Meleket wrote: ↑03 Dec 2022, 05:15ወዲ ሓወቦና ካብ ዝፈነወን ገለ ገለ ትሕዝቶ ክንሰምዕ ዕድል ረኺብና ነቢርና’ሞ፤ ብዙሕ ቁምነገር ተዛሪቡ ንስለቲ ጻዕሩን ተበግሶኡን ንሙግሶ። እተን ዳግማይ ኪሓስበለን ዚግባእ ጉዳያት ድማ ብኤርትራዊ ጭውነት ሃበንን ምቕሉልነትን ድማ ነካፍሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን።
“ድርብ ዕያር” ዶ ኣይዀነን?
ብዛዕባ ልዑላውነት ኤርትራ እናሞገተ፡ ንልዑላውነት ሃገረ ኡክሬን ጎሲዩ ንወራሪ ፑቲን ምምጓሱ ተዓዚብና፤ እዙይ “ድርብ ዕያር” ዚበሃል ድማ ከምዡይ ዓይነት ኣተሃሳስባን ኣካይዳን ኣይኮነን ዲዩ? ልዑላውነት ሃገር ኪበሃል ከሎ እታ ሃገር ምስ ድላያ ክትቋረን ክትዛመድ መሰላ’ዶ ኣይዀነን? ንኣብነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ሃገረ የመን ዝነበረ ጉዳይ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓሰብ ንቀጠር’ዶ ንኤሜሬት መዓርፎ ነፈርቲ እንተካረየት ጐረባብታ ከጉባዕብዑላ ቅቡል ዲዩ? ጅቡቲ ሰፈር ዝተፈላለዩ ሃይልታት ክትከውን ብምምራጻ ጐረባብታ ሃዲድናያ ንፈልጥ ዲና? ክንዲ ዝዀነ ድማ ሃገrን ህዝብን መንግሥትን ዩክሬን ምስ ድላዩ ሃገር ኮነ ሃይሊ ዝምድና እንተመስረተ ኪጉበጠን ኪውረርን ይግባእ ዲዩ? ነቲ ቅሉዕ ወራር ሩሲያ ንልዑላዊ ሃገር ዩክሬን ኪነመክንየሉ ይግባእ ዲዩ? ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳዪ ዚገብር ዛሎ ንወራሪ ፑቲን’ከ ክንምጉስን ክነመላኽእን ይግባእ ዲዩ? ምስቲ ወዲ ሃወቦና ብዛዕባ እዙይ ጉዳይ ዝተዛረቦ እዙይ ሕቶና ኅሊና ዝኹርኹህ ጉዳይ ኪኸውን ተስፋ ንገብር። ንገለ ቦሊሲታት ኣማሪካ ስለዝጸላእና ወይ ግዳይ ገለ ቦሊሲታት ኣማሪካ ስለዝዀንና፡ ንዕላዊ ወራር ሩሲያ ክንድግፍ ይግባእ ዲዩ?
ምንጪ ጥቀሱ
ካብ ካልኦት ዝወሰድኩሞ ሃሳብ ኮነ ታሪክ ክትገልጹ ከለኹም ምንጪ ጥቀሱ ቢሉ ይዕድመናሞ እሞ ንሱ “ባንኪን ታንኪን” ቢሉ ኪገልጽ ከሎ ካብ ጋዜጠኛታት ጦቢያ ከምዝተለቅሖ ኣይገለጸልናን። ከምዡይ ኪገብር ከሎ ንሱውን ምንጪ ይጥቀስ ደኣ።
“ተቃለስቲ’ዶ ኣሸበርቲ ወይ ግብረሽበራውያን
ኣብ ሓደ መደርኡ ወዲ ሓወቦና ከምዡይ ቢሉ፥-ሓደ ናይ ምሁር ደንቆሮ ኤርትራዊ’የ ዚብል እንታይ ኪብል ሰሚዔዮ መስለኩም “ምስ ኣሜሪካ ትኣኽል፡ ምስ ምዕራባውያን ዝኣክል ይበኣሱ እዚኦም” ኢሉ ብተምሳጥ ከሕነቕንቕ ሰሚዔዮ። ሓዚነ፡ ኣብ ሻዕብያ ከየብጻሕኩ ባዕለይ ክምልሰሉ ኢየ። እዚኣ ንዓይ ግደፉለይ። ሓዝ መልሰይ፡ ግብርሓፋሽ እንተአትጋሂሱ፡ ልዑላውነት ሃገር እንተተደፊሩ ከም ሕዝብኻ ብቁመና እንተፈሪስካ ኣኸለ’ዩ፤ ኣብነትካ ትግራይ ትኹን። ‘ኣሜሪካ ሃገር ኢያ’። እወ። ‘ኃያል እውን ኢያ።’ እወ። ከፊኡ እንተከፍኣ ግን ማንታ ህንጻኣ ‘ተቃለስቲ’ ሮማዕ ከምዘበልዎ ኣስተውዕል። ኢለ መሊሰልካ ኣሎኹ። . . . .
እሞ’ከ ደኣ ተቃላሳይ ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ዕላማን ግዳይን ይገብር ዲዩ?
ተቃላሳይ ማለት አብ ክንዲ ወተሃደራዊ ዕላማ ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ዚቐዝፍ ተግባር ዚፍጽም ዲዩ?
ተቃላሳይ ህንጻታት ዚሰርሕ ዲዩ ሕንጻታት ዜዕኑ?
ኣብዚ ነታ ሕቶ ናብ ሻዕብያ ከየብጻሔ ባዕሉ ኪምልሳ ብምፍታኑ፡ ርኡይን ዓብይን ጌጋ ተጋጊዩ። እዞም ኣሽሓት ዜጋታት ዓለምና ብሰላማዊ መንገዲ ዝዓዩለን ዝነበራ ንማንታ ህንጻ ዜዕነው ባእታታት ኣሸበርቲ ወይ ግብረ ሽበራውን እምበር ተቃለስቲ ወይ ተጋደልቲ ኣይዀኑን። ተጋዳላይ ወይ ተቃላሳይ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ኬድሕን በጃ ይሓልፍ እምበር ንሰላማውያን ሰባት ግዳዪ ኣይገብርን ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ ድማ እዞም ማንታ ህንጻ ዘዕነው “ሮማዕ ዘበሉ” ውልቀሰባት አሸበርቲ ወይ ግብረሽበራውያን እምበር ተቃለስቲ ክንብሎም ኣይግባእን።
ወዲ ሓወቦና ካብ ዝሰማዕናሉ ፍትዋት አገላልጻታት ሓደ ክልተ ፈዪ ከነብል፦
ንመራሕቲ ‘መንግሥቲ ክልል ትግራይ’ “ምስ ክራቫታኦም ናብ ፕሪቶሪያ ከይዶም ዝተማረኹ” ቢሉ ንበኣል ስታሊን ዝመለሰሎም ግሩም አገላልጻ ኢያ። 100/100 ሂብናዮ ኣሎና።
ኤርትራዊ ኣብ እምኒ ሕነ ኣይፈድይን ኢዩ። ሓውልቲ ሰማእታት ተዀምብያ ብወያነ ስለዝዓነወ፡ እቱይ ንጥንታዊ ግዕዛዊ ፊደላትና ሰቲሩ ንዘመናት ንቅድመ-ኣኽሱማዊ ታሪካዊ ዛንታታት ህዝብና ዝዓቐበ ሓወልቲ መጠራ፡ ብወየንቲ ከምዝዓኑ እንተተፈረደኳ፤ መንግሥትን ህዝብን ኤርትራ ግዜ ሂቡና ቢሎም ንሓወልቲ ኣዅሱም ከዕንዉ ኣይደለዩን ዚበሎ ኣገላልጻ ፈቲናሉ ኣሎና። ብርግጽ ንጭውነት ኤርትራውያን ዝያዳ ዜጉልህ፤ ንአራዊታዊ ተግባር ወየንቲውን ዝያዳ ዚገልጽ ግሩም አገላልጻ። ኣገናዕ ወዲ ሓወቦና ክንብሎ ንፈቱ! ኣብዡይ እውን 100/100 ሂብናዮ ኣሎና።
ኣብ ቀጻሊ “ያበጠው ይፈንዳ” ቢሉ ኮነ ምስ “መምህሩ” ተላዚቡ ብዛዕባ “ፊዚካል ዲማርኬሽን” እንተተብተቦ ድማ ኣይጽላእን ኢዩ። ኢሳያስ ጸጋይ “ንዶብ እንድዩ ተኸፊሉ ጅግና” ከምዝበለ፤ እዙይ ኩሉ ናይ ዓመታት ገልታዕታዕን ከልበትበትን ህዝቢ ኤርትራ ብ“ቨርችዋል ዲማርኬሽን” ዘይዀነ ብ “ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኪዛዘም አይግባእን’ዶ? ቢሉ ይሕተት። “ፊዚካል ዲማርኼሽን” ንህዝቢ ኤርትራ የርብሖ’ዶ የኽስሮ? ቢሉውን ይሕተተልና ንመምህሩ። ኣብ ቀጻሊ ስርሓቱ ብዛዕባ ህንጸት ብዛዕባ ኮንስትራኽሽን ብዛዕባ ሕርሻ ብዛዕባ ቱሪዝም ብዛዕባ ጸዓት ወዘተ ዛሎ ተኽእሎታት ስራሕ እንተቀረበ ድማ ንጽበዮ።
በዙይ በለ በቱይ እቱይ ጉዳይ ዶብን ልዑላውነትን ኣብዙይ ኪጥመር ይግባእhttps://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308857
ኤርትራውያን "ናትና ኣይንህብን ዘይናትና _ _ _ _ _ _ _!" ክንብል ከሎና ብወገን ኢትዮጵያ ክንየው እዘን 146 ነቑጣታት ወይ መዓስከራት ነማዕድዎ ነገር የብልናን ማለት'ና ዶ ኣይዀነን?
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
"ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
Last edited by Meleket on 05 Dec 2022, 11:05, edited 2 times in total.
-
- Senior Member
- Posts: 15051
- Joined: 02 Aug 2018, 22:59
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ
"ኃያል" ኢሉ ዝጽሕፍ ኤርትራዊ የብልናን። እዚአስ ናትካ ናይ ሓደ አብ ዕጽዋን ክባን ዝርከብ ትግራዋይ አጸሓሕፋ እያ ትመስል። እቲ ሓሶትካ ገደብ እንተገበርካሉ ይሓይሽ ፣ ምኽንያቱ እቶም ብሓሶት ክትጥቅኖም ትፍትን ዘለኻ ኤርትራውያን አሽንኳይዶ ንሓደ ደንቆሮ ከዳሚ ትግራዋይ ከማኻ ተባዕታይ ሃመማ ብቐሊሉ ከለልዩ ዝኽእሉ፣ ብኣተሓሳስባ፣ ብፍልጠት ዝበሰሉ፣ ጸጋ አእምሮ ዝተዓደሉ ህዝቢ ምዃኖም ከረጋግጸልካ ይፈቱ።‘ኣሜሪካ ሃገር ኢያ’። እወ። ‘ኃያል እውን ኢያ።’ እወ።
-
- Senior Member
- Posts: 14412
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ
Meleket,
ኣብ ዓሰብ ንቀጠር’ዶ ንኤሜሬት መዓርፎ ነፈርቲ እንተካረየት ጐረባብታ ከጉባዕብዑላ ቅቡል ዲዩ? ጅቡቲ ሰፈር ዝተፈላለዩ ሃይልታት ክትከውን ብምምራጻ ጐረባብታ ሃዲድናያ ንፈልጥ ዲና?
ናይ ጅቡትን ኤርትራን ጉዳይ ዝተፈላለየ እዩ ። ካብ ደቂ ዓዲ ዝበሃሉ ጀሚርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራ ሕስድና ዝመልኦ ኣረኣእያ ኣሎ ።
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ
"መንግሥትታት" ቢሉ ዚጽሕፍ ኤርትራዊ'ከ ኣሎና'ዶ?
ለመሆኑ ኮለኔል ታሪኩ እንዴት ናቸው? መቼም አማርኛ ነው ይበልጥ የሚገባሽና በአማርኛ እናስረዳሽ። Awel Seid የተባለው ኤርትራዊ ኣርቲስት፡ በየግዜው የሚለቀውን ቪዲዮ ተመልክተን ሃሳብ ሰጥተናል። በ9/11 ፍጻሜ ዙርያ "የአሜሪካን መንታ ህንጻዎችን "ተቃለስቲ" ወይም "ታጋዮች" ዶግ ኣመድ አድርገውታል" ማለቱን ተከትሎ፤ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ደግሞ "አሸባሪዎች"ን "ተቃለስቲ' ማለት ትልቅ ስህተት ነው ብለን ምክራችንን ለግሰነዋል። ኣይዞሽ ይሄ ምክራችን ደስ ስላላለሽ "ኣሸባሪት" ብለን አንጠራሽም!
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ሰዎችን ታርጌት ያደርጋል እንዴ?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ሰላማውያን ሲቪል ሰዎች የሚሰሩባቸውን ስፍራ ዒላማ አድርጎ ጥቃት ይፈጽማል እንዴ?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ህንጻ ነው የሚሰራው ወይስ ህንጻን ያወድማል?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ በሽዎች የሚቆጠሩ ሲቪሎችን ገድሎ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ቤተሰቦቻቸውን አደጋ ላይ ይጥላል እንዴ?
የኣሜሪካን መንታ ህንጻዎች ያጠቁት ሰዎች ወይም ኃይሎች "ተቃለስቲ ወይም ታጋዮች" ከተባሉ፡ "አሸባሪዎች ወይም ግብረ ሽበራዎች" የሚለው ቃል ታድያ ለማን ሊሰጥ ነው? ብለን ኅሊናን የሚኮረኩር ጥያቄ ነው የጠየቅነው። ከቻልሽ መልሽ ካልቻልሽ ደግሞ ሚመልሱትን ሰዎች አዳምጭ፡ ካልሆነ ግን "ጓል መገዲ" በመሄድ ከጽሑፍ አርእስት ውጭ ለማጭበርበር መሞከርሽ ምንነትሽን ብቻ ነው ቁልጭ አድርጎ የሚያሳዬን። ኰለነል ታሪኩን ደግሞ ሰላም በዪልን።።
የዘላቂ ሰላም ዋስትኖቻችን፡ 146ቱ የጋራ ፈርጦቻችን ናቸው። "ፊዚካል ዲማርኼሽን" ኣሁኑኑ!
https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308857
Meleket wrote: ↑09 Nov 2022, 03:45. . .
ናብ ትግርኛናን ቋንቋዊ ውርሻና ክንምለስ፦ ኣብታ "መንግሥታትን" እትብል ቃል ዛላ ፊደል "ሥ" እንታይ ዀይና ኢና ኣብ ሓዳስ ኤርትራናን ኣብ ኤርትራዊ ጽሑፋት ድሕሪ ናጽነት ዛይንርእያ ዛሎና፧ መን ኣጥፍኣ፧ ስለምንታይ፧ ንምንታይ'ከ፧ ንመን'ከ ተወኪሱ፧ ምስ መን'ከ ተላዚቡ፧ ወዘተ . . . ንፊደላትናውን 'ፍልልይ ከይገበርካ" ምዕቃብ ኣይምተገብኣናን'ዶ፧ ቢልና እንተ ሓተትና መን ኮን ኢዩ ኣዕጋቢ ምላሽ ዚህበና 'ልሒቕና'፧
Fiyameta 'ጓል መገዲ'ዶ መሪጭኪ? ነዙይ ናይ ፊደላት ጕዳዪ ካልእ ግዜ ክንምለሶ'ና!https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308805&
ለመሆኑ ኮለኔል ታሪኩ እንዴት ናቸው? መቼም አማርኛ ነው ይበልጥ የሚገባሽና በአማርኛ እናስረዳሽ። Awel Seid የተባለው ኤርትራዊ ኣርቲስት፡ በየግዜው የሚለቀውን ቪዲዮ ተመልክተን ሃሳብ ሰጥተናል። በ9/11 ፍጻሜ ዙርያ "የአሜሪካን መንታ ህንጻዎችን "ተቃለስቲ" ወይም "ታጋዮች" ዶግ ኣመድ አድርገውታል" ማለቱን ተከትሎ፤ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ደግሞ "አሸባሪዎች"ን "ተቃለስቲ' ማለት ትልቅ ስህተት ነው ብለን ምክራችንን ለግሰነዋል። ኣይዞሽ ይሄ ምክራችን ደስ ስላላለሽ "ኣሸባሪት" ብለን አንጠራሽም!
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ሰዎችን ታርጌት ያደርጋል እንዴ?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ሰላማውያን ሲቪል ሰዎች የሚሰሩባቸውን ስፍራ ዒላማ አድርጎ ጥቃት ይፈጽማል እንዴ?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ህንጻ ነው የሚሰራው ወይስ ህንጻን ያወድማል?
ተቃላሳይ ወይ ታጋይ በሽዎች የሚቆጠሩ ሲቪሎችን ገድሎ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ቤተሰቦቻቸውን አደጋ ላይ ይጥላል እንዴ?
የኣሜሪካን መንታ ህንጻዎች ያጠቁት ሰዎች ወይም ኃይሎች "ተቃለስቲ ወይም ታጋዮች" ከተባሉ፡ "አሸባሪዎች ወይም ግብረ ሽበራዎች" የሚለው ቃል ታድያ ለማን ሊሰጥ ነው? ብለን ኅሊናን የሚኮረኩር ጥያቄ ነው የጠየቅነው። ከቻልሽ መልሽ ካልቻልሽ ደግሞ ሚመልሱትን ሰዎች አዳምጭ፡ ካልሆነ ግን "ጓል መገዲ" በመሄድ ከጽሑፍ አርእስት ውጭ ለማጭበርበር መሞከርሽ ምንነትሽን ብቻ ነው ቁልጭ አድርጎ የሚያሳዬን። ኰለነል ታሪኩን ደግሞ ሰላም በዪልን።።
የዘላቂ ሰላም ዋስትኖቻችን፡ 146ቱ የጋራ ፈርጦቻችን ናቸው። "ፊዚካል ዲማርኼሽን" ኣሁኑኑ!
https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308857
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም "ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
ስምንተኛው ሽ ደረሰ መሰል፡ የ "9/11 'አሸባሪዎች' እንደ ጀግኖች ተቆጥረው በኤርትራዊው ኣርቲስት በ Awel Seid "ተቃለስቲ ማለትም ታጋዮች" እየተባሉ ነው"። (14ኛ ክፍል ቪዲዮውን ይመልከቱ) ይህን መሰሉ መረን የለቀቀ ኣመለካከት፡ ህዝብንና የዋሆችን እንዳያሳስት፡ መታረም እንዳለበት መግለጽ ደግሞ ኅሊናዊ ግዴታችን ነው፡ ለኛ ለኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች።
ጐበዝ ሚናህን ለዪ "አሸባሪን አሸባሪ" እንዲሁም "ታጋዪን ታጋይ" ማለት የግድ ይላል። አሸባሪ በሽዎች የሚቆጠሩ ስቪሎችን ዒላማ ኣድርጎ አጥፍቶ ይጠፋል፡ ታጋይ ደግሞ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ዜጎች ሰላማቸው እንዳይደፈርስ፡ ራሱን መስዋእት በማድረግ የብዙዎችን ሰላም ይታደጋል። ኣይደለም እንዴ?
ዶማም ዶማ ኣካፋም ኣካፋ መባል ኣለበት። ኣይደል?
ጐበዝ ሚናህን ለዪ "አሸባሪን አሸባሪ" እንዲሁም "ታጋዪን ታጋይ" ማለት የግድ ይላል። አሸባሪ በሽዎች የሚቆጠሩ ስቪሎችን ዒላማ ኣድርጎ አጥፍቶ ይጠፋል፡ ታጋይ ደግሞ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ዜጎች ሰላማቸው እንዳይደፈርስ፡ ራሱን መስዋእት በማድረግ የብዙዎችን ሰላም ይታደጋል። ኣይደለም እንዴ?
ዶማም ዶማ ኣካፋም ኣካፋ መባል ኣለበት። ኣይደል?
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
“ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧
ሰላማውያን ዜጋታት በልማማ ዝቐትሉ፡
3ሽሕ ሰባት አብ ቅርዓት ዝቐትሉ፡
ስቪላት ቐዚፎም ህዝቢ ዝብድሉ፡
ማንታ ሕንጻ ኣዕንዮም ደምነት ዝተኽሉ፡
ብጽልኢ ኣዕበድቢዶም፡ ሰላም ዝምንጥሉ፡
‘ተቃለስቲ’ እዮም እንካብ ተባህሉ፡
እቶም “ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧
(ዝክረ ሰማእታት 9/11)
-
- Senior Member
- Posts: 14412
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
- ናይ ኢብን ላድን ዲኻ
ትዛረብ ዘሎኻ ኣታ?
ጎይታ ቶራቦራ
ንኣሜሪካ ዘሕረራ፡
ልባ ኣቃጺሉ
መዓንጣኣ ዝኾምተራ?
ካብኡ ዝገደደ
ኣሎካንዶ
ወይን ዝገበሮ
ኣብ ምድረ ዓፋር ይኹን
ዓደምሓራ !
ክንዛረብ ተኾይንና
ብዛዕባ
መን'ዩ ተቓላሳይ
መንከ መራሕ ሽበራ !!!!!!
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
Meleket wrote: ↑05 Dec 2022, 10:06ስምንተኛው ሽ ደረሰ መሰል፡ የ "9/11 'አሸባሪዎች' እንደ ጀግኖች ተቆጥረው በኤርትራዊው ኣርቲስት በ Awel Seid "ተቃለስቲ ማለትም ታጋዮች" እየተባሉ ነው"። (14ኛ ክፍል ቪዲዮውን ይመልከቱ) ይህን መሰሉ መረን የለቀቀ ኣመለካከት፡ ህዝብንና የዋሆችን እንዳያሳስት፡ መታረም እንዳለበት መግለጽ ደግሞ ኅሊናዊ ግዴታችን ነው፡ ለኛ ለኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች።
ጐበዝ ሚናህን ለዪ "አሸባሪን አሸባሪ" እንዲሁም "ታጋዪን ታጋይ" ማለት የግድ ይላል። አሸባሪ በሽዎች የሚቆጠሩ ስቪሎችን ዒላማ ኣድርጎ አጥፍቶ ይጠፋል፡ ታጋይ ደግሞ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ዜጎች ሰላማቸው እንዳይደፈርስ፡ ራሱን መስዋእት በማድረግ የብዙዎችን ሰላም ይታደጋል። ኣይደለም እንዴ?
ዶማም ዶማ ኣካፋም ኣካፋ መባል ኣለበት። ኣይደል?
Meleket wrote: ↑04 Jun 2024, 08:19Meleket wrote: ↑04 Jun 2024, 03:39ነገር ኣንጀብረርቲ
መሲሎም ኪረኣዩ ሊቀ ሊቃዉንቲ
ቅዋም ኣየድልዪን ቢሎም ተሟገትቲ
ክንደይ ጋዜጠኛ ኪበሊ ኣብ ማእሰርቲ
ኩሉ ተራሕዩሎም ከምልቦም መደርቲ
ቀደም ተዛዘመ፡ ኪመልሱ ቕርሕንቲ
ኣፎም ከምዝሃቦም ነቦታት ዘለፍቲ
ንግብረ ሽበራውያን ዚብሉ “ተቃለስቲ”
ሳንሱር ዘይምልከቶም ዘረባ ኣንጀብረርቲ
ኣቦ ናቅፋ ኣዳል ዚብሉ “ተዋዘይቲ’
ታሪኽ መኸተና ዘንጊዖም መስዋእቲ
ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ክሳብ እታ መዓልቲ
ኣብ መንጎ 9 ኪዘርኡ ቕርሕንቲ
ናይ ኣቦ ከይተርፍ ፈንዮም መጥቃዕቲ
ምስ ኣብዓኸ ስሚ ሂቦምና ክንሰቲ
ቍሩብ ኣይሓንኩን ነገር ኣንጀብረርቲ።
ናይ ምምህዳር እንግሊዝ “ሱዳናውያን ወተሃደራት”
ቢሎም ኪሰምዩዎም ነቶም ሽሕ ዕሱባት
ኣካ ገረመና ኪገብሩሎም ሕድገት፡
ንምዝላፍ ግና ንናይ ሃገር ኣቦታት
እታ ሴፎም በልሔት እታ ኣፎም ሸልሔት
ከምቲ ናይ ቀደማ ነገር ኣንበድበደት
ከምቲ ናይ ኣመላ ቂምታ ኣንጀብረረት
ሓባ ኣጽሙ እናለት እናኸሻኸሸት
ጓል ዞም መለኮናት
ለኣኽታ ኣሚና ናይ ልባ ዳሕደሔት።
‘ፈላጥ’ እንተበልዎ እቲ ወዲ መድረሳ
ንወዲ ሃገር ወቀሳ፡
ንሱዳናዉያን ዕሱባት እንግሊዝ ወደሳ
ቄናን ሚዛን ረኣና ዘይብሉ መለሳ
“ዓገብ” ንብሎ ኣሎና ደቂ ሃገር ፎርሳ!
“ኣይተስተዋሕድዎ!” ቢልና ኣሎና ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን!
ነገረ ኣ ን ጀ ብ ረ ር ቲ!
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
እዙይ ሕዝቢ ከንቕሕ ኢየ ኢሉ ዓንገረር ዚብል ወዲ፡ ሓደ እዋን ያኢ “ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ባሕሪ ዚብል ቃል የብሉን እሞ ዳግመ ግምት ኪግበረሉ ኣለዎ” ዚቓናኡ ዘረባ ከይሓፈረ ኣስሚዑና ነበሩ። ሓዲሽ ሃገራዊ መዝሙር ኪገጥመልና ኢዩ ግዲ ሓሊሙ! “ዘይሓፍር ድሙ፡ ዙ 23 ስሙ” ከይበሃል’ባ እዚ ዘላፊ ኤርትራዉያንን ወዳሲ ሱዳናዉያን ዕሱባት ወተሃደራት እንግሊዝን!
ንምዃኑ ትርጉሙ ናይ “ኤርትራ” ዚብል ቃል ይፈልጦ ዲዩ፧ ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራና ከ ክንደይ ግዜ ዲና "ኤርትራ" ነድምጽ። በጃኹም እቶም ጽሑፋት እትህብዎን "እትኵስኩስዎን" ካድራት ነዡይ ሓቂ ኣጕስሙዎ፡ ቢልና ኣለና ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
ንምዃኑ ትርጉሙ ናይ “ኤርትራ” ዚብል ቃል ይፈልጦ ዲዩ፧ ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራና ከ ክንደይ ግዜ ዲና "ኤርትራ" ነድምጽ። በጃኹም እቶም ጽሑፋት እትህብዎን "እትኵስኩስዎን" ካድራት ነዡይ ሓቂ ኣጕስሙዎ፡ ቢልና ኣለና ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
viewtopic.php?f=2&t=193282
Meleket wrote: ↑02 Sep 2019, 05:14ንደንደን ወሊዱ ካብ ተባህለ አዳል፣
አዳል’ከ ንርእሱ ፍረመን ይበሃል፧
ታሪኽ እምቢታና ኩሉ እንተዝግንጸል፣
አቦ ደንደን አዳል አይዀነን እቲ አወል፣
ድሙቕ ታሪኽ ኣሎ ከቶ ዘይኽወል።
ንቱርኪ መኸተ ንምስሪ መኸተ፣
ንትግራይ መኸተ ንጥልያን መኸተ፣
ንእንግሊዝ መኸተ ንጦቢያ መኸተ፣
ኣብዚ’ዩ ዚጥርነፍ አዳል ምስ ዓዋተ!!!
ኣይበቖለን አዳል ትም ኢሉ ብርእሱ፣
‘ንደንደን ኪወልድ’ ታሪኽ ተተርኢሱ፣
ታሪኽ ሮብሮብያ፣ ሓዝሓዝ ተወከሱ፣
ታሪኽ ናይ እምብለይ ናይ ሓላይ ሰልሱ።
ንሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቍርራ፣
ንጸላኢ ጥምረትና መሬት ነንገርግራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ ራ ራ ራ!
Meleket wrote: ↑16 Sep 2019, 04:57“ዛንታ ውልቀ-ዝኽሪ ካብ ግዜ ቍልዕነት ክሳብ ሓርነት ናቕፋ” ዚብል ርእስ ዘለዋ መጸሓፍ ዘዳለወ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ኮለኔል ኣስረስ ኢሳቕ፡ ብዛዕባ ግዜ ቍልዕነቱን፡ ኣብ ጥሪ 1975 ምስ 800 ናብ ገድሊ ዝጽንበሩ ዜጋታትና ካብ ባሕሪ ባራ ናብ ብሌቓት ሳሕል ንምእታው ንዝገበርዎ አድካሚ ናይ 8-9 መዓልታት ጉዕዞን ከምኡዉን ብዛዕባ ከበባን መጥቃዕቲን ናቕፋ ብሸነኹ ንዝረአዮ ታሪኽ ይትርኽ። ከም መጠን አባል ኣሃዱ ከቢድ ብረት፡ ተራ ኣሃዱ ከቢድ ብረት እንታይ ይመስል ከምዝነበረውን ይገልጽ። ግሩም ትረኻ!
ኣብ ግጥምና ንዝሰዃዕናየን “ደንደን”ን “ሓላይን” ዝብላ ቃላት እዉን ኣብ ዛንትኡ ኣብ ገለ ሸነኽ ብከምዚ ጠቂሱወን ይርኸብ፦
ብምባል ነቱይ ኩነት ይገልጾ። ገጽ 115“ሰዓት 10:00 ኣቢሉ፡ ነፋሪት ብልዕሊ ዝባን ደንደን (ኣብቲ እዋን’ቲ ደንደን ከም ዝበሃል ኣይንፈልጦን ነይርና) ገፈፍ እናበለት ክትመጽእ እንከላ፡ ቅድሚ ድምጻ፡ ሊላ ክትመስል ብኣካል ረኣናያ። “መጺኣ! መጺኣ!” ኢልና ብህጹጽ ኣብ ምድላው አተና። ደሽካና ናብ ጸረ-ኣየር ለዊጥና ድልውነትና አረጋገጽና። _ _ _ ”
እታ ቅድሚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ናቕፋ መጥቃዕቲ ዘካየድናላ ዕለት 27 መስከረም ኣርከበት። ኩልና ተጋደልቲ መመዝገብና ሒዝና ተዅሲ ዝጅመረሉ ናይ ዜሮ ሰዓት ተጸበና። ሰዓት ክንደይ ተዅሲ ከም ዝጅመር፡ ብዘይካ እቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ፡ ዝፈልጥ ኣይነበረን። መሬት ወጊሓ፡ ጸሓይ’ውን በረቐት። ምብራቓ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰዓት ብሰዓት እናተተኻኽአ ምድሪ ኣጸቢቑ ረፈደ። “ተዅሲ ደኣ መዓስ ድዩ ዝጅመር፧ ግዜ’ምበር ሃዲሙ፧” በለኒ እቲ ምሳይ መድፍዓጂ ዶሽካ ዝነበረ ብጻይ ወልደገርግሽ። “እንታይ’ሞ ፈሊጠ!” ካብ ምባል ሓሊፈ ካልእ ዝሃብኩዎ መልሲ አይነበረን። ካብ’ቲ ዶሽካና ተተኺሉሉ ዝነበረ በሪኽ ጎቦ ሓላይ፡ (ሓላይ መአዘዚ ቦታ ኣባል መሪሕነትን ኣዛዚ ከበባ ናቕፋን ዝነበረ ዓሊሰይድ ዓብደላ’ያ ነይራ) ኣማዕዲና ናብ ናቕፋ ገጽና እንተ ጠመትና፡ ጸላኢ፡ ንመጥቃዕቲ ተዳሊና “ጀምር!” ዝብል ትእዛዝ ንጽበ ከም ዝነበርና፡ ሓበሬታ ከም ዘይነበሮ ዘረድእ፡ ገለ ተሰሪዑ፡ ገለ ብውልቂ ኣብ ማእከል ከተማ ናቕፋ ካብ-ናብ ተውዛሕዛሕ ይብል ነበረ። ገጽ 151
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
ስነጥበበኛ ሓርበኛ ስዉእ የማነ ገብረሚካኤል ባርያለዋህ ኤርትራዊ ዘረባይ ስምዓኒ
ዓፍራ ከይትረግጽ መሲሉካ እምኒ።
መታን መቓቓሊ ተንኮል እንግሊዝን ደቂ ሃገርን ከነለሊ፡ እስከ ነዚ ታሪኽ ንንበብ። ብኤርትራዊ ጭዉነት ሃበንን ፍናንን ነቲ ዝንቀስ ክንነቕስ፡ ነቲ ዝንቀፍ ክንነቅፍ፡ ነቲ ዚሙገስ ድማ ክንሙግስ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን።
ካብ ምዕራፍ 8 ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዛንታ ቓልሶም ብቓሎም
እዚ ቓለ መሕተት ብ1982 ኣብ ካይሮ (ግብጺ) ብኽልተ ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተጋዳላይ የሱፍ ሳይቕን ተጋዳላይ ኣሕመድ ድሕሊ ናብ መንበሪ ቤት ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዝተገብረ ኾይኑ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ እዩ። እቲ ቓለ-መሕተት ብትግረ ኾይኑ፡ ጽማቝ ትርጉሙ ብትግርኛ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። . . . ገጽ 150
[ውሕሃን ሸርሕታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን] ካብ ገጽ 167
ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፦ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ስኒት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ከምዘየለ ንምእማን ካብ ዘጻወድዎ ሸርሒ ድማ፡ ነስረዲን ዝብሃል ዜጋ ኣብ እምባደርሆ ተቐትለ። ወዲ እምባደርሆ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣስላማይ ኣብ ዝሞቶ ኸም ዝቕበር እናፈለጡ፡ እቲ ሬሳ ኣስመራ ኸም ዝመጽእ ገበሩ። ነዚ ምስተዓዘብና፡ እቲ ድሮ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምትእምማን ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ሃይማኖታት ናብ ረጽሚ ኸየምርሕ ስለ ዝፈራሕና፡ ውሑዳት ክንቀብሮ ወሰንና። እንተ ኾነ ህዝቢ ዅሉ ብነድሪ ወጺኡ ሰዓበና፡ ኣብ ከባቢ ጐደና ለገሰት ብቐጽሪ ኣመንዝራታት ዝፍለጥ ዝነበረ ምስበጻሕና፡ ጃብር ከሊፋ ዝብሃል ጀበርቲ መንእሰይ (ድሒሩ ኣባል ማሕበር ኣንድነት ዝኾነ) ቡምባ ኢድ ናብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኽርስትያን ሰንደወ። ሻቡ ድማ ገና መቓብር ከይበጻሕና እቲ ግጭት ተባርዐ። ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረ ዘርእማርያም ሃንስ (ወዲ-ኣዛዚ)፡ ባዕሉ ብመትረየስ ክትኵሰልና ወዓለ። ዋላ’ኳ ካፕተን ክሪስን ካፕተን ጉለርን ኣብ መንጎ ኣትዮም እቲ ግጭት ንግዚኡ እንተ ሃድ፡ ኣብ ኣስመራ እቲ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሰሙን ቀጸለ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ልዕሊ 30 ካብ ኣሕዋትና ክርስትያን ክሞቱ ከለዉ፡ ልዕሊ 35 እውን ካብ ኣስላም ሞይቶም። ኣብ መወዳእታ ብጻዕርን መንጎኝነትን መራሕቲ ሃይማኖት (ኣቡነ ማርቆስን ሙፍቲ ኤርትራን) እቲ ግጭት ብሰላም ዓረፈ። ድሒሩ እቲ ዅነታት ምስ ሃድኣ፡ ‘እንግሊዝ ምስ ፖሊስ (ብቐንዱ ኣዛዚ ፖሊስ ዘርእማርያም ወዲ-ኣዛዝ ዝርከቦም) ዘርያ ሃሪማትና’ ዝብል ክሲ ኣቕሪበ። ዘርእማርያም ተጸዊዑ፡ ተሓቲቱ፡ ንሱ ንላዕሊ’የ ተዅሰ ኽብል ሞጕቱ፡ ብዓል ካፕተን ጉለርን ካፕተን ክሪስን ግን ባዕልና ርኢናዮ ኽብሉ መስኪሮም። እንግሊዝ ብጀኻ ነንሕድሕድና ኣቀራሒኖምና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ዘርእማርያም ወላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይወሰዱን። እዚ ዅሉ ፍጻመታት እናተኻየደ ኸሎ፡ እታ ሓሙሽተ ሃገራት ዝኣባላታ ጉጅለ መጽናዕቲ ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ኤርትራ ብኣካል ነቲ ዕግርግር ትዕዘቦ ነበረት። (ገጽ 167-8)
. . .
ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎና ኽፍጠር ዝደልይዎ ምልሕላሕ ሓድነት ድማ፡ ካብ ከረን ዓሰርተ-ሓደ ሰባት ካብ ብሄረ ትግረ (ባርህ፡ ስዒ-ሓምድ፡ ኣቦከር ዓብደላ ሓደገ፡ በሮምበራስ ስዒድ፡ ሓምድ-ዓብደላ፡ ሮመዳን-ዓብደላ፡ ማህሙድ-ዕመር፡ ኢብራሂም ገደብ፡ ሳልሕ ሙሳ ሓምዱ፡ መሓመድ ዕመር መሓመድ) ኣንድነት ተቐቢልና ኢሎም። ጸኒሖም ካልኦት ዓሰርተ-ሓደ ካብ ጀበርቲ (ኢብራሂም ሓጅ ሳልሕ፡ ዓጣ ሓሰን፡ ፈረጅ ሓሸው በለሊ፡ ኣድም ኢብራሂም ኣመናይ ካልኦትን) ድማ ሃይለስላሴ ኣብ ከረን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሕና ደቂ ኣንስቲ፡ ደቂ ኣዕይንቲ ተጋሩ ኢና፡ ኣንድነት ተቐቢልና ኣለና በሉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣህመድ ጠይብ (ግድብ) እዞም ኣዓሰርተ-ሓደ ናይ ትግረን እቶም ኣሰርተ-ሓደ ናይ ጀበርትን ገንዘብን ሽመትን ዝደልዩ እዮም ንዓና ዝውክሉ ኣይኮኑን፡ ብምባል ንሃይለስላሴ መለሱሉ፡ ብምባል ብብዙሕ መንገዲ ኸምዝፈተንዎም ኣዘንተዉ። (ገጽ 172)
መወከሲና ፡
ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ (1909-1987)
“እቲ ምቕሊ ኤርትራ ዘድሓነ ሓርበኛ!”
ዝርእሱ ብእምነቱ ተስፋይ ዝተዳለወ መጽሓፍ ኢዩ።
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
"ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧ .. .. .. .. (ዝክረ ሰማእታት 9/11)
Meleket wrote: ↑08 Jun 2024, 02:57Meleket wrote: ↑05 Dec 2022, 10:06ስምንተኛው ሽ ደረሰ መሰል፡ የ "9/11 'አሸባሪዎች' እንደ ጀግኖች ተቆጥረው በኤርትራዊው ኣርቲስት በ Awel Seid "ተቃለስቲ ማለትም ታጋዮች" እየተባሉ ነው"። (14ኛ ክፍል ቪዲዮውን ይመልከቱ) ይህን መሰሉ መረን የለቀቀ ኣመለካከት፡ ህዝብንና የዋሆችን እንዳያሳስት፡ መታረም እንዳለበት መግለጽ ደግሞ ኅሊናዊ ግዴታችን ነው፡ ለኛ ለኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች።
ጐበዝ ሚናህን ለዪ "አሸባሪን አሸባሪ" እንዲሁም "ታጋዪን ታጋይ" ማለት የግድ ይላል። አሸባሪ በሽዎች የሚቆጠሩ ስቪሎችን ዒላማ ኣድርጎ አጥፍቶ ይጠፋል፡ ታጋይ ደግሞ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ዜጎች ሰላማቸው እንዳይደፈርስ፡ ራሱን መስዋእት በማድረግ የብዙዎችን ሰላም ይታደጋል። ኣይደለም እንዴ?
ዶማም ዶማ ኣካፋም ኣካፋ መባል ኣለበት። ኣይደል?
Meleket wrote: ↑04 Jun 2024, 08:19Meleket wrote: ↑04 Jun 2024, 03:39ነገር ኣንጀብረርቲ
መሲሎም ኪረኣዩ ሊቀ ሊቃዉንቲ
ቅዋም ኣየድልዪን ቢሎም ተሟገትቲ
ክንደይ ጋዜጠኛ ኪበሊ ኣብ ማእሰርቲ
ኩሉ ተራሕዩሎም ከምልቦም መደርቲ
ቀደም ተዛዘመ፡ ኪመልሱ ቕርሕንቲ
ኣፎም ከምዝሃቦም ነቦታት ዘለፍቲ
ንግብረ ሽበራውያን ዚብሉ “ተቃለስቲ”
ሳንሱር ዘይምልከቶም ዘረባ ኣንጀብረርቲ
ኣቦ ናቅፋ ኣዳል ዚብሉ “ተዋዘይቲ’
ታሪኽ መኸተና ዘንጊዖም መስዋእቲ
ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ክሳብ እታ መዓልቲ
ኣብ መንጎ 9 ኪዘርኡ ቕርሕንቲ
ናይ ኣቦ ከይተርፍ ፈንዮም መጥቃዕቲ
ምስ ኣብዓኸ ስሚ ሂቦምና ክንሰቲ
ቍሩብ ኣይሓንኩን ነገር ኣንጀብረርቲ።
ናይ ምምህዳር እንግሊዝ “ሱዳናውያን ወተሃደራት”
ቢሎም ኪሰምዩዎም ነቶም ሽሕ ዕሱባት
ኣካ ገረመና ኪገብሩሎም ሕድገት፡
ንምዝላፍ ግና ንናይ ሃገር ኣቦታት
እታ ሴፎም በልሔት እታ ኣፎም ሸልሔት
ከምቲ ናይ ቀደማ ነገር ኣንበድበደት
ከምቲ ናይ ኣመላ ቂምታ ኣንጀብረረት
ሓባ ኣጽሙ እናለት እናኸሻኸሸት
ጓል ዞም መለኮናት
ለኣኽታ ኣሚና ናይ ልባ ዳሕደሔት።
‘ፈላጥ’ እንተበልዎ እቲ ወዲ መድረሳ
ንወዲ ሃገር ወቀሳ፡
ንሱዳናዉያን ዕሱባት እንግሊዝ ወደሳ
ቄናን ሚዛን ረኣና ዘይብሉ መለሳ
“ዓገብ” ንብሎ ኣሎና ደቂ ሃገር ፎርሳ!
“ኣይተስተዋሕድዎ!” ቢልና ኣሎና ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን!
ነገረ ኣ ን ጀ ብ ረ ር ቲ!
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
ኣብርሃ ባህታ መን ኔሮም? እንታይ ኢዩ ታሪኾም? “መቓቐልቲ”ን ኣናሸውቲ ኣቦታትን ዘረባ ኣንጀባረርቲን ተበለጽቲን፡ “ሓባ ኣጽሙ”፣ “ሓባ ጭሕሙ” እናበሉ እናከሻከሹ ግን ድማ መቓቓላይ ዛንታ ኣዘንተውቲ፡ ንታሪኽ ትማል ብናይ ሎሚ ሚዛን ኪመዝኑ ዝፍትኑ “ናይ ዘረባ ልሒቃንና” ከይላገጹልና፡ እንሆ ዘኹርዕ ታሪኾም! ንጥልያን ኣይግዛእን ዝበሉ ጅግና ኣቦ፣ ሓናጺ ኣብያተ ክርስትያን ሓናጺ ቤት ትምህርትታት ብጻዕሮም ግብረሰናዮምን ዚልለዩ ኣቦ! ኣቦ ኣሽሓት ኣብርሃ ባህታ ኤርትራዊ ኣቦ በኣል ሰሰወ!
https://www.abrahabahtafoundation.com/about-us/
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝሰማዕናዮ መደረ ‘ወዲ ሓወቦና’ “ተመራማሪ ታሪኽን ኣዘንታዊ ቁንጹብ ታሪኽን ኣርቲስት ዙ-23” ገለ ታሪኽ ቢሉ ፈዪ ዘበለን ዛንታታት ዘይተመልዔ ቁንጹብ ታሪኽ ሰሚዕናሉሞ ነባቢ ከስተብህለለን እነሆ ቢልና ኣሎና ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። ሓዙ “ደቂ ሓወቦታትናን ደቂ ኣዀታትናን ደቂ ኣሞታትናን ደቂ ሓትነታትናን!”፦
ወዲ ሓወቦና ናይ እንዳ ቀሺ ገብረመድኅን ናይእዝጊን ረዳእእዝጊን ታሪኾም አስሚዑና፡ ረዳእ እዝጊ ያኢ ንራእሲ መንገሻ ስዩም ካብ መቐለ ብመገዲ ራማ ኣማድር ኣእትዩ ምስ ተጋደልቲ ጀብሃ ኣራኺቡ ናብ ሱዳን ከምዚወጽኡ ከምዝገበረ ንዚንገር ዛንታ ሓቢሩና። እቲ “ሓባ ኣጽሙ” እናበለ ዚኸሻኽሽ “ተመራማሪ ታሪኽን ኣዘንታዊ ቁንጹብ ታሪኽን አርቲስት ዙ 23” ወዲ ሓወቦና ግን ንህዝብና ዝያዳ ዘገድስ ምዕራፍ ታሪኽ ኣይገለጸን። እዚ ብደም ተጋደልቲ ኤርትራን ብሕቖን ርሓጽን ኤርትራውያን ተጋደልቲ ሱዳን ኪበጽሕ ዝተገብረ ትግራዋይ መስፍን፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሉ ሰብ ከምዝዀነ ኣይነገረናን።እዚ ኣቦና ረዳእእዝጊ ገብረመድኅን ብመገዲ ጀብሃ ዘውጽእዎ መስፍን ትግራይ፡ ምስለኔ ሃይለስላሴ፡ አብ ግዜ ኹናት ባድመ ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነፍስኄር ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስቴር ጸይቂ ዕሉል ወያናይ ስዩም መስፍን ምኽሪ ምስሓተቶ ያኢ ከምዡይ ቢሉ ነቢሩ:-
1) ሸሸቢት ሽላሎ ኦምሓጀር መሬት ትግራይ ኢዩ። ክሳብ ጋሽ መሬት ትግራይ ኢዩ። ምኒልክ ንጥልያን ኣፍራሶም ሳዕሪ ከብልዑሉ ቢሎም ኢዮም ሂቦሞም፡ ስለዚ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣለዎ (የትውልድ አደራ ብመንገሻ ስዩም ገጽ 227-229)
2) ኣብ ዋሽንግተን፡ ምስ ኮሚሽን ዶብ ዝላዘቡ ምስዝነበሩ ጠበቓታት ኢትዮጵያ ንኺራከብ፡ ብወገን ኢምባሲኦም ኣብ ኣሜሪካ ዕድመ ምስተገብረሉ ያኢ እዚ ብዝባን ጀብሃ ካብ ደርጊ ናብ ሱዳን ዘምለጠ ሰብኣይ ከይሓፈረ ከምዚ ዝበለ ኢዮ። (የትውልድ አደራ ብመንገሻ ስዩም ገጽ 229 - በኢትዮጵያ ኣካዳሚ ፕረስ)
“ለመሆኑ ስለ ዓሰብ ጉዳይ ምን እያደረጋችሁ ናችሁ” ትርጉም “ንምዃኑ’ከ ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም እንታይከ ትሓስቡ ኣለኹም?” ብምባል “እኩይ ምኽሩ” ብዘይሕፍረትን ሕንኸትን ከምዘካፈለ ዝገለጸ ትግራዋይ ሰብኣይ ከምዝዀነ “ተመራማሪ ታሪኽን ኣዘንታዊ ቁንጹብ ታሪኽን ኣርቲስት ዙ 23” ንሕዝብና ኣይሓበረን። እንታይ ደኣ ስም ጅግና ኣብርሃ ባህታ ያኢ ብስም ስዩም ወልደማርያም ኪትካእ ኢዩ እማመ ኣሚሙ። ብእንዳ ኣይተ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝፍቶ መስሊዎ፡ ዝያዳ ተጣባቂ ታሪኽ ኤርትራዉያን ንምምሳል። ሄሄሄ እቶም ደቂ መሬት’ከ . . . . እቱይ ንዓሰብ ዘቋምት ኢትዮጵያዊ ወለዶ ዝተፈጥረ ሎሚ ዛይዀነስ በዞም ብጥበብን ትብዓትን ኤርትራውያንን ብመንኩብ ተጋደልቲ ኤርትራ ህይወት ዝሰኹዑ ብከም እኒ መንገሻ ስዩም ዝበሉ ወይጦታት ከምዚዀነ ህዝብና ኪህበር ነቢርዎ ወዲ ሓወቦና! viewtopic.php?f=2&t=304008&start=40
እቱይ ዚገርም እዙይ እንዳ ኣቶ(ኣይተ) ረዳእእዝጊ ካብ ሞት ዘድሓንዎ መስፍን ትግራይ ኣብታ ታሪኽ ሕይወቱ ዝሰነደላ “የትውልድ አደራ በመንገሻ ስዩም" እትብል መጽሓፉ፡ ንእንዳ ኣቶ(ኣይተ) ረዳእእዝጊን ብጾቶምን ኣብ ራማ ሕርሻ ንኪገበሩ ካብ ኣለማያ ዕድመ ከምዝገበረሎም እሞ ኣቶ(ኣይተ) ረዳእእዝጊ እወንታዊ መልሲ ከምዝሃብዎ ገለጸ እምበር፡ እቲ ካብ መቐለ ብወገን ዓዲግራት ራማ ኣማድርን ሱዳንን ምስ ኣበ ነፍሱን ኣባላት ስድራኡን ዝተገብረሉ እንግዶትን ነፍሲ ናይ ምድሓን ገድሊን ብጩቕ ቢሉ’ኳ ኣይተዛረበሉን። ሄ ሄ ሄ እቶም ደቂ መሬት’ከ ናይ ዋዛ’ዶ? እነሆ ብኣል “ተመራማሪ ታሪኽን ኣዘንታዊ ቁንጹብ ታሪኽን ኣርቲስት ዙ-23” ኪነግሩና ዘይደለዩ ታሪኽ ከሓዲ ምስሊ መሳፍንቲ ትግራይ ዝያዳ ንምግላጽ ኣብ ቕርዓት ንድሕድሕ ኣሎና፡ ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
ንኺድ በሉ ንኣንፍና ንወዲ ሓወቦና ሓንቲ ዚዘንግዓ ዛንታዉን ክንነግሮ:-
ብዛዕባ ቁርቁስ ስልጣን መሳፍንቲ ትግራይ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ቅልስ ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ወዲ ቁቢን ራእሲ ሓጐስ ተፈሪን ገሊጩልና። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሽረ ዘካየድዎ ሕድሕድ ኩናትን ሳዕቤኑን ራእሲ ሓጐስ ተማሪኹ ከምዝተቐትለ፡ ራእሲ ኣሉላውን ብሰንኪ ኣብታ ኩናት ዘጋጠሞ መቁሰልቲ ድሕሩ ከምዓረፈ ኣይገለጸልናን። ደቂ ራእሲ ሓጐስ በዓል ኣምበራ መጠቓ ድማ ደምነት ምስ እንዳ ራእሲ ኣሉላ ኣሰኪፍዎም፥ ዕቁባ ጥልያን ንኪሓቱ ናብ ሃገረ ኤርትራ ከምዝሳገሙ። ኣብ ከባቢ ድርፎን ዓርበሮብዕን ከምዝሰፈሩ ድሒሮምውን ጥልያን ኣብ ገሊኡ ዓድታት ናይ ሓማሴን ከምዝወዝኦም፡ እዚ “ሓባ ዓጽሙ” እናበለ ዚኸሻኽሽ “ተመራማሪ ታሪኽን ኣዘንታዊ ቁንጽብ ታሪኽን ኣርቲስት ዙ-23” ኣይገለጸልናን። ሕዝብና ነዙይ ታሪኽ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝፈልጦ ጥርጥር የልቦን።
"በጎ ሰው ሽልማት" ዚብሃል ብልጫ ያኢ፡ ብኣማካሪ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ብዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዚዝወር ፖለቲካዊ ዕላማዉን ዚውንን ትካል ዘካይዶ መደብ ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ። ሰንኮፍ ኤርትራዊ እንተተረኽበ ድማ ግዳይ መቓቓሊን ጎዛዛዪ ዕላማ “ባዕዳዉያን” ይኸውን።
ጥንቅቅ ደኣ ንበል ደቂ ሓወቦይ “ምስ ኣብዓኸ ኮነ ምስ ስዋ ስሚ ከይህቡና እዞም ጸማቖ ወረ!”። ቅድሚ ሕጂ ንሱዳናውያን ዕሱባት እንግሊዝ “ወተሃደራት” ኢሎም፡ ካብ ኤርትራውያን ኣቦታት ንሓደ ብሕዝቢ ሳሆ ፍትው ዝዀነ ጽንዓደግለታይ ብፍላይ “ዕሱብ” ኪብሉ ሰሚዕናዮም ነቢርና ንታሪኽ ትማል ብናይ ሎሚ ሚዛኖም እናመዘኑ። ሎሚ ድማ ንስም ነቱይ ንብድዔ ጥልያን ዝመከተ ጅግናን ብጻዕሩ ንዝወነኖ ሃብቲ ንግብረሰናይ ዘውዓለ ኣቦና ታሪኹ ብምድዋን ንምድምሳስ ስም ካልእ ሙዚቀኛን ዘማሪን ወዲ ሃገር ኪርቛሕ ይጽዕሩ ኣለው። ቅድሚ ትማል ሃገራዊ መዝሙር ሃገረ ኤርትራ “ባሕሪ” ዚብል ቃል የብሉን እሞ “ኣነ’ዶ ባሕሪ ዚብል ቃል ዚተሰኹዖ ግጥሚን ዜማን ከዳልወልኩም” ዝቕኒቱ ዘረባ ኣስሚዖምና ኢዮም። እቲ ኣብ ሃገራዊ መዝሙርና ደጋጊምና “ኤርትራ” እናበልና እነድምጾ ቃል “ባሕሪ” ከምዚውኽል ዘይተረድኦም ከም ብኣል “ደቂ ሓወቦና” ዝበሉ ተመራመርቲ ታሪኽን ኣዘንተውቲ ቁንጹብ ታሪኽን ዝዀኑ ዜጋታትና!
እዚ ኩሉ እንታይ ንምባል ኢዩ፡ ታሪኽ ክንምርምር ከሎና’ሲ ኣጸቢቕና ደኣ ንበርብሮ እምበር ቁንጹብ ታሪኽ ፈሊጥና ሕዝቢ ኣይነጋጊ ንምባል ኢዩ። ግዳይ ተኸታታሊ ስልታዊ መጥቓዕቲ ዝዀኑ ዘለዉ ኣቦታት ሃገርና ድማ ንሕና ዘይተጣበቕናሎም መን ደኣ ክጣበቐሎም? እስከ ኣብ ቐጻሊ’ከ ኣየናይ ኤርትራዊ ኣቦና ኢዩ ግዳይ “ሚዛን ሎሚ” ኺኸውን በዞም ዘረባ ኣንጀብረርቲ ዘገም እናበልና ክንርእዮ ኢና።
ናይ ሎሚ ጽሑፍና ንኽብሪ እምቢ ንመግዛእቲን ብድዔ ጥልያንን ኣብ ሃገረይ ዝበለ፡ ብዓል ጸጋን ሓናጺ ኣብያተክርትያንን ቤት ትምህርትታትን ዝዀነ ኤርትራዊ ጅግና ኣቦና ኣብርሃ ባህታ በዓል ሰሰወ፡ ከማኡውን ንኽብሪ ኤርትራዊ ሙዚቀኛን ዘማሪን ኣብ ቤተክርስቲያን ኬንሻ ኣቦና ስዩም ወልደማርያም በዓል ዓዛርና ወፊናዮ ኣሎና።

Meleket wrote: ↑04 Jun 2024, 03:39ነገር ኣንጀብረርቲ
መሲሎም ኪረኣዩ ሊቀ ሊቃዉንቲ
ቅዋም ኣየድልዪን ቢሎም ተሟገትቲ
ክንደይ ጋዜጠኛ ኪበሊ ኣብ ማእሰርቲ
ኩሉ ተራሕዩሎም ከምልቦም መደርቲ
ቀደም ተዛዘመ፡ ኪመልሱ ቕርሕንቲ
ኣፎም ከምዝሃቦም ነቦታት ዘለፍቲ
ንግብረ ሽበራውያን ዚብሉ “ተቃለስቲ”
ሳንሱር ዘይምልከቶም ዘረባ ኣንጀብረርቲ
ኣቦ ናቅፋ ኣዳል ዚብሉ “ተዋዘይቲ’
ታሪኽ መኸተና ዘንጊዖም መስዋእቲ
ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ክሳብ እታ መዓልቲ
ኣብ መንጎ 9 ኪዘርኡ ቕርሕንቲ
ናይ ኣቦ ከይተርፍ ፈንዮም መጥቃዕቲ
ምስ ኣብዓኸ ስሚ ሂቦምና ክንሰቲ
ቍሩብ ኣይሓንኩን ነገር ኣንጀብረርቲ።
ናይ ምምህዳር እንግሊዝ “ሱዳናውያን ወተሃደራት”
ቢሎም ኪሰምዩዎም ነቶም ሽሕ ዕሱባት
ኣካ ገረመና ኪገብሩሎም ሕድገት፡
ንምዝላፍ ግና ንናይ ሃገር ኣቦታት
እታ ሴፎም በልሔት እታ ኣፎም ሸልሔት
ከምቲ ናይ ቀደማ ነገር ኣንበድበደት
ከምቲ ናይ ኣመላ ቂምታ ኣንጀብረረት
ሓባ ኣጽሙ እናለት እናኸሻኸሸት
ጓል ዞም መለኮናት
ለኣኽታ ኣሚና ናይ ልባ ዳሕደሔት።
‘ፈላጥ’ እንተበልዎ እቲ ወዲ መድረሳ
ንወዲ ሃገር ወቀሳ፡
ንሱዳናዉያን ዕሱባት እንግሊዝ ወደሳ
ቄናን ሚዛን ረኣና ዘይብሉ መለሳ
“ዓገብ” ንብሎ ኣሎና ደቂ ሃገር ፎርሳ!
“ኣይተስተዋሕድዎ!” ቢልና ኣሎና ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን!
ነገረ ኣ ን ጀ ብ ረ ር ቲ!
-
- Member
- Posts: 3710
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!
ኣቦና ኣብርሃ ባህታ፡ ሓዎም ንኣቦና ስዩም ወልደማርያም ዝዀኑ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ብደገፍ እንግሊዝ ወይ ብሪጣንያ "መንግስቲ ትግራይ ትግርኚ" ወይ" ሃገረ ኣግኣዚት" ክምስርቱ ኪሓልሙ እንከለዉ፡ እምቢ ንመግዛእቲ ቢሉ መኪቱ ተጻይ መግዛእቲ ጥልያን ዚግበር ዝገበረ ጅግና ኤርትራዊ ነቢሩ ንማለት’ኡ!
ሽም ጅግና ኪድምሰስ እማመ ትእምሙ ዛሎኹም እኒ "ኣርቲስቲ ዙ 23" እቱይ ሓቂ እዚ ኢዩ’ሞ፡ ወሓጥዎ እምበር ናበይ ድሕር ድሕሬ ናበይ ድሕር ድሕሬ! ንብል ኣሎና ጥሙራት ደቂ ኤርትራ፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። viewtopic.php?f=2&t=291445
ሽም ጅግና ኪድምሰስ እማመ ትእምሙ ዛሎኹም እኒ "ኣርቲስቲ ዙ 23" እቱይ ሓቂ እዚ ኢዩ’ሞ፡ ወሓጥዎ እምበር ናበይ ድሕር ድሕሬ ናበይ ድሕር ድሕሬ! ንብል ኣሎና ጥሙራት ደቂ ኤርትራ፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። viewtopic.php?f=2&t=291445
Meleket wrote: ↑11 Mar 2022, 04:46ብምኽንያት እምነቶም ካብ ኣዅሱም ተሰዲዶም ኣብ ኤርትራና ብወገን ሰራዬ ‘ኣዛርና’ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ዕቝባ ዚሓተቱ ገለ ተጋሩ ዜጋታት ዝፈረዩዎም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተባህሉ ትግራዋይ ምሁር ኤርትራዊ ኬንሻ፣ ጸሓፊ፣ መምህር፣ ቦለቲከኛን ጋዜጠኛን፡ ብዕለት 3 ነሐሰ 1944 ዝተሓትመት “ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቍጽሪ 101” ትግራይ-ትግርኚ ዲዩ ሃገረ ኣግኣዝያን ደልዮም ኔሮም መስልና ‘ሓደ ኤርትራዊ’ ብዚብል ጉልባብ ተሸፊኖም ከምዡይ ቢሎም ነቢሮም ያኢ ኪበሃል ንሰምዕ፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን።
ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቍጽሪ 101 ዕለት 3 ነሐሰ 1944 wrote:“. . . እዙይን እቲ ኣብ ሰሜናዊት ኢትዮጵያ ዚቕመጥ ሕዝብን ብዓልየትን ብሃይማኖትን ብያታን ብዛንታን ብትምህርትን ብልማድን ሓደ ወገን ከም ዝኾነ ኣጸቢቑ እተፈልጠ ኢዩ። እቲ ትግራዋይ (ትግሬ) ዚበሃል ህዝቢ፡ እቲ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ስልጣንን ጭውነትን ዕብየትን ስርዓትን ዝሃበ ሕዝቢ፡ ኣብ ክልተ ኪምቀል ከኣ ከቶ ዘይግባእ ኢዩ። . . .
ኣዅስም፡ እታ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መናገሻ ዘልዓለማዊት ከተማ ናይ’ቲ ቋንቋ ትግርኛ ዚዛረብ ሕዝቢ፡ መንፈሳዊት መደበር ወይስ ብልጽቲ መዝገብ ኢያ። ናይ ምሉእ ሕዝቢ ትግርኛ፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሃረርታን ናፍቖትን ከኣ ኣብኣ ኢዩ ተዓቝሩን ተዓቂቡን ዚነብር ዘሎ።
ሕዝቢ እስራኤል ትንሳኤ “ጽዮን” ከም ዚኣምንን ከም ዚጽበን፡ ሕዝቢ ትግርኛ’ውን ትንሳኤ ኣዅሱም ይኣምንን ይጽበን ኢዩ።
እምበአርከስ፡ እዛ ናይ ኢጣልያ ምስራቃዊት ሃገር እትብሃል ዝነበረት ክፍሊ፡ ካብዚ ዝብሎ ዘሎኹ ዚሓይሽ ካልእ ምምሕዳር እትረክብ ኮይኑ ኣይስመዓንን። እዚ ማለት፣ እቲ ደጋን ወይነ ደጋን ዚብሃል ክፍልታት ሃገር ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜናዊት ኢትዮጵያ ዚቕመጥ፡ ቋንቋ ትግርኛ ዚዛረብ ዘበለ ሕዝቢ ተጸንቢሩስ ሓደ ሕዝብን ሓንቲ መንግስትን ኪኸውን’ሞ ካብ ዓባይ-ብሪታኒያ ድማ ሓገዝን ረዲኤትን ኽቕበል። . . .”
-
- Senior Member
- Posts: 15051
- Joined: 02 Aug 2018, 22:59