Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
QB
Member
Posts: 1934
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ

Post by QB » 07 Oct 2019, 10:04

https://www.facebook.com/henos.fkadu/po ... 4312254667

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ኤርትራውያን ንመሰልን ፍትሒን ትቃለሱ ኩሉኹም

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም

ጀነራል ስብሓት ብልኡኻት ኢሰያስ ኣብ ገዝኡ ተሃሪሙ ኣብ ኢማራት ንልዕሊ 8 ወርሒ ተሓኪሙ ንኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ ብትእዛዝ ኢሰያስ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ናይ ገዛ ማሕዩር ኮይኑ ሰብ ኣይኣትዎ ንሱ ክወጽእ እንተደልዩ ዉን ብሓለዋ ንሕክምና ጥራይ ክወጽእ ዝተፈቕደሉ ኮይኑ እሱር ናይ ገዛ ኮይኑ መዓልቲ ሞቱ ይጽበ ከምዘሎ ይሕበር ።

ሓይሊ ባሕሪ

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜ/ጀነራል ካሪካረ ደስኪሉ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ብወዲፊተውራሪ ዝብሃል ኣረሜን ተተኪኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም ። እዚ ፍሕፋሔ ኢሰያስን ካሪካረን ዝመጸ ምስ ምምጻእ ዕርክነት ኢሰያስን ኣብዪ ኣሕመድን ኮይኑ ብፍላይ ምስ ምትእትታው ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንኤርትራ እዩ ጀሚሩ ። እዚ ድማ ካሪካረ እዞም ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኝሕና ትማሊ ዝሰጎግናዮም ፋሺሽታውያን ናይ ደርጊ ዓሳክር ሎሚ ብፍቓድን ድሌትን ኢሰያስ ኣይኣትዉን እዮም ዝብል መርገጺ ኣብ ሰራዊት ሰማይ ብምዕራጉ ሕጂ ድሕሪ 5 ወርሒ ንሜ/ጀነራል ካሪካረ ደስኪሉ ይርከብ ይብሉ ምንጭታት።

ደቂ ተጋደልቲ

ኣብ ዝሓለፈ 24 ግንቦት 2019 ብደቂ ተጋደልቲ ተወዲቡ ዝብሃል ምንቅስቓስ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግድፍ ፡ ነቶም ተጠርጢሮም ዝብሃሉ ልዕሊ 58 ዝበጽሑ መናሰያት ብትእዛዝ ኢሰያስን ዓንገልቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ ። ካብዞም 58 ደቂ ተጋደልቲ እቶም 12 ካብ ቃኘው ዝተወስዱ ምዃኖም ምንጭታት ይሕብሩ ። እዚ ምንቅስቃስ መበገሲኡ ናይ ወለዶም ምዕዝምዛማት ኣብ ገዝኦም ምስ ኣንስቶም ዝዛረብዎ ምዃኑ ስለዝተጣራጠረ ንወለዶም ዉን በብሓደ ይለቕሞም ከምዘሎን ፡ ነቶም ዘይትኣስሩ ዉን ብዓኒ ጥርጣረ ብምርኣይ ኣብ ልዑል ምክትታል የእትይዎም ከምዘሎ ይሕበር ።

ኣብርሃም ወዲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ

ኣብርሃም ኢሰያስ ተካኢ ኣባኡ ንምግባር ብዉሽጢ ዉሽጢ ይስርሓሉ ከምዘሎ ብግሁድ ይውረ ኣሎ ። ሓደ ካብቲ ተጀሚሩ ዕዮ ናይ ኢሰያስ ድማ ፡ ንሱ ዝኣምነሎም ብዕድመ መሳትኡ ብምሕራይ ኣብ ስልጣን ብምምጻእን ስልጣን ምዕዳል ኮይኑ ፡ ነቶም መሳቱ ኢሰያስ ኣሪጎም ብምባል ጥሮታ ብምውጻእ ናይ ይምሰል ምምሕያሽ ዝብሃል ገለገለ ለውጥታት ብምምጻእ ዕድመ ንጉሳዊ ስርዓት ኢሰያስ ናብ ደቁ ምስግጋር እዩ ። ገለ ካብቲ ተሓሲቡ ዘሎ ንምጥቃስ ብሕማምን ዝማሰኑን ብዕድመ ዝኣረጉን ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሕ ሕድገት ዝተገበረ ብምምሳል ንህዝቢ ምድንጋር እዩ ።

ገለ ካብ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ ብዓል ቅዱስ የውሃንስ ብዝወጸ ሓድሽ ናይ ህግድፍ ኣዋጅ ናይ ኩሉ ቀረባት ኣብ ህዝቢ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡስ ኩሉ ድኳናት ተዓጽዩ ኣብ ዓቢ ናይ ቁጠባ ዓዘቕቲ ወዲቁ ይርከብ ። ድኳናት ኣሕምልትን ፍረታትን ተዓጽዩ እዚ ድማ ባዕሎም ብዘውጽእዎ መሸጢ ዋጋ ንነጋዶ ስለዘየዋጽእ ትካላቶም ብምዕጻዎም ህዝቢ ተጎዲኡ ይርከብ ። ናይዚ ሳዕቤን 30 ኣባጊዑ ዝተመንዘዐ ነጋዳይ ነብሱ ክቐትል ከሎ ሓደ ካልእ ድማ ብጥይት ነብሱ ኣጥፊኡ ።
ተሓወሱ

ኣብ ዓዲ ቀይሕ

ኣቐዲሞም ንኢትዮጵያ ዝሰገሩ ቆልዑትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም መናእሰያት ናብራ መሪርዎም ዝተመልሱ ኣብ ዓዲ ቀይሕ መአከቢ ካምፕ ብምግባር ብሕሱም መግረፍቲ ምርመራታት ብምግባር ንዓዲ ኣበይቶም ዓላን ይልእክዎም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ ። ኣብ ዶባት ኤርትራ ሰብ ክወጽእ ዝጽግሞ ከምዘየለ ኣምበሺ ክምለስ ከሎ ግን ብዓይኒ ጥርጠራ ተራኣዩ ብሕሱም መግረፍቲ ይሳቐ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር ።

ማይ ስሓ

ኣብ ኤርትራ ፋብሪካታት ማይ ስሓ ኩለን ተዓጽየን ይርከባ ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ካብ ቡምባ ማይ መሊእኩም ትሸጡ ኣለኩም ዝብል ወቐሳ ብምምሃዝ ንኹሎም ነጋዶ ደው ከብልዎም ከለዉ ፡ ካብ ትግራይ ብኣግማል ዝተጻዕነ ማይ ስሓ ኣብ ኣስመራ ይሽየጥ ከምዘሎ ይሕበር ።

ደራፋይ

ቃልኣብ ዝብሃል ደራፋይ ህግድፍ ንወጻኢ ንዑደት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሓደ ወርሒ ኣሕሊፍካ ብምባል ንኤርትራ ምስ ተመልሰ ክሳብ ሕጂ ተኣሲሩ ከምዝርከብን ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ዝፍለጥ ከምዘየለን ይሕበር ።

ርእይቶ ህዝቢ ካብ ዉሽጢ ሃገር

ኩሎም ዝደግምዋ ዘረባ እዞም መንእሰያስ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘለዉ ተሲኦም በቲ ተሓንጊጦሞ ዘለዉ ብረት ለውጢ እንተዘይኣምጺኦም ፡ ንሱ ድለቱ ነዛ ሃገር ህዝባ ኣጽኒቱ ቁጠባዊ ትካላታ ኣዕንዩ ፡ ጥራይ ኢዳ ምስኣትረፋ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ንሕበር ዝብል ናይ ኣንድነት ነጋሪ ክወቅዕ ምዃኑ ዘይትርፍ ሓቂ እዩ ክብሉ ይዛረቡ ፡ ንስኹም ከ እንታይ ርእይቶ ኣለኹም ፡ ጉዕዞ ኢሰያስ ናበይ ንምብጻሕ ኣዩ ትብሉ። ርእይቶ ሃቡ።

ብዘተርፈ ሰናይ
ሄኖስ ፍቓዱ
07/10/2019

QB
Member
Posts: 1934
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

Re: እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ

Post by QB » 07 Oct 2019, 10:10

https://www.facebook.com/AANMEDIANETWOR ... =3&theater

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝመጸና ኣገዳሲ
ሓበሬታ፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ህግደፍ ምቅይያር ንምግባር መደብ ከምዝገበረ ተገሊጹ፡ ቀንዲ ናይዚ መደብ ውን ፍርሒ ካብ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘርዓዶ ይመስል ይብል እቲ ዝረኽብናዮ ምንጪ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓላፊ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ብጀንራል ተኽለ ማንጅስ ክምዝትክኦ‘ዩ
ዝንገር ዘሎ።
ምንጭታት AAN MEDIA

Hameddibewoyane
Member
Posts: 3890
Joined: 25 Sep 2019, 02:42

Re: እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ

Post by Hameddibewoyane » 07 Oct 2019, 10:17

UGUMISH! The TPLF SHALL disappear from the scene shortly & your fate is to bark & fabricate goosips from the Mekelle digital Agame :lol: :lol: :lol: :lol:
QB wrote:
07 Oct 2019, 10:10
https://www.facebook.com/AANMEDIANETWOR ... =3&theater

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝመጸና ኣገዳሲ
ሓበሬታ፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ህግደፍ ምቅይያር ንምግባር መደብ ከምዝገበረ ተገሊጹ፡ ቀንዲ ናይዚ መደብ ውን ፍርሒ ካብ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘርዓዶ ይመስል ይብል እቲ ዝረኽብናዮ ምንጪ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓላፊ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ብጀንራል ተኽለ ማንጅስ ክምዝትክኦ‘ዩ
ዝንገር ዘሎ።
ምንጭታት AAN MEDIA

QB
Member
Posts: 1934
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

Re: እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ

Post by QB » 07 Oct 2019, 12:51

Hameddibewoyane wrote:
07 Oct 2019, 10:17
UGUMISH! The TPLF SHALL disappear from the scene shortly & your fate is to bark & fabricate goosips from the Mekelle digital Agame :lol: :lol: :lol: :lol:
QB wrote:
07 Oct 2019, 10:10
https://www.facebook.com/AANMEDIANETWOR ... =3&theater

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝመጸና ኣገዳሲ
ሓበሬታ፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ህግደፍ ምቅይያር ንምግባር መደብ ከምዝገበረ ተገሊጹ፡ ቀንዲ ናይዚ መደብ ውን ፍርሒ ካብ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘርዓዶ ይመስል ይብል እቲ ዝረኽብናዮ ምንጪ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓላፊ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ብጀንራል ተኽለ ማንጅስ ክምዝትክኦ‘ዩ
ዝንገር ዘሎ።
ምንጭታት AAN MEDIA

:shock: :shock: :shock:
Please wait, video is loading...

Hameddibewoyane
Member
Posts: 3890
Joined: 25 Sep 2019, 02:42

Re: እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ

Post by Hameddibewoyane » 07 Oct 2019, 12:54

QB wrote:
07 Oct 2019, 12:51

Post Reply