Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
QB
Member
Posts: 264
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተኣሲሩ

Post by QB » 11 Feb 2019, 09:59

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ የማነ፣ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ፈጺምዎ ዝብሃል ምጥፍፋእ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ።
ኣቶ ብርሃነ፣ ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሒሳብ ከጻሪ ናብ ቴልኣቪቭ ከይዱ እኳ እንተነበረ፣ ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ክነሱ ብዝግባእ ከይሓበረ ብምሕላፉ ከምዝተኣስረ'ዩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ዘመልክት።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብቶም ኣብ እስራኤል ካብ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተኣከባ ገንዘብ ብምጥፍፋእ ብቐዳምነት ካብ ዝተኣስሩ ኣባላት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ዩ።
ሓላፊ ሒሳብ ናይቲ ሚኒስተሪ ነበር፣ ኣቶ ብርሃነ የማነ ድማ፣ ብደረጃ ጸሓፊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ተሳሒቡ'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።
ኣብ እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ገጢምዎን ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ካብእቶም ዝርከብ ገንዘብ፣ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ንውልቃቂ ረብሓታቶም ከምዝጥቀምሉ ብሰፊሑ ይዝረበሉ'ዩ።
ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዘለዋኤምባሲታት ኤርትራ'ውን ምስ ስግረ ዶብን ካልእን ብዝተሓሓዝ ሕጋውነት ዘይብሉ ኣታዊታት ከምዘኻዕብታ'ዩ ዝንገር።

https://erena.org/index.php/zena/4705-ሓ ... -ኤርትራ-ተኣሲሩ