Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
JudgementDay1234
Member
Posts: 2977
Joined: 10 Mar 2016, 11:47

Did crazy isias afewerki from tigrai open the border with tigrai? What is crazy debrezion talking about? Crazy leaders.

Post by JudgementDay1234 » 02 Dec 2019, 09:53

ህግደፍ ዶብ ከፊትዎ ድዩ?
( መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝምድና ትግራይን ኤርትራን እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ?)

"......በዓለ ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ዝመፃኹም ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ድሌት ሰላምን ልምዓትን እኳ እንተኾነ ዓሚ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሰላም በቲ ክኸውን ዝግበኦ ሰለጤን ዘየብሉ ዕንፅልፅል ኢሉ ንሪኦ ኣለና።

ይኹን እምበር ክልቲኡ ህዝቢ ብደም፣ ብቋንቋ፣ ባህልን ታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ክትፈላልዮም ዘይትኽእል ህዝብታት እዮም። ኣቱም ናይ ክልቲኡ ህዝቢታት ሰላም ናብ ንቡር ከይምለስ ተዕንቅፉ ዘለኹም ወገናት ርክባትና ክደናጎይ ካብ ምግባር ሓላፍኩም ክተበላሽዉ ከም ዘይንፈቕደልኩም ኩሉ ውዲትኩም ብግቡእ ቃልሲ ቅድሚ ምፍሻሉ ደጊምኩም ምዕሩይ ታሪኽ ክትፅሕፉ ንምዕደኩም።

ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ዝምድና ብምሕያል ናይ ኩልና ረብሓ ዘረጋግፅ ዝተማልአ ሰላምን ስምምዕን ንክንበፅሕ ፃዕርና ክነዛይድ በዚ ኣጋጣሚ ሰናይ ፃውዒትና ነቕርብ። እቲ ቁልፊ ዛዕባ ዝፀንሐ ፀገም ተፈቲሑ ክልቲኦም ህዝብታት ተኸባቢሮም ብነፃነት ዝለምዕሉን ብሓባር ዝነብርሉን ደጊሙ ንድሕሪት ዘይምለስ ንክኸፋፉልና ንዝደልዩ ኣካላት ሓጓፍ ዘይገድፍ ሕግን ስርዓትን መሰረት ዝገብር ናይ ብሓቂ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ዝምድና ክህልወና ኢና ንደሊ።

ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትግራይ ንዓኹም ዓዲ ጓና ዘይኮነስ ካልኣይ ገዛኹም ብምኻኑ ንገዛኹም ትህብዎ ክብሪ ሂብኩም ሐዚ'ውን ብዘይ ሰኸፈት ነፃ ኮይንኩም ክትንቀሳቐሱን ክትሰርሑን ዝከኣል ኩሉ ምግባር ክንቅፅል ኢና።"

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 21 ሕዳር 2012 ዓ/ም