Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ጥሪት ይገፉ

Post by Zmeselo » 21 Jul 2019, 10:14

ኪዲ: ጥሪት ወያነ!!!

ክትግፈፊ ኢኺ: ንስኺ ኸማን!!!
:lol:

Awash
Senior Member+
Posts: 30273
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ጥሪት ይገፉ

Post by Awash » 21 Jul 2019, 11:16

ደቂ ኮማሪት፣ ንብረት ኤርትራውያን ምዝማት ስራሕክን 'ዩ
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ጥሪት ይገፉ

Radio Erena: 21 July 2019

ኣብ ከተማ ኣስመራ ናይ ሰብን ጥሪትን ከቢድ ግፋ ክካየድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ንጥሪት ብዝምልከት፣ ካብ ገጠራት ኤርትራ መጺኦም ኣብ ከተማ ኣስመራ ክሸጡ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ንሓያሎ ካብኣቶም ጥሪቶም ከምዝዘመቱዎም ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።
ነቲ ግፋ ዘካየዳ ኣሃዱታት ምክልኻል ነቶም ጥሪቶም ዝወሰዱሎም ሓረስቶት ‘ተሃጊረን’ ዝብል ቁራጽ ወረቐት ጥራይ ሂቦም ከምዘፋነዉዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝተኻየደ ግፋ፣ ምስ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታትና የመልክቱ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ንቡር ንላዕሊ ሓለዋ ጽዒቑ ከምዝቐነየ ተሓቢሩ። ከምዝፍለጥ፣ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ፈለማ ዘይኮነ፣ ኣዝዩ ዝሕቱል ኣቀባብላ እዩ ገይሩሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፕረዚደንትን ላዕለዎት ሰበስልጣናት ክልቲኤን ሃገራትን ተሰንዩ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብእግሪ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እውን፣ ብዘይካ ውሑዳት፣ ፍሕሹው ኣቀባብላ ከምዘይረኸበ እዮም ምንጭታትና ጠቒሶም።

ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ እቲ ዓሚ ዕርቀ-ሰላም ዝተባህለ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ብዘይምምጽኡ፣ ዕርቂ ክልተ መራሕቲ ደኣምበር፣ ንጥቕሚ ህዝቢ ዘቐደመ ሓቀኛ ሰላም ከምዘይኮነ ህዝቢ ስለዝተገንዘበ ሙዃኑ ምንጭታትና ዘመልክቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባ:ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብዋሕዲ መሻርፍን ብልሽውና ኣዘዝትን የማርሩ”መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣይቅየርን’ዩ” ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ“ኣብ ዶባት ሰፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ንምስሓቡ ምስ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ የለን፣” ሚ/ ምክልኻል ኢትዮጵያ“ፕረዚደንት ጂቡቲ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ሚኒስተር ዜና ኤርትራሚኒስተር ምክልኻል ትመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይበጽሕ



Post Reply