Page 1 of 1

saveAdna: እዚ ዘይሳኻዕ እንተኾይኑ ድማ ብወታደራዊ ሓይሊ ንትግራይ ምጉዕፃፅ

Posted: 06 Dec 2019, 17:08
by Abe Abraham

saveAdna wrote:

ኣዝዩ ኣገዳሲ ግን ድማ መሻቐሊ ሓበሬታ እዩ፣

ብመንግስቲ ኣሜሪካ ሙሉእ ወፃኢ ስራሕቱ ዝውግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ OTI (Office of Transitional Initiative) ዝብሃል ቤት-ፀሕፈት ተኸፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለው።

ሰራሕተኛታት እዚ ቤት ፅሕፈት ፀዓዱ ኣሜሪካውያንን ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዎም ኣምሓሩን እዮም። ብደገ ኮይኖም ዝሕግዙ ካልኦት ብዙሓት እውን ዘለው እንትኾኑ ካብዚኦም ክልተ ኣብ መከላኸሊ ሃገር ኣብ ጠርዚ መሪሕነት ዝነበሩ ተጋሩ እውን ከምዝርከቡዎም እዩ ተፈሊጡ ዘሎ(ንግዚኡ ስሞም ይፅናሕ)

እዚ ቤት ፅሕፈት እቲ ሐዚ ይካየድ ዘሎ "ስግግር"፣ "ውህደት" ወ.ዘ.ተ ወ.ዘ.ተ ዝብሃል ብድራማታትን ብደምን ዝተሰነየ ኣሽካዕላል ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ዘሎ እዩ።

OTI እቲ ስግግር ብዕዉት መንገዲ ንኽዛዘም ህወሓት ኣካል እቲ ውሁድ ፓርቲ ናይ ግድን ክኸውን ከምዘለዎ ደምዲሙ ኣሎ።

እዚ ክዉን ንኽኸውን ክልተ መማረፂታት ተቐሚጦም ኣለው፤

- ብገንዘብ፣ ብስልጣን ሓቢልካ ንዝተወሰኑ ኣመራርሓ ኸዲዖም ናብ ብልፅግና ፓርቲ ክፅምበሩ ምግባር፤

- እዚ ዘይሳኻዕ እንተኾይኑ ድማ ብወታደራዊ ሓይሊ ንትግራይ ምጉዕፃፅ


እዚ ጉጅለ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝገብሮ ኩሎም ዘለውዎ ሓበሬታታት፣ ዘንፀባርቖም ሓሳባትን ኣረኣእያታትን 100 % ብኣረኣእያ ልሂቃን ኣምሓራ ዝተቓነየ ምዃኑ እዩ። እቶም ካልኦት(ተጋሩ ነበር ኣመራርሓ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ሓዊሱ) ኣብቲ ጉጅለ ዘሎ ዝምቡዕ፣ ሓደገኛ ኣረኣእያ ንምእራም ድሌት ድዩ ሓቦ ኣለዎም ዶ የብሎምን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ዘፅኣት- ሕዳር 26፣ 2012 ዓ.ም ግእዝ።