Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Cartmann
Member
Posts: 522
Joined: 06 Sep 2018, 16:36

መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by Cartmann » 31 Jul 2019, 18:18

ብመጀመርያ ነቲ ዝሃብካኒ ናእዳን ምቕሉልነትካን ከመስግነካ ይደሊ። ብምቕጻል ናትካ ኣብዚ ቤት ምህላውካን ብዝጸሓፍካዮም ነገራትን፣ ብኣንጻሩ ከኣ ብሰንኪ ቅዲ ኣጸሓሕፋኻ ንመንነትካ ኣብ ምልክት ሕቶ ንዘእተዉ ሰባት ዝኸውን ጽሑፍ ክሕንጥጥ ደሪኹኒ ኣሎ። ካባኻ ዝበልጽ ብልሒ ሃልዪኒ ዘይኮነስ፣ ጉግይ ኣረኣእያ እናተዓዘብኩ ስቕ ኢለ ድሕሪ ምሕላፈይ ሕልናይ ከይወቕስ እዩ። እነሆ እኳ ከይተሓለልካ ካብቶም ዘለዉኻ መጻሕፍቲ ፍልጠት ከተሰንቕ ብኢድ እናገልበጥካን እናጸሓፍካን ዝገበርካዮ ጻዕሪ ክዳረጎ ተበጊሰ። መልሲ ንኻልኦት እናመለስኩ ንዓኻ ዘይመለስኩልካ ድማ፣ ምሳኻ ዝመጣጠንን ንጻዕርኻ ዝበቕዕን መልሲ ንምሃብ እዩ። ክንዲ ዕጽፊ እቲ ንዓይ ዝነኣድካኒስ፣ ንዓኻ ዝግባእ እዩ እሞ፣ ትሕሾ!
ከምቲ ድሮ ኣብቲ ቀዳማይ መልሰይ ዝበልክዎ ኣጻሓሕፋን ቃላትን መለኸት ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዋት ሓድሽ ተርእዮ ዝኾኖም እዩ ዝመስል። ምስ መንነት ከኣ ኣተሓሒዘሞ ይርከቡ። ድሕረ ባይታ ከም መበገሲ ብምግባር፣ ንእግረ-መንገደይ ነቶም ዘይትፈልጥዎ መምሃሪ፣ ነቶም እትፈጥዎ ከኣ መዘኻኸሪ ክኾኖኩም ታሪኽ እውን ክጠቕስ እየ። እቶም ፍልጠትን ልዝብን ትብህጉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ከተስተንትንዎ፣ እቶም ድሌት ዘይብልኩም ከኣ ብግዜያዊ ፖለቲካዊ ዓይኒ ብጥማት ከይትብክልዎ ሓደራ።

እምበኣር ናይ መለኸት ቅዲ ኣጸሓሕፋ መበገሲኡ ብንጹር ዝፈልጦ ኮይኑ ይስምዓኒ። እንተድኣ እቶም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ብሚስዮናውያን ዝሕተሙ ዝነበሩ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ኣንቢብኩም ነዚ ናይ መለኸት ጥዑም ዝላዝኡ ቋንቋ ኣብኡ ክትረኽብዎ ኢኹም። ኣብ ምዕባለ ቋንቋታት ሃገርና ሃይማኖታት እተን ቀንዲ መሪሕ ተራ ዝተጻወታ ኣካላት እየን። ኣብ መዳይ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስያን ዝሰርሐ የለን ክበሃል ይከኣል። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ መሰረት ቋንቋና ዝኾነ ግእዝ ዓቂባ ብምጽናሕ መሰረት ዘንጸፈት እያ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንቋንቋታት ትግርኛን ትግረን ብፍላይ ማሕተምን ፍልጠትን ብምቕራብ ልዑል ግደ ተጻዊታ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም እውን ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብምትሕብባር፣ ካብ ግሪኽን ካብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዓቂባቶ ዝጸንሐት መጽሓፍ ቅዱስ ግእዝ ከም መወከሲ ብምውሳድ ንቋንቋታት ሃገርና ካብቲ ዓብላልነት ሒዙ ዝነበረ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተወሒጡ ንኸይተርፍ፣ ቦሎኽ ኢሎ ኣንጻር ኩሉ መግዛእትን ባህላዊ ኩናትን ደው ብምባል ናብ ጥርዚ ኣብጺሐንኦ እየን።

እቶም ነዚ ኹሉ ዝገበሩ ሊቃውንቲ ኣቦታትና ከኣ ኣብ ሚስዮናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተማህሩን ፍልጠት ዝቀሰሙን ነበሩ። እቲ ማሕተም ከኣ ኣብቶም ብካቶሊካዊት ሚስዮን ዝተደኮኑ ኣብያተ ማሕተም ይፍጸሙ ነበሩ። ቋንቋ ትግረ እውን ዝዛረብዎ ኣመንቲ ምስልምና እዮም ተባሂሉ፣ ብኣድልዎ ድሕሪ መዘናኡ ዝኾነ ቋንቋ ትግርኛ እውን ኣይተረፈን። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግቡእ ቦትኡ ሂባቶ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብዙሓት መጻሓፍቲ ትግረ እውን ተሓቲሞም እዮም። ናፍዕ ወዲ ኤትማን ካብቶም ቀዳሞት ሊቃውንቲ ትግረ እዩ። ናብ ጀርመን ብምኻድ ከኣ ምስ ሊትማን ዝበሃል ጀርመናዊ ናብ ጀርመን ብምኻድ ብ1907 ሓንቲ ዓባይ መጽሓፍ ያታ ትግረ ኣሕቲሙ። እዞም መጻሓፍቲ ኣብ ምጽዋዕ (1863)፣ ደሓር ከኣ ኣብ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ኣስመራ ይሕተሙ ነበሩ። ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እታ ናይ መጀመርያ ቤት ማሕተም እያ። ማእለያ ዘይብሉ ኣበርክቶ ከኣ ገይራ እያ።

መንገዲ ሲሒተ ዘይኮነስ፣ ነዚኦም መጻሓፍቲ ስለ ዘንበበ እዩ ከኣ ሓውና መለኸት ቅዲ ኣጸሓሕፋ ናይ ቀዳሞት ኣቦታትና ዝኽተል ዘሎ ንምባል እዩ። ኣብዚ ነጥቢ፣ ለባም ብኸመይ ፈሊጥካ ኢሉ ክሙጉተኒ ከም ዝኽእል ይርድኣኒ እዩ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ግዜ ደርጊ ተወሊደ ስለ ዝዓበኹ ብቋንቋይ ዝሕተማ ጋዜጣታት ንምንታይ ዘየለዋ እናበልኩ እሓትት ነይረ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ብዘይካ ብኣምሓርኛ ዝሕተማ ካልኦት ጋዜጣታት ስለ ዘይነበራ። ምስ ከምዚ ኸማይ ዝበሉ ሰባት ከኣ ክልተ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝሕተማ ዝነበራ ጋዜጣታት ‘ብርሃን’ ከምኡ እውን ‘ሓቅን ሕይወትን’ ዝበሃላ ጋዜታታት፣ ተኸታሊ እቲ ሃይማኖት እኳ እንተዘይኮንኩ፣ በቲ ዝመልኮ ቋንቋ ሃገረይ ትግርኛ ዝሕተማ ስለ ዝነበራ የንብበን ነይረ። ትሕዝቶ ናይተን ጋዜጣ ሃይማኖታዊ ጥራይ ኣይነበረን። ያታን ስነ ጽሑፍን ካልእ ሓፈሻዊ ፍልጠትን ዝሓዘላ ደኣ ነበራ እምበር። እቲ ትግርኛ ከምዚ ናይ መለኸት፣ ፍልይ ዝበለ መቦቆላዊ ስለ ዝነበረ ይምስጠኒ ነይሩ። ናይ ኦርቶዶካስዊትት ቤተ ክርስትያን ጋዜጣ ‘ፍኖተ ብርሃን’ እውን የንብባ ነይረ። እንተኾነ ግን ኣብ እንዳ ማርያም ጥራይ እያ ትርከብ ነይራ። እዘን ጋዜጣታት ብቋንቋና ስለ ዝነበራን ህርፋን ተኸተልቲ ኩለን ሃይማኖታት ኣህዛብ ሃገርና የርውያ ስለዝነበራን ቀልጢፈን እየን ዝውድኣ ዝነበራ። ብርሃንን ሓቅን ሕይወትን ኣብ ካቴድራላ ማእከል ከተማ ኣብ ጎድኒ ጋዜጣታት ዘመንን ኢትዮጵያን ዝበሃላ፣ ብኣምሓርኛ ዝጸሓፋ ጋዜጣታት ይሽየጣ ነይረን። እዘን ናይ ኣምሓርኛ ጋዜጣታት ዝገዝአን ስኢነን ቀንፈዘው ክብላ እንከለዋ ብርሃንን ሓቅን ህይወትን ግን ይውድኣ ነይረን። ኣብኡ እንተተወዲአን ከኣ፣ ኣብ ድብረ መድሃኔ ኣለም ፍራንቸስኮ (ግጅረት)፣ ቅዱስ ኣንጠንዮስ (ጎዳይፍ)፣ ኪዳነ ምህረት (እንዳ እኽሊ)፣ ቅዱስ ዮሴፍ (ፓራዲዞ)፣ እንዳ ፍራቴሎ (ማይ ተመናይ) ይርከባ ነይረን። ነዚአን ጋዜጣታት የንብብ ስለ ዝነበርኩ፣ ናይ መለኸት ኣጸሓሕፋ ይምስጠኒን ኤርትራውነቱ መሊሱ የጒልሓለይን ደኣ እምበር፣ ብኣንጻሩ መንነቱ ክጠራጠርሲ ኣይገብረንን። ብኣንጻሩ እኳ ከምዚ ዓይነት ላህጃ ጥንታዊ ትግርኛ ተጠቒሙ ዝጽሕፍ ስብ ምህላዉ ባህታ ፈጢሩለይ።

ምሕንጣጥ ካብ ጀመርኩን ናይ ጋዜጣን ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ካብ ኣልዓልኩን፣ እታ ቀዳመይቲ ጋዜጣ ትግርኛ ‘ጋዜጣ ኣስመራ’ እትበሃል ብ1888 ብብላታ ገብረእግዚኣብሄር ጊላይ ተመስሪታ። ማሕተም ስለዘይነበረ ከኣ ብኢዶም እናጸሓፉ ይዝርግሕዋ ነበሩ። እዞም ፈላሚ ጋዜጠኛን ደራስን ኣቦና ነታ ናይ ሃገርና ጋዜጣ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነታ ቀዳመይቲ ጋዜጣ ናይ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ቤት መንግስቲ መነሊክ መስሪቶማ። ካብኡ ተበጊሳ ድማ ትዝርጋሕ ነይራ። ካቶሊካ እዩ፣ ዜጋ ባዕዳዊት ሃገር እዩ፣ እናበሉ ኣብ ቤት መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዲት ምስ በዝሖም ናብ ስደት ኣቕኒዖም። ኣብ ስደት ከኣ ዓሪፎም። መርድእ ዜና ዕረፍቶም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዓዶም በጺሑ። ህዝቢ ኣዝዩ ጓሂ ተሰምዖ፣ ዓበይቲ ዓዲ ከኣ ከምዚ ብምባል ኣልቀስሎም፡

ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ
ወዲ ገብረክርስቶስ ወዲ መርከብ ዓባይ
ወዲ ተሽም ወዲ መርከብ ዓባይ
ጀነራል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግናይ
ኮሎኔል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግባይ
ኵሉ ድኣ ይውዕሎ ባይቶ ኣደባባይ
እቲ ገሊኡ ኣብ ጭላጦ ምጽባይ
እቲ ገሊኡ ኣብ ቁርሲ ምጽባይ
ወዲ ጠፈኡኩም ደቂ-ተሽም ህዝባይ
ይኣኸለኒ ድኣ ወዲአ ዘረባይ።

ዘመናዊ ማሕተም ብካቶሊካዊት ሚስዮን ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ፣ እታ ንሕትመት ዝበቕዐት (ብኢድ ዝተጻሕፈ ዘይኮነ) ናይ መጀመርያ ጋዜጣ ሃገርና ከኣ ‘መልእኽቲ ሰላም’ ትበሃል ነይራ። ኣብ 1909 ከኣ ተሓትመት። እዚ ኣብ ቋንቋታት ሃገርና ነጥበ መቐይሮ ኮይኑ ዝተመዝገበ ነበረ። እቶም ኣብቲ እዋን ብቋንቋታት ትግርኛን ትግረን ዝሕተሙ ዝነበሩ መጻሓፍትን ጋዜጣታትን፣ ኣብ ምሩጻት ዩኒቨርስታት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ከም ፈለምቲ ሕትመት ኣፍሪቃ ተዓቂቦም ይርከቡ። ገለ ካብዚኦም መጻሕፍቲ ኣብ ኢደይ እውን ኣለዉ። እተን ናይ መጀመርያ ጋዜጣታትን መጻሕፍትን ናይ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኤርትራ እየን ጀሚረን።

ስለዚ ጽሑፈይ ንምድምዳም፣ ሓውና መለኸት ነዚኦም መጻሕፍትን ጋዜጣታትን እናንበበ ዝዓየ ጥዑም ላዛ ትግርኛ ዘለዎ ሰብ እዩ። ኣቦታትና ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ኢሳቕ ተወልደመድህን፣ ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ሸኽ ኢብራሂም ሙኽታር ዑመር እውን ብቅዲ ጥንታዊ ቋንቋታት ሃገርና ዝጽሕፉ ዝነበሩ እዮም። ናይዚኦም ሊቃውንቲ ጽሑፋት እንተነንብብሲ፣ ነቲ ቋንቋና ናይ ባዕዲ እዩ እናተበልና ብዘይፍላጥ ቃላቱ እናመጠልና ንጓና ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔይርና። ኣቦታትና ዝለፍዕሉን ዝረሃጽሉን፣ ኪንዮ ግመ ተኸታተልቲ መግዛእትታት ዘሰጋገሩልና ላዛታት ቋንቋና ኣይነነኣእሶን ንባዕዲ ኣሕሊፍና ኣይንሃብን። ንመለኸት ከኣ ሞራሉ ዝትንክፍ ብመንነቱ ሕቶታት እናልዓልና እንተዘይኣቆናጸብናዮ ንኹልና ምሓሸና። ነቲ ንሱ ካብ ዘለውዎ መጻሓፍቲ ከይተሓለለ ሓደ ብሓደ እናለቐመ ኣብዚ ዝህበና ዘሎ ምህሮ ከይንስእኖ። ከነተባብዖን ደኣ ኣለና እምበር ክንቆጽዮ የብልናን።

ደቂ ኣራዊት ድማ ክምልሰልካ ዘንጊዐዮ ኣይኮንኩን። እቲ መልሲ ካብ ዝደግሞ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ዛዕባ ኣልዒለ ኣብዚ ክትረኽቦ ኢኻ ብምባል እየ። እቲ ዝበልካዮ ኤርትራውያን መሲሎም ነገራት ዝሕንክሩ ከምዘለዉ ሓቂ እዩ። ምስ ክርዳድ ጽሩይ ስርናይ ከይንልክም ጥራይ ሓደራ እብለካ። እንተ ብዛዕባ ኤርትራውነት መለኸት እሞ፣ ኣነ ካርትማን ዋሕሱ።

ክብሎ ዝደሊ መሊኡ ኣለኒ እሞ ግዜ እንተረኺበ ክምለሶ እየ። መኣረምታን መወሰኽታን ካባኹም።

ጁስቶ እውን መልእኽትኻ ተወኪሰዮ ኣለኹ ክምለሰካ እየ።

ወደሓንኩም!
ሓውኹም ካርትማን

eritrea
Member
Posts: 2804
Joined: 25 May 2007, 13:45

Re: መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by eritrea » 31 Jul 2019, 18:44

ብጣዕሚ ከተንብቦ ደስ ዘብል መልእኽትን ትሕዝቶን ዘለዎ ጽሑፍ ኢኻ ጺሒፍካ ዘለኻ ካርትማን፥ ከምኡ ስለዝገበርካ ውን ብዙሕ ምስጋና ይብጻሕካ። ከማኻ ድማ ይብዝሑ።

Cartmann wrote:
31 Jul 2019, 18:18

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by Sabur » 31 Jul 2019, 20:35

ክቡር ሓው ካርትማን፡ ደጊመ የቐንየለይ ይብል ፡፡
ምስ ልዑል ክብረት:
ሳቡር

I hope you will have time to enlighten us more.
Again THANK YOU !!

Deqi-Arawit
Senior Member
Posts: 13799
Joined: 29 Mar 2009, 11:10
Location: Bujumbura Brundi

Re: መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by Deqi-Arawit » 31 Jul 2019, 23:03

ሓው ካርትማን፣
ነዚ መሳጢ ዝኾነ ዑምቀት ዘለዎ ታሪኻዊ ፍልጠት ስለ ዘካፈልካና ብልቢ ነመስግን። ንሓውና መለከት ክኣ፣ብሰንኪ ንቁጽ ጥሉል ይይልከም ክምዝብሃል፣ ምስዞም ንቁጻት እግሪ ብሓደ ምዕቀኒ ስለዝመዘናካ የቅረ ንሓትት.

ነዛ አርእስቲ ኣብዘይ ተደልየ ምኣዝን ወይ ክምዛ ጥዕምቲ ዝነበረት ጸብሒ ማይ ጌርና ከይንጅልሓ ድኣ እምበር, ነዚ ቱካን ርእሲ ፋንድያ ፌድኣብ ኣምሓርኛ ዝፈልጥ ሰብ ብኣምሓርኛ ጌሩ እንተ ኣስተርጎመሉስ ከመይ ምስ ጸደቀ. :P

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by Meleket » 01 Aug 2019, 02:40

ኃው Cartmann

‘ሐሊብ አስተካና ሐሊብ ስተ’ ድሃይ መልዕክትካ አዚዩ ረዚንን ጥዑምን ብመርትዖታት ዝተሰነየን እዩ! ክብረት ይሃብካ!!!

Cartmann
Member
Posts: 522
Joined: 06 Sep 2018, 16:36

Re: መልእኽቲ ንኤርትራውያንን መለኸትን

Post by Cartmann » 05 Aug 2019, 12:45

ኣሕዋት ኤርትራ፣ ሳቡር፣ ደቂ ኣራዊትን መልኸትን ክብረት ይሃበለይ።

ሓው ደቂ ኣራዊት ንመለኸት ይቅሬታ ብምሕታትካ ኣዚየ ተሓጒሰን ጸብለልታ ሂበካን ኣለኹ። ምኽሪ ሓውኻ ብምስማዕካ ምስጋና ንዓኻ። ነቶም ዝብልዑ የሕዋትካ ናብ ከውሲናትካ ኣይትስደደልና ደኣ ሓደራ። :mrgreen:

Deqi-Arawit wrote:
31 Jul 2019, 23:03

Post Reply