Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member
Posts: 14735
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

"Red Sea Fisher", dissects the "yiakl" movement.

Post by Zmeselo » 17 Jun 2019, 18:52


The promoters of "Yiakl", then and now. Same faces, slogan and agenda. Ten years later...same bullshit.

Eritrea's gov, though they may not admit it (very Deng Xiaoping-esque), is the best-organized, anti-neocolonial gov in Africa. Yiakl, a :evil: State Dept endorsed regime-change campaign wants to remove the Eri's gov. Who will that benefit? Who are the real Pan-Africanists?

Eritrea, like China in the 1980s, won't use leftist language in its hope to engage the world and industrialize. It remains quiet. Yiakl seeks to take advantage of this silence, branding itself as "Pan-African." What has it accomplished? Nothing but retweets from mostly non-Eris.

The campaign is nothing new. In fact, a group called EYSC and EMDHR started the slogan in 2012 after the Arab Spring, receiving money from USSD and receiving coverage from the Western media and Muslim Brotherhood-linked media (AJ, etc.), pushing for Ali Abdu to take power in 2013.

Here's a flyer from 2012 produced by EYSC, which stands for the 'Eritrean Youth Solidarity for & Change'. It's says "Yiakl".



Here's a copy of their strategy book entitled: "Our Vision for a Swift Victory." It outlines their plans to social media, to bring regime change.



EYSC is the child of EMDHR (run by Daniel Mekonnen and Meron "human trafficker" Estifanos) and a task force set up by the European External Policy Advisers (run by Mirjam van Reisen) at a 2009 conference, which had US officials/ambassadors in attendance & that led to Eritrea sanctions.



"Yiakl" ("Enough") is a phrase EMDHR/EYSC were coached to use by the Centre for Applied Non- Violent Action and Strategies, which was run by the Serbian group Otpor that brought down Milošević. Look at the symbols, used by other CANVAS trained groups. They all say "enough" with a fist.



In fact, EMDHR was coached by Gene Sharp himself. Sharp is the architect and chief strategist behind color revolutions designed to bring down regimes, that aren't subservient to the US. Sharp even wrote about EMDHR/Eritrea, in a publication on case examples of "nonviolent action":



Proof of support for EMDHR from the State Dept.

This is one of many publicly searchable awards, to the organization. There are many more and not to mention material and in-kind support, from other State Dept linked/funded orgs.



This is from a leaflet of a training session, between CANVAS and EMDHR.



So what's the point of all this? Yiakl, isn't new. It's something old, being branded as new and hip.

They use sabotage/deception/robots, to make it look like they have mass support. They take graffiti pics (impossible to confirm), to make the gov look hated. They hoard/counterfeit currency, to make the gov look incompetent. It's all written in, "198 Methods of Nonviolent Action":



Yiakl's goal today is to sabotage Eritrea and get youth to publicly display their frustration and dislike of the government, film it and then make it look like a "movement." This is their hail mary, before TPLF is delivered the final death blow.

TPLF, which has amassed billions, is cornered and is desperate using its money toward its "last stand" against PFDJ/Eritrea. Eritrea is about to see major changes soon and they want to flip the chess board, before this happens. Don't be fooled!

Eritrea faces a fragile peace in the Horn and a fragile relationship with "international partners", in a confusing Trump-led political world. Answering questions at this time about Ethiopia, Yemen, UAE, economic plans has political consequences and one must read between the lines.

If we trusted Eritrea's gov all this time and they successfully consummated their goals of removing TPLF, removing sanctions, engaging USA, etc., then why on Earth would we give up on other political goals, only one year after all these successes.

Yiakl, is out of touch with reality!

Red Sea fisher.

Temt
Member
Posts: 1670
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: "Red Sea Fisher", dissects the "yiakl" movement.

Post by Temt » 17 Jun 2019, 19:22

Yiakl, is out of touch with reality!
They are also a delusional bunch of sellouts. ወያነ ደኣ ንርእሳ ኣብ ጉብጥሽ ተሓቢኣ ዘላስ፡ ንምሽሙሻት ክትሕግዝ፧ "ጽምብላሊዕሲ መዓኮራ ዘከደነትስ ምድሪ ከደነት" ተባሂሉንድ'ዩ! sporcaccioni e maledetti.
Last edited by Temt on 17 Jun 2019, 19:44, edited 1 time in total.

Zmeselo
Senior Member
Posts: 14735
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: "Red Sea Fisher", dissects the "yiakl" movement.

Post by Zmeselo » 17 Jun 2019, 19:27

ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት፡ ነፍስኻ እትውከሰሉን እትግምግመሉ መዓልቲ፡ ምስ ሰማእታት ዝመቐረ፡ ዝጸበቐን ዝመረረን ሂወት ኣሕሊፈ፡ ኣብ ሰውራ ቀዳማይ ዝርአኹዎ ስዉእ ኣብ 1967 እዩ፡ ንሕና ቅኑዕ መኣዝን ሒዝና ንጉዓዝ ኣሎና! ድሌት ክቡር ህዝብና ዘማልእ ክውንነት ንምፍጣር ንቅድሚት ንመርሽ!!



መርበብ ሓበሬታ ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ምስ ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ንሱ ኣብ ቃለ መሕትቱ፡ መዓልቲ ሰማእታት ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ክሳብ ክንደይ ፈጺምና ነብስና እንግምግመሉን ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ እንቀስመሉን ናይ ቀረባን ርሑቕን እስትራተጂ እንስእለሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ካብ’ቲ ብዙሕ ቅያታት እተፈጸመሉ ሃብታም ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ስለምንታይ 20 ሰነ ከም መዓልቲ ሰማእታት ተመሪጻ ድማ ኣብሪሁ። ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ገለ ካብ ሰማእታት ኤርትራ፡ ከምኒ ዓሊ ዑስማን፡ ኣብርሃም ተወልደን ኢብራሂም ዓፋን ካልኦትን ብምጥቃስ፡ ኣብ 1966 ኣብ ሰውራ ምስ ተሰለፈ ቀዳማይ ስዉእ ዝርኣየሉ ኣብ ውግእ ዓይለት ግምሆት ኣብ 1967 ዝተሰውአ ተጋዳላይ ዓሊ እድሪስ ኣንራ ዓሊ እዩ። ካልኢታት ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ክፍትሽ ጸኒሑ ድማ፡
ምስ ሰማእታት ዝመቐረ፡ ዝጸበቐን ዝመረረን ሂወት ኣሕሊፈ
ክብል ገሊጹ። ኣስዒቡ ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ መዓልቲ ሰማእታት ብስምዒት ዘይኮነስ፡ ትጽቢታትን ባህጊታትን ህዝቢ ኤርትራ ክዉን ንምግባር ዘኽእለና ዓቕምን ተስፋን ንምውናን ካብ ሕልና ክንብገስ ከም ዝግባእ ሓቢሩ። ኣብ መደምደምታ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡
ንሕና ቅኑዕ ኣንፈት ሒዝና ንጉዓዝ ኣሎና፡ እቲ ኣንጻርና ዝካየድ ውዲታትን ሸርሒታትን ብቀሊሉ ክንሰግሮ እንኽእል ከም ሓደ ዘይጥጡሕ ጽርግያ ዝቁጸር እዩ። ኣነ ናብ 21 ክፍለ ዘመን ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት ከም እንኣቱ ምሉእ እምነት ኣሎኒ
ክብል ገሊጹ።

ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ነቲ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ነቕርበልኩም።



ሕቶ፦ ትርጉምን መልእኽቲን ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት እንታይ’ዩ?

ትርጉምን መልእኽቲን ዝኽሪ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ፡ ማሕበራዊ ሓርነቱን ሃገራዊ ናጽነቱን ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእቲ ብልዑል ሕልና ምዝካርን ሕድሪ ሰማእታትና ብተወፋይነት
ምፍጻምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሉኣላውነቱን ፖለቲካውን ጂኦግራፊያውን መንነቱን ምስ ኩሉ ዝህልዎ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ትርጉም ንምርግጋጽ ገና ዕቁዳት ዘቁጸረ ክቡር መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ። ስለዚ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ብኤርትራዊ መረዳእታ መዓልቲ ሰማእታት ድሌትን ዓቕምን ምስማር ማለት እዩ። ካብ ረቛሒታት ማሕበራውን ፖለቲካውን ድሕረት ሓራ ንምውጻእ ዘሎ ድሌትን ክብርን ኣግእዞን ዘማልአ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምርግጋጽ ዘሎና ዓቕሚ ድማ የንጸባርቕ። ብሓቂ መዓልቲ ሰማእታት ነፍስና እንውከሰሉን እንግምግመሉን፡ ንናይ ቀረባን ርሑቕን መጻኢ ንጹር ስእሊ ንምስኣል ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ እንምሃረሉን
ሕድርና እነጽንዓሉን ኣጋጣሚ እዩ።

ሕቶ፦ ካብ ኩሉ’ቲ ብዙሕ ታሪኻዊ ቅያታት ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ’ያ 20 ሰነ ከም መዓልቲ ሰማእታት ተመሪጻ ዘላ?

20 ሰነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክትክበር ከም መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምምራጻ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሓርነትን ሃገራዊ ናጽነትን ዘረጋግጽ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ክዉን ንምግባር ንዝኸፈሎ ከቢድን ክቡርን መስዋእቲ ንምዝካርን ሕድሪ ናይ’ቶም በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ንምፍጻምን እዩ። ብ20 ሰነ 1982 ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሻዱሻይ ወራር ዝፍለጥ መጠነ ገዚፍ ወራር ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ደምሲሱዎ። ኣብዚ መዓልቲ ዓወት ኤርትራ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ደቡብ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሰራዊት፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ። እዉጅ ዕላማ ሻዱሻይ ወተሃደራዊ ወራር ኢትዮጵያ ከኣ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድሳስ እዩ ነይሩ። ነቲ ዝኣወጆ ዕላማ ክዉን ንምግባር ድማ ብሳላ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ጐኑ ዝነበረት ሕብረት ሶቬት ብዘበርከተትሉ እልቢ ዘይብሉ ናይ ዕንወት ወተሃደራዊ ኣጽዋር እቲ ወራር ድልዊ ኮይኑ። እንተኾነ ግን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ንልዕሊ 95 መዓልታት ብዘይምቁራጽ ብዝፈጸሞ መዳርግቲ ዘይርከቦ ትብዓትን ጅግንነትን ተወፋይነትን ሻዱሻይ ወራር ወተሃደራዊ
ስርዓት ኢትዮጵያ ፈሺሉ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደርግ ከኣ ንብቅዓትን ሓያልነትን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኤርትራ ዘመስከረን ኣብ ላዕለዎት ወሰንቲ ኣህጉራውያን ማእከላት መቓልሕ ዝፈጠረን ዘሕፍር ስዕረት ወሪዱ። ኣብ’ቲ ካብ ለካቲት ክሳብ ሰነ 1982 ዝተኻየደ ዘየቛርጽ ኲናት ሻዱሻይ ወራር፡ ጸላኢ ካብ ወተሃደራቱ ኣስታት 40 ሽሕ ምዉታትን ቁሱላትን ክኾኑ ከለዉ፡ 939 ድማ ተማሪኾም። ልዕሊ 8000 ዓበይቲን ማእከላይን ፈኮስቲን ኣጽዋር ድማ ንብረት ሰውራ ኮይኑ። ከምኡ’ውን 19 ታንኪታትን ድሩዓትን 40 ወተሃደራዊ መካይንን ክድምሰሳ ከለዋ፡ ሚግ 21 ዝዓይነተን 3 ነፈርቲ ኲናት ከኣ ተሓምሺሸን።

20 ሰነ 1982፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ምስ ደምን ስደትን ጃምላዊ ህልቂትን ዝተኣሳሰር ጸልማት ታሪኽ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ንምቅንጣትጥ ትብዓቱ ዘመስከረሉ መዓልቲ’ዩ ነይሩ። ምግባት፡ ዕንወት፡ ዝምታ እንስሳታትን ዘራእቲን ምንዳድ ዓድታትን ዝመልኦ ጸልማት ታሪኽ ገዛእቲ። ስለዚ ኤርትራዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ወራር ኢትዮጵያ፡ ንመግዛእታዊ ህላወ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ምስ ኩሉ ግፍዒታቱ ዓቢ ጽፍዒት’ዩ ነይሩ።

ሕቶ፦ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ይኹን ኣብ ካልእ መዓልታት ከም መዓልቲ ናጽነት ስዉኣት ክትዝክር ከሎኻ ብቀዳምነት ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ እንታይ’ዩ?

ልክዕ’ዩ ከም ኩሎም ናይ ቃልሲ ብጾተይ፡ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ይኹን ኣብ ካልእ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ብዙሓት ብቀረባ ምሳይ ዝነበሩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐናን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ጽንኩር ወተሃደራውን ፖለቲካውን ግጥም ኣብ እነሕልፈሉ ዝነበርና እዋን ምስኦ ም ምቑር፡ ጽቡቕን መሪርን ቃልሲ ዘሕለፍኩ ስዉኣት ይዝክር እየ። ብዙሓት ካብኣቶም ብልዑል ሓበን እዝክሮም። እዞም ንምእንቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ሂወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ ሰማእታት ሞያኦም፡ ኣበርክቶኦምን ተወፋይነቶምን ኣብ ሓጺር ርክብ ክትንትኖ ግን ዝክኣል ኣይኮነን። ካብ ቀዳሞት ሰማእታትና ከምኒ ዓሊ ዑስማን መሓመድ፡ ኣብርሃም ተወልደ፡ ዓሊ እድሪስ ኣንራ ዓሊ፡ ኪዳነ ይሕደጎ፡ ዓምር ጣህር ሽሃቢ፡ ሓሰን ባሺመል፡ ምዓሾ እምባየ፡ ሳልሕ ጠጠው፡ ኣሕመድ ህላል፡ ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ ኣቡበከር መሓመድ ሓሰን፡ ኣሕመድ ሓሰበላህ፡ የማነ ኣባግራይ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ሓሰን ሕመድ ኣሚር፡ ኢብራሂም ዓፋን ካልኦት ብዙሓትን እዝክር። እዚኣቶምን ካልኦት ብዙሓትን ይዝከሩኒ። ከምዛ ክሳብ ሕጂ ምሳይ ዘለዉ ኮይኖም ድማ ይስምዑኒ። ጅግንነቶም፡ ብጻያዊ ሓልዮቶም፡ ንኤርትራዊ ዜጋን መሬትን ዘለዎም ፍቕሪን ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት ዝነበሮም ተወፋይነትን ይዝከረኒ። በዚ ታሪኻውን ክቡርን መዓልቲ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ድማ ንክቡር መስዋእቶም እዝክር።

ሕቶ፦ ኣብ 1966 ኣብ መሳርዕ ሰውራ ኤርትራ ምስ ተሰለፍካ፡ ኣብ ሓደ ዕርዲ ምሳኻ ዝነበረ ቀዳማይ ስዉእ ምስ ርአኻ ሽዑ ብቐጥታ ዝተሰምዓካ ስምዒትዶ ምገለጽካልና?

ኣብ 1967 ምስ ጸላኢ ኣብ ዓይለት ጎምሆት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ጋንታኡ እናመርሐ እንከሎ ዝተሰውአ ተጋዳላይ ዓሊ እድሪስ ኣንራ ዓሊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1968 ብናይ ጸላኢ ጥይት ዘይኮነስ፡ ብመርዛም ተመን ኣብ ገደም ዝተሰውአ ተጋዳላይ መሓመድ 5 ሸሪፍን ካልኦት ብዙሓት ብሕጽረት ግዜን ድሩትነት ናይ’ዚ ቃለ መጠይቕን ክጠቅሶም ዘይከኣልኩ ስዉኣትን ይዝከሩኒ።

ሕቶ፦ ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቊ ሱር፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣእምሮኡን ቅልጽሙን ዝሰርሖ ዘሎ መጻኢ ድማ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ከም ምዃኑ መጠን እዚ ንሞጎታዊ ምትእስሳር መጻኢ፡ ህልውን ሕሉፍን ኣጣሚሩ ዝገልጽ መጻኢ ወለዶ ብኸመይ ክዝክሮ ኣለዎ ትብል?

ብርግጽ ነዚ መዓልቲ’ዚ መዓልቲ ሰማእታት ብስምዒትና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብምሉእ ኣእምሮናን ብልብናን ክንዝክሮ ኣሎና። እዚ መዓልቲ’ዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ንዝደልዮ ዕላማ ብውሕሉል ኣገባብ ብኸመይ ከም ዘረጋግጾ፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ተስፋን ናይ ምግባር ዓቕምን ዘውረሱና ዕዙዝ መዓልቲ እዩ። ከምኡ’ውን ነዚ መዓልቲ’ዚ ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ዘረጋገጽናዮን ኣብ መጻኢ ከነረጋግጾ እንደሊን ዕላማታትና ከነተኣሳስሮ ኣሎና። ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ክውንነት ናጻ ኤርትራ፡ ዝኽሪ ጀጋኑ ስዉኣትና ንምኽባር ክንፍጽሞ ዘሎና ግቡኣት ከኣ ንሱ እዩ። ዝተረፈ ዕማም መጻኢ መድረኽ ንምፍጻም ከኣ ምሉእ ተስፋ ኣሎና። እዚ ሓራን ናጻን ክውንነት’ዚ ከኣ ብዘይ መስዋእትን ተወፋይነትን ሰማእታትና ብርግኣትን ሰላምን ክንነብሮ ዝክኣል ኣይነበረን።

ሕቶ፦ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት እስትራተጂያዊ መስርሕ ልምዓት ኤርትራ ንምዕንቃፍ ካብ ዘየለ ሽግራት ዝፈጥርሉን ባይቶ ጸጥታ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዘይፍትሓውን ዓማጽን ብይን እገዳ ቁጽሪ 1907 ዘሕለፈሉን ግዜ ናብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከተመሓላልፎ እትደልዮ መልእኽቲኸ እንታይ’ዩ?

ቅኑዕ መኣዝን ሒዝና ንጉዓዝ ከምዘሎና ከረጋግጽ እፈቱ። ዘጋጥሙና ውዲታትን ሸርሒታትን’ውን ኣብ ከም ሓደ ዘይጥጡሕ ጽርግያ ዘጋጥም ዝተፋሕረ ጎዳጉዲ ብቀሊሉ ክንሰግሮ እንኽእል ጉዳይ እዩ። ናይ ብሓቂ ብጽንዓትን ሓያል ናይ ምግባር ዓቕምን ህዝብና ዝሰገርናዮ ብዙሕ ውዲታትን ቅርሕንቲን ዝመልኦ ተመኩሮ ኣሕሊፍና ኢና። እዚ ኣብ መድረኽ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ኣርብዓታት ይኹን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘጋጠመና ብድሆታት’ዚ ከኣ ብዘይሰንደልደል ብጽንዓት
እንቆመሉ ክውንነት ክንፈጥር ኣኽኢሉና እዩ። መን ምዃና፡ እንታይ ከም እንደሊን ብኸመይ ዕላማታትና ከም እነረጋግጽን ድማ ከነብርህ ክኢልና።

ንሕና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብድሆታት ብዘርአናዮ ጽንዓት፡ ሃገራዊ ሓድነትና ክንዕቅብን ዝያዳ ዓወታት ብፍላይ ከኣ ሃገራዊ ናጽነት ብኸመይ ከም እነረጋግጽን ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ብፍላይ ከእ እቲ ዘመናዊ ሸነኹ ብዘየጠራጥር ብቃልን ግብሪን ኣብሪሁልና እዩ። ከምኡ’ውን ናብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ኩሉ ወተሃደራውን
ፖለቲካውን ሜዳ ብምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ከም እንኣቱ የረጋግጽ።

ድሌት ክቡር ህዝብና ዘማልእ ክውንነት ንምፍጣር ንቅድሚት ንመርሽ!!

Zmeselo
Senior Member
Posts: 14735
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: "Red Sea Fisher", dissects the "yiakl" movement.

Post by Zmeselo » 17 Jun 2019, 21:21

Hadnet Keleta (@hadnetkeleta) Tweeted:

ብጻይ የማነ ገብርኣብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ: ብምኽንያት 20 ሰነ 2019 መዓልቲ ሰማእታት እግሪ ጉዑዞ ምስ ዝገብሩ ዘለዉ መንእሰያት ዞ/ዓንሰባን ኣባላት ሓ/ምክልኻል ኤርትራን: ኣብ ገንፈሎም::




Post Reply