Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Meleket » 18 Sep 2019, 03:50

ኣብ 1991 ምርኡያት ካድረታት ሃገርና ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ከምዙይ ተላዚቦም። እዞም ናይ ሕጂ ካድረታትና’ከ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራን መጻኢኣን እንታይ ኮን ይላዘቡ ይዀኑ! ብትዕግስቲ ንበብዎሞ፡ ካብዞም ተላዘብቲ ዘፍሰስዎ ሃሳባት ኣየናዪ ሃሳብ ዝያዳ መሲጥኩም ይኸውን፧ ትምቢታዊ ዘረባ ዝተዛረበ ወይ ዝተዛረቡ ተላዘብቲ ኣለዉ’ዶ፧ መልሲ ናባኹም ናብ ኅልና ደቂ ኤርትራ ሽኾር ጥራይ!

ሓርበኛ ቅጺ 2 ቍ 6 ጥሪ 1991 - ብክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ጨ/ቤት ትምህርቲ ካድር ዝዳሎ ውሽጣዊ መጽሔት

ሓባራዊ ዘተ - መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ

ኣተኵሮ


ናይ ሎሚ ኣተኵሮና ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ እዋናውን ኣገዳስን ኣርእስቲ’ዚ ድማ ምስ ብጾት ኢብራሂም ቶቲል፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ሓላፊ ጨ/ዜናን፣ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ም/ሓላፊ ጨ/ሳግምን፣ ዓብደላ ጃብር፡ ሓላፊ ማ.ቤ.ጽ. ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ፣ ኪዳነ ጽገ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ሓላፊ ሽማግለ ትግርኛ፡ እዚ ቀጺሉ ድማ ትሕዝቶኡ ቀሪቡ ዘሎ ሓባራዊ ዘተ ኣካይድና።

መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ማዕረ ኣገዳስነቱ ርሒብ፡ ኣዝዩ ርሒብን ከቢድን ኣርእስቲ ኢዩ። ብግቡእ ንምግላጹ ድማ ነዊሕ ምምርማር፡ ተመክሮታት ካልኦት ምውካስ፡ ዕቱብ መጽናዕትን ምምማይን ምክያድ ይሓትት። ብዓቢኡ ግን እቲ መጻኢ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብግብራዊ ቃልሲ ክህነጽ ስለዘለዎ፡ ተመኵሮና እናገምገምና፡ ጉድለታቱ እናኣረምና፡ ዓወታቱ እናዓቀብናን እናኣማዕበልናን ኣብ ነዊሕ ጕዕዞ እንሃንጾ እምበር፡ ብወረቐት ዝዉዳእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣብዚ ሓባራዊ ዘተ’ዚ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ዝተማልአ ክትዕ ተጌሩ ኣሎ ዝበሃል ኣይኰነን። መበገሲ ዝኸዉን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ብዝቐርብ ርእይቶታት ድማ ዝሃብተመ ክትዕ ዝቐርብ ግን እመስለና።

ሓርበኛ፡- እቲ መኽፈቲ ሕቶና ንሓፈሻዊ መለለይታት መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ እንታይ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢና ክንሃንጽ፧ ኣብ’ዚ
ሕቶ ምህናጽ ዓለማዊ (ሰኩላር) ሃገራዊ መንግስቲ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት (ህዝባዊ ባይቶታት፡ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ወዘተ.)፡ ምምዕባል ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ምንጋስ ሕጋውነት ይለዓል። ብሓጸሩ፡ ሃገርዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽን ዘማዕብልን፡ ደሞክራሲ ዘስፍን፡ ፍትሒ ዘውሕስ፡ ንቍጠባውን ባህላውን ምዕባለ ባይታ ዝጸርግ፡ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ ብኸመይ፧ ናይ ኤርትራ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ከመይ ዝመስል ክኸውን ንጽበ፧

ቶቲል፡- ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ምእንቲ ክረጋገጽ እቲ ዝትከል ስርዓት ከማልኦ ዘለዎ ኵነታት ዘሎ እመስለኒ። ብመጀመሪያ፡ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ፡ ተሳታፍነት ናይ’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ተሳታፍነት ክብል ከለኹ ኣብ ምፍጻም መደባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሕንጻጹ’ውን ናይ ምስታፍ መሰል ዘረጋግጽ ማለተይ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ብብዙሕ ምኽንያታት ዘይሳተፍ ክፍልታት’ውን ስለ ዘሎ፡ እቲ ስርዓት ነዚ ድስኩል ክበሃል ዝከኣል ክፍልታ ኣባራቢሩ ተሳታፍነቱ ከረጋግጽ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ንሕና ከም ድሑርን ዓቕምታትና ውሱንን ሕብረተሰብ መጠን፡ ናይ ኵሉ ሸነኻዊ ድሕረት ጸገም ስለዘሎና እቲ ስርዓት ኣድማዕቲ ትምህርታዊ መደባት ሓንጺጹ ክትግብርን ንሕብረተሰብና ንቕድሚት ክደፍእን ኣለዎ። ብሓጺሩ እዚ መበገሲ ንክትዕ ክኸውን ዝኽእል እመስለኒ።

ኪዳነ፡- ኣነ’ስ ቅድሚ ናብ ዝርዝር ጕዳያት ምእታውና ክንጸሩ ዘለዎም መሰረታውያን ጕዳያት ዘለዉ እመስለኒ። ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ሓጺር ናይ እዋን ፈደረሽን ናይ “መንግስቲ” ተመክሮ’ኳ እንተነበሮ፡ ነዊሕ ፖለቲካዊ ባህሊ የብሉን። ካልኣይ ቅድሚ ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ምዝራብና፡ ኣብ ዓለም ሰፊሕ ተመኵሮ ስለዘሎ ምውካሱ የድልየና። ምናልባት ንሕና ሓድሽ ነገር ክንምህዝ’ውን ኣይኰናን። ካብ’ቲ ህልው ክንመርጽ፡ ወይ ካብ ኵሉ እቲ ዘዝበለጸ ብምውሳድ ነዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ዕላማታት ዘገልግል ስርዓት ክንሃንጽ ይክኣል ይኸውን። ብዝዀነ ከምዘለዎ ንሓደ ተመክሮ’ኳ ክንቀድሕ እንተዘይበልና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ወዲ ሰብ ዝተረጋገጹ ከም መበገሲ ክንወስዶም ዝግበኣና ሓፈሻዊ መትከላት ኣለዉ። ስለ’ዚ ቅድሚ እንታይ ዓይነት ስርዓት ወይ ህዝቢ ብኸመይ ይሳተፍ ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይና፡ መሰረታዊ ድሌታት ሕብረተሰብ ኤርትራ እንታይ እዩ፧ ዝብል ሕቶ ስለዝመጽእ ክትዕና ብኡኡ እንተጀመረ ይሓይሽ።

ዓብደላ፡- ብቐዳምነት ሕብረተሰብና ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኲነታት ከምዝርከብ፡ ንህዝብና እንታይ ከምዘድልዮ፡ ከምኡ ድማ ድሌታት ህዝብና ንምምላእ ከመይ ዝበለ ስርዓት ከምዘድሊ ምርኣይ ይግባእ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ኵሉ ናይ ሳልሳይ ዓለም ሕብረተሰባት ኣብ ድሑር ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ኲነታት ይርከብ። ንነዊሕ ግዜ ድማ ብመግዛእቲ ክዳሃኽ ጸኒሑ ኣሎ። ቍጠባ ኤርትራ ኣብ ድሑር ኣገባብ ማእቶት ዝተሰረተ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንኪ መግዛእታዊ ኲናት ዓቕሙ ብስደትን ኲናትን ተበታቲኑ ኣሎ። ከምኡ ድማ ቍጠባ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ደርቂ ክሳቐ ጸኒሑ’ሎ። ብካልእ መዳይ፡ ኣብ መንጎ ገጠርን ከተማን ናይ ምዕባሌ ጋግ ኣሎ። ኣብ መንጎ ብሄራት እውን ናይ ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ምዕባለ ፍልልይ ኣሎ። ዝተፈላለየ ረብሓታትን ብጽሒትን ዘለዎም ደርብታት’ውን ኣለዉ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሰሪ ተኸታታሊ መግዛእትታት ፖለቲካዊ ምዕባለኡ ተደቑሱ’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ ስልጣን ዘለዎ ፍልጠትን ፖለቲካዊ ባህሉን ውሱን ክኸውን ተገዲዱ።

ብሓጺሩ እቲ ሕብረተሰብ ከምዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኰይኑ ሰዉራ ኣሎ። እዚ ሰውራ’ዚ ከኣ ብዙሕ ለውጥታት ኣምጺኡ ኢዩ። ሺሕ’ኳ እቲ ሰውራ ኣብ ሓርነታዊ መድረኽ እንተሎ፡ ፖለቲካዊ ተሳታፍነትን ንቕሓትን ህዝቢ ክብ ክብልን ሓድነቱ ከደልድልን ክኢሉ ኢዩ። ናይ’ዚ ሰውራ’ዚ ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢሩ፡ መሰሉ ተሓልዩሉ፡ ናጽነቱ ተጐናጺፉ፡ ብሰላምን ራህዋን ክነብር ኢዩ።

ስለ’ዚ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ፧ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ፖለቲካዊ ስርዓት በቲ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝድለ ኵሉ ጐድናዊ ምዕባሌን ልምዓትን ኢዩ ዝዉሰን። ስለ’ዚ ንጥቕሚ መላእ ሕብረተሰብ፡ ንሰብኣውን ባህርያውን ዓቕምታት ወዲቡ ንዅሉ ጐድናዊ ምዕባለ ከበግስ ዝኽእል ኣብቲ መስርሕ ከኣ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ግብራዊ ተሳታፍነት ዘረጋግጽ ኢዩ እቲ ብቑዕን ዝድለን ፖለቲካዊ ስርዓት። ነዚ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዚ ንብዙሕ ተመኵሮታት ተወኪስና፡ ምስ ኵነታትና ዝሰማማዕ መሚና ኢና ክንሃንጽ ንኽእል። ናይ ሰውራ ተመኵሮ ኣሎና። ተኣምራታት ክንጽበ ድማ ኣይንኽእልን። እቲ ሕቶ ንፖለቲካዊ ተመኵሮና ብኸመይ ነማዕብሎ ኢዩ።

ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓፈሻዊ መትከላት ምጥያስ የድሊ። ቀዳማይ ምንጪ ኵሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ብግብሪ ኣብ ስልጣን ክሳተፍ ብሕጊ ክረጋገጽ ይግባእ። ካልኣይ እቲ መንግስቲ ዓለማዊ (ሰኩላር) ማለት ካብ ሃይማኖት ዝተፈልየ ክኸውን ይግባእ። ሃይማኖት ካብ ፖለቲካን ትምህርትን ክፍለ ኣለዎ። ሳልሳይ እቲ ስርዓት ናብ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፍርዳዊ ኣካላት ዝተፈላለይን ሓድሕዱ ዝቈጻጸርን ክኸውን ኣለዎ። ብጠቕላሊ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ’ዚ መትከላት’ዚ ዝተሰረተ ክኸውን ይርኣየኒ።

ዓንደብርሃን፡- ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት መቸስ ውዱእ ቅርጺ ከነቕርብ ኣይንኽእልን ኢና። ግን ሓደ ሓደ መበገሲ ዝኸውን ኣምራት ከነቕርብ ንኽእል።

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ካብ’ቲ ምስኡ ሓቢሩ ዝኸይድ ማሕበረ-ቍጠባዊ ስርዓት ነጺልካ ክረኣ የብሉን። ስለ’ዚ ሕቶ ፖለቲካዊ ስርዓት ካብቲ ብታሪኽ ዝመጸ ጭቡጥ ቍጠባውን ማሕበራውን ኲነታት ህዝብና ተበጊስካ ክረአ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ስርዓትን እቲ ማሕበረ-ቍጠባዊ ስርዓትን ዘይነጻጸል ኣካላት ናይ ሓደ ክዉንነት ምዃኑ ንምንጻር እስኪ ሓደ ኣብነት ንውሰድ።
እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ፖለቲካዊ ስርዓት ደሞክራስያዊ ኢዩ ክኸውን። ደሞክራሲ ክንብል ከሎና ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ማለትና ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ዓዲ ጀሚርካ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃን ብደርጃ ሃገርን ዝለዓሉ ጕዳያት ብናጻ ድሌትን ትርጉም ዘለዎ ተሳታፍነትን ህዝቢ ክዉሰኑ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ግን ብዘይ ቍጠባዊ ደሞክራሲ ትርጉም የብሉን።

እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት እቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ፡ ማለት መግቢ፡ ክዳን፡ ኣባይቲ፡ ብሓፈሻ ንሰብ ዝበቅዕ መነባብሮ ከም ዝማላእ ከረጋግጽ ኣለዎ። ህዝቢ ናይ ሕክምና፡ ናይ ትምህርትን ካልእን ኣገልግሎታት ብዘይ ኣድልዎ ክረክብ ኣለዎ። ህዝቢ እንተ ዘይተማሂሩ፡ እንተ ዘይሰልጢኑ፡ ንረብሑኡ ዘገልግል ምርጫ ክገብር ስለ ዘይክእል ባህላዊ ደረጃኡ ከም ዝምዕብል ክግበር ኣለዎ። እዚታት ንኽረጋገጽ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ፍትሓዊ ክኸውን ይግባእ። ፍትሒ ምስ ማዕርነት ዝተኣሳሰር ኢዩ። ብቐዳምነት ከኣ ቍጠባዊ ማዕርነት ክህሉ ኣለዎ። ጕልበትካ ኣፍሲስካ፡ ርእሰማልካ ኣፍሲስካ መነባብሮኻ ናይ ምምሕያሽ ዕድል ክህሉ ይግባእ። ስለ’ዚ ደሞክራሲን ፍትሕን ኣብ ፖለቲካ ጥራሕ ዘይኰነ ብቐዳምነት ኣብ ቍጠባን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክህሉ ኣለዎ።

ነዚ ዕላማታት’ዚ ዘርዊ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ኢዩ፧ ኣብ ከም ናህና ብዝተፈላለዩ ብሄራት ዝቘመን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝኣምንን ሕብረተሰብ ሓድነት ህዝቢ ሓሊኻ ብሓባር ንምምዕባል እቲ መንግስቲ ዓለማዊ (ሰኩላር) ክኸውን ይግባእ። ንጕዳያት ብዓይኒ ረብሓ ሓደ ጕጅለ ወይ ጕጅለታት ዘይኰነስ ብዓይኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝርአ፡ ንዅሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝርኢ ሃገራዊ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ። መሰላትን ግቡኣትን ዜጋ ብሕጊ ክውሰን ይድሊ። ኣብ መንጎ’ቲ ኣቐዲሙ ዓብደላ ዝጠቐሶ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፍርዳዊ ኣካላት ናይ’ቲ መንግስቲ ከኣ ምቍጽጻርን ሚዛን ምሕላውን (ቸክስ ኤንድ ባላንስስ) ክህሉ ይግባእ። እቲ መንግስቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ብሄራትን ዞባታትን ንዘሎ ዘይተመጣጠነ ደረጃ ምዕባለ ንምቅርራብ ብመደብ ክሰርሕ ኣለዎ። በዚ መንገዲ’ዚ ጥራሕ ኢዩ ኣብ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተመስረተ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ክረጋገጽን ሃገራዊ ምዕባለ ከመጽእን ዝኽእል።

ሓርበኛ፡- ኣብዚ ዓብደላን ዓንደብርሃንን ክህብዎ ዝጸንሑ ርእይቶታት ነቲ ኪዳነ ዘልዓልካዮ ጕዳይ ዝምልከት ብዙሕ መሰረታዊ ነጥብታት ተጠቒሱ ኣሎ። ክትምልኦ እትደሊ እንተልዩካ ኪዳነ፧

ኪዳነ፡- ብመሰረቱ ሓድሽ ነገር’ኳ እንተዘይብለይ፡ እወ። ብመጀመሪያ ኣብ ሕቶ ፖለቲካውን ቍጠባውን ደሞክራሲ ተሰማሚዕና ኣሎና። ብዘይ ብኡ ቍጠባዊ ዕቤት ክመዝእ ኣይክእልን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ነዊሕ ስቓይ እቲ ፈለማ ዝጽበዮ ምምሕያሽ መነባብሮኡ ኢዩ። እቲ ጽባሕ ዝትከል መንግስቲ ከኣ መነባብሮኡ ከመሓይሸሉ ክደሊ እዩ። ሰብ ሰሪሑ ክነብር፡ ናይ ውልቁ ይዅን ናይ ሃገር ኲነታት ቍጠባ ከመሓይሽ እንተዀይኑ ግን ልዕሊ ዅሉ ርግኣት ክህሉ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ርግኣት ክሰፍን ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ደሞክራሲያዊ ክኸውን ከምዘለዎ ርዱእ’ዩ። ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቅሰ ድማ፡ ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝተኸፋፈለን ሓደ ስልጣን ከይብሕት ወይ ካብ መስመር ከይሓልፍ ሓድሕድ እናተቘጻጸረ ዝሰርሕን ክኸውን ይግባእ። ሰለ’ዚ እቲ መንግስቲ ብሕግን ስርዓትን ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ተመኵሮ ዓለም ብሓፈሻን ተመክሮ ሳልሳይ ዓለም ብፍላይን ከምዝተራእየ፡ ሓደ ስርዓት ድሌታት ህዝቢ ዘማልእ ኰይኑ ይብገስ። ንዝተወሰነ ግዜ’ውን ንህዝቢ ይረብሕ፣ ግን ሕጋዊ መቐየድን መቈጻጸርን ዘይብሉ እንተዀይኑ ዶብ ክጥሕስ ኢዩ ዝርአ። ስለ’ዚ ሕጊ ዘኽብር ናጻ ዝዀነ ናይ ፍትሒ (ፍርዲ) ኣካል ምህላው ኣገዳስነቱ ዓቢ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ስርዓት ፖሊሲታቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕርብ ደገፉን ተቓውሞኡን ክሰምዕ ድልዊ ዝዀነ ብቃልን ብግብሪን ከኣ መሰላት ህዝቢ ዘኽብር ፍቱሕን ደሞክራሲን ክኸውን ይግባእ።

ሓርበኛ፡- ከም መቐጸልታ እስከ ክልተ ተወሰኽቲ ሕቶታት ነልዕል። ቀዳማይ፡ ኣብ ርእሲ እቲ መንግስቲ ሓድሕዱ ብዝቈጻጸር ኣካላት ከም ዝቐውም ምግባሩ፡ ህላወ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ማሕበራትን ትካላትን፡ ማለት ህላወን ምዕባለን ሲቪላዊ ሕብረተሰብ (ሲቭል ሶሳይቲ) ኣገዳሲ መቈጻጸሪ ስለዝዀነ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ብኸመይ ክምዕብል ይኽእል፧ ካልኣይ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ድሑር ማሕበረ-ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ደረጃ ምዕባሌ ዝርከብ ሕብረተሰብ ብተዘማዲ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ስርዓት ምትካል ኣጸጋሚ ስለዝዀነ፡ ናይ’ዚ ጸገም’ዚ ፍታሕ እንታይ ኢዩ፧

ዓንደብርሃን፡- ኤርትራ ከም መብዛሕትአን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብዙሕ ድሑር መዳያት ኣለዋ። እዚ ድሑር መዳያት እዚ ከኣ ሃገር ንምህናጽ ይዅን ነቲ ሕብረተሰብ ንምምዕባልን መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓንቃፊ ተራ ከምዝጻወት ክሰሓት ይብሉን። በቲ ካልእ መዳይ ግን ህዝቢ ኤርትራ ሕጂስ ን50 ዓመታት ኣንጻር ባዕዳዊ ግዝኣት ተቓሊሱ ኣሎ። 30 ዓመታት ካብኡ ብዕጥቂ ብረት። ብፍላይ መድርኽ ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ንብዙሕ ድሑር ልምድታት ሰባቢሩ ሱር በተኽ ለውጢ ንምምጻእ ሓጊዙ ኢዩ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ ጸረ-መግዛእታዊ ቃልሲ ከይተሓጽረ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ያታዊ ልምድታትን ዝምድናታትን ኣተሓሳስባታትን ሰይሩ፣ ሓድሽ ናብ ውህደትን ሓድነትን ዝእንፍት ዝምድናታት ኣብ ምትእትታው ዓቢ ተራ ዝተጸወተ ኰይኑ እስመዓኒ። ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብና ዝመጹ ተጋደልቲ ብናይ ሓባር ቃልስን ተመኵሮን ናይ ኣተሓሳስባን ግብርን ሓድነት ኣማዕቢሎም ኢዮም። እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓያል ብልጫ ኢዩ። ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ከምዚ ናትና ተመኵሮ ኣየሕለፋን።

ኣብ ሕቶ ምምዕባል ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ንምምጻእ፡ ምውዳብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጕጅለታት ነቲ ንተሳታፍነትን ሓድነትን ማዕርነትን ህዝቢ ዝዕንቅፍ ረቛሒታት ኣብ ምእላይ ዓቢ ተራ ጸኒሕዎ። ሓይሊ ህዝቢ ጠርኒፍካ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ምቕንዑ ድማ ኣገልጊሉ። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ማሕበራዊ ትካላት’ዚ ቀጸሊ ምዕባለ ብመንጽር ናይ’ቲ መንግስታዊ ትካላት ኣገዳስነቱ እራኣየኒ። ብሓፈሻ እቲ ሕቶ ሕብረተሰብና ኣብ መስርሕ ሰውራ፡ ኣብ መስርሕ ምቅይያር ከዘሎ ከይተዘንግዐ ክረአ ይግባእ።

ቶቲል፡- እወ፡ እዚ ዓንደብርሃን ዝጠቐሶ ሓያል ጐድንታት ኣሎ። ህዝብና ኣብ ናይ ቃልሲ ተመኵሮኡ ዘማዕበሎ ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ኣሎ። ምስ’ዚ ኩሉ ግን እቲ እንደልዮ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ ቀሊል ዕማም ኰይኑ ኣይስማዓንን። ነዚ ዕማም’ዚ ኣብ ምፍጻም ብዙሕ ፍሽለታት ምስጋር ዝሓተና ኰይኑ እስማዓኒ። ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ከም ኣብነት ንውሰድ። ከም ሓሳብ ንሰማማዓሉ፣ ተመኵሮ ካልኦት ሕብረተሰባት ከም መወከሲ ወሲድና ምስ እንርእዮ ግን፡ ብጭቡጥ ኣብ ሕብረተሰብ ንምትግባሩ ፍሽለታት ከይሰገርና ከነረጋግጽ ንኽእል ኰይኑ ኣይረኣየንን። ዋላ’ኳ ተቓዋሚ ርእይቶ ንምስማዕ ቅሩብነት እንተርአና፡ ብመትከል እንተተቐበልናዮ፡ ኣብ ግብሪ ግን ቀሊል ዝኸውን ኣይመስለንን። ብካልእ ወገን ናይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ግጉይ ኣጠቓቕማ እውን ክህሉ ይኽእል። እቲ ምሉእ መሰል ዝህልዎ ተቓውሞ ነዚ መሰል’ዚ ብኸመይ ይጥቀመሉ ሕቶ ኢዩ። ብኣጠቓላሊ ናይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ትካላት ክቐውምን ብግቡእ ክሰርሕን፡ ከምኡ ድማ እቲ ዝድለ ፖለቲካዊ ብስለት ንምምዕባል ግዜን ብዙሕ ዕንቅፋታት ምስጋርን ዝሓትት እመስለኒ።

ሓርበኛ፡- ነቲ ሕቶ ብኻልእ መገዲ ንምቕራቡ፣ እቲ ኣብ መንጎ ድሕረት ሕብረተሰብናን እቲ ክንክተሎ እንደሊ ዘሎና ምዕቡል ፖለቲካዊ ስርዓትን ዘሎ ግርጭት ክስገር ይኽእል ድዩ፧ ምኽንያቱ፡ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ስርዓት ካብ ደረጃ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባሊኡ ክሓልፍ ኣይክእልን ኢዩ፣ ስለ’ዚ ድሑር ሕብረተሰብ ድሑር ፖለቲካ ዝብል ኣረኣእያ (ዲተርሚኒስቲክ) ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ትርእዩዎ፧

ዓብደላ፡- ምዕቡል ክንብል ከሎና ግን ካበይ ኢና ንቐድሖ ዘሎና፡ ብመጀመሪያ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ከነምጽኦ እንደሊ ኵሉ ጕድናዊ ምዕባለታት –ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ - ዘገልግልን ብእኡ ዝውሰንን ምዃኑ ጠቒሰ ኔሩ። እዚ ኵሉ ጕድናዊ ምዕባለታት’ዚ ከኣ ብዘይ ተሳታፍነት ህዝቢ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ህዝቢ መሰላቱን ግቡአቱን ፈሊጡ፡ ሕብረተሰቡ ንምምዕባል ብንቕሓት ከም ዝሳተፍ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኢዩ እቲ ዝጥለብ። እምበር ሓደ ህዝብና ዘይርድኦ ወይ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ካብ ካልእ ዝተቐድሐ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣይኰነን።

ኣብ መስርሕ ሰውራና ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ተኣታትዩ ኣሎ። ኣብ ታሪኹ ህዝብና ከም’ዚ ኣብ’ዚ ሰውራ’ዚ ብናይ ሓባር ተመኵሮን ተሳታፍነትን ሓሊፉ ኣይፈልጥን። በዚ ተመኵሮ’ዚ ከኣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ከማዕብል ከም ዝጀመረ ርኡይ ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይ’ዚ ተመኵሮ’ዚ ውጺኢት ኢዩ ክኸውን። ኣብ ሓጺር ግዜ ክምዕብል ከምዘይክእል ከኣ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ዝተፈላለየ ኣካላትን ትካላትን ናይቲ ስርዓት ንክምዕብል ግዜ ክወስድ ኢዩ። ኣብ ህዝባዊ ማሕበራትን ትካላትን ምምዕባል ከኣ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣወንታውን ኣሉታውን ተመኵሮታት ምብጋስ ከድልየና ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ካብ’ዚ ሓፈሻዊ ተመኵሮ’ዚ ተበጊስካ፡ ምስ ኲነታት ሕብረተሰብና እናኣዛመድካ፡ እናኣዕረኻን እናተቓለስካን፡ ተሳታፍነት ህዝቢ እናኣተባባዕካን ዝህነጽ እመስለኒ።

ኪዳነ፡- ከም’ቲ ዝተባህለ፡ እቲ ጕዳይ ቀሊል’ይ ዝብል ኣተሓሳስባ የብለይን። ከምኡ ምባል ከኣ ንውድቀት ምቕርብ ጥራሕ ኢዩ። ሕጂ መግዛእቱ ንምጽራግ ኲናት ነካይድ ኣሎና፣ ምስኡ ከኣ ነቲ ካልኣይ ኲናት ንጅምሮ ኣሎና። እቲ መጻኢ ስርዓት ግን ናይ ወለዶታት ሕቶ እምበር ምጽእ ኢልካ ንድቕ ንድቕ ኣቢልካ እተቐምጦ ነገር ኣይኰነን። ንገዛእ ርእሱ ደሞክራሲ ኣብ ዓለም ናይ ክንደይ ዘመናት፡ ናይ መዋእላት ተመኵሮ ኢዩ። ጌና’ውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ኣይበጽሐን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ምስዚ ኩሉ ድሕረቱ ጀማሪ እውን ስለዝዀነ ጸገማት ኣለዎ ክቅጽል ድማ ግድን’ዩ።

ኣብ ሓደ ድሑር ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሓደ ናይ ገጠርን ሕርሻን ሕብረተሰብ ደሞክራሲ ክትግበር ኣይክእልን ኢዩ ዝብል መጐተ ካብ ነዊሕ ዝቐርብ’ዩ። ብቐንዱ ግዙኣት ህዝብታት መግዛእቲ ብምስጓግ ናጻ ሃገራት ንምትካል ኣብ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ቃልሲ በቶም ገዛእቲ ዝቐርቦም ዝነበረ መጐተ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ’ውን ኣብ 1940’ታትን 1950’ታትን ጋዜጣታት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ህዝባዊ ማሕበራት ከይተረፋ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ነብሱ ከማሓድርን ደሞክራሲ ክተክልን ኣይክእልን ኢዩ ይበሃል ኔሩ። እዚ ግን ሓሶት እዩ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገጠራት ከይተረፈ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ተመኵሮ ኣለዎ። እዚ እኹል’ዩ ውሑስ ኲነታት ፈጢሩ ዘብል’ኳ እንተዘይኰነ መበገሲ ዝኸውን‘ዩ። ብሓጺሩ ምሉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምህናጽ ቃልሲ ከድልየና’ዩ። እቲ ስርዓት ከኣ ኣብ ደሞክራሲ ዝተመስርተ ጥራሕ’ዩ ኽኸውን ዝኽእል። ምኽንያቱ ከም ዕላማ ብዘይካ ደሞክራሲ እንታይ ምርጫ ኣሎና፡ ዝብል ሕቶ ኣሎ። ብዘይካ ደሞክራሲ ነቲ ዝዘርዘናዮ ዕላማታት ክትግበር ዝኽእል መገዲ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ደሞክራሲ ከም ሓደ ውዱእ መስመር ናይቲ ቃልሲ ክዉሰድ ዝግብኦ ኢዩ እብል።

ዓንደብርሃን፡- ደሞክራሲያዊ ልምዲ ንምምዕባል ባይታ እናተነጽፈ ዝመጽእ ዘሎ እመስለኒ። ሰባት ንዘይሰማምዕሉ ርእይቶ ከኽብርዎ ዝግደዱ ዘለዉ እመስለኒ። ህዝባዊ ባይቶታት ብደረጃ ዓዲ፡ ወረዳን ዞባን ክምዕብል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ተመኵሮ ህዝብና ሓድሽ’ዩ። ሽሕ’ኳ ብሰንኪ ኲናት እቲ ኣብ ምህናጽ እነውዕሎ ዘሎና ዓቕሚ ውሱን እንተዀነ ብዛዕባ እቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዕላማታት ንጹር ኣጠማምታ ስለዘሎ፡ኣተሓሕዛና ሚእቲ ካብ ሚእቲ ጽፉፍ’ዩ፡ ቅኑዕ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ መቃለሲ ዝኸውን ባይታ ነጣጥሕ ኣሎና። እዚ ማለት ግን እቲ ቃልሲ ቀሊል’ዩ ወይ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝዉዳእ’ዩ ማለት ኣይኰነን።

መርሓና ንጭቡጥ ወድዓዊ ኲነታትካ ቀዳምነት ምሃብ’ዩ። ስለዚ መደብ ሓንጺጽካ ትትግብር ትግምግም፡ ዕንቅፋታት ኣብ ዝገጥመካ ግዜ ገምጊምካ ትቕይር ወይ ትቕጽል። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ቅኑዕ’ዩ። ገምጊምካ ለውጢ ምግባር ከኣ ርእሰ-ነቐፌታ ምግባር ማለት’ዩ። ርእሰ-ነቐፌታ ከኣ ሓያል መሳርሒ ኢዩ። ፍሉጥ እቲ መስርሕ ቀሊል ወይ ሰለል ኢልካ ዝኽየድ ኣይኰነን። ግን ቅሩባት ክሳብ ዝዀንና ብዙሕ ጸገም ኣይረኣየንን።

ቶቲል፡- ህዝብና በዚ ኲናት’ዚ ብዙሕ ተሳቕዩ ኢዩ። ስለዚ ድሕሪ‘ዚ ኵሉ ስቓይ ነቲ ኣብ ናጽነት ዘብጽሖ ስርዓት፡ ማለት ህ.ግ. እኹል ዕድል ዝህቦ፡ ዝዕገሶ እመስለኒ። ኣብ ኣልጀሪያ ንኣብነት ከምዚ ናህና ዝመስል መሪር ተመኵሮ ኲናት ኣሕሊፎም። ድሕሪ እቲ ኲናት እቲ ህዝቢ ነቲ ኣብ ናጽነት ዘብጽሐ ግንባር እኹል ዕድል ሂቡዎ። ብዙሕ ለውጥታት ክገብር ከኣ ክኢሉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን እቲ ግንባር ካብ ህዝቢ እናተነጸለ ስለዝኸደ ተቐባልነቱ ኣዝዩ ጐዲሉ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ኣብነት ናይ ሱዳን’ዩ። ሱዳን ብዘይ ብዙሕ ስቓይ ብፖለቲካዊ ቃልሲ ናጽነታ ብ1956 ረኺባ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ወተሃደራዊ ዕልዋ መጺኡ። ድሕሪ ሹዱሽተ ዓመት ብ1964 ከኣ እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ብህዝቢ ተኣልዩ። ድሕሪኡ’ውን ካልእ ወተሃደራዊ ዕልዋታት መጺኡ።

ካብ’ዚ ሓደ ብብረታዊ ቃልሲ ዝሓለፈ ህዝቢ ነቲ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ውድብ እኹል ዕድል ከምዝህቦ ከነረጋግጽ ንኽእል እመስለኒ። ስለ’ዚ ህ.ግ. እንተደኣ ተራኡ ከምዚ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ድሕሪ ናጽነት’ውን ክጻወት በቒዑ፡ ኣብ ምህናጽ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ንዝገጥሙና መሰረታውያን ግድላት ክፈትሕ ዕድል ዘለዎ እመስለኒ።

ሓርበኛ፡- ኣብ ምህናጽ እዚ ክትገልጽዎ ዝጸናሕኩም ፖለቲካዊ ስርዓት ከመይ ዝኣመሰሉ ግድላት ክገጥሙና ይኽእሉ፧ ኣብ ተመኵሮ ሳልሳይ ዓለም ናይ ፖለቲካዊ ዘይርግኣት ምምቕቓል ናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታው ብልሽውና፡ ምጥፋእ ሕጋውነት ወዘተ. ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጓንፉ ጸኒሖም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ብመጀመሪያ ከይገጥሙና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እንተገጠሙና’ኸ ብኸመይ ክንፈትሖም ንኽእል፧

ኪዳነ፡-
እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ተመኵሮ ካልኦት ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገማት ካብ ዘይምምላእ ትጽቢታት ሕብረተሰብ ዝብገስ’ዩ። ሓደ ሕብረተሰብ እንተድኣ ትጽቢታቱ ዘይተማሊኡሉ ግድን ኢዩ ተቓውሞ ከርኢ። ስለዚ ዘይርግኣትን ምግምጣል መንግስትን ካልእን ይመጽእ።

ሓደ ብፍላይ ክጽቀጥ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ብቐዳምነት ናጽነት ኢዩ ዝደሊ። ናጻ ኰይኑ ክዛረብ፡ ክንቀሳቀስ፡ ክሰርሕ ይደሊ። መነባብሮኡ ከመሓየሽ’ውን ቍጠባዊ ትጽቢታት ኣለዎ። ስለ’ዚ ነዚ ዘየማልእ ስርዓት እንተገጢምዎ ከወግዶ ክደሊ ግድን’ዩ። በዚ ከኣ ምፍሕፋሕ ይመጽእ። ብቀቢላ ብብሄር ምሕሳብን ምንጽጻልን ይመጽእ። ንድሕሪት ናይ ምምላስ ኣንፈት ይቕልቀል። ናይ’ዚ ጠንቂ መ’ዩ፧ እቲ ስርዓት’ዩ። ብካልእ መዳይ ኣብ ሓደ ስርዓት ናይ ማሕበራዊ ቀጸላታት ማሕበራዊ ጉጅለታት (ደርብታት) ረብሓታት ስለዘሎ፡ እቲ መንግስቲ ንዅሉ ብማዕረ ክውክሎ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ረብሓ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ከም ዝውክል ንምርግጋጽ ምቍጽጻር ክህሉ ኣለዎ። እቲ መንግስቲ ካብ ድሌት ህዝቢ እንተተፈንቲቱ ርእሰ-ገምጋም ዘይገብር እንተኰይኑ፡ ናጻ ጋዜጣን ርእይቶን ብሓርነት ናይ ምግላጽ መሰልን እንተዘየሊዩ፡ ቀስ-ብቐስ ጸቢብ ጕጅላዊ ረብሓ እናዓብለለ ይኸይድ። ስለ’ዚ ከኣ ፖለቲካዊ ርግኣትን ምዕባለን ይሰኣን። ስለ’ዚ ብመሰረቱ ተሳታፍነትን ምቍጽጻርን ህዝቢ ዘረጋግጽ ኲነታት ክህሉ ኣለዎ’ምበር ሸተት ኢልካ ምውዳቕ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ነዚ ግድል’ዚ ብዕቱብ ክንጥምቶ ዘሎና እመስለኒ።

ቶቲል፡- ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ ኪዳነ ኣርባዕተ ግድላት ክውስኽ እደሊ። ቀዳማይ፡ ሕቶ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኣሎ። ናይ’ዚ ዝበዝሐ ንሰውራ ዝጾረ ህዝቢ መነባብሮ ኣብ ምምሕያሽ እንታይ ንገብር ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታት’ዩ። ካልኣይ፡ ሕቶ ምትግባር ደሞክራሲ ኢዩ። ሳልሳይ፡ ኣተሓሕዛ ንሕቶ ሃይማኖት ኣሎ። ብክልሰሓሳብ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ምፍላይ ንርዶኦ ኢና። ኣተገባብርኡ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ግቡእ ኣተሓሕዛ እንተዘይተጌርሉ ድማ ንሃይማኖታዊ ድርቅና ዕድል ክህብ ይኽእል’ዩ። ራብዓይ ናይ ማሕበራዊ ኣቃውማ ብዙሕነት ኣሎ። ኵለን ብሄራት፡ ቀቢላታት እቲ ስርዓት ብማዕረ
ከም ዝብጽሓን ከም ዝኣምናን ከምዝዓግባን ምግባር ይድሊ። እቲ ቀንዲ ግድላት እዚ እመስለኒ።

ዓብደላ፡- እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ግድል ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ስርዓት ንመነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽ እንጌራን ስራሕን ናይ ምርካብ መሰሉ ዘረጋግጽ እንተ ዘይኰይኑ ንህዝቢ ዝውክል ክኸውን ኣይኰነን። ብተወሳኺ ናይ ሕክምና፡ ትምህርቲ ወዘተ. ኣገልግሎታት ብማዕረ ናይ ምዝርጋሕ ሕቶ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ዞባታት ኣብ ገጠርን ከተማታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተመጣጠነ ምዕባለ ናይ ምምጻእ ግድል ኣሎ። እቲ ስርዓት ኣገልግሎታት ናብ ኩሉ ክዝርግሕ ዝተመጣጠነ ምዕባለ ከረጋግጽ ይግባእ። ናይ’ቲ ስርዓት ኣድህቦ ኣብ ከተማታት ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋላት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ
ክርሳዕ እንተኰይኑ ዓቢ ጸገም’ዩ።

ዓንደብርሃን፡- ከም መመላእታ ብዛዕባ ዝተመጣጠነ ምዕባለ ክዛረብ። ኣነ እዕብለል ኣለኹ፡ መሰለይ ይግሃስ ኣሎ፡ ፍትሒ እረክብ የለኹን፡ ዝብል ስምዒታት እንተተፈጢሩ እሞ ነገራዊ መሰረት ድማ እንተልዩዎ፡ እቲ ዝዓበየ ስግኣት እመስለኒ። ስለዚ እቲ ቍጠባውን ማሕበራውን መደባት ንዅሉ ክፋላት ሕብረተሰብና ብማዕረ ዘሳትፍ ክኸውን ይግባእ። ብሓጺሩ ፍትሓውን ዝተደላደለን መደባት ምሕንጻጽ የድሊ። ዕብለላ ኣብ ርእሲ ተቓውሞታትን ምክፍፋልን ምስዓቡ፡ ንግዳማዊ ምትእትታው እውን ጥጡሕ ባይታ ስለዝኸፍት ንሃገራዊ ሓድነትን ርግኣትን ዓቢ ሓደጋ’ዩ።

ሓርበኛ፡- ናብ ካልእ እቶ ክንሰግር። ሕብረተሰብና ከም ዝተፈላለየ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ቍጠባዊ ሂወት ዘለዎ ኤትኒካዊ ጕጅለታት ዝቘመ መጠን፡ እዚ ናይ ኣቃውማኡ ብዙሕነት’ዚ (ዳይቨርሲቲ) ንሃገራዊ ሓድነቱን ምህናጽ ርጉእን ስሙርን ፖለቲካዊ ስርዓትን ዝውስን ኣገዳሲ ረቛሒ ስለዝዀነ እዚ ረቛሒ እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ናጻ
ኤርትራ ብኸመይ ክንጸባረቕ ይግባእ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ምእኩል ድዩ ክኸውን፡ ዘይምእኩል እንተዀይኑ ከመይ ዝመስል ዘይምእካለ፧

ቶቲል፡- ኣነ ብመትከል ዘይምእኩል ስርዓት ይሓይሽ እብል። ግን ዘይምእኩል ስርዓት ክንብል ከሎና ጸገማቱ’ውን ክንፈልጥ ኣሎና። ስለዚ እዚ ሕቶ ዘይምእኩል ስርዓት ሰፊሕ ዘተ ዘድልዮ እመስለኒ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ድማ ብንጹር ክግለጽ ኣለዎ።

ዘይምእኩል ስርዓት ክንብል ከሎና፡ ብገለ ደረጃ ብዛዕባ ፈደራላዊ ስርዓት ኢና ንዛረብ ዘሎና። ምኽንያቱ ዘይምእኩል ስርዓት ነቲ ዞባዊ ትካላት እዝን እትን ንሃቦ፡ እዚታት ከኣ ንኽልኣዮ ኢልካ ዝቐውም ኣይኰነን፣ እንተደኣ ሓቀኛ ክኸውን ኰይኑ። ክሳብ ካብቲ
ማእከላይ መንግስቲ ንዝመጽእ ጕዳያት ናይ ምንጻግ መሰል’ውን ክህልዎ ስለዝግባእ። ስለዚ በዛዕባ ሓደ ፈደራላዊ ስርዓት ንዛረብ ከምዘሎና ምፍላጥ የድሊ። ግን ከም ናይ ኣመሪካ ወይ ሶቬት ሕብረት ዝመስል ፈደራላዊ ስርዓት ማለት ኣይኰነን። ካብ ክውንነት ሕብረተሰብና ተበጊስና ስጕሚ ብስጕሚ ክንከይድ ኣሎና። ስለዚ እቲ ዞባዊ ምምሕዳራት ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ እንታይ ስልጣናት ክህልዎ ኣለዎ ኣብ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ክግበረሉ ብረፈረዱም ክውሰንን ይከኣል ይኸውን።

ምእኩል ስርዓት ምህላው’ውን ናቱ ሓያል ጐድንታት ኣለዎ። ግን ኣብ ኲነታትና መተካእታ ዘይምእኩል ስርዓት ክኸውን ኣይክእልን።

ኪዳነ፡- ኣብ ሕብረተሰብና ክልቲኡ መትከላት ክሰርሕ ተራ ዘለዎ ኰይኑ እስመዓኒ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ኣበየናይ ምእኩል ኣብየናይ ከ ዘይምእኩል ዝብል’ዩ። ሃገራዊ ቍጠባ ዘማሓድር፡ ኣገልግሎታት ብደርጃ ሃገር ዝውድብ ሃገራዊ ድሕነትን ዝከላኸል ማእከላይ መንግስቲ የድሊ። እዚ መንግስቲ’ዚ ከኣ ስልጣን ክህልዎ ግድን’ዩ። እቲ ናይ ዘይምእካለ መትከል ኣብ ናይ ዞባታት ድዩ ከባቢታት ምምሕዳራት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል። ናይ’ዚ ምምሕዳራት’ዚ ናይ ስልጡን ዶብ ምውሳን የድሊ። ናይ’ቲ ማእከላይ መንግስትን ናይ ዞባ ምምሕዳራትን ስልጣን ብሕጊ ክውሰን ይግባእ።

ዓንደብርሃን፡- ናይ ክልቲኡ መትከላት ቅርጺ ይዅን ዝንቕ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎኡ ዝህሉ ዝምድናታት ካብ ሕጂ ምንጻሩ ኣጸጋሚ’ዩ። ግን ሓደ ሓደ ኣምራት ክቐርብ ዝኽእል እመስለኒ።

ሓደ ህላወ ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ከም ውሁብ ክውሰድ ዘለዎ እመስለኒ። እዚ ንዅሉ ሓባራዊ ሃገራዊ ጕዳያት ዝከታተል ናይ ሃገር ሓድነትን ድሕነትን ዝከላኸል ወዘተ. ማለት’ዩ። እዚ ማእከላይ መንግስቲ’ዚ ግን ንዅሉ ጕዳያት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ይቈጻጸሮ ምባል ብዓይኒ ኣድማዕነትን ክምዕብል ዝኽእል ቢሮክራሲን ጥራሕ‘ኳ ቅቡል ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንዞባዊ ጕዳያት ዝከታተል ስልጣኑ ብሕጊ ዝተወሰነ ዞባዊ ስልጣናት ክህሉ ኣለዎ። እቲ ንሃገር ብሓፈሻ ዝምልከት በቲ ሃገራዊ መንግስቲ እቲ ነንዞባኡ ዝምልከት ድማ በቲ ዞባዊ ስልጣናት ክውሰን ኣለዎ ማለት’ዩ። ህዝቢ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ይውክል። ኣብ ናህና ኲነታት ኣብ መንጎ እቲ ሃገራውን ዞባውን ምምሕዳራት ግጭት እንተመጺኡ እቲ ሃገራዊ ምምሕዳር ላዕለዋይ ኢድ ክህልዎ ኣገዳሲ እመስለኒ።

ዓብደላ፡- እቲ ማእከላይ መንግስቲ ተዓጻጻፊ ክኸውን ኣለዎ። እንተደኣ ኵሉ ግዜ ላዕለዋይ ኢድ ዝህልዎ ኰይኑ ድማ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ ዞባዊ ትካላት ድማ ትርጉም ክስእን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዞባ ናቱ ባይቶ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መደባት ዘይጻረር ናጻ መደባት ክህልዎ ኣድላዪ’ዩ። እቲ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ናይ ልምዓት መደባት መሰል ክህልዎ ኣገዳሲ’ዩ ኣብ መንጎ እቲ ማእከላይ መንግስትን እቲ ዞባን ዘጋጥም ግርጭታት ድማ ብዓይኒ ፍርዲ ዝረአ ምስዝኸውን ዝያዳ ውሕስነት ዝህብ እመስለኒ።

ሓርበኛ፡- ግን ሕብረተሰብና ናይ ኣቃውማኡ ብዙሕነትን ድሕረቱን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ እቲ ክጸሮ ዝኽእል ዘይምምእካል ክሳብ ክንደይ’ዩ፧ እቲ ክጸሮ ዝኽእል ምምእካል’ከ፧

ዓብደላ፡- ዶብ ምሕንጻጽ ኢዩ እቲ ጸገም። ሕጂ ብዛዕባ ሓፈሻዊ መሰላት ጥራሕ ኢና ክንዛረብ ንኽእል። ብሓፈሻኡ፡ ሃገራዊ ጸጥታ ዝሕሉ፡ ብደረጃ ሃገር ዝውጥን ማእከላይ መንግስቲ የድሊ። ኵሉ ነገር ብእኡ ክምእከል ሰለዘይብሉ ግን ኣበየ ከባቢኡ ከኣ ዞባዊ ምምሕዳራት።

ሓርበኛ፡- እዚ ዞባዊ ትካላት ርእሰ-ምሕዳራዊ (ኣውቶኖሞስ) ዲዩ፧

(ገጽ 22-25 የሎን)

ኪዳነ፡- ኣነ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣሎኒ። ኣብ ናጻ ኤርትራ ሓደ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ብዘይ መሰጋገሪ እዋን ክትከል ይኸኣል ኢዩ ዝብል ርእይቶ እኳ እንተዘብለይ፡ እቲ መጻኢ ስርዓት ሕብረ-ሰልፋዊ ክኸውን ኣለዎ። ኣቐዲምና ብዛዕባ ምቍጽጻር ንዛረብ ኔርና። ኣብ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት ምቁጽጻር ውሕስነት የብሉን። ክሳብ ሕጂ ተመኵሮ ከምዘረጋግጾ፡ ብጽቡቕ ድሌት ይብገስ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን መሕብኢ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኵሉ ክንዝርዝሮ ዝጸናሕና ጸገማት ይመጽእ። ስለ፡ዚ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ብዙሓት ሰልፍታት ምህላው ኢዩ። ልክዕ’ዩ እዚ እውን ናቱ ሓደጋታት ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ግዳም ምትእትታው ወዘተ። እተን ዝቘማ ሰልፍፊታት ብሕጊ እንታይ ከማልኣ ከምዘለወን ምውሳን ግን ከም መቈጻጸሪ ክሕግዝ ዝኽእል እመስለኒ። ሓደ ሰልፊ ምህላው እውን ካብ ናይ ግዳም ምትእትታው ውሕስነት ኣይህብን እዩ። ብሓፈሻ እቲ ዝሓሸ ቅሉዕ ናይ ምንቕቓፍ፡ ምትሕስሳብ ዕድል ዘለዎ ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ስርዓት እመስለኒ።

ዓብደላ፡- ሕቶ ሓደ-ሰልፋዊ’ዶ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ምስ ሕቶ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰር ኢዩ። ህላዌ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰልፊታት ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ኣመዓባብላ ሕብረተሰብ ይተኣሳሰር። እቲ ንህዝቢ ዘርብሕ ስርዓት ሓደ-ሰልፋዊ ድዩ ወይ ሕብረ-ሰልፋዊ ዝብል ሕቶ ምልዓል ይግባእ። ኣብዚ ተመኵሮታት ምውካስ የድሊ። ናይ ምዕራብ፡ ምብራቕን ሳልሳይ ዓለምን ብበይኑ ተሞኵሮታት ኣሎ። ንዓና ንዅሉ ጕድናዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና ዘገልግል ኣየናይ ኢዩ ዝብል ሕቶ የገድሰና። ስለ’ዚ ክልቲኡ ስርዓታት ነናቱ ብልጫታትን ድኻማትን ስለዘለዎ ኣብ ምምራጽ ምውድዳር የድሊ። ብዙሕ ሰልፋዊ ስርዓት ምስ ምዕባለ ርእሰማልነትን ምምስራት ፓርላማን እዩ ተቐልቂሉ። እዚ ናይ ምዕራብ ተመኵሮ ናቱ ደሞክራስያዊ መዳያት’ኳ እንተለዎ፡ ርእሰማልነት ከም ስርዓት ብጀካ ንውሑዳት ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ፍትሕን ማዕርነትን ስለዘየምጽእ፡ እዚ ተመኵሮ’ዚ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርብሕ ኣይኰነን። ናይ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ሰለስተ ናይ ሳልሳይ ዓለም ናይ ማሕበርነታውያን ሃገራት ናይ ፋሺሽትነት ተመኵሮታት ተራእዩ። እዚ ናይ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት ተመኵሮ ከኣ እናፈሸለ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ። ተሳታፍነት ህዝቢ ኣየፍቅድን፣ ናብ ብሕትውና ስልጣን ብሓደ ሰልፊን ናብ ምልኪ ውሑዳትን ድማ ክመርሕ ተራእዩ።

ኣብ ሳልሳይ ዓለም ናይ ምዕራብ ተመኵሮ ብምቕዳሕ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝፈተና ሃገራት ኣለዋ። ግን ኣይሰርሐን። ናይ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ተመኵሮ’ውን ናብ ምልክን ብልሽውናን ኢዩ መብዛሕትኡ ግዜ ኣምሪሑ። ህዝቢ ክቈጻጸር ስለዘይክእል፡ እቶም ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ስልጣኖም ዘልኣለማዊ ብምቝጻር ብሃብቲ ሃገር ይጻወቱ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣብነታት ከኣ ሃገራዊ ምዕባለ ንድሕሪት ተመሊሱ።

ነዚ ተመኵክሮታት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኲነታት ሕብረተሰብና እቲ ዝሓሸ ኣየናይ ኢዩ፧ ሓደ-ሰልፋዊ’ዶ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት፧ ብቐዳምነት እንታይ ዓይነት ቍጠባ ከምዝህልወና ምምርማር የድሊ። ቍጠባና ሕውስዋስ ቍጠባ ኢዩ ክኸውን። ኣብ ሕውስዋስ ቍጠባ ድማ ዝተፈላለየ ረብሓታት፡ ስለዚ ድማ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ክህሉ ግድን ኢዩ። ስለዚ ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ክቘሙ ኣድላዪ ክኸውን ኢዩ። ዓይነት ናይ’ቶም ዝህልው ሰልፍታት ምውሳን ግን የድሊ። ኣብ ሃገራዊ ቅዋም እቶም ሰልፍታት እንታይ ከማልኡ ከምዘለዎም ብሕጊ ክውሰን ከድሊ’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ንምምስራት ሓደ መሰጋገሪ መድረኸ ክህሉ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እመስለኒ።

ቶቲል፡- እቲ ዘገርም ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ ክልቲኡ ስርዓታት ምፍሻሉ ኢዩ። ኣብ ናይ ክልቲኡ ተመኵሮታት ረብሓታት ህዝቢ ተሳሒቱ። ስለ’ዚ ክልቲኡ ስርዓታት ብቐሊሉ ፍረ ኣይህብን’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን እንተረኣና ሓደ-ሰልፋዊ ይኹን ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓታት ተፈቲኑ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ግን ፍሽለት እንተዘይኰይኑ ንቕድሚት ምስጓም ኣይተረኽበን። ኣብ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት እቲ ዕላማ ኣብ ክንዲ ምምዕባል ሃገር ምዕቃብ ስልጣን ኢዩ ዝኸውን። እቶም ኣባላት ሰልፊ ከኣ ሓለፋ ዘለዎም ጕጅለ ይዀኑ። ከምዚ ኢሉ ሕጊ ይጠፍእ፡ ፍትሒ ይጠፍእ፡ ኵሉ ደሞክራስያዊ መሰላት በብሓደ ይጭፍለቕ። ስለ’ዚ ድማ ተቓውሞታት ይመጽእ። ኣብ ተመኵሮ ኣፍሪቃ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት’ውን ዛጊት ፈሺሉ ኢዩ።

ምናልባት ንሕና ፍልይ ዝበለ ተመኵሮ ኣሎና። ግን ነዚ ጸገማት’ዚ ከነስተብህለሉ ይግበኣና። ብዝዀነ ምስ ኵሉ ጸገማቱ እቲ ዝያዳ ደሞክራስያዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት እመስለኒ። ነዚ ን30 ዓመታት ዝተቓለስናሉ ናይ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ወዘተ. ዕላማታት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝዚያዳ ንምምጻኡ ዕድል ይህብ። ምኽንያቱ ዘይማዕርነት ወይ ዘይፍትሒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብዚ ቦታ’ዚ ከምዚ ኰይኑ ኢሉ ብተቓውሞ ዝለዓል ድምጺ ንክህሉ ስለዘፍቅድ። እንተዀነ ግን ኣብ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ከጓንፍ ዝኽእል ጸገማት ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ተመኵሮ ብግብሪ ነብሱ እናኣረመ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ግን ምስ ኵኩሉ ጕድለታቱ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝሓሸ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ስርዓትን ሰልፍታቱን ግን ኣብ ሃገራዊ ቅዋም እቶም ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ብንጹር ብሕጊ ክግለጹ ኣለዎም።

ሓርበኛ፡- እቲ መሰረታዊ ሕቶ ንምህናጽ ሃገር ዝበቅዕ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ ምዃኑ ፍልልይ የለን። ስለ’ዚ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ነዚ ዕላማ’ዚ የገልግል’ዶ፧ ናይ ዘየድሊ ምክፍፋልን ምዝራው ውሱን ዓቕምታትን ሓደጋ ኣይምጽእን’ዶ፧

ዓብደላ፡- ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣብ ሕብረተሰብ ሓደ ረብሓ ወይ ሓደ ኣረኣእያ ክህሉ ማለት ዘበት ኢዩ። ስለ’ዚ ዋላ ሓደ ሰልፊ ይሃሉ ኣብ ውሽጡ ብብዙሓት ረብሓታትን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን ክውክል ግድን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰልፊ ድማ ቀጻልነት ክህልዎ ዘይከኣል’ዩ።

ኣብ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ንዝለዓሉ ጸገማት ኣብ ቅዋም ሕጋዊ መቈጻጸሪ ክግበርሎም የድሊ። እንተደእ ንሃገራዊ ረብሓ ዝጻረር ሰልፊ ሃልዩ ከኣ ብሕጊ ክእገድ ይግባእ።

ክልቲኡ ስርዓታት ጸገማት ዘይብሉ ኣይኰነን። ኣብ ምዕራባዊ ስርዓታት (ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓታት) ንኣብነት ናይቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ማዕርነት፡ ናይ ብሓቂ ማሕበራዊ ፍትሒ የለን። ኣብ ምብራቕ ድማ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓታት ፈሺሉ’ዩ። ማሕበርነት ብዙሓት ሰልፍታት ብዝሳተፋኦ ስርዓት ክቖውም ይኽእል ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ከኣ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ኲነታት መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽ፡ ሃገራዊ ምዕባለ ዘምጽእ ኣየናይ ስርዓት ኢዩ፧ ህዝቢ ንክመርጽ ዕድል ዝኸፍት ስርዓት ክህሉ ኣለዎ። ብዙሓት ሰልፍታት ሃልየን ሓደ ንዅለን ወይ መብዛሕተአን ኣብ ሓደ ዝተሓተ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ዝጥርንፍ ሰፊሕ ግንባር ክምስረት’ውን ይኽእል’ዩ።

ኪዳነ፡- ተወሳኺ ክህብ። ኣተሓሕዛ እንተተበላሽዩ እቲ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ምብትታን ዓቕምን ምክፍፋልን ከምጽእ ከም ዝኽእል እሰማማዕ። እቲ ሓደጋ ኣሎ። ግን በቲ ካልእ ወገን ዝሎ ሓደጋ’ውን ክርአ ኣለዎ። ንክልተ ጸገማት ኢና ከንመዛዝን ዘሎና። ኣብ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ዘይሩ ዘይሩ ናይ ምልኪ ሓደጋ ኣሎ። እቲ ሰልፊ ባዕሉ ሕጊ ክኸውን ይኽእል። በዚ ከኣ እንተደኣ ህዝቢ ድምጹ ከስምዕ ዘይክኢሉ፡ እንተደኣ ኣማራጺ መንገድታት ኣብ ቍጠባን ፖለቲካን ብወከልቱ (ሰልፊታቱ) ከቕርብ ዘይክእል ኰይኑ፡ ተሳታፍነት ኣይክህልዎን ኢዩ። ድሌት ኣጥፊኡ ድማ ኣብ ጕዳይ ሃገሩ ተዓዛቢ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ተመኵሮ ከም ዝተራእየ ድማ እቶም ተሰዲዶም ዝሓሸ ዕድል ክረኽቡ ዝኽእሉ ክኢላታት ድማ ብብዝሒ ይስደዱ። ስለዚ ንክልቲኡ ብምውድዳር እቲ ናይ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ሓደጋ ዝወሓደ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

ዓንደብርሃን፡- ተመኵሮ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓታት ናይ ምዕራብ እንተወሰድና ብግብሪ ክልተ ዓበይቲ ሰልፊታት ዝቈጻጸርኦ ኰይኑ ንረክቦ። ንኣብነት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ጀርመንን ንውሰድ። ኣብ’ዘን ሃገራት’ዚኣን፡ ክልተ ዓበይቲ ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ዘይፈላለያን ንተመሳሳሊ ረብሓታት ዝውክላን ግን ኣብ መሰረታዊ ዘይኰነ ሕቶታት ዝከራኸራ ሰልፍታት ኢየን ነቲ ስርዓታት ብሒተንኦ ዘለዋ። ኣብ ኣመሪካ ደሞክራስያዊን ረፑብሊካውን ሰልፊ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዓቓባውን ሰልፊ ዕዮን፡ ኣብ ጀርመን ክርስቲያናዊ ደሞክራሲያውን ማሕበረ-ደሞክራስያውን ሰልፊ። ስለ’ዚ ኣብዚ ስርዓታት’ዚን ኣብተን ሰልፍታትን ውሽጣዊ ደሞክራሲያዊ ሂወት ኣሎ’ዶ፧ ተሳታፍነት ህዝቢ’ኸ፧ እዚ ስርዓታት’ዚ ንረብሓ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ይሕሉ’ዶ፧ ዝብሉ ሕቶታት ይመጹ። ኣብ’ዚ ስርዓታት’ዚ ሓቀኛ ደሞክራስን ተሳታፍነት ህዝብን የለን፣ ንረብሓ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘገልግል ድማ ኣይኰነን።

ነዚ ከም መወከሲ ብምውሳድ ናብ ኲነታትና ንምጻእ። ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ማለት ኣብ
መድረኽ ሃገራዊ ህንጻ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ፖለቲካዊ ምውዳብ መሰል ብሕጊ ሕልው ኰይኑ፣ ሓደ ነብሱ ዝነቅፍ፡ ተመኵሮኡ ዝግምግም፡ ነዚ ኣብ ተመኵሮ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓታት ዝተራእየ ቢሮክራሲን ብልሽውናን ምንጻል ካብ ህዝብን ዘወገደ፡ ውሽጣዊ ደሞክራሲ ዘለዎ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘረጋግጽ ውድብ ክህሉ ዝሓሸ እመስለኒ። ነዚ ህልው ናይ ብረታዊ ቃልሲ ተመኵሮ ዓቂብካ፡ ጕድለታቱ እናኣረምካ፡ ብልጫታቱ እናኣደልደልካ ምኻድ ዘወጻጽእ እመስለኒ።

ህ.ግ. ሓደ ተመኵሮ ኣማዕቢሉ ኣሎ። ኣብ ምምዕባል ሃገራውነት ህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ ኢዩ። ነዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ስራሕ ክቕጽሎ ኣለዎ። ግን ህ.ግ. ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ኣለዎ ማለተይ ኣይኰንኩን። ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝዀነ ዜጋ ክሳብ ሃገራዊ መርገጺ ዝሓዘ ናይ ፖለቲካዊ ምውዳብ መሰሉ ሕሉው ክኸውን ስለዝዀነ።

ኣብ’ዚ ናይ ቀረባ መጻኢ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ብዙሕ ጸገማት ዘምጽእ ኰይኑ እስመዓኒ። ነዚ ዝድግፍ ብዙሕ ተመኵሮታት ሳልሳይ ዓለም ኣሎ። መስርሕ ሃገራዊ ህንጻ ንገዛእ ርእሱ ኣይተማልአን ዘሎ። ሰልፍታት ናይ ምቛም መሰል ስለ ዘሎ ክዉን ይኸውን ማለት ኣይኰነን። ህ.ግ. ኣይክልክልን ግን ኵነታት በሲሉ ብውሽጣዊ ምዕባለ ክመጽእ ኣለዎ።

ዓብደላ፡- ዝተፈላለየ ረብሓታት ብሓደ ሰልፊ ክውክል ኣይክእልን እዩ። ዝተፈላለያ ረብሓታት እንተልዩ ዝተፈላለያ ሰልፊታት ክህልዋ ግድን ኢዩ። ሓላፍነት ህ.ግ. ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ኢዩ፣ ድሕሪኡ ብመካኒካዊ መገዲ ሰልፍታት ክቘማ ማለት ኣይኰነን። ህ.ግ. ክቕጽል ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝተቓለሰሉ፡ ዝተሰዋእሉ ክዕቅብ ኣለዎ። ካብ ህ.ግ.
ወጻኢ ንክውድቡ ዝደልዩ ምኽልካል ግን ኣየድልን። ህ.ግ. ብናይ ቃልሲ ተራኡ ተቐባልነት ህዝቢ ረኺቡ ኣሎ። ህዝቢ ክጥርንፍ ኪኢሉ ኣሎ። ግን ህ.ግ. ኣብ መጻኢ ተቓዋሚ ምስ ዝረክብ ዝያዳ ኣድማዒ ኰይኑ ክሰርሕ ይኽእል፡ዶ።

ዓንደብርሃን፡- ተወሳኺ ኣብነታት ክጠቕስ እደሊ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ደሞክራስያዊ ልምዲ ዘለዋ ሃገር ሱዳን ኢያ። እተን ናይ ሱዳን ዝዓበያ ሰልፊታት ግን ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለወን ኣይኰናን። እታ ደሞክራሲያዊት ሕብረት እትበሃል ሰልፊ ኣብ ኻትሚያ፡ እታ ኡማ ትበሃል ሰልፊ ድማ ኣብ ኣንሳር ኣሱና ዝተመስረታ ሃይማኖታዊ ሰረት ዘለወን ሰልፍታት ኢየን። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ኣብነታት ኣሎ። እዚ እብነታት’ዚ ብሓቂ ሰጋእ ዘብል ደኣ እምበር ዘተባብዕ ኣይኰነን።

ኣብ ናህና ጭቡጥ ኲነታት እምበኣር፡ ንደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ደርጃ ቍጠባዊ ምትእስሳሩን ሃገራዊ ውህደቱን ኣብ መስርሕ ሰውራ ኣማዕቢልዎ ዘሎ ሓድነትን ከም መበገሲ ብምውሳድ፣ እቲ ብቅዋም ውሑስ ዝኸውን ሰልፍታት ናይ ምውዳብ መሰል ከም ግዳማዊ መቈጻጸሪ፡ ሓቀኛ ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ሂወትን ተሳታፍነት ህዝብን ከኣ ከም ውሽጣዊ መቈጻጸሪ ሃልዩ ሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት ክህሉ ንመስርሕ ሃገራዊ ሓድነት ዘቃላጥፍን ሃገራዊ ምዕባለ ዘረጋግጽን እመስለኒ። እቲ ሓደ ሰልፊ ህ.ግ. እንተዀይኑ ንኣብነት ተቓውሞ ኣይፍቅድን ማለት ኣይኰነን። ናይ ህዝቢ ደገፍ ክሳብ ዘለዎ ጥራሕ ከኣ ኢዩ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝፍቀድ።

ዓብደላ፡- እቲ ኣብ ኤርትራ ክንሃንጾ ዘሎና ፖለቲካዊ ስርዓት ካብ ምዕራብ ይዅን ካብ ምብራቕ ዝተቐድሐ ክኸውን የብሉን። ናይ ምዕራብ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ይሰርሕ ስለዘሎ ጥራሕ ከም ዕዉትን ብቑዕን ዝውሰድ ኣይኰነን። ናይ ምዕራብ ደሞክራሲ ናይ ውሑዳት ደሞክራሲ ደኣ’ምበር ናይ’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ደሞክራሲ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ሓርነት ድማ ምዝመዛ ቡርጅዋ ዘረጋግጽ ሓርነት ኢዩ። ነቲ ሰራሕተኛ ድማ ጕልበቱ ንኽሸይጥ ዘገድድ ሓርነት ኢዩ። ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝተራእየ ምቕዳሕ ናይ’ዚ ሞደል’ዚ ድማ ኣይተዓወተን።

ኣብ ሳልሳይ ዓለም ኣወንታዊ ውጽኢት ዘመዝገበ ናይ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ተመኵሮታት ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሓደ መድረኽ ምስ በጽሐ ግን ጠጠው ምባልን ንድሕሪት ምምላስን መጺኡ። ንኣብነት ኣልጀሪያ ንውሰድ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ኣልጀሪያ ነዊሕ ክትስጕም ኪኢላ ኔራ። ኣብ ሓደ መድረኽ ግን ምድስካል መጺኡ። ሕጂ እቲ ስርዓት ብዙሓት ሰልፍታት ክቘማ ከፍቕድ ተገዲዱ ኣሎ።

ኣብ ሕብረተሰብና ዝተፈላለየ ረብሓታትን ኣረኣእያታትን ከምዘሎ ርዱእ ኢዩ። ስለ’ዚ እዚ ረብሓታትን ኣረኣእያታትን እዚ ክውደብ ብመትከል ምቕባል የድሊ። እተን ዝህልዋ ሰልፍታት ኣብ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ተጠርኒፈን ንሃገራዊ ምዕባለ ክሰርሓ ክሰማምዓ’ውን ይኽእላ ኢየን። እቲ መሰረታዊ ጕዳይ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ደሞክራሲ ከም ዝረክብ፡ግብራዊ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ከም ዝህልዎ ምርግጋጽ ስለዝዀነ፣ እቲ ናይ ሰልፍታት ሕቶ በዚ መምዘኒ’ዚ ክረኣ ይግባእ።

https://eri-platform.org/swfiles/files/ ... d_157.html

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Meleket » 07 Oct 2022, 09:44

የወዳጃችን የFed_Upን መንጠራራት ለማሳዬት ያህል ነው! "ርእሰ ኣንቀጽ" እስኪጽፍልን ድረስ እስቲ ይሄንን የኤርትራውያን ታጋዮች ጽሑፍ ያንብብ በማለት በታላቅ ኣክብሮት እንጠይቀዋለን፡ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች፡ በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትና ጭምር። https://mereja.com/forum/viewtopic.php? ... 9#p1332039 :mrgreen:

"ሓርበኛ መርሃይ ናበይ ኣበለ፡
እንታይ ገዲፉ እንታይ'ከ በለ፡
ይዘከር ሎሚ . . . ." በለ ተስፋይ ፍሒራ ጅግና ሳሕል!
:mrgreen:
Fed_Up wrote:
07 Oct 2022, 08:12
. . . ጠብደል ካድሬዎች ነን:: . . እኞች ካድሬዎች እንዲህ ነን::

Axumezana
Senior Member
Posts: 13606
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Axumezana » 07 Oct 2022, 09:55

ደብተራ( ደብተራ፥ ማለት፥ ፀርፊ፥ አይኮነን፥ ምሁር፥ ማለት፥ እዩ);፥ መለከት፥ ታብ፥ ዘአረገ፥ ታሪክ፥ ንቅድሚት፥ ዝጥምት፥ ሃሳብ፥ አምፅእ፤

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Meleket » 07 Oct 2022, 11:06

ታሪኽ ኣይኣርግን'ዩ! መጠን ዝተነግሮ፡ መጠኑ ይሕደስ! ዚብል ኢዩ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ነቕ ዛይብል ኤርትራዊ እምንቶ።። :mrgreen:
Axumezana wrote:
07 Oct 2022, 09:55
ደብተራ( ደብተራ፥ ማለት፥ ፀርፊ፥ አይኮነን፥ ምሁር፥ ማለት፥ እዩ);፥ መለከት፥ ታብ፥ ዘአረገ፥ ታሪክ፥ ንቅድሚት፥ ዝጥምት፥ ሃሳብ፥ አምፅእ፤

Axumezana
Senior Member
Posts: 13606
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Axumezana » 07 Oct 2022, 11:18

ከምሽንቲ፥ ጊመልን፤ ኢሳያስን፥ ንድህሪት፥!

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Meleket » 07 Oct 2022, 11:22

ንቕድሚት 'ጠጕግዅም ላበይ' በጺሕኵም! :mrgreen:
Axumezana wrote:
07 Oct 2022, 11:18
ከምሽንቲ፥ ጊመልን፤ ኢሳያስን፥ ንድህሪት፥!

Axumezana
Senior Member
Posts: 13606
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ሓርበኛ- ካብ ማኅደር ታሪኽ 1991 - ልዝብ ካድረታት ኤርትራ

Post by Axumezana » 07 Oct 2022, 11:40

ንአዲሃሎ፥ ንቀርብ፥ አለና!

Post Reply