Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum

Abe Abraham
Member+
Posts: 6063
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Abe Abraham » 26 Apr 2019, 22:26

ኣብ ቈጽሪ ዝኣትዉ ኣይኮኑን ። ቈንጣሮ እዮም ዝኾኑ ። ኣብ ዘየእትዎም ነገር እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ ። :lol: :lol:

Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 27 Apr 2019, 09:12

“ጻዊዒት ጳጳሳት ካቶሊክ፡ ነቲ ክሰምዕ ዝኽእል፡ ግብራዊ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝሕግዝ ብርቱዕ ድምጺ እዩ!” ኣባ ስምኦን
https://www.sbs.com.au/yourlanguage/tig ... l3o6cp5HdI


kerenite
Member
Posts: 1925
Joined: 16 Nov 2013, 13:15

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by kerenite » 27 Apr 2019, 13:56

Abe Abraham wrote:
26 Apr 2019, 22:26
ኣብ ቈጽሪ ዝኣትዉ ኣይኮኑን ። ቈንጣሮ እዮም ዝኾኑ ። ኣብ ዘየእትዎም ነገር እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ ። :lol: :lol:
The extraordinär fanatic pastor abraham,

I mistakenly thought that you only detest muslims but I am surprised now to find out that you destest those who adhere to christendom namely catholics as well too. :roll:

Are you a jeberti? :wink: :mrgreen: :lol: :lol: :lol:

Aytisaanu antum ilfi iray mray teref meref alula ketesHuQuna metan. :lol: :lol:

Meleket
Member
Posts: 242
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Meleket » 29 Apr 2019, 05:08

Abe Abraham wrote:
26 Apr 2019, 22:26

ኣብ ቈጽሪ ዝኣትዉ ኣይኮኑን ። ቈንጣሮ እዮም ዝኾኑ ። ኣብ ዘየእትዎም ነገር እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ ። :lol: :lol:
ቈንጣሮ ደኣ ኣብ ቈጽሪ ይኣትዉ እንዲዩ! ጨው ኣብ ጸብሒ ብቈንጣሮ ኢዩ ዚኣቱ፣ የመቕሮ ድማ። ማይ ብሑቕ እዉን ከምኡ ቁሩብ ቈራቦ ክነሱ ነቲ ገዚፍ ቡሑቕ የጸብቖን የበላልዖን እዩ። ቐመም’ውን ከምኡ ብቈንጣሮ ኢዩ ዚኣቱ። ሽኾር’ዉን ከምኡ ብቈንጣሮ ኢዩ ዚኣቱ። (ጨዉን ሽኾርን ቐመምን ዚረብሖ የብሉን፡ ሕማም ኢዩ ዜስዕብ ከይትብል እምበይ፡ ኣታ ዲጅታል ወያናይ ኰርዒዳ)። :lol:

ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኮነ ኣካል “ቈንጣሮ ኢዮም እሞ፡ ኣብ ቈጽሪ ኣይኣትዉን” ኣይበሃልይ ኢዩ። መንፈሳውያን ኣቦታት ኢዮም፣ ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ኪገልጹ መሰል እንህዎም፣ ዝያዳ ግን ሓላፍነት መእመናን እኒህዎም። ሃገረ-ኤርትራ ዘድልያ ክእረም ዝግብኦ ነገራት እናረኣየ “እንታይ ገደሰኒ ቢሉ ዘጽቕጥ፣ ክፍቶ በሃሊ” ዘይኰነስ፣ ብቕንዕናን ብቕኑዕ መንፈስን ብትብዓት ምእንቲ ረብሓ ብዙሓት ነቲ ሓቂ ዚገልጽ፣ ዚምዕድ፣ ክግሰጽ ንዚግባኦ ክግስጽ ንዝኽእል ሰብ ወይ ኣካል ኢያ ኤርትራ “ወደይ ብቝሊ ማሕጸነይ እትብሎ” እንተበልና ከምዙይ ከማኻ ዘይወሓጠሉ ዲጅታል ወያናይ ኣይሰኣንን’ዩ፤ እንታይሞ ይግበር ኰይኑ “ንገርኒ’ዶ ሓለፋይ” እናበልካ ምፍጻይ ጥራህ ኢዩ እምበይ!። :mrgreen:

ቀደም ኃይለስላሴን ደርግን ንተጋደልቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣያታትናን “ቈንጣሮ” ኢዮም፣ “ኣብ ቈጽሪ ዝኣትዉ ኣይኮኑን” ይብሉ ነበሩ፤ ሕሉፍ ሓሊፎምዉን ንሰራዊቶም ገመድ ሂቦም “ኣሲርኩም ኣምጽእዎም ቈንጣሮ እንዲዮም” ይብልዎም ነበሩ። ሽዑዑ ኣናሎግ ተጋሩ ሓቂ መሲልዎም ላብ ዓድና “ይመላጠጡ” ነበሩ። ሕዚ ድማ ሓውና ዲጅታል ወያናይ ነዚ ዘረባ ብደዐ ካብ መን ወሪሰዮ ክትብል ኢኻ፧ “ወይለከ”!

ክቡር ሓውና ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቶም ኣድሒብካ እዚን ከምዚን ዝበልዎ ጌጋ ኢዩ እናበልካ ብሓሳብን ብትሕዝቶ ጽሑፋቶምን መጕቶም እምበር፡ ቈንጣሮ ኢዮም ኣብ ቈጽሪ ዝኣትዉ ኣይኮኑን፣ ኣብ ዘየእትዎም ነገር እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ፣ ክትብል ኣየምህረልካን ኢዩ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ፈታዉ ሓቂ ምዃኑን ንኵሉ ብንቕሓት ከምዚከታተል ኣይትረስዕ። ንዲጅታል ወየንቲ’ሞ መይቶም ስለዝዀኑ በቲ ጨናኦም ካብ ማዕዶ ኢዩ ልፈልጦም:mrgreen: ሀገር ናይ ብምሉኡ ናይ ዜጋታታ ኢያ እምበይ፣ ኣብ ኤርትራና ኣብ ጉዳይ መንነትን ሀገርን ዘእትዎን ዘየእትዎን ዝበሃል ጉዳይ የለይ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ደኣ መን ኢዩ ለእትዎ፣ ሰብ ቐጠር፧ ሰብ ኢጦቢያ፧ ሰብ ሱዳን፧ ሰብ ሶማል፧ ኣብዪ፧ ደብረጪ፧ ሰብ ኣንበራ መጠቓ፧ ሰብ ሓውዜን፧ ሰብ ሰለኽለኻ፧ ሰብ ዛና፧ ሰብ ጽምብላ፧ ሰብ ስንቃጣ፧ ሰብ እንትጮ፧ ወላስ ብሓፈሻ ከማኻ ልኣመሰሉ ዲጅታል ወየንቲ!!!! ሄሄ እቲ ወዲ መሬት’ከ! :mrgreen:

እዚኦም እንተኰኑ ሰዓቢ ናይቲ ቅድሚ ከባቢ 2ሽሕ ዓመታት “ቈንጣሮ” ናይ ዝነበረ ናይ መኒኻ ትብሎ እቲኳ “ - - - ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፥ ወገን ሓቂ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ዝበለ፣ ናቱ ሰዓብቲ ኢዮም። ከምትፈልጦ ንሱ ሰዓብቱ ኣብ ፈለማ ‘ቈንጣሮ’ ኢዮም ነቢሮም፡ ፀላእቱ’ኳ ብሓሶት ኰኒኖሞ፡ ቀቲሎሞ ነቢሩ፣ ንሱ ግን ሞት’ኳ ክሕዞ ኣይከአለን መቓብር ፈንቂሉ ተሲኡ፣ ሕጂ ድማ ከምዛ ትርእያ’ያ ዓለም ብዓለማ ኢዮም ስዓብቱ ኰይኖም ዝኒህዉ! :lol:

እዞም ኤርትራዉያን ኣቦታትና “ኣታ ደቂስኻ ዘሎኻ ተበራበር” ዉን ቢሎም ኢዮም መን ይፈልጥ ንከምዚ ከማኻ ንዲጅታል ወየንቲ ይከዉን መልእኽቶም ደሊካ ንበቦ። :lol:

እቱይ ዝገርመና ግን መራሕቲ ኣቦታት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ስለምታይ ኢዮም ንመራሕቶም ዘይገንሑ፣ “ካህናተ ደብተራ” ኰይኖም ከይኾኑ እምበይ! :lol: ወደሓንካ! :mrgreen:

Zmeselo
Senior Member
Posts: 13873
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Zmeselo » 29 Apr 2019, 11:28

ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቶም?

When Eritrea was in grave danger of disappearing from the map & later unjustly sanctioned, they were quiet. The suffering of the Eritrean people, didn't mean a thing, then. Their "Christian" heart was not touched, then. It should mean nothing now too, & they should keep shutting up.

Meleket
Member
Posts: 242
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Meleket » 30 Apr 2019, 09:09

ደግለል ወዲ ንኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ምድምሳስ ደኣ መኣስ ይኸኣል ዀይኑ፣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝመጸ ኃይሊ እንተመጸ ዝተሸረሓ እንተተሸረሓ፡ ዝተፋሕሰ እንተተፋሕሰ፡ ንኤርትራ ካብ ካርታ ምድሪ ምድምሳስ ኣይኸኣልን ኢዩ። (ኣርባዕተ ነጥቢ) ብሕጂ’ዉን ከምኡ ዝሽርሕን ዝውጥንን እንተሎ ኣይሰምረሉን ኢዩ፤ እቲ ምንታይ ኤርትራ ዝቖመት ብኣኻን ብኣይን በቶም ‘ኣሎና’ ንብል ሰባት፡ ኣብዚ’ዉን ‘ንወሳወስ’ን ኣብ ትዊተር’ዉን ገለ ንሕንጥጥን ሰባት ዘይዀነትስ፡ በቶም ለይቲ ምስ መዓልቲ ስለኣ ሰም ከየበሉ ዝነብሩ ንሕይወቶም ከም ጥዋፍ ነዲዶም ዝገበሩላ፣ በቶም ንሶም ብመንፈሳዊ ዓዒንቶም ዝርእዩና ንሕና ግን በዚ ሥጋዊ ዓዒንትና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዑረት ብዚርኸብ መንፈሳዊ ኣዒንትና’ዉን ዘይንርእዮም፣ በቶም ትንፋሶም ነታ ባንዴራና ተውለብልባ፣ ብሰማእታት ደቓ ኢያ ሃገረ ኤርትራ ተኸቢራ እትነብር ዘላ። ደም ሰማእታትና ዋዛ ኣይኰነን።(ኣርባዕተ ነጥቢ) ንሕና እቶም ‘ኣሎና’ ንብል ደኣ ገሌና ብንፍጊ፡ ገሌና ብስስዐን ንዓይ ይጥዓመኒን ተጎቢእና ገሊና ምስ ጸላኢ ኣሻሪና ኣብ ሓንቲ መኣዲ’ኳ ብስርዓት ንምገብ ዘየለና። ገሌና’ሞ ካብቶም ጎረባብትና ሕሰዳ ዝወረስና ክንመስል ክነንቑርን ክንነቋቖርን ሓደ ንሓደ ከናሽዎን እንዲና ንዕዘብ ዘሎና። ወይለከ ሓቂ ኣይትዛረቡ ዲዩ! ናብ ልብና ንመለስ ደቂ ሓደ ስድራ ኢና፣ ዝጓነ ውላድ ክህልወና የብሉን፣ ብዘይ ልቡ ኮነ ብልቡ ኰነ ኢሉ ሕማቕ ዝገበረ ከይተረፈ ንኪጠዓስ ንኪምለስ ዕድል ንሃቦ። ተጋዳላይ ኣሮን ዲዩ ሓቀይ “ደቂ ሓደ ስድራ፣ ኣሕዋት ከመለኹም መፍቀርቲ ኤርትራ - - -” ዝበለ፣ ከመይ ጸባ ይስተ ወደይ!

በሓፈሻ፡ ዘይቀንእ ኣይወለድ እንዲዩ ዝበሃል፡ ካብ’ዚ ካብ ጎረቤትና ካብ መራሒ ሃገረ ኢትዮጵያ እንተተመሃርና እንታይ ጌጋ ኣለዎ ዲዩ፧ ንሓዉኻ ወላ ይጋገ ካብ ስድራቤትኻ ኣይትሓኾን ኢኻ! ነዉሪ ኢዩ፡ ባሕልን ስርዓትን ሕብረተሰብ ኤርትራና ኣይኰነን። ጌጋኡ ምሂርካ ኣሪምካ፣ ንስኻዉን ሰብ እምበር ኣምላኽ ስለዘይኾንኻ ጌጋኻ ኣሪምኻ ይቕረ ተበሃሂልካ ምንባር እያ ንዓለም ተመቕራ እምበር፣ ኣነነትን ንፍጊን ጽልኢን ቂምታን ‘ዓዲ ኣየጋብርን ኢዩ’ ሃስያ እምበር ረብሓ የብሉን።(ኣርባዕተ ነጥቢ)

ደግለል ወዲ ብዛዕባ እገዳ ኣልኢልኻ’ዶ፧ እገዳ ንምብርዓን ደኣ’ሞ ንስኻ እቲ ጅግና ሓዉናን እታ ዋዕሮ ሓፍትና ‘ጥበብ’ ማለት ሶፍያ እንደኣልኹም ትኣኽሉ!!! ብፍላይ ሓፍትና ሶፍያ ጓል’ያ ሳርያም ነቲ ‘ብሕሰዳን ብ’ፍልስፍና’ ሕብሪ ዓይኒን” ንዝፍለጥ ንእገዳውን ዝሸናኸረ ጠላም ኣይተ መለስ ስሙ ያ ነቢራ!!! ዋዕሮ ሓፍትና ጓል ኣቦታታን፣ ጓል ኣዴታታን!!! ምዃን ጓል “Founding Grandfathers of Eritrea” እንደኣላ! :mrgreen:

ናብ ቁምነገርና ክንምለስ፡ እዞም ጳጳሳት ሓላፊነቶም ስለዝዀነ ንስኻ ዀንኻ ካልኦት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍተዉዎ ኣይትፍተዉዎ ብዘየገድስ፣ ጉስነታዊ ስርሖም ክሰርሑ ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ እቲ መኒኻ ትብሎ በዚ ኣዉስትራሊያ ከይዱ ሕጣሙ ዘጥፍኣ ወዲ፣ ሃላፊ ክፍሊ ዜና ከሎ፣ “ስብከት አዳልዩ ንበብዎ ክብሎም ይደናደን ነቢሩ ያኢ!”፡ ምስ ኣቕበጭዎ ግን ሕሉፍ ሓሊፉ ብብድዐ “ትምበሉ” እናበለ ክድሕሎምን ከናሽዎምን ከጓጥጠሎምን ፈቲኑ ነቢሩ፣ ሓቂ ግና ወትሩ እናሓደረት ስለእትኹላዕ፣ እነሀ ንሶም ኣብ መሬቶም ከምቀደሞም ምስ ሕዝቦም ኣብ እምነቶምን መትከሎምን ጸኒዖም ስራሕ ጉስነቶም ይሰርሑ ኣለዉ፣ ንሱ’ከ ከምዛ ትርእያን ትፈልጣ’ያ እዛ ዓለም! እዙይ እዩ እቲ ኵሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓቂ!!! :lol:

ብዝዀነ ደግለል ወዲ ኣይፍለጥን ኢዩ ምሉእ ሓበሬታ ከይህልወኻ ስለዝኽእል፣ ጽቡቕ ድላይኻ እንተዀይኑ፡ ብውሕዱ’ኳ ነዘን መልእኽትታት ቀስ ኢልኻ ሃሰስ ኢልኻ ረኪብኻ ኽትነቦም ፈትን። እቲ መልእኽትታቶም ብቋንቋ እንግሊዝ’ዉን ይህሉ ኢዩ፣ ጥራይ ሃሰስ ምባል ኢዩ ካባኻን ካብ ሰብ ጽቡቅ ድላይን ዝድለ። ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ናብ መእመናኖምን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትታት ኣርእስትታቱ ኣብዚ እኔሀኻ።

ሰላምን ምዕብልናን - ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ (ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንምእመናንን ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን) ሓምለ 1991 ዓ.ም.ፈ.
Peace and Progress – A renewed spirit for a New Eritrea – Pastoral Letter to the Faithful and to all people of Good Will – 24 July 1991

መሰልን ግቡእነትን - ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳስ ዘኣሥመራ ብዛዕባ ረፈረንደምን ውጽኢቱን - ሚያዝያ 1993 ዓ.ም.ፈ.
Rights and Duties – Pastoral Letter of the Catholic Bishop on the 1993 Referendum – 18 April 1993

ርክብ ሃይማኖትን መንግሥትን ኣብ ኤርትራ- ኣቋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚገልጽ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳስ -ነሓሰ 1995 ዓ.ም.ፈ.
Religions and Religious Institutions – A Response of the Catholic Church Message of the Catholic Bishope of Asmara On Proclamation n.73/1995 – August 1995

ምሕፅንታ ሰላም - ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ሣልሳይ ዙርያ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ግንቦት 2000 ዓ.ም.ፈ.
An Appeal for Peace – Catholic Bishops of Eritrea During the Third Round Of the 1998-2000 War – 21 May 2000

ነዛ ሃገር’ዚኣ እግዚኣብሄር የፍቅራ እዩ - ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ - ግንቦት 24 2001 ዓ.ም.ፈ.
God Loves this Country – Pastoral Letter of the Catholic Bishops of Eritrea On the 10th Anniversary of Independence – 24 May 2001

መንፈስ ዕርቅን ምውህሃድን የድሊ - ለበዋ ካቶሊካውያን ጳጳሳትንሕዝብን መንግሥትን ኤርትራ - ነሓሰ 2001 ዓ.ም.ፈ.
A Recommendation – A Recommendation to the People and the Governement of Eritrea – August 2001

ንሕዝበይ ኣጸናንዑ - መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳስ ዘኣሥመራ ኣብ ዕለት ምንጋር ስውኣት ኵናት 1998-2000 - ሰነ 2003 ዓ.ም.ፈ.
Console my People – A Message On the Occasion of the Announcement of the Names of the Citizens Who Died in the 1998-2000 War – June 2003 (Transmitted in The Eritrean media)

ብተስፋ በርትዑ - ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ ካቶሊካውያን መእመናን ደቂ-ሃገርን፣ ንዅሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን - ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ - ነሓሰ 2004 ዓ.ም.ፈ.
Be Steadfast in Hope – Pastoral Letter of the Catholic Bishops of Eritrea To the Eritrean Catholics Living Abroad And to all People of Good Will – August 2004

ኣምላኽ እንተዘይሓነጸ፡ ሓነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ - መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ - ኅዳር 2007 ዓ.ም.ፈ.
If God doesn’t build … invain …. Builds toil. – aLetter of the Catholic Bishops of Eritrea To his Excellency The President of the State of Eritrea – November 2007

ሓዉኻ ኣበይ ኣሎ፧ - ነዙይ መልእኽቲ ኣርኪብካሉ ትኸዉን ኢኻ - ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ - 2014 ዓ.ም.ፈ.
“Where is your Brother?” (Gn. 4:9) Pastoral Letter of the Catholic Bishops of Eritrea –May 2014


“ሰላመ... ለርሑቃን፣ ወሰላመ ለቅሩባን” (ኤፌ.2፡17) - ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ - ኣሥመራ ፣ በዓለ ትንሣኤ ፳፻፲፩ (2019)
PEACE TO YOU WHO WERE FAR OFF, AND TO THOSE WHO WERE NEAR. (Ehp.2:17) - Call for National Reconciliation Pastoral Letter of the Catholic Bishops of Eritrea.- Easter 2019 ASMARA ERITREA

ምስ ብዙሕ ሰላምታ :mrgreen:





Zmeselo
Senior Member
Posts: 13873
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Zmeselo » 30 Apr 2019, 15:22

Courtesy: Hillal

Last time I checked, the leader of the Catholic Church- padre Zekarias- now out of the country, was a CIA implant that was feeding the NGOs false information about Eritrea, according to Wikileaks.

To add insult to injury, the drug addict and womanizer, the devil incarnation himself- the fake padre Mussie Zerai- is a human trafficker in chief.

The worst part is that these desperados and fake priests, don't have the ability to see beyond their own one small hamlet in Eritrea. Thus, we need to scrutinize all priests coming from the child molesters infested Vatican.

Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 30 Apr 2019, 16:02

Speaking of hamlets running (ruining) Eritrea and the Eritrean people -


Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 30 Apr 2019, 17:13

How higdef parasites create zombies
Parasites Raise Unsettling Questions About Human Free Will

Amel Ahmed Oct 31, 2018

When people think of zombies, it's usually in a fictional context or in connection with Halloween. But science writer Matt Simon, whose spent an awful lot of time studying parasites, says that the concept of brain control is not entirely far-fetched....
https://www.kqed.org/science/1933876/pa ... -free-will

Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 30 Apr 2019, 18:04

Zombies are everywhere. Parasites mean you could be one too.

In the wild, insects, worms, virus, and fungi turn animals into hyper-specialized zombies. Which ones can take over humans?
https://www.nationalgeographic.com/anim ... book-talk/


Meleket
Member
Posts: 242
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Meleket » 01 May 2019, 05:22

“ንዓ ኣብ ፍርዲ ንቕረብ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ጭብጥኻ ኣቕርብ” በለ መኒኻ ትብሎ ኣብቲ ዓቢ መጸሓፍ።

ገለ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓቅታት’ዶ ክንገልጽ!

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከም ማንም ቤተክርስትያን ፍጽምቲ ኣይኾነትን፣ ፍጽምቲ ኢየ ኢላዉን ኣይትፈልጥን ኢያ። ናብ ፍጽምና ገጻ ግን ትመጣጠርን ትጽዕርን።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካህናታን ደናግላን መእምናናን መላእኽቲ ኣይኰኑን ደቅሰባት ኢዮም፣ ከም ማንም ሰብ ይሓጥኡ፣ ይንስሑ ድማ፣ ካብ ዘይንሳሕ ሰብ የድሕነና።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም ኣማኢት ኣሽሓት ካህናት አለዉዋ፣ ኣብ ብዕሉግን ኣጸያፊን ስራሕ ዝተረኸቡ ድማ ብሚእታዊት ክረኣ እንከሎ ትሕቲ 0.1 % ካብ ካህናታ ክንሶም፣ መደናገሪ ብዙሓት ድማ ክንድ እምባ ኣግዚፎም ስም እታ ቤተክርስትያን ክብልሉ ይፍትኑ። ምዃን ኣብ ጽዕድዉ ዝበለ ነገር ዘላ ሓንቲ ንእሽቶ ጸላም ነቝጣ ክትረአ ባህርያዊ ኢዩ። ነቲ ኣብ ማኅበራዊ ፍትሒ ኅብረተሰብ እተበርክቶ ግደ ዕሽሽ እናበሉ ተማሂርና ቢሎም ዝሃስቡ ዶካትር ከይተረፉ ንጳጳሳትን ካህናትን ብልግጫ ክተኹቡን ንሓፋሽ ከደናግሩን ክፍትኑ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ግዜ ተራእዩ ኢዩ። እቱይ ዚገርም ግን ንሳቶምዉን ዝተመሃሩሉ ቤትምህሮታት በታ ቤተክርስትያን ዝተሓንጹ ኪኾኑ ዓቢ ተኽእሎ ምህላዉ’ዩ። ኣብዚ ቀርኒ አፍሪቃ’ኳ ኣብ ምትኻል እቲ ስሙይ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ ኰነ ዩኒቨርስቲ አስመራ ናይዛ ቤተክርስትያንን ካህናታን ደናግላን ግደ ዘብርሖን ዝኹልዖን ስራሕ “ተኹላ” ዘይዀነስ፡ ከም “ጻጸ ወይ ንህቢ” ንስለ ንቕሓትን ፍልጠትን ሓፋሽ ትተግህ ከምዝዀነት ኢዩ፣ እዙይ ድማ ጉስነታዊ ሃላፊነታ ጌራ ስለትወስዶ’ያ እታ ቤተክርስትያን ናተይ ቢላ ትዕጠቀሉ።

እታ ቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ ዓለም ርኡይ ጌጋታት ዝፈጸመትሉ እዋናት ነቢሩ’ዩ፤ ድሒራ ግን ብዕሊ ይቕሬታ ሓቲታትሉ ኢያ ትሓተሉዉን አላ። ካብኡ ክንዲ ዝተመሃረትዉን ባዕላ ተደቢራ ይቕሬታ እናሓተተት ብኣብነታ ወላ ንመራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ፣ ናይ ይቕሬታን ምሕረትን መንፈስ ክዓስሎም እትጽልየሎምን ኣድላይ ኣብዝበለቶ ድማ ትምዕዶም፣ ከድሊ ከሎዉን ትግስጾም ኢያ። እዞም ናይ ሕጂ ጳጳስ ሮማዊት ቤተክርስትያንዉን ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ተደቢሮም ጫምኦም ኪስዕሙ ብዓዒንትና ርኢና ኣሎና። እቶም “ተዃሉ” ቢሉም ንካህናት ዚጽውኡ “ኣዛብዕ” ከይተረፉ ኪኽሕድዎ ዘይክእሉ ከም ጸሐይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ዝበለ ሓቂ ኢዩ። :mrgreen: እቶም ናይ ዘመንና ዶካትር ቁጽሪ ነዚ ከምዚታት ግብሪ ስራሕ “ተዅላ” ይብልዎ’ዉን ይኾኑ፣ ስራሕ “ተዅላ’ ከመይ ከምዘለለይዎ ዝፈልጥዎ ግን ባዕሎም ኢዮም።

ደረስቲን ጋዜጠኛታት ዓባይ ጦቢያ ከይተረፉ ንካቶሊክ ቤተክርስትያን ምስ መንግስቲ ፋሽስት ጥልያን እናዋቕዑ፣ ጦቢያ ክትውረር ከላ ንሰራዊት ፋሽስቲ ባሪኻ ሰዲዳ እናበሉ ዘይስማ ብምሃብ ኣብ ናይ ሓሶት ብሮባጋንዳ (ነፍሕን ጨደደደድን “ብ ‘ተጋሩ’ኛ”) ተዋፊሮም ይርከቡ፣ እንተኾነ፡ ተመራማሪ ታሪኽ ጋዜጠይና ኣምባሳደር ዘውዴ ረታ ነቲ ሓሶትን ቤላ ቤለዉን ብጭብጢ ኣበርዒኑ ነቲ ሓቂ ሰኒዱ ሓሊፉ’ሎ።
እቱይ ዝገርመና ንካቶሊክ ቤተክርስትያን ምስ መንግስቲ ፋሽስት ጥልያን ኣዋቂዕና ክንከሳ እንተኰይንና፣ ንተወሃዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ድማ እምነት እቶም መራሕቲ ጦቢያ ዝበዝሑ ተወሃዶ ስለዝነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ንዝወረደ ኣደራዕ ነታ ቤተክርስትያን ተወሃዶ ኢትዮጵያ ክንከሳ ኣሎና ማለት ኢዩ! ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ይቕረ ክትብል ኣለዋ ክንብል ኢና ማለትኡ። መምህራን ቁጽሪ ጥራህ ኢዮም ነዚ ሎጂኽ ክርድእዎ! እዙይ ብጭራሽ ዘይመስልኡ፣ እቲ ጸገም ኣብ መራሕቲ ቦለቲካዊ ባርቲታትን ገንዘብ ሓፋሽ ብዘይቀለዓለም ሙልጭ ኣቢሎም ዝበልዑ መጋበሪታቶምን እምበር ኣብ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ስለዘይኰነን ስለዘይነበረን።

እዚ ኩነታትና ኣዚዩ “እና መዓረ ኸደ - - -” እናዀነ ይኸይድ ኣሎ፣ እስከ እቲ መኣዲ ዘተን ብቃልዕ ልቢ ብልቢ ምዝርራብ ይጀመር፣ ሐደ እማመ ኣብዚ ክነቅርብ ወ/ሮ ጥበብን ዶ/ር ቁጽሪን ገለዝከማኹምን ወሲኽኩም “ንዲያስቦራ ወኪልኩም” እስከ ፊተፊት ምስ ካቶሊካውያን ኣቡናት ምስ ካልኦት መራሕቲ ሓይማኖትን ዓበይቲ ዓድታትን ብቓልዕ ዘተ ጀምሩ፣ ልብ ንልቢ ምስተወሃሃብኩም ምስተናበብኩም ኣጸቢቕኩም ክትፋለጡ። ትብዓት ርእሰምትእምማን እንተሎ ካብ ካልእ ኣካል “ይሕለፍ” ከይሓተትኻ፣ ምስዞም “ሕርመት ልቢ ሕዝቢ ኤለትረያ” ምስዝዀኑ ጳጳሳት እስከ ተላዘቡ። መንእሰይ ኤለትረያ ድማ በቲ ካብ ኣፍኩም ዚወጽእ ስነ መጎት ብቃልዕ ይመምየኩም። ምሁር ኢየ መጉተ እረትዕ ተዛሪበ ኣስምዕ ዝበለ ይዛረብን ይሞጉትን ኣብቲ ምብህሃል ድማ ብቑሊ ብልሒ ሓዲሽ ወለዶ ኣጸቢቑ ከጉላዕልዕ። ንዓይ ጥራሕ አጣቕዑለይ፣ ንዓይ ጥራሕ ስምኡኒ፣ ኣነ ኩሉ ክግብት ዝብል ኣካይዳ ኣብዚ ሓዲሽ መዋዕል ኣይሰርሕን ስለዝዀነ። :mrgreen:

ክንዲ ዝዀነዉን ወ/ሮ ጥበብ ጥበብክንን እምነትኽንን ሒዝኽን ዶ/ር ቁጽሪ’ዉን እምነትኩም ቴረምኩም ፖስቹሌትኩም ካልኩለስኩም ሎጋሪዝምኩም ወዘተ ድላይኩም ፍልጠት ሒዝኹም እስከ ምስዞም “ተዃሉ” ዝተባህሉ ሰብ ጀለብያ ተላዘቡ፤ በይዛኻትኹም! :lol:

መማቕርቲ ዋዛ’ዶ ፈይ ክነብል

ጌታቸዉ ቦሎዲያ ዝበሃል ሊቀሊቃውንት ወዲ ኢጦቢያ ነበረ ይበሃል። መምህር ባዮኬምስትሪ ድማ ኢዩ ነቢሩ። ኣዚዩ ውሩይን ክቡርን ብምንባሩ ድማ ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ውሩያት ዮኒቨርሲቲታት ናይ ኣፍሪቃ ካብ ኣዲስ ኣበባ እናተበገሰ የምህር ነበረ። ምስቲ ኩሉ ሊቕነቱ ካብ ሃገረይ ወጻኢ ኣብ ካልእ ኣይሰፍርን ቢሉ፡ ንደቂ ሃገሩ ኪምህር ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝመረጸ፡ ፈታዉ ሃገሩ ኰይኑ፡ ናይ ደገ ናይ ቁጠባ ሎቕመጽመጽ ዘየስደኦ ፍትው ፈታዉ ሃገሩን ሪሙን መንነቱን ዝነበረ መምህር ከምዝነበረ ይዝንቶ። ኮነ ድማ ጓሉ ኣብ አ/አ ሃገራዊ መርመራ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ምስ ተካፈለት፣ 6 “A”ን ሓንቲ “B”ን ረኸበት። በዚ ውጽኢት ከምዘይዓገበ ዘስተብሃሉሉ ሰባት ብዛዕባ ጓሉ ምስ ሓተትዎ፥ እቲ ሊቀሊቃዉንት ባዮኬምስትሪ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ጉዳይ ተረዲኡኒ ኢዩ፣ ብርግጽ እተን “A” ዘምጸኣተን ካብ 'ናተይ ጂን’ ኢዩ፣ እታ “B” ግን ...።

እንታይ ንምባል ኢዩ፡ ብኩልንትናና ንፉዓት ንዅን ብኩልንትናና A ምእንቲ ክንረኽብ፣ ኣብ ደገ ሰፊርና ኣይንወራዘ፣ ምሁራት ኢና ኢልና ኣይንተዐበ፡ ህዝቢ ከይኽዕበና፣ እንተዀነ ከም ጌታቸዉ ቦሎዲያ ብኣኻል ምስ ህዝብና ሰፊርና ህዝብና ንምሃር! ካህናተ-ደብተራ ድማ ኣይንኹን። :mrgreen:
http://www.danielkibret.com/2012/05/225-197.html
Last edited by Meleket on 17 May 2019, 02:23, edited 1 time in total.

Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 01 May 2019, 05:46

Zombies are everywhere. Parasites mean you could be one too.

In the wild, insects, worms, virus, and fungi turn animals into hyper-specialized zombies. Which ones can take over humans?
https://www.nationalgeographic.com/anim ... book-talk/

Zmeselo
Senior Member
Posts: 13873
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Zmeselo » 01 May 2019, 05:53

Jesus said: " My kingdom is NOT of this world"!

Period!

There's nothing to talk about with a theocratic state, created in the name of "Jesus".

The orthodox Church, is part of the society. It's not a state all on itself, with embassies etc.

Obey Jesus, not a pope!

Awash
Senior Member+
Posts: 25151
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም

Post by Awash » 01 May 2019, 06:16

...The zombie of pop culture very much mimics the person infected with a real rabies virus. But it gets more complicated. In raccoons or other mammals that the virus typically infects to complete its life cycle, it not only produces that foaming of the mouth, which is the virus presenting itself in the saliva. It also makes those animals more aggressive, which in and of itself is a behavioral manipulation. It transmits by getting the animal to bite another animal, therefore getting into another body.

But it goes beyond that. It makes the animal not only avoid [Holy] water but very much fear water, which is probably a manipulation to keep the animal from washing the virus out of its mouth. You can find videos of humans doing the same. They’ll recoil as a nurse presents them water. Somehow the virus is manipulating our behavior to recoil at the sight of water. It’s a terrible sickness but it did give us the zombie that we know today...

Post Reply