Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Who is waging an Entomological warfare on Tigray ?

Post by Abe Abraham » 26 Oct 2019, 01:39



saveAdna

ወራር ዕስለ ኣምበጣ ሃንደበታዊ ሓደጋዶ ወይስ መሳርሒ ባዮሎጂካዊ ኲናት?

ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ባልዓት ብምርባሕ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ጥቕዓት ምፍፃም ብተደጋጋሚ ዝተርኣየ እዩ።
እዚ ኲናት Entomological warfare (EW) ዝብል ሳይንሳዊ መፀውዒ እውን ተዋሂቡዎ እዩ።

- ኣብ ኣጋ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ 1941 ዓ.ም.ፈ Noborito Research Institute ኣብ ዝብሃል ትካል ብመሪሕነት ጀነራል Shirō Ishii ኣብ ላቦራቶሪ ዝተራብሑ ቢልዮናት ሃመማታትን ካልኦት በረርቲን ዝተፈላለዩ ተላበድቲ ሕማማት ዘስዕቡ ባክተርያታት ኣብ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብምልምጣጥ ትሕት ኢሎም ብዝበሩ ብኣውሮፕላናት ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ቻይና ክብተኑ ተገይሩ። ብሰንኪ እዚ ልዕሊ 500,000 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ቻይና ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ሃሊቑ እዩ።ብ2002 ዓ.ም.ፈ ብሕቡራት መንግስታት’ውን ዝተዋቐረ ናይ ኤክስፐርታት ጉጅለ ጃፓን በዚ መልክዕ ንህልቀት 440,000 ቻይናውያን ተሓታቲት ከምዝኾነት ገሊፁ፣ ጃፓን እውን ይቅርታ ሓቲታትሉ እያ።

- ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ፈረንሳይ እውን ብዕሰለ ባልዓትን ብሕማም ተሰከምቲ በረርቲን ኣብ ልዕሊ ናይ ጀርመን ናይ ኮሚደረን ድንሽን ምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒባ እያ።
- ካናዳ እውን ኣብ ካልኣይ ኲናት ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ነጢፋን ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ህዝብኖ ጀርመን ብዙሕ ጉድኣት ኣስዒባ እያ።

- ጀርመን እውን ብግዲኣ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ሩስያ ኢንተሞሎጂካዊ ጥቕዓታት ፈፂማ እያ።

- ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት እውን ብዝገደደ Entomological warfare ሓደ መቃለሲ ዓውዲ ሩስያን ኣሜሪካን እዩ ኮይኑ ቐፂሉ።

ናብ ናትና ንምፃእ፤

ኣምበጣ ኣብ ሙቐት ዘለዎ በረኻ ዝራባሕ እዩ። ኣምበጣ ንዑኡ ምቹው ዝኾነ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ላቦራቶሪ እውን ክራባሕ ይኽእል እዩ። በረኻታት ዓፋር ከምዘሎ እውን ከም ላቦራቶሪ ክትጥቀመሉ ይከኣል እዩ። እዚ ንምግባር ብመሰረቱ ዝሓቶ ፍሉይ ሳይንሳዊ ፍልጠት፣ ቴክኖሎጂ ወይ ካፒታል የለን፤ ክፉእ ናይ ምግባር ልዑል ተበግሶታት ጥራሕ እዩ ዝሓትት።

እዚ ዕስለ ሃንደበት ኣብ ቐላቕል ዓፋር ክበፅሕ ኢና ዝረኣና። ነዚ ዕስለ መን ናብ ጫፍ ዓፋር ኣምፂኡ ከምዘፍሰሶም ዝተፈለጠ ነገር የለን። ንምንታይ ኣብ ቀልቀል ዓፋር? ብኸመይ ሎሚ? ንምንታይ ኣብ ናይ ምህርቲ መሕፈሲ ወቕቲ?- እዚኦም ብዙሕ ሕቶታት ከተልዕል ዝገብረካ እዩ።

በዚ በለ በቲ፣ እዚ ዕስለ ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ተባሂሉ፣ ተሓሲቡሉ ኣብ ላቦራቶሪ ዝተራብሐ ዝኾነሉ ዕድል ዕፁው ከምዘይኮነ ትግራዋይ ክርድኦ ኣለዎ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ህዝቢ ከምበርክኹ፣ ዋላ እውን ከፅንቱ ዘይገብሩዎ ፃዕሪ ከምዘይህሉ ምርዳእ የድሊ። ምርዳእ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ኩሉ ትግራዋይ ናብቶም ዕስለ ኣምበጣ ዝተርኣየሎም ገጠራት ትግራይ ወሪዱ ብዝረኸቦ መሳርሒ ብኢድ ጨፍጪፉ ከጥፍኦ ኣለዎ።