Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይበሃለ ኣሎ! ሻዕብያን ወያነን ከተዓርቑ? eplf, tplf are secretly taking peace.

Post by Meleket » 06 Jan 2020, 04:11

JudgementDay1234 wrote:
04 Jan 2020, 11:53
እዘን ክልተ ሰንደቕ ዕላማታት መዛኑ ኣይኮናን!!! እታ ሓንቲ ላይ ሓንቲ ክልል ናይ ኢጦብያ ኢያ፣ እታ ካልኣይቲ ድማ ናይ ልዑላዊት ሃገር እሞ ድማ ሃገር ብሃገሩ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ሰንደቕ ዕላማ ኢያ። ነገር ህወሓት መስደመም ኢዩ፡ ነተን ኣሓታን ‘መነሓንሕታን’ ግን ድማ ወግሔ ጸብሔ ተባጭወለን ዘላ ተጋሩን ኮናሙን(ደቂ ኩናማ) ኢራቡን (ኢሮበቶት) ውድባት ክልላ ዘይኽበረትን፡ መሰለን ብኣልማማ ትጥሕስን ኣብ ጉባኤይ ‘ልበለቶ’፡ ተጠሊዓ :mrgreen: ግን ድማ እናተሰሓገት ተጉባዕብዐለን ዘላ ድንስቲ ህውሓትስ ጥር ኢላ ናብ ኤርትራ ክተቋምት ምፍታና መገረም ዛዕባ ኢዩ። “ሚሉሽን ባልሰማሽ ገበያ ባልወጣሽ” ዲዮም ዝብሉ ኣሕዋትና ደቂ ኢስጦቢያ! ኣብ ክንዲ መቋምርቲ ተናድያ፡ ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ግዳ ብሰላም ዘይትወጽኣ!!! ኢዩ ‘ልብል’ ዛሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጻት ናብ ጻት ብሓፈሻ! ላይ እማንና ኢና!!! :mrgreen:
Meleket wrote:
30 Dec 2019, 09:48
‘ሰለብሪቲ ኢቨንትስ’ .. .. .. “መዝሙር ሰላም” .. .. .. እዋናዊት ኤርትራዊት ግጥሚ

‘ሰለብሪቲ ኢቨንትስ’ ዚበሃል ጉጅለ፣
ጫጪሓ ኢሎማ እታ ቍርዲድ መቐለ:mrgreen:

ዘየሓፍር ድሙ ዘይሓፍር ድሙ፣
ምስ ጠለምቲ ናይ ቃል፡ ከኹድድ ከሪሙ፣
ኣለኩ ይብል ኣሎ ሕጂ ደጋጊሙ፣
ጉዳይ ኪሓናኽር ናይ ስርቂ ዶላራት ጎሲሙ ጎሲሙ:lol:

‘ሰለብሪቲ ኢቨንትስ’ ውዲት ናይ ወያነ፣
ምስ ሓሽከት ጃንዳካ ብሕጊ ተዳነ፣
ንፍትሒ ትሕቲ ምድሪ መንዲ’ዩ ዝዳጎነ፧
ምስቶም ለኣኽትኻ ብሕጊ ተዳነ፣
ይብለካ ኢዩ ዛሎ ኤርትራዊ ወነ፣
ብመትከል ዚኣምን ቃሉ ዝወነነ። :lol:

ዓመጽ እተሳሲ ጠበቓ ዓመጽቲ፣
ኣይትጉዳእ ቁስልና መሲልካ ‘መጽዋቲ’፣
ንስለ ሓቂ እንዲዩ እቲ ኩሉ መስዋእቲ፣
ንስለ መሬት እንዲዩ እቲ ኩሉ መስዋእቲ፣
ንስለ ዶብ እንዲዩ እቲ ኩሉ መስዋእቲ፣

ጸግዕኻ ሓዘልና ድለ መቋምርቲ። :mrgreen:

ፈለማ ምውጻእ ኢዩ ካብ መሬት ኤርትራ፣
ደጊም ድሕሪ ሕጂ ናይ ቃላት ጥበራ፣
ኣየፍቕድን ኢዩ ሕዝቢ ናይ ኤርትራ፣
ነታ ብይን ናይ ዶብ ፈለማ ተግብራ። :lol:

‘መዝሙር ሰላም’ ኢልካ ኣመና ተሽኻዕልል፣
‘ካብመዓስ’ከ ኢዩ፧’፡ ‘ሰላም’ ዚብል እቲ ገበል፧
ደጊም ኤርትራዊ ጭራሽ ነይድህለል፣
ቢሉ ተሲኡ ኢዩ ዝሃለፈ ይኣኽል። :mrgreen:

እምበር ሰላም ደኣ ዚጸልኣ መን አሎ፣
እንከይተደመረ ዚኩሕኩሕ ካንሸሎ፣ :mrgreen:
ከም ናይ ‘ሰለብሪት ኢቨንትስ’ ተንኮል ዝተደጎሎ፣
እንተኰይኑ ግና ‘ቆብ’ ኢና ነብሎ፣
እቶም ኤርትራዉያን ነቦይ እዝጊ ሒዝና ኩሉ ዝከኣሎ።
:lol:

Post Reply