Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum

Meleket
Member
Posts: 361
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ይዳሎ

Post by Meleket » 16 Jul 2019, 11:21

ኣብ ኤርትራ ዛሎ ኢምባሲ ኢትዮጵያ’ዉን ቆንስላዊ ስርሑ ብቅልጡፍ ጀሚሩ፣ ብቐንዱ ፍትሓዊ ጥርዓን ብግፍዒ ዝተሰጎጉ ዜጋታትና፣ መሰል መልዕሎ ዛለዎም ዜጋታት ኤርትራ፣ መሰል ብሕጊ ዛጥረይዎ ንብረቶም ብሕጊ ዚረኽቡሉ መገዲ ኪምልሽ ይግባእ።
እንተዛይኰኑ ግና
ወደብ’ዶ፣
ባቡር ምድሪ’ዶ፣
ምጽራግ መገዲ’ዶ፣
ምኽፋት ዶብ’ዶ፣
ሓይሊ ባሕሪ’ዶ
ወዘተ’ዶ እናበልካ ዚግበር መናዉራ ብቐንዱ ፍትሓዊ ርትዓዊን ሕቶ ዜጋታት ጓዕጺጽኻ ዚግበር ኣካይዳ’ኡ እሞ ይተኣረም ድኣ ንብል ብሽም በሰላታት ግፍዕታት ተጻዊሮም ዚነብሩ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራና!
ዛይስንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ ከይከዉን እቱይ ጉዳይዉን ብወገን ሃገርና ኰነ ብወገን ኢጦብያ ንዝምልከቶ ኣካል ለበዋና ብኣጋ ነመሓላልፍ። “ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን”’ዶ ኣይዀነን መትከል ኤርትራና!

እምበኣርከ’ስ ሕዝቢ ኤርትራ ናቱን መሰሉን ግቡኡን ፍረ ጻምኡን ብፍትሓዊን ርትዓዊን ጭውነት ዝመልኦ ስልጡን መገዲ ይሓትት ኣሎ!

ሓቂ ምስ ገለጽና ሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:

Post Reply