https://www.facebook.com/10000927940548 ... 199201103/
7) ወግዓዊ ምቕባል ኤርትራ
ንእማመ ሰላም ው.ሓ.ኣ. ን፡
ምቕጻል ኲናት ጭፍራ ወያነን (8ይ ክፋል)
*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*~*
ሰክረታሪያ ው.ሓ.ኣ. ፡ ኣብቲ "ባይታ ንስምምዕ ው.ሓ.ኣ" ተባሂሉ ዝፍለጥ እማመ ሰላም፡ ብዕለት 26 ጥሪ 1999 ንኤርትራ ብጽሑፍ መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ እዋን'ቲ ስርዓት ወያነ "ኤርትራ ንእማመ ሰላም ው.ሓ.ኣ ኣይትቕበልን እያ" እናበለ ይሽቕጥ ብምንባሩ፡ ምስ መግለጺ ወያነ ብምድንጋጽ ገለ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ወገናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጽዕኖ ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ብምንባሮም፡ ከምኡ'ውን ናይ ኤርትራ ናይ መብርሂ ጠለብ ጭፍራ ወያነ ንዝያዳ ተጻብኦ ንኸይጥቀመሉ፡ ኤርትራ ንናይ ው.ሓ.ኣ. ባይታ ንስምምዕ ብወግዒ ከም ዝተቀበለቶ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ27 ለካቲት 1999፡ ናብ ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ኣቦ መንበር ው.ሓ.ኣ፡ ኣቦ መንበር ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ዋና ጽሓፊ ው.ሕ.ሃ ዝሰደዶ መልእኽትታት ብጽሑፍ ሓቢሩ።
ኤርትራ ንተበግሶ ው.ሓ.ኣ. ብምቕባላ ሓጎስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ። ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ብ27 ለካቲት 1999 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ባይታ ንስምምዕ ው.ሓ.ኣ. ብምቕባላ ከመጉስ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣቀዲማ ከም ዝተቐበለቶ ብምጥቃስ፡ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦ ብህጹጽ ደው ክብልን፡ ሓይሊ ምጥቃም ከይህሉን ጸዊዑ። ብዕለት 28 ለካቲት ውን፡ ፕረሲደንት ኣመሪካ ቢል ክሊንቶን፡ ኣቦ መንበር ው.ሓ.ኣ. ፕረሲደንት ብሌዝ ካምፓወረ፡ ዋና ጽሓፊ ው.ሓ.ኣ. ኣብ ዘውጻዎ መግለጺታት፡ ኤርትራ ባይታ ንስምምዕ ው.ሓ.ኣ. ምቕባላ ብምምጓስ ኲናትን ተጻብኦን ከብቕዕ ጸዊዕም። ከምኡ'ውን መንግስታት ፈረንሳ፡ ጃፓንን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኤርትራ ንእማመ ሰላም ምቕባላ ኣሞጊሶም።
ኤርትራ ንእማመ ሰላም ምቕባላ ብዙሓት መራሕቲ ጭፍራ ወያነ ግን ከም ዘይተሓጎሱ ገሊጾም። ስርዓት ወያነ ኣብቲ ብሓደ መጋቢት 1999 "ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም'ያ ትደሊ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕላምኡ ክሳብ ናብ ምውዳቕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝመጣጠር ብወግዒ ገሊጹ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ዕለት'ዚ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ንመግለጺ ባይቶ ጽጥታ ማለት፡ ኲናት ደው ክብልን እቲ ግጭት ብሰላም ክፍታሕን፡ ናብ ክልቲኤን ሃገራት ኣጽዋር ከይሽየጥን ስለ ዝጸውዐ ንባይቶ ጸጥታ ወቒስዎ። ኣፈኛ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዳዊት ዮውሃንስ ብ3 መጋቢት 1999 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገሩ ኲናት ደው ክተብል ድልውቲ ከም ዘይኮነት ገሊጹ።
ካብ መግለጺታት መራሕቲ ጭፍራ ወያነ ከም ዝበርሀ እቲ ጭፍራ ንእማመ ሰላም ው.ሓ.ኣ. ከም ዘይተቀበሎ እዩ ዘነጽር። ንመስርሕ ሰላም ኮነ ኢልካ ንምብርዓን ድማ ነዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓድሽ ቅድመ-ኩነት ኣቕረቡ፡-
1 - ኤርትራ፡ ካብቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ግንቦት 1998 ዝሓዘቶ ቦታታት ኢትዮጵያ ሓይልታታ ብህጹጽን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነትን ክትስሕብ፡
2 - ኤርትራ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቦታ'ዚ ንኽምለስ ክትቕበል፡
3 - ኤርትራ፡ በቲ ዝወላዓቶ ኲናት፡ ዝወረደ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ሙሉእ ሓላፍነት ክትስከም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ፡ ብ8 መጋቢት 1999 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ፡-
" ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጠለባት ኢትዮጵያ ስለ ዘይተቀበለት፡ ንናይ ው.ሓ.ኣ. ባይታ ንስምምዕ ከም ዝተቀበለቶ ኢትዮጵያ ትጠራጠር እያ። ስለዚ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት፡ ኣንጻር ኤርትራ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክንከፍት ኢና " ኢሉ። ከም መግለጺኡ ድማ ብ14 መጋቢት 1999፡ ኣማኢት ታንክታትን ዓበይቲ ኣጽዋርን፡ ካብቲ ብሶቭየት ሕብረት ዝፍለጥ ዝነበረ ቦታታት ዝመጹ ዕሱባት ወጻእተኛታት ዝመርሕወን ዓሰርተታት ነፈርቲ ኲናትን ኣሰሊፉ፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብግንባር ዓሊተና-መረብ ክንፊ ጾሮና ኲናት ከፊቱ።
ወተሃደራዊ ዕንደራ ስርዓት ወያነ፡ ከምቲ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ልኡኻት ኣገልግሎት ዜናታት ብዓይኖም ርእዮም ዝመስከርዎ፡ ብሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ ተጸፊዑ ዓቢ ፍሽለት እዩ ኣጋጢምዎ። ኣብዚ ኲናት'ዚን ኣብቲ ብመጠኑ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራትን ዝኸፈቶ መጥቃዕትታትን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራቱ ምውታትን ቁሱላትን ኮይኖም፡፡ 57 ታንክታትን፡ ነፈርቲ ኲናትን ሄሊኮፕተር ተሃሪመን ክሕምሸሻን ክዓንዋን እከለዋ፡ ሓንቲ ሄሊኮፕተር MI 35 ን፡ ካልእ ኣጽዋርን ተማሪኹ። ሰራዊት ወያነ ድማ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ሞራላውን ክሳራ ወረዶ።
ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላም ክዓርፍ ናይ ዝደልዩ ወገናት ጻዕሪታት ግን ደው ኣይበለን። ሓያለይ ሞንጎኛታት ምስ ሓለፍቲ ክልቲኤን ሃገራት ተራኾቦም። ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጽሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኮፊ ኣናን ዝኾነ ኣምባሳደር መሓመድ ሳሕኑን ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን 1999 ተኸታተልቲ ዑደታት ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣካይዱ። ኣፈኛ ው.ሓ.ኣ. ኢብራሂም ደገሽ ብወገኑ፡ ብ2 ግንቦት 1999 ናብ ክልቲኤን ሃገራት ብምብጻሕ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ከብላ ጸዊዑ። ብ11 ግንቦት 1999 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንልኡኽ ኣቦ መንበር ው.ሓ.ኣ.ን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪናፋሶ ዮሱፍ ኣውድሪጎ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣብዛ መዓልቲ'ዚኣ ልኡኻት ኡጋንዳን ርዋንዳን ተቀቢሉ እቲ ዶባዊ ግጭት በጺሑዎ ዘሎ ምዕባለ ገሊጹሎም። ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ እንተሂባ፡ ኤርትራ ንናይ ው.ሓ.ኣ. ባይታ ንስምምዕ ንምትግባር ምስ ው.ሓ.ኣ. ክትተሓጋገዝ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹሎም።
እንተኾነ ግን እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ጻዕርታት ብሰንኪ ድርቕና ስርዓት ወያነ፡ ፍረ ክህብ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ወያነ ጽዑቕ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ ቀጺሉ። ነፈርቲ ኲናት ጭፍራ ወያነ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ፡ ቀንዲ ካብኤን ኣብ ዓሰብ፡ ዓዲ ቀይሕን ምጽዋዕን ብምድብዳብ ንብረት ብምቕጻል፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ጉድኣት ኣውሪደን።
ውጽኢት ጉባኤ መራሕቲ
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣልጀርስ
*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*-*
መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ው.ሓ.ኣ. ብ12 ሓምለ 1999 ኣብ ኣልጀርስ ኣልጀርያ ተቃኒዑ። እዚ ልዕሊ 30 መራሕቲ ሃገራትን፡ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ውድባትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሓደ ካብኡ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመያይጡ። ንዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ብዝምልከት ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ "ኣተገባብራ ባይታ ንስምምዕ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓሳባት ኣቕሪቡ። ቀንዲ ካብ ትሕዝትኡ ከኣ፡-
ት
1 - መሬት ብሓይሊ ዘይምምንዛዕ ንዝብል መትከል ምኽባር፡
2 - ኤርትራ፡ ሓይልታታ ካብቲ ድሕሪ 6 ግንቦት 1998 ዝሓዘቶ ቦታታት ክትስሕብ፡
3 - ኢትዮጵያ፡ ሓይልታታ ካብቲ ድሕሪ 6 ለካቲት 1999 ዝሓዘቶ ቦታታት ክትስሕብ፡
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡-
"ኤርትራ ነዚ ቀሪቡላ ዘሎ ናይ ው.ሓ.ኣ. ባይታ ንስምምዕን ኣገባብ ኣተገባብራን ብከምዚ ዝስዕብ ከም እትርድኦ ገሊጹ፡-
1 - መሬት ብሓይሊ ዘይምምንዛዕ ዝብል መትከል ክልቲኦም ሸነኻት ብማዕረ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ዝተመንዝዑ ቦታታት ከም ዝምልከት፡
2 - ምፍንታት ሰራዊትን መሰጋገሪ መድረኽን ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ንልኡላውነት ናይቲ ቦታ ከም ዘይውስን፡
3 - እቲ በዚ ግጭት ዝሰዓበ ጉድኣት ንምሕዋይ፡ ሰራዊት ኣብ ምፍንታት ጥራይ ከይተሓጸርና፡ ሰላማውያ ሰባት ናይ ምስጓግ ተርእዮ'ውን ክፍታሕ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ዕንወት ክተሕዊ ዘይከኣል'ኳ እንተኾነ ብዝወሓደ ግን ዝተዘረፈ ንብረቶም ክምለሰሎም፡
4 - ዶብ ክልቲኤ ሃገራት ብህጹጽ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምምልካት፡
በዚ መረዳእታ'ዚ መሰረት፡ ምእንቲ እንደልዮ ሰላም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ምእንቲ ሰላም ኢትዮጵያን መላእ ኣህጉርናን፡ ኤርትራ ነዚ ብላዕለዋይ ሽማግለ ኣፍሪቃ ዝተዳለወ ኣገባብ ኣተገባብራ ባይታ ንስምምዕ ው.ሓ.ኣ. ተቐቢላቶ ኣላ ። "
መርገጺ ኤርትራ ኣብ እማመ ሰላም ንጹርን ብወግዒ ዝተቐበለቶን'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ልኡኽ ስርዓት ወያነ፡ ኣብቲ ኣብ መበል 35 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐረበ እማመ 'ይቕበሎ ድዩ ይነጽጎ' ብወግዒ ከፍልጥ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ጸለመ ዘመተታት ኣብ ምንዛሕ'ዩ ኣተዂሩ። ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰ'ውን ብዛዕባቲ እማመ ምስ ተሓተተ፡ "እዚ ብትካላት መንግስቲ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ፡ መብርሂ'ውን የድልየና ኣሎ" ብምባል ንመስርሕ ሰላም ንምድንጓይን ናይ ምድንጋርን መናወራታትን ምትላልን መርገጺኡ ቀጺልዎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ስዩም መስፍን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጋዜጣ "ሪፖርተር" ብሓምለ 1999 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ቀንዲ መትከላዊ ትሕዝቶ ኣገባብ ኣተገባብራ፡ ብሓይሊ መሬት ዘይምሓዝ ዝብል እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኤርትራ ካብቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ግንቦት 1998 ዝሓዘቶ ቦታታት ሓይልታታ ክተውጽእ ማለት እዩ። " ክብል ገሊጹ።
ብቀዳምነት፡ እቲ መሬት ብሓይሊ ዘይምሓዝ ዝብል መትከል ንስርዓት ወያነ'ዩ ዝምልከት። ምኽንያቱ ብ1997 ኣብ ዓዲ ምሩግ መሬት ኤርትራ ብሓይሊ ጎቢጡ ዝሓዘ፡ መሬት ኤርትራ ኣብ ካርታ ትግራይ ብምእታው ኣብ ባይታ ንምርግጋጹ ሓይሊ ዝተጠቕመን ንሱ ስለ ዝኾነ ። ይኹን እምበር እቲ "ኣተገባብራ ባይታ ንስምምዕ" ሰፊሩ ዘሎ መሬት ብሓይሊ ዘይምሓዝ ዝብል መትከል፡ ንክልቲኤን ሃገራት ብማዕረ ዝምልከተን ክንሱ፡ ስዩም መስፍን ኮነ ኢሉ ጎስይዎ ክሓልፍ ፈቲኑ። መራሕቲ ወያነ ብናታቶም ድልየትን ዊንታን ክትርጉምዎ መሰል የብሎምን፡ እዚ ጉዳይ'ዚ ሓላፍነት ኣቦ መንበር ው.ሓ.ኣ. ን ዋና ጽሓፊ ናይቲ ውድብን እዩ።
ብ23 ሓምለ 1999 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኻት ው.ሓ.ኣ. ኣሕመድ ኦያሕያ ናይ ኣመሪካ ኣንቶኒ ሌክን ተቐቢሉ፡ ኤርትራ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕርታት ክትተሓጋገዝ ድልውቲ ምዃና ከረጋግጸሎም እንከሎ፡ ባይቶ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ግን ሓይልታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምጥቃዕ ኣብ ሙሉእ ተጠንቐቕን ድልውነትን ክኾኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ'ውን "ትግባረ እማመ ሰላም ክትግበር እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ካብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታታት ብይናዊ ምስሓብ ሰራዊት ክትገብር ኣለዋ" እንዳበላ ንርእይቶ ህዝብታት ኢትዮጵያን ዓለምን ኣብ ምድንጋር ተጸምዳ።
ምንጪ ፡ መጽሓፍ፡ ሕድገት ዘየፍቕድ መሰል
ይቕጽል . ........