Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
QB
Member
Posts: 598
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

ኣስመራ፣ ብኩፖን ዝዕድል ዝነበረ ክልተ ባኒ ናብ ሓደ ወሪዱ

Post by QB » 17 Jul 2019, 10:36

ኣስመራ፣ ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዋጋኡ ተረጋጊኡ ዝጸንሐ ባኒ እናተሳእነ ይመጽእ ኣሎ።

መንግስቲ፣ ብኩፖን ንሓደ ሰብ ክልተ ባኒ ክዕደል እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ስእነት፣ ናብ ሓደ ኣውሪድዎ ይርከብ።
ብዘይካ’ዚ፣ ዋጋ ሓንቲ ባኒ ብኩፖን ሓደ ናቕፋን ዕስራን ሓሙሽተን ሳንቶምን (1.25 ናቕፋ) ዝነበረ ናብ ሓደ ናቕፋን ሓምሳ ሳንቲምን (1.50 ናቕፋ) ምድያቡ፣ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ጠንዊ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ፣ ወነንቲ ትካላት ሕብስቲ፣ ብንግዳዊ ትካል ህግደፍ ክዕደለን ዝጸንሐ ፊኖ ብፍርቂ ብምጉዳሉ’ዩ ተባሂሉ።
ዋጋታት ከም ባኒን ፓስታን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታትን ናይ ህንጻ ኣቑሑትን፣ ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረጋጊኡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እንተኾነ፣ እቲ ዶባት ደጊሙ ድሕሪ ምዕጻዉ ዋጋታት ናብ ዝነበሮ ክምለሰን፣ ኣብ ዕዳጋ ድማ ክሰኣንን ይርአ ኣሎ።

https://erena.org/ኣስመራ፣-ብኩፖን-ዝዕድል-ዝነበረ-ክልተ-ባ/



Justice Seeker
Member
Posts: 289
Joined: 09 Jul 2017, 23:35

Re: ኣስመራ፣ ብኩፖን ዝዕድል ዝነበረ ክልተ ባኒ ናብ ሓደ ወሪዱ

Post by Justice Seeker » 17 Jul 2019, 14:43

ጌና ህግደፍ ዳኣ ካልእ ክገብር ኢዩ እዚ ሕጸ ኢዩ መርዓ ኣሎ :lol: :lol: :mrgreen: :mrgreen:

Post Reply