Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sesame
Member+
Posts: 5936
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

The Agames Have A Habit of Announcing Mega Projects. Here is a List Compiled by An Agame

Post by sesame » 07 Aug 2019, 18:51

An Agame Facebook blogger has written the following lamenting the TPLF`s bad habit of trying to cheat the Agaqme People whenever t hey are in deep depression.

ኣየ እዛ እናገወደት ትኸይድ ዘላ ሕማምና እዚኣ! ውድቀትና ከይተሳልጥ የሰክፈኒ ኣሎ፤

ኖርዝ ስታር ቢዚነስ ግሩፕ”(North Star Business group) ዝብሃል ሓደ ናይ ተጋሩ ናይ ሽርክና ትካል ንምጥያሽ መንገዲ ኣየር ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሓሳባት ሒዙ ምምፅኡ ልዕሊ ምስማዕ ዘሐጉስ፣ ተስፋ ዘስንቕ፣ ዘሕርን ነገር ዘሎ ኣይመስለንን፤ በዚ ብውልቀይ ዝተሰመዐኒ ሓጎስ፣ ፍናን ወሰን የብሉን።

እዚ እቲ ፅቡቕ ነገር እዩ፤ ኮይኑ ግን ሎሚ እውን ልዕሊ እዚ ፅቡቕ ነገር ደሚቑ ዝርአ ሓደ ዘሰክፍ ነገር ቀፂሉ ኣሎ፤ ንሕና ተጋሩ መዓዝ ኢና ብሰላሕታ፣ ብዙሕ ድምፂ እንተየስማዕና ክንሰርሖ ዘለና ስራሕ እንውግን? እንታይ እዩ ወሪዱና ዝኹሉ ጠራዕራዕ?

እስቲ ናይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጠራዕራዓት ንርአ፤

- ኣብ ዓድጉዶም ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ኢንቨትመንት ቱርኪ ኢልና መሬት ዕንፅራር ጌርናያ- ዓመት ሓሊፉዎ ዝተጀመረ ነገር የለን፤

- ኣብ ነጋሽ ብ12 ቢልዮን ብር ዓለም-ለኻዊ ዩኒቨርሲቲ- ሰለስተ ዓመት ኮይኑዎ ጨንኡ እውን የለን፤

- ቅድሚ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት "ሓደ ናይጀርያዊ ብዓል ሃፍቲ ብ140 ዶላር ሆቴል ክሰርሕ" ተባሂሉ- ሐዚ ወግዑ እውን የለን፤

-ቅድሚ ሰለስተ ዓመት "ኣብ መቐለ ብዓል 23 ደብሪ ወናኒ ሓሙሽተ ኮኾብ ሂልተን ሆቴል ክስራሕ እዩ" ተባሂሉ ክንደይ ካድረ ነቁዩሉ፤ ሐዚ ጨንኡ የለን(እቲ መሬት ግን ሐዚ እውን ምስተሓፀረ እዩ)። "ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ማይሱሩ" እውን ከምኡ ብወግዒ ዝተረፈ ይመስል፤

-ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ዓድዋ እውን ብወግዒ ዳስጋ ሓሙሽተ ዓመት እናመልኦ እዩ፤

- እቲ ብኽንደይ ቢልዮን ብር ክስራሕ ዝተብሃለ ናይ ውቕሮ "መዘናግዒ ማእኸል ሳባዊ" እውን ብወግዒ ዝተርፈሉ ዕድል ኣዝዩ ዓብዪ(ልዕሊ 95 %) ምዃኑ ንምርዳእ ዝሓለፈ ስራሕን መንነትን እቶም "ብዓል ሃፍቲ" ምፍላጥ ጥራሕ እኹል እዩ፤
- ካልኦት ብቱርካውያንዶ ፣ ብእስራኤላውያን ዶ፣ ብጣልያናውያን ዶ፣ ብፓኪስታናውያንዶ፣ ዋላ እውን ብግብፃውያን(ትራንፎርመር ከፍሪ ዝተብሃለ ፋብሪካ) ኩሎም ሐዚ የለውን።

-ተጋሩ ዲያስፖራ እውን ኣብቲ ፈላማይ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ "ብ200 ሚልዮን ብር ጀሚሩ ክሳብ 1.2 ቢልዮን ብር ዝዓቢ" ዝተብሃለ፣ በቲ እዋን "Africa's Silicon valley" ዝብል መወድስ ዝረኸበ "ማእኸል ICT" ንምህናፅ እምነ-ኹርናዕ ኣቐሚጦም፣ ንሕና እውን ክንደይ ሓምቢጥናሉ ነይርና፤ ብወግዒ እዩ ተሪፉ፤

ካልኦት እውን ኣለው ንዓሰርተታት ዓመታት ተዘሪቡሎም ብወግዒ ዝተረፉ፤
እቶም ቀንዲ፦
- ናይ ሽረ ፋብሪካ ሓፂን መፂን(Iron-ore industry) እውን ብወግዒ ብ"ፅባሕ ተጀሚሩ፣ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተጠናቒቑ" ዓሰርተ ዓመታት ክሓልፎ ደልዩ፤

- ተከዘ-ቑፅሪ ክልተ- ሐዚስ ዳርጋ ተረሲዑ እውን፤

- ጎልጎል ራያ- ዳርጋ ከም ሙዉት ዝቑፀር እዩ፤ (እተን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብተበግሶ ዶ/ር ደብረፅዮን ቦሸሸሽ ዝበላ ሒደት ጎዳጉዲ ናይቲ ጠቕላላ ፕሮጀክት ካብ ባሕሪ ብመንጨለፍ እየን።)
- ሳርት፣
- 15 ቓላሚኖታት(ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብወረ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ብፃዕሪ እኒ ታደሰ የማነ ሂወት ዝዘርኣ ዘለዋ ይመስላ)
- ምዕራፍ ክልተ ህንፀት ሓወልቲ ሰማእታት፤
- መዘከርታ ሓወልቲ ቐዳማይ ወያነ- ኣብ ሕንጣሎ-ማይ ደርሁ፤
-ጎዳ ፋብሪካ ብርጭቆ፤
- ኣበርገለ ዘበናዊ ማእኸል መራብሒን ማሕረዲን እንስሳታት፤
ወ.ዘ.ተ

እዚኦም ብዙሕ ኣውጊዕናሎም እዝንና ኣህጢሮም ጨና ማይ ኾይኖም ዝተረፉ እዮም።

ብፍላይ ናይ ቀረባ ዓመታት ካብ ጌጋና ከይተምሃርና እንገብሮም ዘለው ናብ ተግባር ዘይሽረፉ ጠራዕራዓት ዘሰክፉ እዮም።
ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ኣሎ፦ እቶም ብ3D-Animation እንተይተረፈ ዝተሰነዩ ንተግባርና ሓደ ሽሕ ግዘ ዝቐደሙ ጠራዕራዓት እቶም ሕልሚታት ብወረቐት ጥራሕ ክተርፉ ዓብዪ እጃም ይጫወቱ ከምወለው ምርዳእ የድሊ።
ንሕና ብዙሕ ዕፅፊ ኣባዚሕና ጠራዕራዕ ንብል፤ ፀላእትና ድማ ሕልምታትና ዘብርዑኑሉ ሜላ እናመሃዙ ይሓድሩ።

ኣሉታዊ፣ ፅልሙት ንምዃን ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግን ነዚ ሕማቕ ከም ሓደገኛ ካንሰር ብናህሪ ናብ መላእ ኣካላትና ይባራዕ ዘሎ ሕማም ከይወዓለ ከይሓደረ ክንርድኦ፣ ክንሕክሞ፣ ቆሪፅና ክንድርብዮ ይግበአና፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ "ድምፅኻ ኣጥፊእኻ ምስራሕ" ዝብሃል ነገር ክንለምድ ኣለና።

S