Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ

Post by Zmeselo » 12 Dec 2019, 03:39

ሀሁ በል ተስፋጼን (ኣግኣዝያን)
ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ




ቀዳማይ ክፋል

ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክልዓል ምስማዕ ኣዝዩ ዘኲርዕ እኳ እንተኾነ፡ ስም ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብበዓል ኣቶ ተስፋጼን (ኣግኣዝያን) ብኣሉታዊ (ብጸርፊ) ክልዓል ግን፡ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ።

ኣቶ ተስፋጼን (ኣግኣዝያን) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ምንታይ ከም ዝነቐለ ዘይፍለጥ፡ ስም ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ኣልዒሉ ዝደርበዮ ዘሕዝን ቃላት ንምድጋሙ ውን ኣዝዩ ዘሕፍር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ክደግሞ ኣይመረጽኩን። ኣቶ ተስፋጼን በብእዋኑ ዝብሎ ብዙሕ ብምዃኑ፡ መልሲ ካብ ምሃብ፡ ንሕጂ፡ “ሀሁ በል ተስፋጼን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ታሪኽ ሂወት ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብወገነይ ብተኸታታሊ ክሕብሮ’የ
መሪጸ።

መእተዊ

ከም ባህሊ ስለ ዝተወስደ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ብዛዕባ ጅግንነት ናይ ውልቀ ሰብ ምጽሓፍ’ሲ ይትረፍ፡ ብኣፍ ምዝራብ’ውን ዳርጋ ልሙድ ኣይኰነን። እቲ ስቕታ ብኸምኡ ስለ ዝቐጸለ ድማ፡ ታሪኽ ናይ ስዉኣት ጀጋኑ ተረሲዑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ታሪኽ ብዘይፈልጡ ብኣሉታ ክለዓል ምጅማሩ ዘሕዝን‘ዩ። ብወገነይ ቅድሚ ሕጂ ካብ’ዚ ስክፍታ’ዚ ብምንቃል፡ ከም ኣብነት ንኽኸውን ታሪኽ ሂወት ናይ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ መበገሲ ወሲደ ዘሕተምክዋ ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ እትብል መጽሓፍ ብሰፊሕ ናብ ኣንበብቲ ተዘርጊሓ‘ያ።

ስለምንታይ ብዛዕባ መልኣከ ተኽለ ዝብል ሕቶ ካብ ኣንበብቲ ከም ዝተላዕለ እዝክር። ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተንከፍክዎ፤ ከም ኣብነትን መበገስን ንክኸውን ድኣ እምበር፤ ታሪኽ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ካብ ታሪኽ ናይ ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና ፍሉይ ስለ ዝኾነ ኣይነበረን። እንታይ ድኣ በቲ ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ድሩት ዓቕሚ ንምጅማሩ ካብ ዝብል ዕላማ‘የ ነቒለ። ብድሕሪኡ ውን ብቐጻሊ ታሪኽ ጀጋኑ ክጽሓፍ ምርኣየይ ክዂርዓኒ ከሎ፡ ብኣሉታ ክዝንቶ ክሰምዕ ከለኹ ድማ የሕዝነኒ።

ከም’ቲ ኣብ መጽሓፈይ ብዝርዝር ገሊጸዮ ዘለኹ፡ ኣብ’ዚ ንዓኻትኩም እንደገና ከካፍሎ ዝደልዮ፡ ኣብ ምሉእ ሜዳ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ እዛ "መልኣከ ተኽለ" እትብል መጸውዒት ስም፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሕጂ ከይተረፈ ኣዝያ ግንንቲ’ያ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ’ዚ መን’ዩ ዝብል ሕቶ ክሳብ ሕጂ ካብ ብዙሓት ሰባት ኢኻ ትሰምዖ። ስለዚ ኣንባቢ ብዛዕባ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ መታን ምሉእ መረዳእታ መታን ክህልዎን፡ እቲ ታሪኽ ውን መታን ኣብ ድሕሪ ገጻት ክስነድ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ በብክፋል ከቕርቦ’የ።

እቲ ጉዕዞ መታን ናይ ሓባር ክኾነልና፡ ኣነ ከም ኣቕራቢ ንስኻትኩም ከም ኣንበብቲ፡ ኣንበብቲ፡ ካብ’ታ ጅግና መልኣከ ተኸል ዝተወልደላ ዓዱ (ዓዲ ንኣምን ዓንሰባ) ነቒልና ክሳብ እታ ዝተሰውኣላ መደበር ራሳይ (ዶብ ኤርትራን ሱዳንን) ብሓባር ክንጓዓዝ እዕድመኩም። ኣብ‘ቲ ጉዕዞ፡ ምስ ቤተ-ሰቡ፡ ምስ መሳትኡ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ፡ ምስ መማህርቱ፡ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ከላልየኩም‘የ። ጽቡቕ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክገብረልና እናተመነኹ፡ ንሎሚ ካብ ዓዲ ንኣምን (ካብ ርባ ሸንከላ) ብምንቃል፡ ናይ ኣተዓባብይኡ ታሪኽ ሂወት ኢና ክንርኢ። ከምኡ እናበልና ድማ ክፋል ብክፋል ክሳብ ግዜ
መስዋእቱ ክንበጽሕ ኢና።
.
ቀዳማይ ክፋል

መልኣከ ተኽለ ካብ ኣቦኡ ክቡር ኣቶ ተኽለ ባህታ፡ ካብ ኣዲኡ ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃ ግደ ብ1949 ኣብ ዓዲ ንኣምን ወረዳ ዓንሰባ ተወሊዱ። ክቡር ኣቶ ተኽለ ባህታ ዘርኢ-ሃይማኖት፡ ካብ ማይ-ቤት ሞሲ-ብርሃን ዝውለዱ ኮይኖም፡ ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃ ግደ ከንቲባ ወልደሚካኤል ድማ ካብ "ገዛ ከንቲባ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ማይ-ቤት ዝውላዳ፡ ንሰን’ውን ጓል ዓዲ ንኣምን’የን።

ኣቦሓጉኡ ንመልኣከ ተኽለ ክቡር ኣቶ ባህታ ዘርኢሃይማኖት ሸሞንተ ቆልዑ’ዮም ወሊዶም። ሹዱሽተ ኣወዳት፡ ክልተ ኣዋልድ። ቦዂሪ ወዶም በረንበራስ ዘወልዲ ይብሃሉ። ዝተረፉ ደቆም ድማ፡ ቀሺ ጽገ፡ ኣቶ ነማርያም፡ ኣቶ ተኽለ (ኣቦኡ ንመልኣከ)፡ ኣቶ ሃብተ፡ ኣቶ ሰረቐ[1] ይብሃሉ። ኣዋልድ ደቆም ድማ ወይዘሮ ኣምለሰትን ወይዘሮ እትመትን ይብሃላ። ኣብ ዝርዝሩ ድኣ ቀስ ኢልና ክንበጽሖ ኢና’ምበር፡ ክቡር ኣቶ ተኽለ ባህታን ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃን ውን ዓሰርተ ቆልዑ’ዮም ወሊዶም። ብሓጺሩ ኣሕዋት መልኣከ ትሽዓተ እዮም። ኣርባዕተ ኣዋልድ፡ ሓሙሽተ ኣወዳት።

ኣቶ ሰረቐ ባህታ ኣቦኡ ንጅግና ስውእ የሕደጉ ሰረቐ እዮም። ተጋዳላይ የሕደጎ እቲ ምስ ጅግና መልኣከ ተኽለ ብሓባር ኣብ 1971 ናብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ ኣብ ውግእ ማይ-ምነ (ቆሓይን) ዝተሰውኤ ወዲ ሓዎም ነቦይ ተኽለ ባህታ (ወዲ ሓወብኡ ንመልኣከ ተኽለ) እዩ።

ኣዲኡ ንመልኣከ ተኽለ ወይዘሮ ግምጃ ግደ ንወለደን ሓንቲ ጓሎም ስለ ዝኾና፡ ወራሲት ገዛ’የን። ንሰን ንበይነን ይዕበያ ድኣ እምበር፡ እቲ ኹሉ ዝኽእል ፈጣሪኤን፡ ኣብዚሑ’ዩ ውላድ ሂብወን። ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ ጥንሰን ዝተወልደት ቦዂሪ ጓለን "ሓረጉ-ወይኒ" ዝብል ስም ኣውጺኤናላ። ንቦዂሪ ጓለን "ሓረጉ-ወይኒ" ዝብል ስም ምሃበን፡ ብዕላማ ዝገበርኦ’ዩ ነይሩ። ሓረጉ-ወይኒ ልክዕ ከም ሓረግ ናይ ወይኒ ንኽትጥጥዓለን ምንዮተን ንምግላጽዩ ነይሩ። ሓው ወይ ሓብቲ ዘይብለን ስለ ዝዓበያ፡ እዛ
ቦዂሪ ጓለን ከም ወይኒ ክትጥጥዓለን’ዩ ነይሩ ሕልመን።

"ብተመን ዝተነኽሰ ብልሕጺ ይድሃል" ከም ዝብሃል፡ ወይዘሮ ግምጃ ነቲ ንሰን ንበይነን ዘሕለፍኦ ዕድመ ዘኪረን፡ ኣብ ደቀን ከይድገም ምስካፍ እኳ ዘይተርፍ እንተ ነበረ፡ እዘን ለባም ወረጃ ሰበይቲ ግን ኣብ እምነተን ጸኒዔን ፈጣሪኤን ኣብዚሑ ክህበን’የን ብተስፋ ዝጽበያ ነይረን። ጽቡቕ ዕድል ጌረን ድማ፡ ካልኣይቲ ጓል ወሊደን። ኣስካሉ ዝብል ስም ድማ ኣውጺኤናላ። ብሓቂ ጽቡቕ መደያይቦ ኣስካላ።

ወይዘሮ ግምጃ ሳልሳይ ውላድ ክውስኻ፡ እንተ ኮይንለን ድማ ወዲ ክረኽባ ክምነያ ናይ ግድን’ዩ። ጸሎትን ጾምን ድማ ኣየቛረጻን። እንሆ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ጓል ወሲኸን። እቲ ዝለመንኦ ፈጣሪኤን ኣብዚሑ ስለ ዝሃበን ድማ "ርግኣት" ዝብል ስም ኣውጽኤናላ። "ርግኣት" ክብላ ከለዋ፡ ምናልባት
ኣዋልድ ምውላድ ይእከለኒ ማለተን ክመስል ይኽእል ይኸውን። ወይዘሮ ግምጃ ግን "ርግኣት" ክብላ ከለዋ፡ "ቀሲነ/ረጊኤ" ማለተን’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ጥምቀት መዓልቲ ወይዘሮ ግምጃ ነዛ "ርግኣት" እትብል መጸውዒት ስም ሒዘን’የን ናብ ካህነን ቀሪበን። ክቡር ኣባት ነብሰን ነታ "ርግኣት" እትብል ስም ገዲፎም ነታ ሕጻን "ጽርሃ-ኣርያም" ኢሎም ኣጠሚቖማ። እንተኾነ ግን እዛ "ጽርሃ-ኣርያም" እትብል ናይ ካህን መጸውዒት ስም፡ ካብ መካባብያ ቤተ ክርስትያን (ቀጽሪ ደገ-ሰላም) ማርያም-ጽዮን ንግዳም ኣይወጸትን። ተረሲዓ ተሪፋ።

ኣብ ስድራ ቤት እንዳ ኣቦይ ተኽለ ባህታ ሓደ ካብቲ ዘሐጉሰካን ዘዂርዓካን፡ እቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘርእይዎ ናይ ምትብባዕ ባህሪ’ዩ። ወይዘሮ ግምጃ ሰለስተ ኣዋልድ እየን ኣከታቲለን ወሊደን። ወዲ ዘይወለድኩ ኢለን ንፈጣሪኤን ኣየማረራን። ምሉኣት ቤተ ሰበን ውን፡ መታን ወዲ ዘይወለድኩ ኢለን ከይጉህያ፡ "ኣጆኺ ኣይትሰከፊ!" እናበሉ እዮም ዘተባብዕወን ነይሮም። ብፍላይ ድማ እቶም ወረጃ ዝኾኑ ለባም ሓሙአን ክቡር ኣቶ ባህታ ዘርኢሃይማኖት፡ "ግምጃ ጓለይ፡ ወዲ ዘይወለድኩ ኢልኪ
ኣይትሰከፊ። እንሆን’ዶ እንታይ ዝመስላ ጽቡቓት ኣዋልድ፡ ብዘይ ገዝሚ ዝኸዳ ወሊድክልና ኣየሎኽን! ኣጆኺ ኩልና ብኣኺ ሕጉሳት ኢና! ድሓር ከኣ ዕድሜኺ ዘይ ገና ዘሎ፡ ኣወዳት ብሕጂ ክትወልድዮም ኢኺ!"፡እናበሉ’ዮም ሞራል ሂቦም ዘተባብዕውን ነይሮም[2]። በዓል-ቤተን ክቡር ኣቶ ተኽለ ባህታ’ውን ካብ ናይ ኣቦኦም ዘይፍለ ምትብባዕ’ዮም ዝገብሩለን ነይሮም።

ንሕና ናይ’ዚ ታሪኽ ተኸታተልቲ ድኣ ኢና መልኣከ-መልኣከ እናበልና ተረቢጽና ዘሎና እምበር፡ ስድራ ቤተ እንዳ ኣቦይ ተኽለ ባህታስ፡ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ረጊኦም’ዮም ዘለዉ። ነተን ወረጃ መስተውዓሊት ወይዘሮ ግምጃ ቀንዲ ዘገድሰን ዝነበረ፡ ከም’ቲ ንሰን ሓው ወይ ሓብቲ ዘይብለን ንበይነን ዝዓበያ፡ ከምኡ ኣብ ደቀን ከይድገም ጥራይ’ዩ ጸሎተን ነይሩ። እቲ ወሃብን ከላእን ላዕላይ .ፈጣሪ ኸኣ፡ ኣብዚሑ’ዩ ዓዲልወን። ወዲ ክወልዳ ምዃነን ውን ተጠራጢረን ኣይፈልጣን’የን።

[2] ምንጪ ሓበሬታ ኣቶ ማእከለ ጉልበት ኣዲኡ ከም ዘዘንተወትሉ

በሉ ንብሽራት! ኣብ ገዛ እንዳ ክቡር ኣቶ ተኽለ ባህታ ሸውዓተ ሳዕ እልል ይብሃል ኣሎ። ወይዘሮ ግምጃ ወዲ ወሊደን ክኾና ኣለወን። ምዃን እኳ ወዲ ምዃኑ ድኣ ኢና ኣረጋጊጽና ዘሎና እምበር፡ መልኣከ ይኹን ካልእ፡ ክሳብ ሕጂ ዝሰማዕናዮ ነገር የለን። እቲ ሕጂ ዝተወልደ ቆልዓ ውዒሉ ሓዲሩ ምጥማቑ ስለ ዘይተርፍ ግን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ሓዲኡ ከፍልጥ’ዩ። ከምቲ ንምነዮ እንተኾይኑልና ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኮነ ከኣ ካብ ዝነበርናዮ ኣይነውሓናን’ዩ፡ ብትዕግስቲ ንጽበ።

ወይዘሮ ግምጃ ባዕለን ዘለውኦ ስለምንታይ ኢና ንሕና ንህወኽ ዘሎና? ከም ወዮ ሓሙአን ኣቶ ባህታ ዝበልዎ፡ ገና ንእሽቶይ’የን ዘለዋ። እንተ መልኣከ ተኽለ ድማ፡ ተርትኡ ሓልዩ ኣብ ጊዚኡ ክውለድ’ዩ። ወይዘሮ ግምጃ ነቲ "ለምኑ ክወሃበኩም፡ ድለዩ ክትረኽቡ፡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ክረሓወልኩም" [3] ዝብል መንፈሳዊ እምነት ቀጥ ኣቢለን ስለ ዝሓዝኦ፡ ካብ’ታ ንቦዂሪ ጓለን ሓረጉ ዝወለዳላ እዋን ጀሚረን፡ ንግሆን ምሸትን ማዕጾ ቤተ ክርስትያን እንዳ ማርያም-ጽዮን ካብ ምዂሕኳሕ ኣየቋረጻን። እንሆ ድማ ከምቲ ዝተመነይኦ ወዲ ወሊደን። ቦኹረጽዮን ዝብል ስም ድማ መሪጸናሉ። "ካብ’ዚ ዝዓቢ መንፈሳዊ ህያብ እንታይ’ሎ!"

ዕድል ናይ ወይዘሮ ግምጃ’ኮ ከውሒ’ዩ ዝፍንቅል። ድሕሪ ቦኹረጽዮን ሕጂ’ውን እንሆ ኣርባዕተ ኣወዳት ኣከታቲለን ወሊደን። "ኣርባዕተ ዲኻ ዝበልካ?" ትብሉ ትህልዉ። "እወ ኣርባዕተ’የ ዝበልኩ! እንታይ ዘሰንብድ ኣለዎ። ከም ምዕባዮም ይዓብዩ ዝብል ምስላ ናይ ወለድና ንኸንቱ መዓስ ተመሲሉ!"

ኣየ’ወ እዘን ወረጃ ሰበይቲ! ንሕና ኣብ’ዚ ዓዲ ካብ እንኣቱ ጥራይ ሸሞንተ ቆልዑ ወሊደን የዕብየን። ምቑጻሮም ተደናጊርኩም ከይከውን፡ መጀመርያ ሰለስተ ኣዋልድ፡ ብድሕሪአን ቦኽረጽዮን፡ ብድሕሪ ቦኽረጼን ኣርባዕተ ኣወዳት፡ ብጠቕላላ ሸሞንተ ምዃኖም’ዮም፣ር። ሓረጉን ኣስካሉን ርግኣትን ካብ ሕጂ ቆልዑ ክንብለን ኣይግባእን’ዩ። ድሮ ዓበይቲ ኣዋልድ እየን።

ንሕና ሓደ ክልተ ኢልና ምቑጻር ተሃኪና፡ ወይዘሮ ግምጃ ግን ንሸሞንቲኦም ደቀን ተትሽዓተ ወርሒ ኣብርዩኒ ከይበላ ኣብ ከብደን ጼረንኦም። (8x9=72) ሰብዓን ክልተን ኣዋርሕ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ሹዱሽተ ዓመት (72/12=6) ምዃኑ’ዩ።

ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ ውን ኣይኮነን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ደቀን ካብ ዝውለዱ ኣትሒዘን ክሳብ እግሪ ዝተኽሉ እንተ ውሓደ ከክልተ ዓመት (8x2=16) ኣብ ሕቖአን ብማሕዘል ዝተሰከምኦም’ከ? ሳላ እተን ዓበይቲ ኣዋልድ ደቀን በዓል ሓረጉ፡ ብርኽቲ፡ ርግኣት ዝሓገዝኤን እምበር፡ (16+6=22) ዕስራን ክልተ ዓመት መዓስ ቀሊል ኮይኑ። ቀዲምካ ኣዋልድ ምውላድ መኽሰቡ ንሱ’ዩ!

እዚ ኸኣ’ዩ ሓደ ካብ’ቲ ባህሊ ናይ ሕብረተ-ሰብና ቀንዲ ዘሓጉሰካ። ኣብ ቆልዑ ምዕባይ፡ ምሉእ ኣባል ስድራ ቤት’ዩ ተሓጋጊዙ አእጃሙ ዘልዕል። ውላድ ምብዛሕ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ከም ሃብትን በረኸትን ዝቑጸር ውም በዚ ምኽንያት እዚ’ዩ።

ቆልዓ ኣብ ምዕባይ፡ ምሉእ ዓዲ’ዩ ዝሓትት" (It takes a village to raise a child) ዝብል ምስላ ንኸንቱ ኣይተመሰለን። እዚ ምስላ’ዚ ብግብሪ እንተ ርኢናዮ ድማ፡ ሕብረተ-ሰብና’ዩ ኣብ ሕብረተ- ሰብና’ዩ ዝያዳ ዘንጸባርቕ። ምኽንያቱ እቶም ምዕቡላት ኢና ዝብሉ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣሽንኳይ’ዶ ኣብ ቆልዓ ምዕባይ ኣብ ነንሕድሕዶም ክትሓገገዙ፡ ጐረቤት ንጐረቤት’ዮም ዘይፋለጡ! እዚ ቅዱስ ሕብረተ- ሰብና ግን፡ ብእምነትን ብተስፋን ተሓጋጊዙ’ዩ ደቁ ዘዕቢ። ኣብ ገለ ሕብረተ-ሰባት ውላድ ምብዛሕ
(1 ሳሙኤል 1:10-20) ከም ዕሽነት ክቚጸር ከሎ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ግን ከም ህያብ ኣምላኽን ከም ጸጋን ኢና ንቕበሎ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ "ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ" [4] ኢሉ’ዩ መሪቕዋም።

እስኪ ናብ ወይዘሮ ግምጃ ንመለስ። ሳላ ዓቕሊ ዝገበርና፡ እንሆ ወይዘሮ ግምጃ ሕጂ’ውን ጥንስቲ’የን። ከም ቀደመን ብድሓን የገላግለን። እዚ ሕጂ ተጠኒሱ ዘሎ ቆልዓ፡ ገና ዘይተወልደ ወዲ ድዩ ጓል ኢልካ ምሕታት ልሙድ ስለ ዘይኮነ፡ ሰብ ከይሰምዓና ቁሩብ ጥንቅቕ እንተበልና ጽቡቕ’ዩ።

"መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ።" እንሆ ትሽዓተ ወሪሒ ኣኺሉ ወይዘሮ ግምጃ እዋን ሕርሰን በጺሑ። ወዲ ወሊደን ተባሂሉ’ዩ ዝውረ ዘሎ። መልኣከ ተኽለ ደኾን ኣይኮነልናን? ጥራይ ኣይንተሃወኽ እምበር ድሮ ጥጥቖ ሓራሳት ተዓዲሉስ ኣርብዓ መዓልቱ ኣኺሉ፡ እቶም ስድራ
ንጥምቀት’ዮም ዝሸባሸቡ ዘለዉ። ኣብ’ታ ናይ ጥምቀት መዓልቲ’’ኳ ሓንቲኣ ከተፍልጥ’ያ።

ወይዘሮ ግማጃ ድሮ ድሮ ሸሞንተ ቆልዑ ወሊደን፡ ክሳብ ሕጂ ንሓደ ካብኣቶም "መልኣከ" ዝብል ስም ዘይመስመይአን እቲ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ነዛ "መልኣከ" ትብል ስም ንመዓስ ክትኮነን’የን ዓቚረንኣ ዘለዋ?

በሉ ሕጂ ውን ኮለል ኣይንበል! እዘን ለባም ወረጃ ሰበይቲ፡ ንኹልና ዘቕስን ስም’የን መሪጸን። "ተዓገስ" ወይ "ተመስገን" ዝብል ስም ኣይመረጻን። እታ ብሃንቀውታ ንጽበያ "መልኣከ" እትብል ስም’የን መሪጼን። ኣባት ነፍሰን ድማ፡ እታ ስም ባህ ስለ ዝበለቶም፡ "ብርሃን" ትብል ቃል ወሲኾም
"መልኣከ-ብርሃን" ኢሎም ኣጠሚቖሞ። ብርሃን ይዓድሎም። "ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ" ዝብልዎ ከም’ዚ’ዩ።

ወይዘሮ ግምጃ ድሕሪ መልኣከ ወደን ምውላደን ብሕጂ’ኸ ውላድ ክውስኻ ድየን ወይሲ የእኪለን’የን? “ድሕሪ መልኣከ-ብርሃን እንታይ ክደግማ!” ትብሉ ትህልዉ። ንወይዘሮ ግምጃ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ’ዚ ቅቡል ኣይኮነን። ንነዊሕ ኣርሒቐን ስለ ዝሓስባ፡ እተን ዓበይቲ ደቀን በዓል ሓረጉ፡ ብርኽትን ርግኣትን ድሮ ሓዳረን ሒዘን ስለ ዝኾና፡ መትኣርግቲ ትኾነን ጓል ክወልዳ ከም ዝምነያ ፍሉጥ’ዩ።

እንሆ ውን ንመበል ዓስራይ እዋን ወይዘሮ ምንያ እታ ዝተመነይኣ ጓል ወሊደን። ሓሳብ ልበን ሰሚሩሉን "ምንያ" ዝብል ስም ኣውጺኤናላ። ስለዚ መልኣከ ውን ሕሳስልደ ሓብቲ ረኺቡ።

ካልኣይ ክፋል

ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ብመጠኑ ተናኺፍናዮ ዝነበርና፡ ወላዲቱ ንመልኣከ ተኽለ (ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃ ግደ)፡ ንወለደን ሓንቲ ጓሎም እየን ነይረን። "ብተመን ዝተነኽሰ ብልሕጺ ይድሃል" ከም ዝብሃል ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ንበይነን ዘሕለፍኦ ዕድመ ክዝክራ ከለዋ፡ እዚ ነገር እዚ እንደገና ኣብ ደቀን ከይድገም ብዙሕ ይስከፋ ምንባረን ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ክፋል ዝተመልከትናዮ እዩ። ልዑል ፈጣሪኤን ግን ኣብዚሑ ውላድ ሂብወን ዓሰርተ ቆልዑ ወሊደን። መበል ታሽዓይ ግዜ ዝተወልደ መልኣከ እዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ መልኣከ ዝተወልደሉ እዋን፡ እተን ዓበይቲ የሕዋቱ ብዓል ሓረጉ፡ ብርኽትን ርግኣትን፡ ድሮ ሓዳረን ሒዘን ኣብ ነናብርአን ስለ ዝኸዳ፡ ወይዘሮ ግምጃ መትኣርግቲ ትኾነን ጓል ክወልዳ’የን ተመንየን። ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝርኣናዮ፡ ወይዘሮ ግምጃ ንዓስራይ ግዜ ሕሳስልደ ጓል ምስ ወለዳ፡ “ምንያ” ዝብል ስም እየን ኣውጺኤናላ።

ምንያ ክትውለድ ከላ መልኣከ ድሮ ጸባ ጡብ ኣዲኡ ገዲፉ እግሪ ተኺሉ ጐልጐል ኣይትጹሩኒ ክብል’ዩ ጀሚሩ ነይሩ። ምንያ ኣቕኒኣቶ ግዲ ኾይና ግን፡ ነቲ ተሓሪምዎ ዝነበረ ጸባ ጡብ ኣዲኡ እንደገና ክምለሶ ጀሚሩ። ኣብ ገደና ዕያውቲ ክሕሉ ጸኒሑ፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ሰዓት ንገዛ ኣትዩ፡ ምስ ምንያ ክጫረት ጀሚሩ። ወይዘሮ ግምጃ ድማ ዕረ ለኽየን ከየግድፍኦ፡ እታ ሕጻን ከይትልከም ወይ ውን ደንጊጸናሉ ግዲ ኮይነን፡ ክሳብ ዝመንዎ ስቕ ኢለን ገዲፈንኦ። ዳሕራይ ግን መልኣከ’ውን ልቢ የዕብዩ፡ ምንያ ኣደንጊጻቶ ባዕሉ ሓሲቡ ገዲፍዎ።

መልኣከን ምንያን ናይ’ቲ ጸባ ጡብ ኣዲኦም ብሓባር ተኻፊሎም ዝዓበይዎ ጠቒምዎም ግዲ ኮይኑ፡ እቲ "ተኻፊልካ ብላዕ" ዝብል ጽቡቕ ባህሊ ናይ ሕብረተ-ሰብና፡ ንመልኣከ ካብ ሕጻንነቱ’ዩ ለጊብዎ።

ንድሕሪት እሞ ምልስ ከብለኩም! ወይዘሮ ግምጃ ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ እዋን፡ ሓደ ወራሲ ዝኸውን ውላድ ሃበኒ ኢለን እየን ተማህሊለን። ፈጣሪ ኸኣ ኣብዚሑ ባሪኹ ዓዲልወን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ሰሪሑ በጃ ህዝቡ ዝሓልፍ ኣርሓ ጅግና ወዲ ወሊደን። መልኣከ ዝብል ስም ድማ ዓዲለንኦ።

መልኣከ ብትምህርቲ ምኽንያት ካብ ዓዲ ክሳብ ዝፍለ፡ ኣብ ትሕቲ ክቡራት ወለዱ’ዩ ዓብዩ። ካብቶም ኩሎም ኣወዳት ኣሕዋቱ እቲ ዝነኣሰ ሕሳስልደ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብወለዱን ብዓበይቲ ኣሕዋቱን ኣዝዩ ፍቱውን ሕንቁቕን ኰይኑ’ዩ ዓብዩ።

እታ ጅግና መልኣከ ተኽለ ዝተወልደላ ዓዲ ንኣምን፡ ከም ኩለን ዓድታት ናይ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ናይ’ቲ መሪር ናይ ነጻነት ቃልሲ፡ ሓንቲ ካብ’ተን መደበራት ናይ ተጋደልቲ’ያ ነይራ። ንብረት ገድሊ ኣብ ብዓትታት ናይ’ታ ዓዲ ንኣምን’ዩ ዝዕቆብ (ዝኽዘን) ነይሩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ደርጊ ነታ ዓዲ “ንእሽቶይ ሶርያ” ዝብል ሽም’ዩ ኣጠሚቕዋ ነይሩ። ብናይ ነፍርቲ ደብዳብ፡ ብናይ ተወንጫፊ ከቢድ ብረትን ብኣጋር-ሰራዊት ከይተረፈ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባን ንብረታን፡ ብብእዋኑ ዓቢ ክሳራ ወሪዱ’ዩ። ስንብራቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ገና ኣይወጸን ዘሎ። እታ መልኣከ ዝተወልደላን ዝዓበየላን ገዛ እንዳ ኣቦይ ተኽለ ባህታ ውን ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝዓነወት’ያ።

ታሪኽ ናይ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ክንጠቅስ ከሎና፡ ታሪኽ ናይ ኩሎም ጀጋኑ ስዉኣትና ማለት ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ተስፋ እናገበርኩ፡ ኣብ’ዚ ካልኣይ ክፋል ብዛዕባ ኣተዓባብይኡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ትምህርቱ ዘቶኮረ ክንርኢ ኢና።

ተማሃራይ መልኣከ ተኽለ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣብ ትሕቲ ወለዱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ንኣምን’ዩ የሕሊፍዎ። ሳላ ንፉዓት መማህራን ዝነበርዎም ድማ፡ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ንኣምን ካብተን ኣዝየን ዝተፈልጠት ቤት ትምህርትታን ናይ’ቲ ከባቢ ከም ዝነበረት’ያ ትፍለጥ። እቶም ናይ’ቲ እዋን እቲ መምህራን ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ምምህርና ሞያዊ ብቕዓቶም፡ ብዝበለጸ ድማ ኣባታውን ሕውነታውን ሓላፍነት ይስምዖም ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ንኣምን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ዘገልገሉ መማህራን እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ይርከብዎም።

1. መም/ ምሕጹን ገብረመድህን
2. መም/ እስቲፋኖስ ምስግና
3. መም/ ክብሮም ተኽለ
4. መም/ ኣርኣያ ተወልደመድህን
5. መም/ ስዩም ዘርኦም
6. መም/ ወለደየሱስ ዘርኦም
7. መም/ ኣፈወርቂ ነርኣዮ
8. መም/ ተዓገስ ገብረድንግል
9. መም/ ኣልኣዛር ምስግና
10.መም/ ገብራይ ሃብቱ
11.መም/ ኣሚነ ገብረትንሳኤ
12.መም/ ወልደየሱስ ዘሚኬኤል
13.መም/ ኣብርሄ ዘርኣየሱስ
14.መም/ የማነ ገብረድንግል
15.መም/ ተኽላይ ዘርኣየሱስ
16.መም/ ሓረጉ ቀለታ
17.መም/ ኣብርሃም ተ/መድህን
18.መም/ ገብረተንሳኤ
19.መም/ መንግስቱ

ቤት ትምህርቲ ዓዲ ንኣምን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራሕ እተምህር፡ መልኣከ ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ኣብ ኣስመራ’ዩ ተማሂሩ።

ተማሃራይ መልኣከ ተኽለ ብመሳትኡ ዝያዳ ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ከም ዝነበሮ’ዩ ዝሕበር። ንተፈታውነቱ ዝያዳ ዘድመቐቶ ድማ ሓንቲ ፍልይቲ ክእለት ነይራቶ - ፍሉይ ናይ ፋም-ፋም (Harmonika) ሙዚቃ ክእለት።

ከም’ቲ ወይዘሮ ጸጋ መሓሪ (ጓል ሓብቱ) ዘዕለለትኒ፡ መልኣከ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ ዕረፍቱ፡ (ልደት፡ ፋሲጋ፡ ቅዱስ ዮውሃንስ፡ መስቀል ወዘተ) ንመሳትኡ ብፋም ፋም ጌሩ ኣብ ፈቐዶ ጓይላታት የዘናግዖም ከም ዝነበረ’ያ ትዝክር።

ወዲ ዓዲ ንኣምን ዮውሃንስ ወዲ ቐሺ’ውን ነዛ ፋም-ፋም እዚኣ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝዝክራ። መልኣከ በዛ ፋም-ፋም እዚኣ ጌሩ ንደቂ ዓዲ ኣብ ፈቐዶ ጓይላ ከጻውቶም ከሎ፡ ኣብ መንጎ መታን ከበሮ ክሃርምን ክስዕስዕን፡ ድምጺ ናይ’ታ ፋም-ፋም ስለ ዝበላሾ፡ እቶም ዓበይቲ ሰባት “ስማዕ ወዲ ተኽለ! ነዛ ፋም-ፋምካ ወይ ጽቡቕ ጌርካ ሓዛ፡ ወይ ኔው በላ!” እዮም ዝብልዎ ነይሮም።
.
መልኣከ ተኽለ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ውድድር ዘለዎ ዓይነት ጸወታታት ይፈቱ ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ግኑናት ዝነበሩ ስፖርታዊ ውድድራት ኣዂድር (ስመ)፡ ጥንቢ፡ ሸለል፡ ዝላ፡ ኣስቲ፡ ጉያ ቅድድም፡ ኣባጐዳዕ (እዋን ዓርቢ ስቕለት ዝጽወት)፡ ጉያ ቅድድም ወዘተ ይርከብዎም። እዞም ዓይነት ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎም ዓይነት ጸወታታት፡ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሲ ንጅግና መልኣከ ተኽለ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከም ዝነበሮም ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሓደ ካብ’ቲ ንስዉእ መልኣከ ተኽለ “ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ” ዘስመይዎ ረቛሒታት፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዘርእዮ ዝነበረ ቆራጽነቱ’ዩ።

ንጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ ኣብ ናይ ቃልሲ ሂወቱ ዝያዳ ጽልዋ ዘሕደረሉ ናይ ሕብረተ-ሰብና ጽቡቕ ባህልታት ጸብጺብካ ዝውድኡ እኳ እንተ ዘይኮኑ፡ ሓደ ከም ኣብነት ክትቀስ ዝግብኦ፡ ኣብ’ቲ ንሱ ዝዓበየሉ ናይ ሓረስቶስ ሕብረተሰብና ዝነበረ ናይ ሓቢርካ ተኻፊልካ ምንባር ባህሊ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ሓረስቶት ሃገርና ኣብ ወርሒ መስከረም ነቲ ናይ መጀመርያ ፍረ-ጻማ ሕርሻኦም (ሸዊት ገደና)፡ እቲ ዘለዎ ምስ’ቲ ዘይብሉ፡ እቲ ሃብታም ምስ’ቲ ድኻ ተኻፊሎም’ዮም ብሓባር ዝቐምሱ። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ወርሒ መስከረም ናይ ሓጐስን ናይ ፍቕርን ወርሒ’ያ። ኣብ ነንሕድሕድካ ምትሕልላይ ተዘውትረላ፡ ርኹብን ስኡንን፡ ሃብታምን ድኻን ማዕረ ዝኾነላ፡ ብሓባር ተኻፊልካ ትበልዓላ ወርሒ’ያ። መልኣከ ክዓቢ ከሎ ድማ ነዚ ባህሊ’ዚ ብጽቡቕ እናኣስተማቐረ’ዩ ዓብዩ። ነዛ "ተኻፊልካ ብላዕ" እትብል ጽብቕቲ ባህሊ ናይ ሕብረተሰብና ድማ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ ኣብ ናይ ቃልሲ ጉዕዝኡ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝጥቀመላ ነይሩ።

መልኣከን መሳትኡን ራብዓይ ክፍሊ ምስ ወድኡ፡ ናብ ሓሙሻይ ክፍሊ ዘሕልፍ መእተዊ ፈተና (General Examination) ሓለፎም’ዮም ናብ ኣስመራ ግዒዞም። ሓሙሻይ ክፍሊ ኣብ መባእታዊት ቤት ትምህርቲ እተገ- መነን ተማሂሮም። ንዓመታኡ ሻዱሻይ ክፍሊ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣኽርያን ናብ’ታ ሓዳስ ዝተመረቐት ቤት ትምህርቲ ኣርባዕተ ኣስመራ ተመቓቒሎም። ሻቡዓይን ሻሙናይን ክፍሊ ኣብ ቤት ገርጊሽ ተማሂሮም። ናብ ካልኣይ ደረጃ መሕለፊ ፈተና ወሲዶም መልኣከን ገለ ካብ መማህርቱን ዝልዓለ ነጥቢ ዘምጽኡ፡ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ሳንታ ፋሚልያ ተመዲቦም። ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ኣብ ሳንታ ፋሚልያ፡ መልእከ ናብ ከረን‘ዩ ታሽዓይ ክፍሊ ተማሂሩ። ቀጺሉ ድማ መበል ዓስራይ ክፍልን ዓሰርተው ሓደን ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮንን ወዲኡ። ብድሕሪኡ መበል ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ሃይለ ስላሰ ዩኒቨርሲቲ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ። ብድሕሪኡ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ እናተማህረ ከሎ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ንሜዳ ከይዱ።

ኣብ ኩለን እተን መልኣከ ዝተማህረለን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ንሱ ከም ተማሃራይ ዝተጻወቶ ግደን ብኸመይ ከም ዝተማህረን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ ምስቶም ብዙሕ ታሪኽ ዘለዎም ሓለቓ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣማኑኤል ገብርሀት (ኣቦይ ግረጅ) ዘሕለፎ ዝንኣድ ታሪኽ፡ ከምኡ ውን ምስ ደናግል መምህራን ሳንታፋሚልያ ዝነበረ ቊርቊስን ከይጠቐስካዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምሉእ ዝርዝር ናይ‘ዚ ኣብ‘ታ ሌላ ምስ መልኣከ ተኸለ እትብል መጽሓፈይ እኳ እንተ ሃለወ፡ ንገለ ካብኡ ኣብ‘ዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

መልኣከን መማህርቱ ደቂ ዓዲ ንኣምንን ሓሙሻይ ክፍሊ ምስ ሓለፉ፡ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ ኣስመራ ገዛ ተኻርዮም እዮም ተማሂሮም። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ዕድሚኦም ደቂ 12 ዓመት፡ እንተበዝሐ ከኣ ደቂ 12 ዓመት እዮም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ናብርኦም ምስ ወለዶምን ምስ ዓዲ ንኣምንን ዝተሓሓዘ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንገዛ ክራይ መኽፈሊ ዝኾኖም ገንዘብ፡ መግቦም፡ ኣስቤዝኦም ኮታ ኩሉ ዘድልዮም ነገራት ካብ ዓዲ’ዩ ዝመጾም ነይሩ።

ኣብ’ቲ ዕድመ’ቲ ከመይ ጌሮም ነብሶም ክኢሎም ተማሂሮም ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን’ዩ። እቶም ኣብ ኣስመራ ቤተ-ሰብ ዝነበርዎም፡ ምስ ቀረቦም ተጸጊዖም ክመሃሩ ከለዉ፡ እቶም ቤተ-ሰብ ዘይብሎም ግን ባዕላቶም ነብሶም ክኢሎም’ዮም ዝምሃሩ ነይሮም። ዓቕሚ ዝሓጸሮም ድማ ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ከም ዝነበሩ ክዝከር ይግባእ።

ብገዛ ክራይ ክንጅምር። ብዓል መልኣከ ንገዛ ክራይ መኽፍሊ ዝኾኖም ገንዘብ ካብ’ቲ ብወለዶም ዝልኣኸሎም ዝነበረ ዕንጨይቲ እናሸጡ እዮም ተማሂሮም። እቲ ዕንጨይቲ ካበይን ብኸመይን ይረኽብዎ ከም ዝነበሩ ርእሱ ዝኸኣለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ታሪኽ እዩ። ካብ ዓዲ’ዩ ብባቡር ዝልኣኸሎም ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ዓዲ ንኣምን ዕንጨይቲ ናብ ዕዳጋ ወሲድካ ምሻጥ ክልኩል’ዩ ነይሩ። ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ መሬት ብኸንቱ ከይበርስ ንምክልኻል ዝኣክል’ዩ ኮይኑ፡ ንውሱን ነገራት ጥራሕ’ዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም። ሓደ ካብኡ ኣብ ጥቕሚ መምሃሪ ደቆም ዝውዕለሉ ጥራሕ እዮም ዘፍቅዱ ነይሮም።

ነብሲ ወከፍ ወላዲ ደቁ ኣብ ኣስመራ ሰዲዱ ዘምህር፡ ኣብ ሰሙን ከክልተ ጀንቢል (ዕስራ ኪሎ ዝምዘን) ዕንጨይቲ ይፍቀደሉ ነይሩ። ስለዚ መልኣከን ብጾቱን ነቲ ካብ ወለዶም ብባቡር ዝልኣኸሎም ዝነበረ ዕንጨይቲ ሸይጦም እዮም ኣብ ኣስመራ ተማሂሮም። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክምስገኑ ዝግብኦም እቶም ወለዶም ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እቶም ጥቕሚ ትምህርቲ ጽቡቕ ጌሮም ዝተረድኡ ለባማት ሽማግለታት ዓዲ ንኣምን’ውን እዮም።

እቲ ናብ በዓል መልኣከ ብባቡር ዝልኣኽ ዝነበረ ዕንጨይትን ስንቅን፡ ኣብ ኣብረሽቖ’ዩ ኣብ ባቡር ዝስቀል ነይሩ። ኣብ’ቲ መዕርፎ-ባቡር ሓላፊ ዝነበሩ ባሻይ ሱሌማን ዓብደላ ዝተባህሉ ነቲ ስንቅን ዕንጨይትን፡ በብሓደ ኣስማት ናይ ተቐበልቲ ብግቡእ ለጢፎም እዮም ኣብ ባቡር ዘስቅልዎ ነይሮም [1]። ባቡር ኣስመራ ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ መዕርፎ ባቡር (ፎሮብያ) ክጽበዩ ዝጸንሑ በዓል መልኣከ፡ ጀናቢሎም ብቐሊሉ ኣለልዮም ይወስዱ።

ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሰሙን ክልተ ጀናቢል ዕንጨይቲ’ዩ ዝልኣኸሎም ነይሩ። እታ ሓንቲ ጀንቢል ተሸይጣ ንኽራይ ገዛ መኽፈልን ንሓደ ሓደ ኣስቤዛን ይጥቀሙላ። ነታ ካልኣይቲ ድማ ንመግቦም መሰንከቲ ይጥቀሙላ።

በዓል መልኣከ ነቲ ዕንጨይቲ ንምሻጡ ጸገም ኣይነበሮምን። ኣብ እንዳ ባቡር (ፎሮብያ) ዕንጨይቲ ዝገዝኡ ናተይ ኢሎም ዝጽበዩ ዓማዊል ብዙሓት’ዮም ነይሮም። ብፍላይ ድማ ስዋ ዝጾማቋ፡ ንዕድሮ ማዕጠና ስለ ዝጥቀማሉ፡ ንሳተን እየን ቀንዲ ዓማዊሎም ነይረን።

ዕንጨይቲ ኣውሊዕ ኩሉ ሰብ’ዩ ንዓይ ንዓይ ዝብሎ። ኣውሊዕ ድርብ መኽሰብ’ዩ ዘለዎ። ምስ ነደደ ከም ካልእ ዕንጨይቲ ናብ ሓሙኽሽቲ ዘይኮነ፡ ናብ ፍሓም ስለ ዝቕየር፡ ክልተ ሳዕ ኢኻ ትጥቀመሉ። እተን ንማዕጠና ዝገዝእኦ ዓማዊል፡ እንደገና ነቲ ፍሓም ሸይጠን እንተ ውሓደ ፍርቂ ዋጋ ናይ’ቲ ዝገዝኣሉ ይምለሰለን ማለት’ዩ። ኣምሓራ “ቆዳ መልስ” ዝብልዎ ከም’ዚ ምስ ተረኽበ’ዩ። ብክልተ ቅርሺ ዝገዛእካያ በጊዕ፡ ቆርበታ ብክልተ ቅርሺ ዝሽየጠሉ አዋን ውን እኮ ነይሩ’ዩ።

ኣውሊዕ ግን ኣብ ዝኾነ ቦታ ብቐሊሉ ዝርከብ ዕንጨይቲ ኣይኮነን። ዕድለኛታት ዓድታት ዓዲ ንኣምን ግን፡ ንበረኻታት ዓዶም ብስርዓት ስለ ዝሕዝዎ ዝነበሩ፡ ኣብ’ቲ እዋን እቲ ኣውሊዕ ፈቐድኡ’ዩ ነይሩ።

እዚ ኹሉ ብዛዕባ ዕንጨይቲ ኣውሊዕ ዘዛርበና ዘሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። መልኣከን መሳትኡን ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሞም’ዮም ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ነብሶም ክኢሎም ተማሂሮም። እቲ ናብራ ቀሊል’ዩ ነይሩ ማለት ግን ኣይኮነን። ተወሳኺ ሓገዝን ምትብባዕን ዝገብረልካ ሰብ እንተ ድኣ ዘይብልካ፡ ገዛ ተኻሪኻ ነብስኻ ክኢልካ ክትምሃር ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ብዙሕ ጻዕሪ’ዩ ዝሓትት። ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ደቂ ገጠር ተማሃሮ ብሰንኪ ዝሕግዞም ቤተ-ሰብ ኣብ ከተማታት ዘይምርካቦም፡ ትምህርቶም ከቛርጹ ዝተገደዱ ውሑዳት ኣይኮኑን።

መልኣከን ብጾቱን ነብሶም ክኢሎም ንኸም’ዚ ዓይነት ከቢድ ናብራ ተጻዊሮም ክዕወቱ ምኽኣሎም ኣዝዩ ክድነቕ ዝግብኦ’ዩ። እዚ ንርእሱ ዓቢ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ እንዕዘቦ “ርእሰ-ተኣማምነትን ጽንዓትን” ናይ ጅግና ስውእ መልኣከ’ዩ ዝመርሓና። ገዛ ተኻሪኻ፡ ባዕልኻ ነብሳኻ ክኢልካ ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ክትበጽሕ ምቅላስ፡ ጉዳይ ሃገር ዓዚዙካ ድማ ካብ ሃገራዊ ኒሕ ተለዓዕልካ ትምህርትኻ ኣቛሪጽካ ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸንቢርካ ብጅግንነት ምስዋእ፣ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። መልኣከን መሳትኡን ነዚ ሰጊሮም’ዮም ትምህርቶም ቀጺሎም፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ግቡኦም ፈጺሞም ሓሊፎም። ብዛዕባ’ዚ ዝምለከት ኣብቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ተገሊጹ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ ዝመጽእ ክፋል መጀመርያ ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤት ጊዮርቲስን ኣብ ሳንታፋሚልያን ዘሕለፎ ታሪኽ ሂወቱ ክንርኢ ኢና።

ግርማይ ቦኽረ
[email protected]
Last edited by Zmeselo on 13 Dec 2019, 18:21, edited 1 time in total.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ

Post by Zmeselo » 13 Dec 2019, 18:20

Eri-TV ካብ ሰነዳት: ስዉእ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ዉጩ):


Post Reply