Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

“ብጻይነት ብግብሪ” ብኣብነታዉን ወርቃውን ቃል ስውእ ተጋዳላይ ወልደርፍኤል ስብሃቱ - 1976

Post by Meleket » 18 Sep 2019, 11:07

ንጹሃት ቈልዑ ኣብዚ ምእሳርካ ዓጀብ ዘብል እዩ። ጕዳይ ናይ’ዞም ቈልዑ እዚኣቶም ድማ፡ ጕዳይ ኣነ ዝመርሖ ቦጦሎኒ ስለ ዝዀነ፡ ክፈትሖ ጸገም የብሉን።

እዙይ ረዚን ኃላፊነታዊ ቃል ብ13 ለካቲት 1967 ናብ ሜዳ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ወልደርፍኤል ስብሃቱ ኢዩ። ኣብ መፋርቕ 1975 ዓ/ም ተኸታታሊ ሜላ ቦጦሎኒ 500 (ከቢድ-ብረት)፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉብኤ ቅያር ማእከላይ ሽማግለ፡ ኣብ ዝተገብረ ተኽሊጥ፡ ካብ ደረጃ ቦጦሎኒ ናብ ደረጃ ብርጌድ ተኸታታሊ ሜላ ብርጌድ 76 ከቢድ-ብረት ተሰጋጊሩ ውድባዊ ዕማሙ እናፈጸመ እንከሎ፡ ብ30 መስከረም 1977 ዓ.ም. ኣብ ውግእ ሰሐርቲ ድማ ተሰዊኡ።

1976፡ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ዝበዝሓ ዓመት እያ ነይራ። እዚ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ’ዚ፡ ኣብ ቦጦሎኒ 500 (ከቢድ ብረት) ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ሳህል ይዅን ኣብ ከበሳ ንዝነበራ ኣሃዱታት ዝለኸፈ ሕማም እዩ ነይሩ. . . ይብል ደራሲ “ዛንታ ዉልቀ-ዝኽሪ” ኮሎነል ኣስረስ ኢሳቕ።

ኣብቱይ ግዜ እቱይ ተጋደልቲ ናይ ኣረኣእያ ወይ ናይ ስምዒት ፍልልይ ነቢርዎምስ ገለ ህድህዶም ተጎራፊጦም ብዝሰዓበ ፍጻሜ ብዙሓት በብግዚኡ ዝተኣስሩ ተጋደልቲ ቦጦሎኒ 500 ኔሮም።
ወልደርፍኤል ስብሃቱ ድማ ካብ’ቲ ዝነበሮ ናብታ ዝተመደባ ቦጦሎኒኡ ምስተመልሰን እቱይ ኩነታት ተጋደልቲ ብጾቱ ምስተረደኣን፡ ናብቱይ ዝምልከቶ አካል ብምካድ፦

“ንጹሃት ቈልዑ ኣብዚ ምእሳርካ ዓጀብ ዘብል እዩ። ጕዳይ ናይ’ዞም ቈልዑ እዚኣቶም ድማ፡ ጕዳይ ኣነ ዝመርሖ ቦጦሎኒ ስለ ዝዀነ፡ ክፈትሖ ጸገም የብሉን።”ገጽ 128-29 ብምባል ሓደ እሙን ጓሳ ኪገብሮ ዝግባእ ነቶም ብጾቱ ብኃባር ኣቦነታውን ጉስነታዉን ሃልዮት ጌሩሎም። ንኩሎም ካብ ማሕዩር ኣውጺኡ፡ ብሓባር ኣኺቡ “ምኽሽሻሕ” ዝተባህለ ነቀፌታን ነፍሰ ነቀፌታን ዝገብሩሉ ሃዋህው ፈጢሩ፣ ንኵለንትናኦም ናብቱይ ንኤርትራ ናጻ ናይ ምግባር ዕላምኦም ኣቕኒዑ ንመስዋእቲ ድልዊ ጌሩዎም፣ ኣብ መስርሕዉን ንሱ’ኳ ከይተረፈ ብኣብነት መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ብግብሪ መሃሮም!

እዙይ ኣብ ላዕሊ ዛሎ ጥቅሲ፡ ኮሎነል ኣስረስ ኢሳቕ ካብ ዝጸሐፎ ተሞክሮኡ ዝተወስደ፡ ቁንጫል ግን ድማ ዓቢ ቍምነገርን ትምህርቲን ዛለዎ፡ ርዝነት ምእንቲ ህዝቢ በጃ ምህላፍ፣ በጃ ብጾትካ ደው ምባልን ዘምሃሩና ቅኑዓትን ገርሀኛታትን ስውኣት ኤርትራ ኣጕሊሑ ዘርእይ ድሙቕ ኣብነት ብጻይነት ብግብሪ ኢዩ።

ኤርትራ ሃገረ ሰማእታት!