Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33275
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

How Much Wealth Did Zionist Slave UK Stole From Eritrea?: ብሪጣንያ ማዕረ ክንደይ ንብረት ኤርትራ እያ ዘሚታ???!!!

Post by tarik » 13 Jan 2020, 10:52

ብሪጣንያ ማዕረ ክንደይ ንብረት ኤርትራ እያ ዘሚታ?

Image copyrightDAWIT
ናይ ምስሊ መግለጺ
እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝኣተዉሉ እዋን መልክዕ ኣስመራ ከምዚ ይመስል ነበረ - 1941
ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም እንግሊዝ ንጥልያን ስዒሩ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ፡ ቍጠባ ሃገር ካብቲ ዝነበሮ ንታሕቲ ኣንቈልቈለ፣ ህዝቢ ድሕሪ ስዕረት ጥልያን ክርህዎን ክሓልፈሉን እኳ እንተተጸበየ ጥሜትን ዕርቃንን ኣጋጠመ፤ ህዝቢ ከኣ መሊሱ ከፍኦን ጨነቖን።

ብዙሓት ኣብ ትካላትን ፋብሪካታትን ጥልያን ተቘጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ በርጌስን ዓሳክር ጣልያንን ካብ ስርሖም ተመዛበሉ። ዓሌታውን ፋሺሽታውን ጥልያን ተሳዒሩ ከምቲ ኢንግሊዝያውያን ብመንሹራቶም ዝተመጻብዑዎ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ተጎናጺፉ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብ ይጽበ እኳ እንተነበረ እቶም ሰብ መብጽዓ ኣብ ቃሎም ኣይነበሩን።

መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ከቢድ ኩናት ካልኣይ ዉግእ ዓለም ተጸሚዱ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ክሳራታት'ዩ ነይሩዎ። ንኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እንተተቖጻጸራ እውን ባዕሉ ከመሓድራ እኹል ዓቕምን ድሌትን ስለ ዘይነበሮ ንብዙሓት ትካላት ጸጥታን ምሕደራ ህዝብን ከም ዝነበርዎ ኣብ ኢድ ጣልያን እዩ ገዲፉዎም።

ኤርትራ ብቍጠባ ጣልያን ትመሓደር ስለ ዝነበረት ከኣ እንግሊዝ መጺኡ ንዅሉ ክበታትኖ ከም ዘየዋጽኦ ተረዲኡዎ ንምሕደራ ኤርትራ፡ ኣብ ዝባን ኰይኑ ኣለይ-መለይ ክብል፡ ንምሕድራ ጣልያን ከኣ ትሕት ኢሉ ከም ቀደሙ ክሰርሕ ኣፍቀደሉ።

ቅጺ ሓደ፡ ኣስመራ እታ 'ጸጥ' ዝበለት ውቅብቲ ከተማ
ኤርትራውያን ከኣ ኣብቲ ዝተሓተ ጽፍሒ ዀይኖም ብሓደ ዘይኰነ ብኽልተ ገዛእቲ እናተገዝኡ ናብሮኦም ከምዝቐጸሉ መጻሕፈቲ ታሪኽ ዝተወከሰ ተመራማሪ ዳዊት መስፍን የዘንቱ።

ካብ'ቶም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቲቶም ዝነበሩ ወትሃደራት ጣልያን ልዕሊ ክልተ-ሲሶ ኤርትራውያን ዓሰክር ጣልያን ኮይኖም ዳርጋ ኵሎም ሰብ ስራሕ ድማ ናይ ጣልያን ሰራሕተኛታት ነበሩ።

እዞም ዝተጠቕሱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ዝናብዩዎም ጽግዕተኛታት ነይሮሞም'ዮም። እንግሊዝ ምስ ኣተወ እቲ ስራሕ ጠጠው ስለዝበለ ከኣ ዳርጋ ኵሎም ሓቢሮም ጠፈሹ።

ጀነራል ባልዲሰራ ብ1889 ንኣስመራ ክኣቱ እንከሎ ዜጓነፎ ሽግር ኣይነበረን፣ እኳ ድኣ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ'ዩ ተቐቢሉዎ። ክብል-ክብል ድማ ንኤርትራ እግሪ ከትክል ጀመረ፣ ንሓልዮት ኤርትራውያን ዘይኰነስ ንናይ ጣልያን ጥቕሚ።

ኤርትራ ግዝኣት ጣልያን ጥራይ ዘይኰነትስ ዳርጋ ንብረቶም'ያ ነይራ ክበሃል ይከኣል። በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ገንዘብ ከፍስስ ከምዝጀመሩ ሰነዳት ይሕብር።

ጣልያን ኣብ ኤርትራ ገንዘቦም የፍስሱ'ምበር ግን ከኣ ገዛእቲ ምንባሮም ክርሳዕ የብሉን። ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዕዮ ኣብ ገሊኡ ብኣስገዳድ ዝዋስኡ ሓውሲ ባሮት ከም ዝነበሩ ዘርከቡ ኣቦታት ይዛረቡ።

ሓደ ካብኡ ደቀባት ኣብ ከተማ ንኸይኣትዉ ብምኽልካል፡ ንደቂ'ንስትዮ ብምዕማጽን ምቅይያርን፡ ኣብ ፈቐድኡ ዘየዕብይዎምን ዘይናብይዎምን ቆልዑ ይወልዱ ነይሮም።

ብሓጺሩ፡ ንናይ ባዕላቶም ጥቕሚ'ምበር ንሓልዮት ኤርትራውያን ኢሎም ንኤርትራ ከም ዘይሃነጽዋ ኣብ ኣይንፈላለ ዝሰፈረ ንታሪኽ ዝምልከት ሓተታ ይጠቅስ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳ፡ መሰል ሃይማኖት ክኽበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
መግዛእታዊ ኵነታት ብምረት እናቐጸለ ግን ኤርትራውያን ኣብቲ ተቖጺሮምን ተገዲዶምን ዝሳተፉዎ ዝነበሩ ስርሓት በብቑሩብ ዓቕሚ እናጥረዩ ክእለትን ፍልጥትን እናደለቡ፤ ፍሑኽ እናበሉ ብመጠኑ ካብ ጸላምን ድሑር ናብራን ክወጽኡ ጽዒሮም። ብዙሓት እውን ንጥበብን ብልሓትን ኢጣልያውያን ቀልጢፎም ክዕለምዎ ክመልኩዎን ክኢሎም።

ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ እናተኻየደ ከተማታትን ኰነ ሓውሲ ከተማታት ኤርትራ ይህነጻ ነበራ።

እቶም ናይ ሽዑ ሰባት ድማ ቋንቋ ጣልያን ዘይርድኦም ዳርጋ ኣይነበሩን ክበሃል ይከኣል፣ መብልዕ እንጀራኦም ስለ ዝነበረ።

ብዙሓት ካባታቶም ድማ ብደንቢ ዝሰርሕሉን ዝጽሕፍሉን ቋንቋ ምንባሩ ኣብ ብዙሓት መጻሕፍቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ብዓል ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ተድላ ባይሩ ብቋንቋ ጣልያን ማዕቢሎም፡ ክትርጕሙን ክጽሕፉን ከንብቡን ዝውዕሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምሁራት ኣቦታት እዮም። ኣብቲ ምረት መግዛእቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድን ሞያን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ምስ ግዜ ዘይንዓቕ ፍልጠት ዝደለቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ፈርዮም እዮም።

ኣስመራ ብኸመይ ብዘይ ልባ ናብ 'ገነት ብሽክለታ' ተቐይራ?
እንግሊዝ ንኤርትራ ክቆጻጸራ እንከሎ ኢጣልያውያን ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ደቀምሓረ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ኣቑርደት፡ ተሰነይ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ቦታታትን ናብረኦም ይመርሑ ነይሮም።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ከተማታት ከኣ መባእታዊ ትምህርቲ ኣተኣታትዮም ምስ ባህልን ናብራን ኤርትራውያን ተላልዮምን ተወሃሂዶምን ነበሩ።

ኤርትራ ብዘመናውያን ህንጻታት፡ ብኣገልግሎት ኣኰዶቶ (ድልድል መትርብ ማይ)፡ ብሓለዋ ጽሬት፡ ብካትራመ ዝተለበጡ መገድታት፡ መገዲ ባቡር፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርትን፡ ዘመናዊ ሕርሻ፡ ዓበይቲ ጀረዲን፡ ብርክት ዝበሉ ንኣሽቱ መዓርፎ-ነፈርቲ፡ ጸጥታ (ፖሊስን ሙኒቺፕዮን) ፡ ከምኡ'ውን በብዓይነቶም ፋብሪካታት ኣጥርያ ነበረት።

Image copyrightDAWIT
መግዛእቲ እንግሊዝ

እንግሊዝ ብከረን ክኣቱ እቲ ዘጓነፎ ኲናት ቀሊል ኣይነበረን፣ ብዅሉ ሸነኽ ብዙሕ መስዋእቲ'ዩ ተኸፊሉ - 3120 ወትሃደራት ጣልያን ክሞቱ ልዕሊ 9,000 ዓሰክር ጣልያን ምስኦም ወዲቖም'ዮም። ከምኡ'ውን 4,000 - 5000 ዝዀኑ ወትሃደራት እንግሊዝ'ውን ከምዝሞቱ ሰነዳት ይሕብሩ።

እንግሊዝ ንኤርትራውያን ካብ ጣልያን ሓራ ንከውጽኡ ኣይኰኑን ንኤርትራ ዝወረርዋ፣ ምስ ድልየታት ኤርትራውያን ዝተኣሳሰር ወፍሪ ኣይነበረን። ንፋሺሽታዊ ግዝእት ጣልያን ክድምስስን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ስትራተጂካዊ ቦታ ንምሓዝን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣማጽኦኦም፡ ኣታሓሕዞኦም፡ ኵሉ ነገሮም ብታህዋኽ ኢዩ ተኻዪዱ። እንግሊዝ ከበር ኤርትራ ጨሪሶም ከም ዘይነበሮም ኣብቲ ብሚከላ ሮንግ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ ኤርትራ - "I didn't Do It for You" ሰፊሩ ኣሎ።

"ሓደ እንግሊዛዊ ካፕቴን፡ ኣብ ከረን ዝለፍዑን ዝሃለኹን ወተሃደራቱ መሪሑ ናብ ኣስመራ ገጹ ክጐዓዝ እንከሎ፡ ኣብ መገዲ ሓንቲ ጻዕዳ ጋቢ ዝተኸድና ኣደ ከምቲ ባህሊ ዝጠልቦ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክብላ ምስ ዓለላ፡ እቲ ካፕቴን ሱቕ ንኽብላ ድሕሪ ምእዛዝ 'ንዓኺ ሓራ ከውጽእ መዓስ መጺኤ ኣቲ ባርያ' ከምዝበለ፡ ሚኬላ ሮንግ ነቲ ኩነት ዝገልጽ "ንዓኺ ኢለ ኣይገበርኩዎን" ዝብል ኣርእስቲ ዝሃበቶ መጽሓፋ ተዘንቱ።

ኣርእስቲ መጽሓፋ ነቲ ኣብቲ ህሞት ዝተፈጸመት ዉርደት'ዩ ዚገልጽ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ''ሮበርት ሙጋበ ነዛ ኣህጒር ደፊሩ ብምክልኻል ንዘልኣለም ክዝከር'ዩ''
እንግሊዝ ነታ ኣብቲ ሃገር ዝነበረ ብጣልያን ዝተኣከበ ጸጋታት-ሃገር (ካብ ኤርትራ ዝመንጨወ) ወዲኦም ንብረት ኣብ ምሻጥ ሰገሩ። ንጣልያን፡ ከምኡ'ውን ብተዘዋዋሪ መገዲ ንኤርትራውያን ከምክኑ ንኤርትራ ክፈናጥሑ ጀመሩ።

ነቲ ኣብ ጸግዒ ጣልያን ኰይኑ ዝሰሓግ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኣይሓሰብሉን፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝነበረ ንብረት ክዘምቱ ጀመሩ። ነቶም ንክህነጹ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰዱ ህንጻታትን ዘመቱዎምን ኣፍረሱዎምን።

ዓገብ ክብል ዝደፈረ ወገን ስለዘይነበረ ከኣ ህዝቢ እናረኣየ እናሰምዐ ኣብ ድኽነት ከምዝኣተው፡ ከምኡ እውን እንግሊዛውያን ንጣልያን ኣብ ኩናት ስለዝሰዓሩዎ "ነዞም ፋብሪካታት መን ከማሓድሮም'ዩ ... ጣልያን ንዓዶም ይምለሱ ኣሎዉ፡ እዚ ህዝቢ'ዚ ድማ እንዶ የብሉን፡ ስለዚ ነቲ ንብረት ካብ ዝበላሾ ኣብ ጥቕምና ነውዕሎ" ብዚብል ምስምስ ብጽሒትና ዝብልዎ ብራስያን ብሓይልን ክወስዱ ስኽፍ ከምዘይበሎም ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት ይነግር።

ሽዑ እንግሊዝ ኣብ ፈቐድኡ - ህንዲ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ሮደዝያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ... ኣብ ምሉእ ዓለም ኮታ - ዝሓሹን ዝሰረቱን ግዝኣታት ስለ ዝነበሮም፡ ካብ ኤርትራ ኣቑሑትን መሳርሕን ቀረብን እናመሓዉ፡ ኣብ መራኽቦም እናጽዓኑ ከስግሩ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም ዝብሎም ሰብ ኣይረኸቡን። ብጀካ ሲልቭያ ፓንክሀርስት።

Image copyrightDAWIT
ሲልቭያ ፓንክሀርስት

ፈለማ ሓምሳታት ሲልቭያ ፓንክሀርስት ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ንምብጻሕ ምስ ከደት ኤርትራ ክትዓኑ ኣርከበትላ። ሽዑ ብዙሕ ታዕታዕ ገበረት፣ ብዛዕባ እቲ ዝረኣየቶ ድማ ብቕልጡፍ ንዓዲ እንግሊዝ ኰነ ሕቡራት መንግስታት መልእኽትታት ብምጽሓፍ ኡይ በለት። ብዛዕብኡ'ውን መጽሓፍ ጸሓፈት።

ሲልቭያ ኣንጻር ጣልያን፡ ድሓር ከኣ ኣንጻር እንግሊዝ ብዕቱብ ዝጐስጐሰት ተሓላቒት ጃንሆይ ነበረት። ስማ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝኣተወ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ'ያ ትግባእ ኢላ ዝመጐተት ፍልጥቲ እንግሊዛዊት ነበረት።

እቲ ኣብ ኤርትራ ከይዳ ዝረኣየቶ ዕንወትን ዘመተን ኡይ ዘበላ ምኽንያት እቲ ንብረት ንኢትዮጵያ እዩ ክግደፍ ነይሩዎ ካብ ምባል እያ። በዚ ዀይኑ በቲ ግን ነቲ ኢንግሊዛውያን ዝፈጸምዎ ገበን ኣቃልዓቶ።

ኣብ ሓውሲ-ደሴት ዓብደልቃድር (ናቫል-በይዝ) ዝነበረ ንብረት ፈሪሱ፣ እቶም ንመኰንናት ጣልያን (ሓይሊ ባሕሪ) ዝተሰርሑ ኣባይትን ዓበይቲ ቤት ጽሕፈታትን ድዋዕዋዕ ኢሎም፡ ናውቲ መጽዓንን መራገፍን መራኽብ፡ ዜንሳፍፍ መዐሸግ መራኽብ ...ወዘተ. ኵሉ ዓንዩ ረኸበቶ።

''ቅዋም እንተዝህሉ . . . እታ ቤተ-ክርስትያን ናብ ቤት-ፍርዲ ምኸደት''
ብተወሳኺ፡ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ሆስፒታል ክፈርስ፡ ዓበይቲ ጋራጃት ክዝመቱ፡ ናይ ቸመንቶ ፋብሪካ ንሱዳን ክሽየጥ፡ ኤሮድሮም (ንነኣሽቱ ነፈርቲ ዜዕልብ) ንኽዓኑ ንግብጺ ኮንትራት ክወሃብ፡ ካብ መዓሙቕ ባሕሪ ድበት እትግሕጥ ማሺን ኰነ ዓበይቲ ክሬናት ንፓኪስታን ክሽየጥ፡ 500 መዕቈር ዘይቲ (ሰርባቶዮ) ዓንዮም ክትርኢ ነብሳ ኣይገበረላን።

እቲ ግፍዒ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት ከኣ ሽዑ "ሰለስተ-ርብዒ ባጽዕ ፈሪሳ ርእየ" ኢላ መስከረት።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበረ ንብረት'ውን ከምኡ - ኵሉ ዓነወ። ኣብ ዙላ 400 ኣባይቲ ጣልያን ተደምሰሰ፡ ኣብ ፋጥማ ዳሪ ዝነበረ ናይ ፖታሽ ፋብሪካ ተሸይጡ፡ ናይ ጨው ፋብሪካ ንዓደን ግዒዙ፡ ናይ ብዙሓት ዝጠሓላ መራኽብ ሞቶረታት ኣብ መሸጣ ከም ዝወዓለ ሲልቭያ ትምስክር።

ዳርጋ 200 ናይ ባቡር ባጎነታት (ተሳሓቢ)፡ ምስኡ ኸኣ ንመስርሕ ሓደስቲ መስመራት መገዲ ባቡር ተገዚኡ ዝነበረ ናውቲ - ካብ ኣቑርደት ክሳብ ጎንደር - ኵሉ ተሸጠ።

ጣልያን ኣብ ዝተስዓረሉ ኣብ ዓድዋ ንምንታይ ቆንስላ ከፊቱ?
ሲልቭያ ኣብ መጽሓፋ ዝጠቐሰቶም ዘረፋ-ንብረት ላዕለ-ላዕሉ ጥራ'ዩ። ነቲ ጕዳይ ሃዲኡ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ እንግሊዝ ንዝፍትሾ ተመራማሪ ግን ኣብ ጸብጻብ ዘይኣተዉ ንብረታት ከም ዘሎዉ ዳዊት ይሕብር።

መንግስቲ እንግሊዝ ግን ንክሲ ሲልቭያ ኣይተቐበሎን። ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን በብግደ ንክሳ ነጸግዎ፡ ጸመድዋ ኸኣ፣ ክሳብ ትደክም ተቐባቢሎም ለሽ ኣበልዋ ይብል ንመጽሓፋን ነቲ ምልልስን ዝተወከሰ ዳዊት።

ሲልቭያ ኣብ'ቶም ተቕርቦም ዝነበሩ ክስታት (ፖለቲካ) ምግናን ዝነበሮ ዝመስል እኳ እንተኾነ እቲ ንብረትሲ ተዘሚቱ'ዩ ይብል ዳዊት፡ ነቲ ዝተዘምተን፡ ዝተሸጠን፡ ዝዓነወን ንብረት ደቀባት ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ እናፈለጡ እንግሊዝ ኣሉታዊ ተራ ከምዝተጻወቱ ብምግላጽ።

ብፍላይ እቲ ሰብ ክነብረሉ ዝኽእል ኣባይቲ ኣፍረሶም፡ እቲ ዅሉ ሓጺን/ዕንጨይቲ ብምሻጦም ህዝቢ ከዓቦም። ነቲ ንብረት ከኣ ከም ንብረት ጣልያን'ምበር ንብረት ኤርትራ ገይሮም ኣይረኣይዎን። ስለዚ ኣብ ጥቕሞም ኣውዓልዎ -እቲ ዅሉ ብቍጠባ ጣልያን ዝካየድ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ብምሕደራ እንግሊዝ መሊሱ ከፍኦን ተበሳጨወን።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣመሪካውያን ብዝምስክርሉ ፍሉይ ረብሓ ናጽነት ዝግበኣ ክነሱ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሺን ክትቁረን ተሓባቢሮም ካብ ኤርትራ ወጽኡ።

Image copyrightDAWIT
ዝተለከሙን ዝተባሕጐጉን ትካላት ጣልያን ...

ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያንን ከም እንዳ

ደናዳይ (ሕርሻ)፣ ትካል ሳሊና (ጨው)፣ እንዳ ባራቶሎ (ናይ ጡጥን ጨርቃ-ጨርቅን ፋብሪካ)፣ እንዳ ካሽያኒ (ሕርሻ ኮሚደረ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ፍርያትን)፣
እንዳ ፍንጃል፣ እንዳ መሎቲ (ቢራ)፣ እንዳ ፈኒሊ (ነቢት)፣ ቪታለ (ነቢት)፣ እንዳ ኢንኮደ (ስጋ)፣ ሳሉሚፊጭዮ ቶሪነሰ (መፍረ ሓሰማ፡ ሳላሚ)፣
እንዳ ኤቸ (ፋብሪካ ጸባ)፣ መፍረ ፎርማጅዮ፣ መፍረ መዓርን ማርማላታን፣ እንዳ ኣልፋ (ባኒ)፣ እንዳ ፓስታ፣ ፋብሪካታት ምቁር መግቢ፣
እንዳ ዓጽሚ፣ እንዳ መልጎም፣ እንዳ ሳሙና፣ መልፍዕ ቆርበት፣ እንዳ ጫማታት፣
ሳቫ (ጥርሙዝ)፣ በብዓይነቶም ኦፊቺናታት፣ ሰዳው (ምንጪ ኤለክትሪክ)፣ ፊያት (ጋራዥ መካይን)፣ ዶንጎሎ (ማይ-ጋዝ)፣ ፋብሪካ በረድ፣ ፋብሪካ ክርቢት፣ እንዳ ወረቐት፣ እንዳ ማሕተማት፣ ፋብሪካ መጥሓን፣ እንዳ ማርሞ፣ ቸመንቶ ፋብሪካ፣ በብዓይነቶም ናይ ጡብ ፋብሪካታት፣ እንዳ ምስማር፣ እንዳ ድስቲ፣ እንዳ ወርቅን ሰዓትን፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ሆቴላት፣ ሲነማን ትያትራትን፣ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ባንክታት፣ ናይ ህንጻ ትካላትን ካልእን ዋላ እውን ህዝቢ ብግቡእ ኣይርበሓሉ'ምበር ንቑጠባዊ ህይወት እታ ሃገር ሙቐት ሂቡምዎ ነይሮም።
ኣስመራ፡ ንብሽክለታን ውድድር ብሽክለታን 'ባህሊ' ዝገበረት ከተማ
እንተኾነ ኢንግሊዝ ምስ ኣተወ ብዙሓት ትካላት ተዘሪፎም። ብግዜ ሃይለስላሴ እውን ብዙሓት ፋብሪካታት ንኢትዮጵያ ግዒዞም፣ ብጊዜ ደርጊ እውን ተሃጊሮም፣ ድሕሪ ናጽነትከ?

ድሕሪ ናጽነት እተን ዝርካበን ተረፍ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ዝኣረጋ ፋብሪካታት ብዝበናዊ መሺንን መሳርሕን ተሓዲሰን ዘበናዊ ኣገልግሎት ክህባ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ዳርጋ ኩለን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ኣትየን ተዳኺመን ገፈፍ ክባል ጸኒሐን።

ኣብ ሓደ እዋን መንግስቲ ንብዙሓት ካብተን ትካላት ብዘበናዊ መሳርሒታት ከማዕብሉወን ንዝኽእሉ ደቂ ሃገር ኣውፈርቲ ሂቡወን ነይሩ። ይኹን እምበር ምስ ዝሓለፈ ኩናት ዶባትን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላው 20 ዓመትን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ከምቲ ዝግባእ ኣይማዕበላን።

እቲ ብጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ማዕቢሉ ዝነበረ ዓቕምታትን ኢደ-ጥበብን ክእለትን ከኣ ናብ ተካእቲ ወለዶ ብዝግባእ ከይተመሓላለፈ ምትራፉ ሓያሎ ምሁራት ቁጠባ ከምዝገልጹ ሰነዳት ታሪኽን መጻሕፍትን ዝተወከሰ ተራኺ እዚ ዛንታ ዳዊት መስፍን የረድእ።




. Criminal uk also stole Eritrea's teleferica built by Italy.