Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 201
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ህልው ኢዩ - ግጥሚ ንተጋዳላይ ተኪኤ በየነ

Post by Meleket » 15 Apr 2019, 08:55

ህልው ኢዩ - ግጥሚ ንተጋዳላይ ተኪኤ በየነ

ህልው ኢዩ እቲ ስዉእ ተኪኤ በየነ፣
እቲ ምቕሉል ሓርበኛ ኣርሓ ዘይዳነ።

ቃሉ ምስተግባሩ ‘ናቅፋ’ ምስክሩ፣
ሰነድ ዘዉረሰና ጽሒፉ ደብቲሩ።

‘ሶፍያ’ ዘቕረበ ንዓለም መርሚሩ፣
ንታሪኽ ገድልና ፈቲሹ በርቢሩ፣
‘ካብ ሪቕ ብሕፍንቲ’ ዚህብ ኣመቂሩ።

ናብ ዓዲ ህልዋን’ዩ ሳጊሙ ሰጊሩ፣
እቶም ሰብ ምስሃለፈ እምባባ ተንብሩ፣
የሎን ኣይትበልዎ ኣይትደናገሩ፣
ገዲፉ ኢዩ ንሱ ምስጢር ኣመስጢሩ፣
ተኪኡ’ዩ ንሱ ሚሊዮናት ምሂሩ።

እቶም 'ኣሎና ትብሉ' ነታ ሪቕ ጻሕትሩ፣
ብሜላ ብጥበብ ንዉሽጣ ጎርጉሩ፣
በብ ሕፍንትኩም ዛንታኩም ንገሩ፣
ምእንቲ ኪፈልጦ ሃገር ብሃገሩ፣
ከም ወዲ በየነ ገለስከ ጫሕግሩ፣
'ኣሎና' እናበልኩም ኣይትደናገሩ፡. . . ኣ ይ ተ ደ ና ግ ሩ!
Last edited by Meleket on 20 Apr 2019, 10:53, edited 2 times in total.

Meleket
Member
Posts: 201
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ህልዉ ኢዩ - ግጥሚ ንተጋዳላይ ተኪኤ በየነ

Post by Meleket » 16 Apr 2019, 02:50

መጸሓፍ “ካብ ሪቕ - ሕፍንቲ” – ብዕማኾና ወይ ብቁንጣሮ

ገጸ-በረኸትነታ :- ንኽብሪ እታ ሓየትን ዋዕሮን እትጫጭሕ ጸዋር ማህጸንን ንስዉኣት ደቃን ትኹነለይ፡ ብምባል ደራሲ ነዛ ሓጻርን ገላጺትን ግጥሚ የስዕብ።

እታ ለዋህ ማህጸን

ኣፈይ ትም ኢሉ
ኢደይ ክኰላለሱሉ፡
ህይወት ዝኸፈለ ከሎ
ናይ በዓል ዕዳ ኣውሎ፡
ክሳብ መዓስ!
ግን ሕሩመይ ከይጠዓስ! ደራሲ



ኣብ ገበራ ድማ ነዚ ነንብብ

ብጻይ ተኪኤ በየነ ንፖለቲካዊ ቃልሲ መንእሰያት 50ታት ክሳብ ፈለማ 80ታት ምስ’ቲ ኩሉ ተኣፋፍነቱ፡ ብቕደም ተኸተል፡ ብዕምቆትን ጥበብ ብዝመልኦን፡ እሞ ኸኣ ምስ ተነባቢ ቋንቋ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

መጽሓፍ “ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ” መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቲ ትማልን ሎምን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ታሪኽ ብደቂቕ ፈሊጦም፡ ነቲ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝመጽእ ምዕባለታት ክፈልጡዎን ከማእዝኑዎን ኣዝያ እትሕግዝ ኢያ። እዛ መጽሓፍ፡ መንእሰያት፡ ኩሉ ክገብር ዝኽእል ዕቑር ዓቕሚ ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ እተዘኻኽር ዓባይ ስራሕ ኢያ። (ጀነ.ስብሓት ኤፍሬም)


ሃየ ዘይነበብኩማ ሃሰስ ኢልኩም ንበብዋ ደኣ!!!


Post Reply