንጻሩ ንነብሶም ማዕረ ሓምድ ዝሰርዑን ከናሽውዎ ዝህቅኑን ኣጋጢሞሙኒ። እዚ ዳሕረዋይ ነዛ መጽሓፍ ናብ ልቢ-ወለድ ዛንታ ምእንቲ ከየዘዝዋ ንምጽራዩ ልዑል ጻዕሪ፡ ኣብ ንባብ’ውን ኣሰልካዩት ንኸይትኸውን ብመጠኑ ናይ መጽሓፍ-ቃና ምእንቲ ክህልዋ ዝያዳ ጊዜ ወሲዳትለይ።

ታሪኽ ኣብ እዋኑ እንተ ዘይተመዝጊቡ፡ ነቲ ታሪኽ ብልክዕ ዝደግሞ ሰብ ከቶ ኣይርከብን’ዩ። እቲ ዝወዓለ፡ ዝረኣየን ዝሰምዐን ተራኺ ሓሊፉ ሓመድ እንተለቢሱ፡ እቲ ታሪኽ ይጸንት ወይ ኣብ ውሱናት ሰባት ተሓጺሩ ጽውጽዋይ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ ዝብል መረዳእታ ስለዘኒ’ምበኣር፡ ኣብ ትሕዝቶኣ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይነበረን፡ ንዝብል ህሉው ኣራሚ፡ ውጽኢቱ ንርዝነታ ስለዝኸውን፡ ሃናጺ ነቐፌታን ምኽርን ክቕበል ድሉው’የ። ብዝተረፈ ነዚ ኣብ ተባህለ ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ታሪኽ ሓምድ ዓዋተ፡ ብሰነዳት ኣሰንየ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ከቕርቦ’ኳ እንተኸኣልኩ፡ ከም ውዱእ ዘይኰነ ከም መበገስን መወከስን ኣበርክቶ ኣለዎ ኢለ’የ ዝኣምን።

ኣብ መደምደምታ ገለ ኣፈ-ታሪኽ፡ እዋንን ቦታ ፍጻሜን ዘየነጽር ብምዃኑ፡ ኣብ ምዕራፋት ቀዲሙ ወይ ድሂሩ ክስራዕ ከም ዝኽእል ኣንባባይ ክርድኣለይ እላቦ። ብተወሳኺ ዳርጋ ብምሉኦም ተረኽቲ ቃለ መጠይቕ ከካይደሎም ከለኹ ዕድሜኦም ልዕሊ 65 ዓመት ስለዝነበረ፡ ሕጂ ብህይወት ዝርከቡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ’ዮም። እዞም ዝሓለፉን ዘለዉን ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ፡ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ኣቱም/ኣትን ኢለ ባኣኽብሮት ክጠቕሶም ግቡአይ’ዩ። እንተ ዀነ ብፍላይ መዓርግ ንዘይብሎኦም ኣቦይ ኩስቶ ኣደይ ኩስቶ እናበልካ ምድግጋም ዘይጥዑምን ኣሰልካዩን ምእንቲ ከይከውን፡ ንኹሎም ብሓበራ ኣታ/ ኣቲ ኢለዮም ስለዘለኹ፡ ኣብ ንባብ ምዝንጣል ከይመስል ሓደራ እብል። - ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ

ምስ ብዙሕ ሰላምታ!
:mrgreen:

Post Reply