ካብ ጸላኢኻ ልግዕ, ጸባ, ጠስሚ ወይ ምዓር ኣይትጽበን ኢኻ.... ብሰንኪ ጭፍራ ወያነ ክንደይ ንጹሃት ኤርታውያን ተካላብቶም, ንብረቶም ተዘሪፉ, ተቐቲሎም ውን. እዚ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ. ንርስዖ ዶ, ኣይንርስዖን, ከመይ ጌርናኸ ክንርስዖ...
እዚ ሓታተይ ግን ኣስብህልሉ, ንፎዝያ ሃሽም ክሓታ ከሎ, ብዛዕባ እቶም ኤርትራውይን ብወያነ ተከላበቱን ዝተቐትሉን ሓልዩ ዘይኮነ, ነቲ በዳሂን ክትምልሶ ዘይክኣለት ሕቶታትን ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ምሽፋን እዩ. ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት መፍለጥ ትፎዞታት ወዲ መድሕን በራድ እዩ ኮይኑ ዘሎ. ካብ ሓላፍነት ምስካም ክጋላገሉ ተባሂሉ ሓንሳብ ን ናይ "ደገ ተጻብኦታት, ዎያነ, ኣመሪካ, cia ዝብሃላ ቃላት ክንደይ ግዜ ክድገማ ዘይሰማዕና.
እዚ ዑሱብ ዋህዮ መልመጽ ትፋእ ወዲ መድሕን በራድ ሰብኣይ እንተ ኮይኑ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት እዩ ክሓትት ነይርዎ.
1)
ስራሕ ፍዝያ ሃሽም እንታይ እዩ, ኣብ ሕጊ ወይ ቀይዲ ዘይብላ ዓዲ ከመይ ጌራ እያ ፎዝያ ምንስተር ፍትሒ ክትክውን?
2) ኣባላት ጉጅለ G15 ን 18 ዓመት ብዘይ ሕጊ ወይ ፍርዲ ትኣሲሮም, ስለምንታይ ስጋብ ሕጂ ኣብ ፍርዲ ዘይቀረቡ. በቶም ኣብ ካርሸሊ ሂወቶም ዝሳኣኑኸ መን እዩ ትሓታቲ ?
3) ክንደይ ኣማኢት ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ትኣሲሮም ገሊኦም ውን ሞይቶም, ትሓታቲ መን እዩ.
4) ካልእ ክስትብሃል ዘለዎ, ወዲ መድሕን በራድ ኣብቲ መጀመርታ ትግብሮ ዝነበረት ቃለ መጠየቕ ምስ ህዝቢ ካብ ትገድፎ ዳርጋ 20 ዓመት ኮይኑ ኣላ,. ዋላ እዘን ርእሲ ዘይብለን ካቢነ ምንስትሪ ዝባሃላ ውን ከምኡ, ነዛ ናይ ስርሒት ዳላስ ምሽፋን ተባሂሉ ግን, ብኣጋጣሚ ፎዝያ ሃሽም ቃለ መጠየቅ ምስ ተመርጹ ዋህዮታት ኣካይዳ. ዎያነ ሕጂ ድያ ሰብና ዘካላበተት ወይ ዝቐተለት, ሕጂ እዚ ዋህዮ መልመጽ ትፋእ ብዛዕባ ወያነ ክሓትት.