-
- Member
- Posts: 3661
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!
ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!
146 - መዓርግን ቅድስናን ካህን
.. .. ..
ካብዙ ምድራዊ ሕይወትዙይ ዝተፈለየ ህይወት እተርእን እተረጋግጽን ኩን። ንመደብ ስራሕካ ዚሕንጽጸልካ ክህነት ክርስቶስ ደኣ እምበር፡ እዙ ዓለምዙይ ንኸይኸውን ተጠንቀቕ። ከም ደረጃ ጸዋዕታኻ ምእንቲ ክትነብር፡ ክብርኻን ሥልጣንካን ፍለጥ። ብዘይካኻ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ቝርባን ኣይምሃለዋን፡ ንኃጢኣተኛ ካብ ኃጢኣቱ ዚፈትሖ ኣይምተረኽበን፡ ነቶም ዝሞቱ ከኣ ሥራዓት ቀብሪ ዝገብረሎም ኣይምረኸቡን።
ንስኻ፡ ናይቲ ዘለዓለማዊ ካህን ዝኾነ ኢየሱስ መሳርሒ ኢኻ። ንሱ ብኣንብሮ ኢድ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ነቲ ኣደናቒ ዝኾነ ስራሑ ንኽትቅጽሎን ብስሙ ከኣ፡ ናይቲ ሰብኣዊ ቤዛውነት ዝኮነ መሥዋዕቲ ንኸተሕድስን ኣብ ተልእኮኡ ከምትሳተፍ ገይሩካ ኢዩ። ንስኻ ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደር ኢኻ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ብኣኻ ገይሩ ኪምዕድን ኪግስጽን ይርከብ (2ቆሮ 5፡20 ረአ)።
ወንጌል ከተበሥርን፡ ንምእመናን ክትጓስን፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ክትፍጽምን፡ ብጐይታ ዝተቐባኣካ ኢኻ። መሳርሒ እቲ ንድኻታት ወንጌል ኬበሥር ዚመጸ ኢየሱስ ብምዃንካ፡ ንስኻ እውን ከም ኢየሱስ፡ ድኻ ኮንይካ፡ ነቲ ንሱ ዝሃበካ ጸዋዕታን ጸጋን፡ ብናይ ኢየሱስ መንፈስ ሃብቲምካ ናብ መንጎ ድኻታት ክትከይድ ኢዩ ዚግባእ። ንስኻ እውን ከም ኢየሱስ ሕይወትካ ነኅዋትካ ኣወፊዮ፡ ንኢየሱስ ክትመስል ከኣ ጽዓር።
ኃውካ ናብ ኃጢኣት ኣብ ዝወደቐሉ ጊዜ ራኅርኅሉ፥ ምስኡ ኃቢርካ ብኸን ሕዘንን እምበር፡ ብትዕቢት ኣይትርኣዮ፥ ኢየሱስ ሕይወቱ ምእንቲ ኃጢኣት ዓለም ሠዊዑዎ ኢዩ፥ ንኃጢኣተኛታት ዚግባእ መቕጻዕቲ ከኣ፡ ኣብ ዝባኑ ተሸኪምዎ ኢዩ። ንኃጢኣቶም እኳ እንተዀነንካ፡ ንኃጢኣተኛ ግን ብሕያውነት ተቐበሎ ኢኻ።
ጸሎት፡ ናይ ሕይወትካ ነፍሲ ከምዚኸውን ግበር፥ ካብ ኵሉ ከኣ እቲ ነፍሲ ሕይወትካ ኪኸውን ዚግብኦ ጸሎት፡ ጸሎተ ዳዊት ኢዩ። ንክህነት ክርስቶስ ብዝበለጸ እተዘውትሮ ኣብ ጸሎት ኢዩ። ንኻልኦት ምእንቲ ክትቅድስ ኣቐዲምካ ንርእስኻ ቀድስ (ዮሓ 17፡19 ረአ)። ምእንቲ እቶም ዘየፍቅሩዎ ቢልካ ንእግዚኣብሔር ከተፍቅሮ ጽዓር። ምስ ምእመናን ብስምምዕ እናነበርካ፡ ሓቀኛ ጓሳኦም ኩን። ነቶም ዝጸገሞም ክትሕግዝ ኵሉሻዕ ቅሩብ ኩን፥ ካህን ዝኾንካ ንርእስኻ ዘይኮነስ፡ ንኻልኦት ኢልካ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መስቀል ዚርከብ ዓቢይ ሞያ ንኽትፈልጥ ጽዓር። ምእንቲ እቶም ንስሓ ዘይገብሩ ተነሳሕ።
እቲ ዘለዓለማዊ ካህን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነትና ኢሉ ገዛእ ርእሱ ሠዊዑልና ኢዩ። ንስኻ እውን ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ፡ ናይ መሥዋዕትኻ ካህን ኩን። ልዕሊ ኵሉ ከኣ ብዛዕባ ነፍሳት ተገደስ። ነፍሳት ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኪምለሳ፡ እቲ ንሱ ዚሰደልካ ስቓይ ኵሉ ንምሉእ ሕይወትካ ንኽትሳቐ በዓል ጽቡቕ ፍቓድ ኮይንካን ከየቋረጽካን ጸሎት ግበር። ንሕይወትካን ንሞትካን ድኅነት ኣልብሶም። ሓዋርያ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ብፍቕሪ ኢየሱስ ተመሊእካ ናብ ሰብ ምእንቲ ክትክዕዎ፡ ንልብኻ ናብ ልቡ ኣጸግዓዮ። መምርሒ ሓዋርያነትካ፡ እቲ ሕያው ፍቅሪ ኢየሱስ ደኣ እምበር፡ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ዝተመሥረተ ኪኸውን የብሉን።
መዓልቲ መዓልቲ ንበይንኻ ብሕቲካ ጸሎት እትገብረሉ እኹል ጊዜ መዲብካ፡ ንሕይወትካ ሠሪዕካ ኃዞ እምበር፡ ክሳብ ትንፋስካ እትወጽእን እትጭነቕን ስራሕ እምብዛ ኣይተብዝኅ። ምስ እግዚኣብሄር ብጸሎት ከይተወሃሃድካ፡ ምስ ኣኅዋትካ ብሓቂ ተፋቒርካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሓዋሪያውነት ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዘይውዳእ ስራሕ ብህርፋን ኣይትጥሓል። ጸሎትካ ኣብ ስራሕካ ከምዚግለጽ፡ ስራህካ ከኣ ከምብሓዲሽ ናብ ጸሎት ከምዝጽውዔካ ግበር።
ኣብ ስራሕካ መስተዋዓሊ፥ ኣብ ኣስተንትኖኻ ብዓል ጽቡቕ ድላይ ኩን። ሓዋርያውነትካ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ኅብረትን ንዕኡ ዘሎካ ፍቕርን ኪፍልፍል ይግባኣ። ኣብ ሓዋርያውነትካ ንገዛእ ጥቕምኻ እንተዘይሰሪሕካ፥ ብዛዕባ እምነትካን ሓቅነትካን ንሰብ ኪስሕብ ዚኽእል ፍሉይ ዝኾነ ኃይሊ ኣለዎ። ሰባት ካባኻ ዚጽበይዎ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ወንጌልን፡ ስቓይ ዚቕበል ክፉት ልብን፡ ብህይወትካ እትምስክሮ ጥርጣሬ ዘይብሉ እምነትን ኢዩ። ካህን ብምኳንካ ንሓጐስካ ኣሓድሶ፥ ብሉጽ ካህን ንኽትከውን ጽዓር፥ ኣብዙ ዓለምዙይ እትነብር ሓንሳእ ጥራሕ ኢዩሞ፡ ተቢዕካ ናብ ስራሕ ኣምላኽ ተቐዳደም።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ እግዚኣብሔር ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)
147 - እግዚኣብሔር ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን
እቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝመሥረተ ኵሉሻዕ ምስኣ ዚነብር፡ ንሳ ከኣ፡ ብክርስቶስ ገይራ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ተልእኮ ድኅነታ ከተካዪድ ኢያ። ናትካ ተልእኮ ብሞትካ ከቋርጽ ከሎ፡ እታ ተልእኮ ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ግን፡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ክትቅጽል እያ። ንሳ እትነብር፡ ሳላ እቲ ርእሳ ዝኾነን ሕይወት ዚህባን ኢየሱስ ጥራሕ ኢያ፥ ንሳ፡ እኳ ደኣ፡ መቐጸልታ ኢየሱስ ኢያ። ኢየሱስ፡ ንቤተ ክርስትያኑ ዚመርሓ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ፡ ብሥውር ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ።
ኃይሊ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተጋቢኣ፡ ቋንቋ ኵሉ ሕዝቢ ዓለም እናተዛረበት፡ ብሓደ ወገን ንሓድነታ ክትገልጽ ከላ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም-ለኻውነታ (ካቶሊካውነታ) ክትገልጽ ትርከብ። ቤተ ክርስትያን ኣደ ኵሉ ኢያ፥ ንሳ ብዝኾነ ሰብኣዊ ባህሊ፡ ብፖለቲካ፡ ብቁጠባ፡ ብማኅበራዊ ሕይወት፡ ተቐዪዳ ኣይትሰርሕን ኢያ። ቤተ ክርስትያን ዋሕስ ምዕባሌ ወዲ ሰብ ጥራሕ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ፡ ከመይ እቲ ክርስቶስ ዜምጽኦ ናጽነት፡ ብሥጋዊ ምዕባሌ ጥራሕ ዚውሰን ኣይኮነን። እንታይ ደኣስ እቲ ናታ ምዕባሌ ካብዚ ዚዓብን ዚልዕልን ኢዩ።
ቤተ ክርስትያን ዝተመሥረተት ንኵሉ ሰብ ንምግልጋል ኢዩ። ንሳ ኃይሊ እዙ ዓለምዙይ ክትጥቀም ኢላ እንተሃቂና፡ ካብቲ ወንጌላዊ ዝኾነ ዋና ኣተናኣ ርሒቓ ትርከብ። መሠረት ቤተ ክርስትያን ቆይሙ ዚርከብ ኣብ እምነትን ኣብ ትሕቲ ተኣዝዞ ትምህርቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ኢዩ። ኢየሱስ መፋርሕ መንግሥተ ሰማይ ዘረከቦ ንምኽትሉ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ፥ ስለዚ ኣዛዚ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ኢዩ።
ንስኻ ነቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዘሮም ዚቕመጡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዓቢይ ክብሪ ተኣዘዞም፥ እዙ ተቐሚጦምዎ ዘለው ወንበር፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ 21 ዘመናት ታሪኽ ኂዙ ዚርከብ ኢዩ። ወልደ-እግዚኣብሔር ናብዙ ዓለምዙይ ወሪዱ ኣብ መንጎና ምስ ተቐመጠ፡ እሞ ካብዙ ኪኸይድ ከሎ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተከተልቱ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኪውክልዎ ከምዝወሰነ ፍሉጥ ኢዩ። ዙፋኑ ከኣ፡ ንዘለዓለም ኣይኪፈርስን ኢዩ (ማቴ 16፡18 ረኣ)።
እታ ኣብቱ መሠረት ዝኾነ ጴጥሮስ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያን፡ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ እንተመጸ እውን፡ ከዕንዋ ኣይኽእልን ኢዩ። ኦ ኣንቲ መርከብ ጴጥሮስ፡ ካብ ክንደይ ማዕበላት ዘይድኃንክን ዘይተዓወትክን እሞ! ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓደ ንውልቆም ሓለቓ ዝኾኑ፡ ጳጳስ ዘሮምን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቡናት ምስ ጳጳስ ዘሮማ ምሉእ ሱታፌ ዘለዎምን ኢያ ትርከብ።
ቤተ ክርስቲያን፡ መሠረት ኣብ ዝኾኑ ሓዋርያት ዝተሓንጸት ኢያ፥ ንሳ ኣብ ሓደ ሰብነትን ኣብ ሓደ መንፈስን ጠቕሊሉ ዚኅዘና ናይ ጐይታና ቅዱስ ቤተ መቕደስ ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ኣብ፡ መደብ ድኅነትን፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ዘሎ መንግሥተ ሰማይን፡ ብናይ ምልክት ደረጃ ብዓይንኻ እትረኤ መንግሥቲ ክርስቶስን ኢያ። ንሳ ጉባኤን ሱታፌን ቅዱሳንን ኢያ፥ ኵሎም ምእመናን ብሕናሳብ ኰይኖም ሓደ ሰብነት ኢዮም ዜቑሙ፥ ሃብቶም ከኣ፡ ኵሎም ብኃባር ኢዮም ዚጥቀሙሉ። ንሳ ብደም ክርስቶስን ብህያብ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ክትወልድ ክእለት ኣለዋ።
ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ መንገዲ ንኽርስቶስ እትኽተሎ በቶም ምእንቲ ሓቂ ኢሎም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ዚቓለሱ ደቃ ገይራ ኢያ። ስደት ኪወርዳ ከሎ፡ ብኃይሊ ኣምላኽ እምበር ብሰብኣዊ ጥበብ ኣይትከላኸልን ኢያ። ኣብ ማኅበራት ቤተክርስቲያን ገለ ጉድለት እንተ ተዓዘብኻ ኣይትተዓንቀፍ። ከመይ እተነ ማኅበራት ብሰብ ደኣ እምበር ብመላእኽቲ ኣይኮናን ቖይመን፥ ካብዙ ዝተላዕለ ኵሉ ዓይነት ድኻምነት ኪህልወን ይኽእል ኢዩ። ንቤተ ክርስቲያን ወላ እቶም ናታ ወገን ዝኾኑ ሰባት ኬፍርስዋ ኣይኽእሉን ኢዮም፥ እዙይ ከኣ፡ መሠረታ ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።
ገሊኣቶም ንቤተ ክርስቲያን ናብ መንግሥትነት እዙ ዓለምዙይ ተቐዪራ ኢሎም ዚኸስዋ ኣለዉ፥ እንተኾነ እዙ ክሲዙይ ንጕድለት እምነቶም ከመኻንዩ ስለ ዝደለዩ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚቃወም፡ ኃጢኣት ሰብ ጊዜና ከኣ፡ እዙይ ኢዩ። ንሳቶም ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓቢይ ጌጋኦም፡ ነቲ መለኮታዊ ተግባራ፡ ብዓይኒ ፖሊቲካ ምርኣይን ምፍራድን ኢዩ። እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይፈለጥዎን ዘይተረድእዎን ነገር ኣሎ፡ንሱ ከኣ፡ ክንየው እታ ብዓይኒ ትረኤ ቤተ ክርስቲያን፥ እታ ምሥጢራዊት ዝኾነት ዘይትረኤ ቤተ ክርስቲያን ከምዘላ ዘይተገንዘቡዎ ነገር ኣሎ።
እታ ትረኤ ቤተ ክርስቲያን ኃጢኣት ኣይፍለያን ኢዩ፥ እታ ዘይትረኤ ቤተ ክርስቲያን ግን፡ እንከን ዝበሃል የብላን (ኤፌ 5፡26-27 ረአ)። ንስኻ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዚጸርፍን ዚሓምን ቅምታ ኣይትኃዘሉ። እቲ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ንዓይ ኣሳዲዶምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩም እውን ኬሳድዱኹም ኢዮም” (ዮሓ 15፡20) ዝበሎ ቃል ትንቢት ኪፍጸም ግድነት ኢዩ። እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዜሳድዱ ሰባት፡ ነቲ ዚገብርዎ ክፉእ ተግባር ከይፈለጡ ይገብርዎ ይኾኑ፡ እንተኾነ ንሳቶም እውን፡ ሓቀንነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኪፍለጥ፡ መሳርሕቲ ኣምላኽ ኢዮም።
ንስኻ ከኣ፡ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾንካ ኣይትረስዕ፥ ካብዚ ዝተላዕለ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ክትከውን ተጸዊዕካ ኢኻ (ማቴ 5፡13-14 ረአ)። ካብዙ ኃሊፍካ ከኣ፡ ኣብ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ተዋፊርካ ገለ ልዕል ዝበለ መዝነትን ኃላፍነትን ለቢስካ እንተሊኻ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብጽቡቕ ኣብነትካ ንቤተ ክርስቲያን ጽብቕ መልክዕ ክትህባን ከተውህባን ጽዓር።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንቤተ ክርስቲያን፡ ከም አደኻ ገይርካ ኣፍቅራ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

148 - ንቤተ ክርስቲያን፡ ከም አደኻ ገይርካ ኣፍቅራ
ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣደኻ ገይርካ ከተፍቕራ ይግባእ፥ ንሳ ብጥምቀት ውሉድ ኣምላኽ ገይራ ወሊዳትካ ኢያ፥ ብዘይምቍራጽ ከኣ ብመሥዋዕቲ ቅዳሴን፡ ብመሥጢራትን፡ ብቃለ ኣምላኽን፡ ክትሰስየካ ኢያ ትነብር። ቤተ ክርስቲያን አደካ እንተዘይኮይና፡ እግዚኣብሔር ኣቦኻ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ንስኻ ሕያው ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይወጻእካ፡ ኣብ ውሽጣ ክትነብር ጸዓር።
ቤት ክርስቲያን፡ እቲ ብስም ኣብን፡ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ዝተጋብኤ ሓዲሽ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኢያ፥ (ቅዱስ ሲጵሪያኖስል ብዛዕባ ጸሎት ሰንበት)። እግዚኣብሔር፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብዙ ዓለምዙይ ዝመሥረታ ኣብ ዘመን ኣዝማናት ምልክት ቅድስናኡ ኮይና ክትነብር ስለ ዝደለያ ኢዩ (ማቴ 16፡19: 18፡19 ረአ)። ንስኻ ኣብዛ ዓለምለኻዊት ምሥጢረ ድኅነት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እምነትካ ኣጽንዕ። እቲ ክርስቶስ ዜምጽኦ ድኅነት፡ ኣባና ምእንቲ ኪሰርሕን ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኪውዕልን ህልውና ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ኣድላዪ ኢዩ። ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምሥጢረ ሥጋዌ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ክትቕጽሎን፡ ንኽርስቶስ ከኣ ከምብሓድሽ ኣብ ምሥጢራት ህልው ክትብሮን ትርከብ ኣላ።
እታ ንውልቃ ሓንቲ ዝኾነት፡ ንመዝገብ መለኮታዊ ትምህርቲ ክትሕሉ መዝነትን ኃላፊነትን ዝተዋህባን፡ ከምኡ እውን ዓዳሊት ሃብቲ መንግሥተ ሰማይን ድኅነትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ኢያ። ንሳ እታ ኣዚያ ተፈታዊ ዝኾነት መርዓት ኢየሱስ ኢያ፥ ንሳ እታ ኣብ ምድሪ እትፍጽሞ ተግባር፡ ኣብ ሰማይ እውን ቅቡል ክንዲ ዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ምሉእ ሥልጣን ስለ ዘልበሳ፡ ክትእዘዛ ጽዓር። ቤተ ክርስቲያን ዓንድን ሓላዊት ሓቅን ኢያ እሞ፡ ንዓኣ እመን (1ጢሞ 3፡15 ረአ)፥ ሽሕዃ ኣብዙ ዓለምዙይ ካብ ንብርሃን ንጸላም ዚመርጹ ብዙኃት እንተሃለዉ፡ (ዮሓ 3፡19 ረአ) እንተኾነ ተልእኮኣ፡ ንደቂ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማይ ዚወስድ መንገዲ-ሓቂ ምህባር ኢዩ።
ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፥ ብዙኃት ሰባት ሽሕኳ ሃሞምን ቀልቦምን ኣብ ገንዘብ ገይሮም፡ እንግድዓኦም እንተሃብዋን እንተኸሓዱዋን፡ ንሳ ግን፡ ተልእኮኣ ከየቋረጸት ንደቂ ሰብ ውራይ መንፈሶም ከይርስዑ እናዛኻኸረት ኢያ ትነብር። ንስኻ፡ ምሉእ ተስፋኻ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንብሮ፥ ንሳ ንጭቁን ሕዝቢ፡ እታ ሓንቲ ኡንኮ ዝኾነት ባንዴራ ናጽነቱ ኢያ፥ ንሳ ድምጺ’ቶም ድምጺ ዘይብሎም ኢያ፥ ኃይላ ቃለ-ኣምላኽ ኢዩ። ንሳ ጥራሕ ኢያ እታ ፍልልይ ዓሌትን መደብን፡ ጾታን ዘይብላ (ገላ 3፡28: ቆላ 2:11 ረአ)፥ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ንሳ ኣብ መንጎ ሕዝብታት፡ ምልክትን ምንጭን ሰላም ኢያ። ንስኻ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣኽብር፥ ንሳ ትእምርት ታሪኽ ዓለም ኢያ፥ እቶም ኣብ ክብርን ጥበብን እዙ ዓለምዙይ ዝተመሥረቱ ገዛእቲ ሕዝብታትን፡ መንግሥታትን፡ ፖሊቲካውያንን፡ ሥነ ሓሳባውያንን (ኣይደዮሎጂስትን) ሓደ ድኅሪ ሓደ እናተኸታተሉኳ እንተመጹ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ንዘለዓለም ኣብ ቦታኣ ዝቖመትን እትነብርን ኢያ።
ንሳ ኣብ ቃል ክርስቶስ ጥበብ ኣምላኽን ዝተመሥረተት ስለ ዝኾነት ካብዙ ጊዜዙይ ወጻኢ ኢያ እትነብር። ንሳ ከምቲ መሥራቲኣ ክርስቶስ ምሉእ ሕይወታ ኣብ ስደት ኢያ እትሳቐ፥ እንተኾነ ዘሸንፋ ኃይሊ የልቦን፥ እኳ ደኣ ምእንቲ ሓቂ ኢላ ብዝተሳቐየቶ መጠን፡ ብዝበለጸ ኣብ ሓቂ ኢያ ትጸንዕ። ምእንትዙይ ንስኻ እውን፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክልተ ሽሕ ዓመት ዠሚራ እተምህሮ ዘላ ትምህርቲ ጽናዕ እምበር፡ በዙ ጊዜ ዘምጽኦ ሓዲሽ ትምህርቲ ከይትሰድዕን ከይትታለልን ተጠንቀቕ።
ቤተ ክርስቲያን እታ ሓንቲ ንውልቃ ዓቃቢት መዝገበ ሃይማኖት ዝኾነት ኢያ፥ ንሳ ኢያ እታ ንዘለዓልማዊ ቃል ኣምላኽ ከይዝረግ እናኃለወት፡ ናብ ምሉእ ዓለም ከምዚዝርጋሕ እትነግሮን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እውን እተመኃላልፎን። ንስኻ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጸጋዕ፥ ከመይ ኣብዙ ከም ውሕጅ ብርቱዕ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ ፍትወት፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ብሓደ ወገን ሕጊ ኣምላኽን ሞራላዊ ሕጊን ንኺኸበር ክትቃለስ ከላ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጽቡቕን ንኽፉእን ነገር እናመልከተት እተምህርን እተረድእን ኢያ።
ንስኻ ካብ ምእመናን ከይተፈለኻ፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትካ ኣጽንዕ፥ ኣብቱ ክርስቶስ ዝርእሱ ንስኻ ከኣ ዝኣባሉ፡ ምሥጢራዊ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ክትድኅን ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ፡ ብእምነት እንተነቢርካ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ንዘለዓለም ንኽትነብር ካብዙ ዓለም ክትወጽእ ኢኻ። ካብዛ ኣብዙ ዓለምዙይ ዘላ ተቓላሲት ቤተ ክርስቲያን ተላቒቕካ፡ ናብታ ቃልሳ ወዲኣ ኣብ ዓወት፡ ኣብ ሰማይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክትጽንበር ኢኻ። ኣየ እወ! ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ ምንባርን ምማትን ክንደይ ሠናይ ኢዩ!
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

149 - ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ
እግዚኣብሔር ንድንግል ማርያም ብድንግልናእ ፈተዋ፥ ንወልደ እግዚእብሔር ከኣ ኣብ ትሕትንኣ ፀነሰቶ። ብሕጊ ተፈጥሮ ፍረ ዚረኤ ድኅሪ ዕንባባ ኢዩ፥ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግን፡ እዚ ሕጊ ተፈጥሮ ኣይሰርሔን፡ እንታይደኣ ብተኣምር፡ ዕምባባ ድንግልንኣን ፍረ ከርሳን ሓደ ኮይኑ ተረኸበ። ምሥጢራዊ ዝኾነ ድንግልና ማርያም ምሉእ ብምሉእ ንጹሕ ኪኸውን ከሎ፥ እዙይ ብትሩፋት ክርስቶስ ኣቐዲሙ ስለ ዝተረኸበ፡ ንማርያም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ከምትፅነስ ገይሩ፡ ቅድስትን ንጽሕትን ዝገበራ ጸጋ ኢዩ።
ነፍሲ ድንግል ማርያም ብጸጋ ኣምላኽ ዝመልኤት ኢያ፥ ካብዙ ጸጋዙይ ዝዓብን ዝደምቕን ከኣ፡ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ። ንመርገም ሔዋን ናብ ቡራኬ ዚቐየሮ ፍረ ስለ ዚፈረየት፡ እታ ካብ ኵለን ኣንስቲ እተባረኸት ኮነት። እቲ ምሉእነት ጸጋቲ፡ ብሕይወት ኣምላኽን፡ ብመንፈሳዊ ጽባቔን፡ ብመልዕልተ ባሕርያዊ መንፈሳዊ ኃይላትን፡ ብህያባት መንፈስ ቅዱስን ድምቕቲ ይገብራ። ምእንትዙይ ንሳ ሳላ መለኮታዊ ጸጋ፡ ኣርኣያ ጽባቔ ተፈጥሮ ሰብን፡ እቲ ብዝለዓለ ጥርዚ ዝፈረየ ድንቂ ዝኾነ ፍረ ድኅነትን፡ ልዕሊ ኵሎም ፍጡራትን ኢያ።
እዙ ናይ እግዝእትነ ድንግል ማርያም ነገር ዜገርም ኢዩ! ድኅሪ እግዚኣብሔር እታ ዝኸበረት ፍጥርቲ ኢያ። ንሳ እታ መንፈስ ቅዱስ፡ ባዕሉ ብኢዱ ዝሰኣላን ንኢየሱስ ከኣ ብቐረባ እተምሰልስልን ኢያ። ብዛዕባ ክርስቶስ ካብኣ ንላዕሊ - “ከምቲ ኣነ ንኽርስቶስ ዝመስሎ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንዓይ ምሰሉ” ኪብል ዚኽእል ሓደኳ የልቦን (1ቆሮ 11፡1)። ሕይወታ፡ ንሕይወት ኢየሱስ ኢዩ ዚመስል፥ ምስኡ ተጸንቢሩ ኢዩ ከኣ ዚጠፍእ። ቅዱስ ወንጌል ብዛዕብኣ ዚዛረበሉ ምኽንያት፡ ከም መጠን ወላዲቱን ከም መጠን ሰራሒት ሓቀኛ ታሪኽ ወዳን፡ ምስክር ንኽትከውን ጥራሕ ኢዩ።
ንሳ ኣብዙ ዓለምዙይ ዝነበረት፡ ብሓቂ ብኽርስቶስ ኣብ እግዚኣብሔር ተኃቢኣ ኢያ (ቆላ 3፡3 ረአ)። ንብሥራት መልኣኽ፡ እሺ ኢላ ምስ ተቐበለቶ፡ ፍቓዳ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሓደ ኮነ። ንቓል መልኣኽ ምሉእ እሽታኣ ምስ ሃበት፡ እግዚኣብሔር ማእለውያ ዘይብሉ ጸጋታት ዓደላ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ፈጣሪኣ እግዚኣብሔር፡ ሥጋ ካብኣ ለበሰ፥ ውሉድን ባርያን ወዳ ንኽትከውን በቕዔት። እግዚኣብሔር ከም ንማርያም ገይሩ ዘፍቀሮ ፍጡር የልቦን፥ ከም ማርያም ገይሩ ንእግዚኣብሔር ዜፍቀረ ፍጡር ከኣ፡ የልቦን።
እቲ ንኵሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ድንግል ማርያም ፍጡር ኮይኑ ተፀንሰን ተወልደን። እቲ ብውልቁ፡ መንጎኛን ዓራቒናንን ዝኾነ ኢየሱስ ወልደ ኣምላኽ፡ ብድንግል ማርያም ገይሩ፡ ኃው ኵሉ ሰብ ኮነ፥ ምስ ነፍስወከፍ ሰብ ከኣ ኣካላዊ ሓድነት ኣቆመ። እግዝእትነ ማርያም ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ኢላ፡ ናጻ ብዝኾነ እምነትን ብምቕሉል ተኣዝዞን ምስ እግዚኣብሔር ኃቢራ ሰርሔት እምበር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣስተዋጽኦ ዘይነበራ ከም ሓደ ግዙፍ መሳርሒ ጥራሕ ኮይና ኣይሰርሔትን።
እግዚኣብሔር ንምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብታ ኣደ ንኽትከውን ኣቐዲሙ ዝኃረያ ሰበይቲ፡ ንኽፍጸም ንሳ እሽታእ ኣቀዲማ ኪትህብ ናይ ግዲ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ሔዋን ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ንጥፍኣት ውሉደ ኣዳም ምኽንያት ዝኾነት፡ ከምኡ ከኣ ድንግል ማርያም ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምኽባር ንድኅነት ምሉእ ዓለም ምኽንያት ክትከውን በቕዔት። ካብዙ ድኅነትዙይ ከኣ፡ እታ ቅድሚ ኵሉ ረብሓ ዝረኸበት ንሳ ባዕላ ኢያ።
ማርያም ንኢየሱስ ከምቲ ሕጊ ተፈጥሮ ወዲ ሰብ፡ ስለ ዝፀነሰቶን ስለ ዝወለደቶን ብሓቂ ኣደ ኣምላኽ ኢያ። ኣቦ ኢየሱስ፡ እግዚኣብሔር ኢዩ፥ ወዲ ማርያም ከኣ ኣምላኽ ኢዩ። ኣደ ኢየሱስ ምዃን ማለት፡ ኣብቱ ምድራዊ ይኹን ሰማያዊ ይኹን ሕይወት ኢየሱስ፡ ምሉእ ብምሉእ ምትሕግጋዝ ማለት ኢዩ። ንኢየሱስ ብሓቂ እንተደሊኻዮ፡ ካብ ሕቝፊ ማርያም ኢኻ ትረኽቦ። ማርያም፡ ብሓደ ሸነኽ ኣደ እቲ ፈጣሪ ዝኾነ ክርስቶስ ክትከውን ከላ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ኣደ እቲ ኣብ ልብኻ ብኢየሱስ ዝተዋህበካ ጸጋ ኢያ፥ እዙ ጸጋዙይ ንሰብኣዊ ተፈጥሮኻ ዘማዕረጎን፡ ወዲ እግዚኣብሔር ንኽትከውን ዜብቅዓካን ኢዩ (ዮሓ 1፡12 ረአ)። እምበኣር ድንግል ማርያም ብጸጋ ኣደኻ ኢያ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል መቀጸልታ “ድንግል ማርያም፡ ኣደ ኣምላኽን ኣደኻን ኢያ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

. . .
ንሳ ኣደ እቲ ንኵሉ ሰብ ዜድኃነ ኢየሱስ ስለ ዝኾነት ምእንትዙይ ከኣ ኣደ ኵሉ ድኁን ኢያ። ከምቲ ጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ተፈጥሮ ዚዓቢ፡ ከምኡ ከኣ ማርያም ከም ኣደ መጠን፡ ካብታ ሥጋዊ ሕይወት ዝሃበትካ ወላዲትካ ትዓብን ትበልጽን ኢያ። ንስኻ ከኣ ሳልኣ፡ ንእግዚኣብሔር እምበር፡ ነዙ ዓለምዙይ ኢልካ ኣይተወለድካን። ቅዱስ ጳውሎስ ንኽርስቲያን ኪወልድ ዚበቕዔ ብስብከተ ወንጌል ኢዩ (ገላ 4፡19 ረአ)። ማርያም ከኣ ንዓኻ ዝወለደትካ ብዝበለጸ መንገዲ፡ ብምሥጢረ-ሥጋዌ ቃል ኣብ ኢዩ።
ምስኡ ኃቢርካ ምእንቲ ክትወርስ ኢሉ ኢየሱስ፡ ብኽልቲኣቶም ወለዱ፡ ማለት ብሰማያዊ ኣቡኡን ብምድራዊት ኣዲኡን፡ ብጸጋ ፡ ከም ቆሞና ኃዉ ገይሩ ኢዩ ዚቘጽረካ። እግዝእትነ ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኮነት ሓቀኛ መንፈሳዊት ኣደኻ እውን ኢያ፥ ከመይሲ ንሳ፡ ነቲ ካብ መዥመርያ ኣደ ድንግላዊ ዝኾነ ከርሳ ዝፀነሰትሉ እዋን ኣትኂዛ፡ ነታ ምሥጢራዊት ዝኾነ ሰብነቱ፡ ከም መጠን ርእሳ፡ ምስኡ ኣወሃሂዱዋ ኢዩ። ምእትንዙይ ነቲ ሕይወት ነፍስኻ ዝኾነ ኢየሱስ ስለ ዝወለደት፡ መንፈኣዊት ኣደኻ ኢያ።
እግዝእትነ ማርያም ንመላኣኽቲ ሰማይ ንግሥነቶም ኢያ፥ ንዓኻ ግን ኣደኻ ኢያ። ድንግል ማርያም ኣብዙ ዓለምዙይ ጥራሕ ኣይኮነን ብፍሉይ መንገዲ፡ ኣብ ተግባረ ድኅነት ዓለም ዝሰርሔት፡ ኣብ ሰማይ እውን ንዚልምና ኵሉ፡ ሕጂ እውን፡ እቲ ናይ ድኅነት ተግባራ ገና ኣየቋረጸን። ንሳ ዓዳሊት ኵሉ ጸጋ ኮይና፡ ኣብቲ ክቡርን ኃይልን ዝመልኦ መንጐኝነት ክርስቶስ ወዳ ኢያ ትሳተፍ። ልመናኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዘይመጠን ተሰማዓይ ኢዩ፥ እዙይ ከኣ ኣዲኡ ወላዲቱ ክንዲ ዝኾነት ኢዩ።
እግዚኣብሔር፡ ኣዲኡ ክትኮኖ ንማርያም ዝኃረየሉ ምኽንያት፡ እቲ ብኃይሊ ፍትሒ ንኺድኅን ዘይኽእል፡ ብእኣ ገይሩ ግን፡ ብኃይሊ ምሕረት ምእንቲ፡ ኪድኅን ኢዩ። ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ካብ እግዚኣብሔር፡ ጸጋ ክተውህበካ ኢልካ ክትልምና ከሎኻ፡ ንዓኣ፡ እዙይ እቲ ዝዓበየ ታሕጓስ ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ መንገደኛ ስለ ዝኾንካ፡ ምስቶም ኵሎም ማኅበር ቅዱሳን ኃቢርካ ኣብቱ ሰማያዊ ሃገር ክሳብ ትበጽሕ፡ ንሳ ክትግደሰልካን ክትኃልየልካን ክትነብር ኢያ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድንግል ማርያም፡ ኣርኣያ ቅድስናን ረዳኢት ክርስቲያንን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

150 - ድንግል ማርያም፡ ኣርኣያ ቅድስናን ረዳኢት ክርስቲያንን
እዛ ኣደ ኣምላኽ ዝኾነ ድንግል ማርያም፡ ከመይ ዝበለት ዓባይ ኣርኣያ ቅድስና ይመስለካ! እቲ ኵሉንተናኡ ቅዱስን፡ ንጹሕን፡ ብምሉኡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ዝኾነ ድንግላዊ ሰብነታ፡ ሰብነትካ እውን ኣካል ክርስቶስን ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስን ከምዝኾነ የዘኻኽረካ። እግዚኣብሔር ነቲ መደብ ድኅነቱ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኪውዕሎ፡ ከምቲ ድንግል ማርያም ምሉእ ትሕትናን ስንድውናን ዘርኣየት፡ ንስኻ እውን ብትሕትናን ብድልው መንፈስን ንዕኡ ክትውፈ ከምዜድልየካ ኣይትረስዕ።
ከምቲ ድንግል ማርያም ንኽርስቶስ ክትወልድ ዝተጸወዔት፡ ሽሕዃ እቲ ኣገባብራ ፍሉይ እንተዀነ፡ ንስኻ እውን፡ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኃቢርካ “ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ” ክሳብ ምባል ኣብ ሰብነትካ ክትፀንሶ ግቡእ ኢዩ (ገላ 2፡20 ረአ)። እቲ ነደኻ ዘየኽብረልካ፡ ንዓኻ እውን ስለ ዘየኽብር፡ ንኽርስቶስ ተኽብሮ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንድንግል ማርያም ኣዲኡ እውን ኣኽብራን ኣፍቅራን ኢካ” (ሌዋ 20፡9 ረአ)። ንድንግል ማርያም መንፈሳዊ ፍቕሪ እንተደኣ ኣሊዩካ፡ እዙይ ሓደ ምልክት ድኅነትካ ኢዩ፥ ኣብ ጊዜ ሞትካ፡ ማርያም ጥዑም ዝኾነ ተስፋ ድኅነት ከምተስተማቕር ክትገብረካ ኢያ። ከምቲ ንኢየሱስ ብኣኣ ገይርካ ዝረኸብካዩ፡ ናብ ኢየሱስ ከኣ ብኣኣ ገይርካ ክትኃልፍ ቅኑዕ ነገር ኢዩ።
ኦ ኣዚኺ ቅድስቲ ዝኾንኪ ድንግል ማርያም፡ እቲ ካብ ዘለዓለም ኣትኂዙ ሕያዋይን፡ ንዓና ዚኃልየልናን እግዚኣብሔር፡ ኣደ ጸጋን፡ መንፈሳውነትን፡ ጠበቓናን፡ ገይሩ ከምዝመረጸኪ ኣይተረስዒ። ድኅሪ ኢየሱስ ወድኺ፡ ካባኺ ዚበልጽን ዚዓብን ዑቕባ የብልናን። ብእምነት ናባኺ ዝተማህለለ ኵሉ፡ ዝለመኖ ነገር ከይረኸበ ዝተመልሰ የልቦን። ኦ ቅድስቲ ዝኾንኪ ድንግል ማርያም፡ ንስኺ ዘይተባለሸኺ ንጽሕቲ መኅደሪ ቃል ኣምላኽ ኢኺ እሞ፡ ብኃጢኣት ንኸይረክስ ኣድኅንኒ።
ንስኺ ቤት መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ኢኺሞ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣባይ ምእንቲ ኪፍጸም፡ ወትሩ ጊዘ ፍቓዱ ንኽመልእ ሓግዝኒ። ኦ ኣደይ መዓረይ፡ ኣብቲ ነኅዋት ክትሕግዚ ኢልኪ እትገብርዮ ጕዕዞ፡ ብጻይኪ ምእንቲ ክኸውን ምሳኺ ጸምብርኒ። ምናልባት ንወድኺ እንተኣጥፊኤዮ፡ እናበኸኹ ንኽደልዮ ሓግዝኒ፥ ኣብ ጽሞና ናዝሬት ምሳኽን ምስ ኢየሱስን ከምዝነብር ግበርኒ።
ከምቲ ኣብ መርዓ ቃና፡ ነቶም መርዓውቲ ዘማለድክሎም፡ ንዓይ፡ ንወድኺ እውን ከምኡ ንኢየሱስ ለምንለይ፥ ኣብ ቀራንዮስ ከምዝክተለክን ኣብ እግሪ መስቀል ምሳኺ ኃቢረ ከምዝበክን ግበርኒ፥ ኣብ ጽርሓ ጽዮን፡ ምስታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያንን ምሳኽን ኮይነ፡ ንኽጽሊ ሓግዝኒ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተዓወትኪዮን ንሰማይ ዝፈለስኪዮን ኪዝክር ከለኹ፡ ኣነ እውን ክዕወተሉ ምዃነይ እኣምን ኢየ።
በቲ ብኽብረት ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሰብነትኪ፡ ኢየሱስ ወድኺ ንሞት ከምዚሠዓረን ተስፋይን እምነተይን ከኣ ኣብ ጽቡቕ መሠረት ከምዘለዉ ተረጋግጽለይ ኣሎኺ። ንስኺ ኣብዙ ዓለምዙይ ንደቂ ሰብ ክትግለጺ ከሎኺ፡ እቲ ርክብ፡ ናይ ሓደ ምሉእ ሕይወት ዝረኸበ ሰብነትን ምስቲ ናይ ሓደ ምሉእ ሕይወት ኪረክብ ኢሉ ዚጽዕር ሰብነትን ኢዩ። ኦ ማርያም ዓደይ፡ ወትሩሻዕ ጥዕምቲ ኣደ ኩንኒ፥ ኣብዙ ዓለም ክሳብ ዘሎኹ ዑቕባ ኩንኒ፥ ክሳብ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወተይ ሓልውኒ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ራብዓይ ክፍሊ - ናብ እምባ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዕራግ - ኢየሱስ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

151 - ኢየሱስ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ
እቲ ቃል ኣምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ንዓኻ መለኮታዊ ባሕርይ ኬልብስ ቢሉ፡ ሰብኣዊ ሥጋኻ ለበሰ። ንስኻ ካብ ዅነኔ ናጻ ምእንቲ ክትከውን፡ ንሱ ኣገልጋሊኻ ኮነ፥ ንስኻ ምእንቲ ክትጸድቕ፡ ንኃጢኣትካ ኣብ ዝባኑ ተሸከመ (2ቆሮ 5፡21 ረአ)። ክርስቶስ ናብዙ ዓለምዙይ ዝወረደሉ ምኽንያት፡ ንስኻ ምስኡ ኃቢርካ፡ ናብ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ ምእንቲ ክትድይብ ኢሉ ኢዩ። ንስኻ፡ ብድኽነቱ ሃብታም ምእንቲ ክትከውን፡ ንሱ ድኻ ኮነ (2ቆሮ 8፡9: ኤፌ 3፡8 ረአ)። ብዘይመጠን ድኻ ስለዝነበርካ፡ ነቲ ዘጥፋእካዮ ሃብቲ ከምብሓድሽ መለሰልካ። ንሱ ሰብ ኮይኑ ኣብ ሰብነቱ ምእንቲ ኪሳቐ፡ ምእንታኻ ኢሉ ኣምላኽነቱ ኃብኤ፥ እቶም ቀተልቱ፡ ንሱ መን ምዃኑ ፈሊጦምዎ እንተዝኾኑ ነይሮም፡ ንኽንድዚ ዚኣኽል ክቡር ጐይታ ኣይምቐተሉን ነይሮም (1ቆሮ 2፡8 ረአ)። ንበደልካ ኣብ ሰብነቱ ተሸኪሙ ንገዛእ ርእሱ ብምቕጻዕን ዘይዕዳኡ ብምኽፋልን፡ ምእንታኻ ኢሉ ሰብነቱ ነቡኡ ኪሥውዖ ብዘይመጠን ሃረር በለ (ሉቃ 12፡50 ረአ)።
ንዝበደለካ ሰብ ዕዳኡ ክትከፍለሉ ከሎኻ ከምተፍቅሮ ቀልጢፉ ኢዩ ዚርድኦ፥ እዙይ፡ ወለዲ እውን ንደቆም ዚገብርዎ ተግባር ኢዩ። ኢየሱስ፡ ከኣ ንስኻ ምስ እግዚኣብሔር ዝነበረካ ዕዳ ከፊሉልካ ኢዩ፥ ኣከፋፍላኡ ከኣ ኅሉፍ ኢዩ! ምእንታኻ ኢሉ ደሙ ኣፍሲሱ፥ ሥጋኡ ምእንቲ ሥጋኻ፡ ሕይወቱ ምእንቲ ሕይወትካ ኣኅሊፉ ተሠዊዑልካ ኢዩ። ንፈታዊኡ ገዛእ ሕይወቱ ኣኅሊፉ ካብ ምሃብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን (ዮሓ 15፡13 ረአ)።
ኢየሱስ፡ ኵሉ ናቱ ዘበለ ንዓኻ ሂቡ፡ ካባኻ ሓንቲ ነገር ዘይደሊ፡ ክቡር ዝኾነ ኣርኣያ ኢዩ። ሕይወት ኢየሱስ፡ ብኣካሉ፡ ዘለዓለማዊ ሕጊ ፍቕሪ ኢዩ። ኢየሱስ፡ ማዕረ ክንደይ ከምዘፍቅረካ እንተትፈልጥ፡ ብታሕጓስ ምተፈንጫሕካ ነይርካ። ድኅሪ እቲ ኣብ መስቀል ዘይምእማን እቲ ዝዓበየ ዕሽነት፡ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዘይምእማን ኢዩ። ፍቕሪ ኢየሱስ፡ ብዘይመጠን ዓቢይ ኢዩ፥ ክንድዙይ ኢዩ ኢልካ ኪግለጽ ኣይከኣልን ኢዩ።
ንሱ ብዘይካ ምእንታኻ ምሥዋዕ፡ ካልእ ዚደልዮ ነገር የብሉን። ኣብ ቀራንዮ ስቓይ ኢየሱስ ማዕረ እቲ ፍቕሩ ኢዩ ናብ ሰማይ ዚዓርግ። ፍቕሪ ኢየሱስ ንምሉእ ዓለም ኢዩ ዚሓቍፍ፥ ዓለምለኻዊ ኢዩ። ኢየሱስ ንኵሉ ሰብ ብሓደ ዓይነት ፍቕሪ ኢዩ ዜፍቅሮ። ፍቕሪ ኢየሱስ ንኵሉ ሰብ ኬሕውን፡ ከጸናንዕን፡ ኬዕርፍን፡ ምሉእ ክእለት ኣለዎ። “ኵሉኹም ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ከኣ ከዕርፈኩም ኢየ” (ማቴ 11፡28)።
እቲ ፍጡራን ዚህብዎ ፍቕሪ ግን፡ ብዘይመጠን ንእሽቶን፡ ጸቢብን ድኹምን ኢዩ! ንስኻ ብወገንካ ነቲ ፍቕሪ ኢየሱስከ ከተጥፍኦ ተጠንቐቕ። ዋላ ኵሉ ሰብ እንተኃደገካ፡ ንሱ ግን ኣይኃድገካን ኢዩ። ኢየሱስ ማዕረ ክንድዙይ ዚኣኽል ካብ ኣፍቀረካ፡ ንስኻ ከኣ፡ በኅዋትካ ገይርካ ኣፍቅሮ ኢኻ (1ዮሓ 4፡11 ረአ)።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንስኻ ንኢየሱስ ዘሎካ ፍቕሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

152- ንስኻ ንኢየሱስ ዘሎካ ፍቕሪ
ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ ካብ ምንባር፡ ዚዕንቅፈካ ሓደ ነገር ኣይሃሉ። እቲ ሓደ ንውልቁ እተፍቅሮን፡ እቲ ሓደ ንውልቁ እትፈልጦን ስም ኢየሱስ ይኹን። ካብቲ ንሱ ኪህበካ ኢሉ ቃል ኣትዩልካ ዘሎ ስልማት ንላዕሊ፡ እቲ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ይገድስካ። እቲ ካብ ወርቂ ዚበልጽ ፍቕሪ ኢየሱስ ዘይብልካ እንተዀይንካ፡ ሓደ ካብቶም ናብዙ ዓለምዙይ ዓበይትን ሃብታማትን ሰባት እውን እንተዀይንካ፡ እንታይ ኪዓብሰልካ ኢዩ? ፍቕሪ ኢየሱስ ኂዝካ፡ ናይ ዓለም መወዳእታ ሰብ ምዃን ሽሕ ጊዜ ይሓይሽ።
ብመንፈስካ ኮነ ብሥጋኻ፡ መስቀልካ ተሸኪምካ፡ ንዓኡ ንኽትመስል ትጽዕር እንተኾይንካ ኢኻ ንኢየሱስ ብሓቂ እተፍቅሮ (ገላ 2፡19 ረአ)። ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ እትጾሮ ሓዘንን እትሽከሞ ሓሳረ-መከራን ጥዑምን ቀሊልን ኢዩ። ካብ ከባቢኻ ኵሉ ነገር እናኃለፈን እናቐየረን ከሎ፡ እቲ ዘይቕየርን ዘይኃልፍን ኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ። ንኢየሱስ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ቀጥ ኣቢልካ ኃዞ፥ ምስ ኢየሱስ ኮይንካ፡ ንኵሉ ከተሸንፍ ኢኻ፥ ኵሉ ከኣ ጥዑም ኪኾነልካ ኢዩ።
ኢየሱስ ምሳኻ እንተሊዩ ሓጐስ ኪህልወካ ኢዩ፥ ሓዘን ዚስመዓካ ኢየሱስ ካባኻ ክርሕቕ ከሎ ኢዩ። ሓዋርያት ምእንቲ ኢየሱስ ኢሎም ውርደት ኪቕበሉ ባህ ይብሎም ነበረ፥ (ግብ 5፡41 ረአ)እቲ ዕድመ ኢየሱስ ዘይተቐበለ፡ ሃብታም መንእሰይ፡ ካብ ኢየሱስ ሓዚኑ ኢዩ ከይዱ። ነቦኻ ወይ ነደኻ ንወድኻ ወይ ንጓልካ፡ ካብ ኢየሱስ ንላዕሊ እንተደኣ ኣፍቂርካዮም፡ ንዕኡ ኣይትበቅዕን ኢኻ (ማቴ 10:37 ረአ)። ካብ ኢየሱስ ርሒቕካ ንሕይወትካ ከተድኅን እንተጽዒርካ ከተጥፍኣ ኢኻ፥ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ ንህይወትካ እንተደኣ ኣጥፊእካያ ግን፡ ከተድኅና ኢኻ (ማር 8:35 ረአ)።
ኢየሱስ ገለ ክትገብር እንተሃተተካ፡ ሓደ መዓልቲ ካብቲ ዝሓተተካ ኣብዚኁ ከምዚህበካ ኣይትረስዕ። ንኢየሱስ ምፍቃር ማለት፡ ኣብ ሓጐሱ ምስታፍ እምበር፡ ንትምህርቱ ምእማን ጥራሕ ኣይኮነን። ንስኻ ከኣ “ኦ ኢየሱሰይ ምእንቲ ፍቕርኻ ኢለ ኵሉ ነገር ገዲፈ ኢየ” ንምባል እንተበቒዕካ ብሓቂ ብፁዕ ኢኻ። ኣብ ስራሕካ ንኢየሱስ እምበር፡ ንርእስኻ ደስ ከተብል እንተዘይጽዒርካ ንሱ ኩሉ ጊዜ ምሳኻ ኪነብር ኢዩ፥ ንድኻምካ ከኣ ጻማኡ ኪህበካ ኢዩ።
እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ኣምላኽ ኪመውት ከሎ “ምድሪ ኣንቀጥቂጣ ኢያ፡ ኣኻውሕ እውን ተጨዲዶም ኢዮም” እሞ፡ (ማቴ 27፡51) ኵሉ ፍጡር ንኣምላኩ ኪሰግድ ከሎ፡ ንስኻኸ ከመይ ኢልካ ንኣምላኽካ ዘይተፍቅር? እቲ ሕይወት ኪህበካ ኢሉ፡ ውርደት መስቀል ዝጾረን ምሉእ ደሙ ዘፍሰሰልካን፡ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ክትሓስቦ ከሎኻ፡ ከመይ ገይርካ ከየፍቀርካዮ ክትነብር ትኽእል? ንኢየሱስ ማዕረ ክንደይ ትፈልጦ ምዃንካ ዚፍለጥ ብፍቕርኻ ኢዩ፥ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኢየሱስ ዘሎካ ፍቕሪ ሚዛን ፍልጠትካ ኢዩ። ንኢየሱስ ከተፍቅሮ ኢዩ ዘሎካ እምበር፡ ዘይትፈልጦ ስለ ዝኾንካ፡ ምሳኡ ሌላ ክትገብ ኣይኮነን። ብሓቂ እንተደኣ ተፍቅሮ ኮይንካ፡ ብዛዕባኡ ባህ ኢሉካ ክትዛረብ ኢኻ፥ ንሕና እናተሓጐስና እንዛረበሉ ነቲ እንፈትዎ ኢዩ።
ንኢየሱስ ከተፍቅሮ እንተደሊኻ፡ እቲ ዝበለጸ ኣገባብራ ብዛዕባ ህማማቱ ኣስተንትኖ ብምግባር ኢዩ። ነቲ ከተፍቅሮ ኢሉ ብዙኅ ዝገበረልካ ኣምላኽ ምስትንታን ግቡእ ኢዩ። ንስኻ ብምሥጢረ ሥጋዌን ብሞት ኢየሱስን ትኣምን እንተደኣ ኰይንካ፡ ከመይ ኢልካ ዘይተፍቅሮ? እቲ ዓቢይ ጐይታ፡ ንዓኻ ዓቢይ ምእንቲ ኪገብረካ ንርእሱ ኣንኣሰ። ንሱ ናብዙ ዓለም እምዙይ እንተዘይመጽእ ነይሩ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ ክትርእዮ ኣይምኻኣልካን ነይርካ። ኢየሱስ ማዕረ ክንድዙይ ዚኣክል ኣፍቂሩካስ፡ ንስኻ፡ ከፍቅር ዘይኽእል ክሳብ ክንድዙይ ጽኑዕ ልቢ ኣሎካ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ።
ቅዱሳንን ሰማዕታትን ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢሎም እስኪ እንታይ ዘይገበሩ? ንስኻ ኸ ክሳብ ሎሚ እንታይ ገይረ ክትብል ኢኻ? ንስኻ እውን፡ ከምቶም ብሓደ ወገን ህይወቶም ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኪሥውዑ ዚደልዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንሕዋሳቶምኳ ኪመልኩ ዘይኽእሉ ወይ ንእሽቶ ተጋድሎ ኪገብሩ ዘይኽእሉ ኣይትኹን። መግቢ ሓቀኛ ፍቕሪ፡ ተጋድሎ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንስኻ ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ ተጋድሎ ምስ ትገብር፡ እዙይ ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስን ክብርን ኢዩ!። ኢየሱስ ኣብ ማዕጾ ልብኻ ኮይኑ ይዅዅሔካ ኣሎ። ድምጹ ሰሚዕካ እንተኸፊትካዮ ናባኻ መጺኡ ብሓንሳብ ኰይንኩም ክትድረሩ ኢኹም (ራእ 3፡20 ረአ)። ኢየሱስ ንሕይወትካ ኬብርቕ ዚደሊ ፀሓይ ኢዩ’ሞ፥ ንኼብርቀልካ ኣይትኸልክሎ። እቲ ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዚነቕለካ ዘሎ ኢየሱስ፡ ኣብ ሰማይ፡ ዘይበርስ ሃብቲ ሂቡ ኪተኽለካ ደልዩ ኢዩ።
ንኢየሱስ ልብኻ ሃቦሞ፥ ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ሰማይ ከም ፀሓይ እናኣንጸባረቕካ ምስኡ ክትነብር ኢኻ። ብጊዜ ሞትካ፡ እቲ ብዙኅ ዘፍቀርካዮ ኣምላኽ ጽቡቕ ኪፈርደካ ምዃኑ ምፍላጥ፡ ንዓኻ፡ ብሓቂ፡ ዜሕጕስ ኢዩ!
ኦ ኢየሱሰይ፡ ይመሲ ኢዩ ዘሎሞ፡ ከማኡ እውን፡ መዓልቲ ሕይወተይ ናብ ምዕራቡ ኢዩ ዚኸይድ ዘሎሞ፡ ምሳይ ኅደር። እቲ ብብርሃንካ ዜብራህካዮ ልበይ ብእምነት ምእንቲ ኪቓጸል፥ እቲ ብዛሕሊ ከርዲዱ ዝነበረ ልበይ ብፍቕርኻ ምእንቲ ኪረስን፡ ምእንቲ ክፈልጠካ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኢየሱስ ዓርክኻ ኢዩ።” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

153 - ኢየሱስ ዓርክኻ ኢዩ።
ንስኻ እውን፡ ከም ኣልኣዛር ሓደ ካብቶም ኣዕሩኽ ኢየሱስ ንምዃን እንተበቒዕኻ፡ ብፁዕ ኢኻ! ንሱ ነቲ ምሥጢራዊ ዝኾነ ምኽሪ ሰማያዊ ኣቡኡ ኪገልጸልካ ኢዩ (ዮሓ 15፡15 ረአ)። ፍቓድ ሰማያዊ ኣቡኡ እንተመሊእካን (ዮሓ 12፡20 ረአ) ነቲ ነሱ ባዕሉ ዝኣዘዘካ እንተፈጺምካን ብሓቂ ዓርኩን ኣካል ቤተሰቡን ክትከውን ኢኻ (ዮሓ 15፡14 ረአ)። ኢየሱስ ብሓቂ እሙን ዓርክኻ ኢዩ፥ ኵላቶም እንተኃደጉኻ ንሱ ግን ፈጺሙ ኣይኃድገካን ኢዩ። ወላ ንስኻ እሙን ዓርኪ ኣይትኹን፡ ንሱ ግን ኵልሻዕ እሙን ዓርክኻ ኢዩ።
ኣብቲ ሎምን፡ ጽባህን፡ ወትሩሻዕን፡ ሓደ ዝኾነ ኢየሱስ እምነትካ ኣንብር ደእ እምበር፡ ኣብ ተቐያራይን፡ ኃላፋይን ዝኾነ ነገር ተስፋ ኣይተንብር። ኢየሱስ ሕያዋይን ቅዱስን ዓርክኻ ኢዩ፥ ምእንታኻ ቢሉ ህይወቱ ኣኅሊፉ ብምሃብ (ዮሓ 15፡13 ረአ) እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ገሊጹልካ ኢዩ። ባዕልኻ እንተዘይደሊኻዮ፡ ካብ ዕርክነቱ ኪፈልየካ ዚኽእል የልቦን። ኣብ ጊዜ ሞትካ ካብ ጐድንካ ካብ ዘይፍለ ሕያዋይ ዓርኪ ዝበልጽ እንታይ ኣሎ? ኢየሱስ ከም መጠን ዕቤት እምነትካ፡ ብጊዜ ሓሳረ-መከራኻን ሽግርካን ካባኻ ኣይክፍለን ኢዩ፥ ንስኻ ባዕልኻ ንኺርሕቕ እንተዘይገይርካ፡ ፈጺሙ ካባኻ ኣይኪርሕቕን ኢዩ። ንስኻ እንተደኣ ኣፍቂርካዮ፡ ኣብ ስራሕካን ኣብ ድኻምካን፡ ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ።
ኣየ እወ! ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ ምስራሕ ክንደይ ጥዑም ኢዩ! ብስም ኢየሱስ ምስ ኣኅዋትካ እንተተጋቢእካ ኢየሱስ ኣብ መንጎኹም ኪርከብ ኢዩ (ማቴ 18፡20 ረአ)። ንስኻ ደኣ፡ ኣብ ኢየሱስ እምነት ግበር እምበር፡ ንሱ ብርቱዕን ለጋስን ዓርኪ ኢዩ፥ ንሱ ዝደለዮ ኪገብር ዚኽእል ኣምላኽ እዩ፥ ንዜፍቅሮ ከኣ ከየፍቀሮ ከቶ ኣይተርፍን ኢዩ።
ዓብዙ ዓለምዙይ ኮነ ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም፡ ካባኻ ንዘይፍለ ብዘይመጠን ሕያዋይ ንዝኾነ ዓርክኻ፡ ኣብኡ እምነት ከተንብር ይግባእ። ንኢየሱስ ካብ ልብኻ ኣይተውጽኣዮ፡ ከይደንጐየ ኣብ ኵሉ ስራሕካ ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ። ነቲ ንሱ ኪህበካ ቃል ኣቲዩልካ ዘሎ ንኽትረክብ፡ ነቲ ንሱ ዚእዚዘካ ክትፍጽም ይግባእ። ኣብ ጸሎትካ ምስቲ ከምዜፍቅረካ እትፈልጥ፡ ዕርክነት ብዝመልኦ ልባዊ ፍቕሪ ተራከብ። ንስኻ ከምቲ ንዕኡ ዚግባእ ፍቕሪ ከተፍቅሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኣስተንትኖ ሕይወትን ቅድስናን ኢየሱስ፡ ጥሒልካ ጸኒሕካ ካብኡ ምስ ትወጽእ፡ ከይዓገብካ ኢኻ ትወጽእ፥ ስለምንታይ ኢየሱስ ከም ኣምላኽ መጠን፡ ዕቤቱ መወዳእታ የብሉን።
ሓቀኛ ጠባይ እዙ ዓርኪዙይ ክትፈልጥን ንዕርክነቱ ከተስተማቕሮን እንተደሊኻ፡ ንስኻ ፈታዊ ስቕታን ጸሎትን ክትከውን ይግባእ። መልክዕ ኢየሱስ ኣብ ዝተዘርገ ማይ ኣይረኤን ኢዩ። ኢየሱስ ንነፍስኻ እንተተገሊጹዋ፡ ነቲ ኵሉቅድም እተፍቅሮ ዝነበርካ ነገር ክትንዕቆ ኢኻ (ፊሊ 3፡8 ረአ)።
ኢየሱስ እንተደኣ ዘፍቅረካ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ደቂ ሰብ ብዙኅ ኣይክትስከፍን ኢኻ። ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ሓጐስ ኣይትድለ፥ ኣብቲ መንፈስን ሕይወትን ዝኾነ ቃለ ኢየሱስ ዕረፍቲ ክትረክብ ኢኻ። ክትመውት ከሎኻ፡ ኣብ ኢየሱስ ዓርክኻ እንተዘይኮይኑ ኣብየናይ ካልእ ዓርኪ ኢኻ ተስፋኻ እተንብሮ?
ካብ ሕጂ ኣትኅዚኻ ንኢየሱስ ዓርክኻ እንተደኣ ገይርካዮ፡ ኣየ እወ! ከመይ ዝበለ ጥዑም ሞት ክትመውት ኢኻ! ሞት፡ ንገጽ ኢየሱስ ከይትርኢ ኢላ፡ ብመጋረጃ ገይራ ንዓይንኻ ክትጋርዶ ኢያ። ንስኻ ብሰላም ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ብጊዜ ውግእ እውን፡ ዓርኩ ኩን፥ ብጊዜ ታሕጓስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብጊዜ ስቓይ እውን፡ ዓርኪ ኢየሱስ ኩን። ብሰንኪ ኢየሱስ እንተጸረፉኻን፡ እንተኣሳደዱኻን፡ እንተ ሓመዩካን እውን ብፁዕ ኢኻ! ኣብ ሰማይ ዓስብኻ ብዙኅ ስለ ዝኾነ ተሓጐስን ደስ ይበልካን (ማቴ 5፡11-12 ረአ)።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንኢየሱስ ምፍላጥ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

154 - ንኢየሱስ ምፍላጥ
ብዛዕባ ኢየሱስ ዋላኳ ንምሉእ ሕይወትካ ከተስተንትኖ እንተትነብር፡ በቲ መጠን ዘይብሉ ጽባቔኡን፡ ፍልጠቱን፡ ሕያውነቱን፡ ምሉእ ብምሉእ ክትዓግብን፡ ንዓኡ ክትፈልጥ ኢልካ ምሕሳብ፡ ዘበት ኢዩ። እቲ ሥጋና ዝለበሰ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ንሱ ዝወሰኖ ነገር ዚጸንዕዃ እንተኾነ፡ ግን እቲ ናቱ ጽንዓት፡ ዕዉር ጽንዓት ኣይኮነን፥ ንሱ ተፈታዊ ዝኾነ ርእሰ ምትእምማን ኢዩ፥ ጠመትኡ ክንየው እዙ ዓለምዙይን እዙ ጊዜዙይን ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ንሱ ነዕዋፍ ሰማይን፡ ንዕምባባ ሜዳን፡ ነቶም ኣብ ዘፈር መንገዲ ኮይኖም ዚልምኑ ኣካለ ስንኩላንን ዘይርስዕ ኣምላኽ ኢዩ።
ንኢየሱስ ምፍላጥ ኪበሃል እንከሎ ሓንሳእ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ተዋሒጡ ዚረኤ፥ ሓንሳዕ ንዓበይቲ ፈላጣት እዙ ዓለምዙይ ዘተሓሳስብ ትምህርቲ ኪእውጅ ዚስማዕ፥ ጐድኒ ጐድኑ ከኣ፡ ንዘረባኡ ቈልዑ ኪርድእዎ ዚኽእሉ ገርሂ ዝኾነ ዘረባ ኪዛረብ ዚስማዕ፥ ንስራሕ ኣቡኡን፡ ንሓቅን፡ ንፍትሕን፡ ብብርቱዕ ቅንኣት ኪሰርሓሉ ዚረኤ፥ በቲ ሓደ መዳይ ትዕግሥትን ርኅራኄን ዝመልኦ ኮይኑ ኪግስጽን ኪቐጽዕን ክትርእዮ ከሎኻ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ከም ኣደ ርኅሩኅን ሕያዋይ ኮይኑ እትርእዮ ኢዩ። ካብ ቍርጺ ፍቓዱ ከተዓናቕፎ ዚኽእል ነገር የልቦን። ኣብዙ ዓለም ከሎ ከኣ ክሳብ ጊዜ ሞቱ፡ ልቡ ብሓንቲ ነገር ከይተናወጸት፡ ኣብ ዕላማኡ፡ ጸኒዑ፡ ነግ ፈረግ ከይበለ፡ ናብቱ ዝመደቦ ዚበጽሔ ኣምላኽ ኢዩ።
ኣብ ሕይወቱ ይኹን ኣብ ሞቱ፡ ዕላማኡ እንታይ ከምዝኾነ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። ኢየሱስ ኣብ ፍጻሜ እትበጽሕ ሓንቲ ተልእኮ ጥራሕ ኢያ ነይራቶ፡ ብዘይከኣ ካልእ ተልእኮ ኣይነበሮን። ክፈሉኒ ከይበለ፡ ንኵሉ ብናጻ እናሓገዘ ኢዩ ዝነበረ፥ ዕረፍቲ ይግብኣኒ ከይበለ፡ ኵሉሻዕ ኢዩ ዚሰርሕ ዝነበረ፡ ንሓቂ እናመስከረን፡ ነቶም ዚግብኦምን ዘይግብኦምን ንኵሉ ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ፡ ጽቡቕ እናገበረ ኢዩ ምድራዊ ሕይወቱ ዘኅለፈ። ፍርዲ ኪህብ ከሎ ብትኽ ዝበለን ትኽ ዝበለን ኢዩ ነይሩ፡ ጸላእቱ ከይተረፉ ብዘረባኡ ምሒር ተማሪኾም፡ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ዝተዛረበ ከቶ የልቦን” ክሳብ ምባል በጺሖም ኢዮም (ዮሓ 7፡46)።
ንሱ ብገጽ ሰብ ኣይታለልን ኢዩ፥ ዓገብን ጌጋን፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ዚጠቅምን ዘይጠቅምን ሃብቲ፡ ነቲ ክሳብ ሠራውሩ ሓሚሙ ዝመሽመሸን ነቲ ቍሩብ ንሕማም ዝተነኽኤ ኦም ፈልዩ ዚፈልጥ ኢዩ። ሽሕኳ ተቓውሞ ሕዝቢ መደቡ ንኺቕይር ይግድድዎ እንተነበሩ፡ ነቲ ቀንዲ ተልእኮኡስ ኣቋሪጽዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ብሰንኪ ሕሰም ኣይቍጣዕን ኢዩ፥ ብሰንኪ ድርብ ልብን፡ ሓሶትን፡ ህማቕ ድላይን፡ ምድሕርሓርን፡ ክሕደትን፡ ብሰንኪ ከሓድቲ ኣዕሩኽን፡ መለኮታዊ ኃይሉ ኣይርብርብን ኢዩ።
እቶም ኣብ ምሉእ ሕይወት ኢየሱስ ኣውራ ዜንጸባረቑን ማረኽትን ተፈተውትን ዝነበሩ ህያባት፡ ለዋህነትን ሕያውነትን ኢዮም። እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝቐረበ ኵሉ፡ ዘይፈርሔን ክሳብ ውሽጢ ውሻጠ-ኅሊናኡ ዘይተመርመረን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብፍቕሩ ዘይተማረኸን ሰብ የልቦን። እወ ኢየሱስ፡ ንኵሉ ነገር ብዓይኒ ዕርክነት ስለ ዚርእዮ፡ ንዓኻ እውን ብፍቕሪ ኢዩ ዚርእየካ። ካልኦት ንኺዅኑኑኻ ብቑዕ ምኽንያት ንኺረኽቡ ኪጓየዩ ከለው፡ ኢየሱስ ግን፡ ብቑዕ ምኽንያት ረኺቡስ ንኺሕግዘካ ኢሉ ኢዩ ዚጓየየልካ።
እቶም ንወንጌል ዝጸሓፉ ሰባት ንኢየሱስ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎኳ እንተነበሩ፡ ብዛዕባ ጠባዩ ግን ኪጽሕፉልና ኣይደፈሩን፥ እንታይደኣ፡ ብዛዕባ መንግሥቲ ኣምላኽ የበሥር ከምዝነበረን፡ ንህሙማን የሕዊ ከምዝነበረን፡ ንሕዝቢ ይርኅርኄሎም ከምዝነበረን፡ ናብ እምባታት ከይዱ ጸሎት ይገብር ከምዝነበረን ኢዮም ዝጸሓፉልና። እቶም ወንጌላውያን ጸሓፍቲ፡ ሽሕኳ ንኢየሱስ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ እንተነበሩ፡ ግን ንሱ ከመይ ዝበለ ሰብ ከምዝነበረ፡ ምሉእ ብምሉኡ ኪነግሩና ኣይደለዩን።
እዙ ገርሂ ኣነጋግራ ታሪኽ ኢየሱስ፡ ንሕዝብታት ካብ ዘመን ናብ ዘመን ኪዕንግል ዚኽእል፡ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ከምዝኾነ ኣጸቢቑ ተረድኦም። ንስኻ ንኢየሱስ ክትፈልጦ እትኽእል፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዚርከብ፡ ምስኡ ብመንፈስ ኃቢርካ ብምንባር ደኣ እምበር፡ መጻሕፍቲ ብምንባብ ወይ ብዛዕባኡ ብምስትንታን ጥራይ ኣይኮነን። ሽሕኳ ዝኽትገልጾ ቃላት ይውሕደካ እንተኾነ፡ ኣብቲ ጫውጫውታ ዘይፍለዮን ኣብቲ ስቕታ ዝዓሰሎ ጐደናታት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ውሽጢ ቢታንያ፡ ጥቓ ኢየሱስ መድኃኒ ነቢርካ እንተትኸውን ነይርካ ግን፡ ክትፈልጦ ምኽኣልካ ነይርካ። ብጊዜ ጸሎት፡ ምስ ኢየሱስ ክትላለን ክትፋለጥን ኢልካ ንዕርክነቱ ከተስተማቕሮ ጽዓር።
ናብ ልቡ ኣቲኻ፡ ኣብ ታሕጓሱን ኣብ ስቓዩን ተሳተፍ። ኣዒንቱ ናብኻ ዚጥምታ ይግበረን፥ ንስኻ ከኣ ብመለኮታዊ ኣዒንቱ እትርኢ ይግበርካ። ታሕጓሱ መንፈሳዊ ትብዓት ዜኅድረልካ ይግበሮ፥ ስቓዩ ከኣ፡ ሓዘን ዜኅድረልካ ይግበሮ! መዓልቲ-መዓልቲ ከይተቐደስካን መንፈሳዊ ኃይሊ ከይለበስካን ንኢየሱስ ክትፈልጦን፡ ከተፍቅሮን፡ ንዓኡ ክትመስልን ኣይትኽእልን ኢኻ።
እቲ ብኃይሊ ጽቡቕ ድላይካ፡ ጥራሕ ክትለብሶ ዝኽኣልካ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ምስቲ ኢየሱስ ምስ ተላለኻ ብፍቕሪ፡ ከተጥርዮ እትኽእል ቅድስና ኪነጻጸር ከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ስማዊ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ኣርኣያኻ ዝኾነ ኢየሱስ ንኽተጽንዖ ብዙኅ ጊዜ ኣይወስደልካን ኢዩ፥ ንኽትርድኦ እውን፡ ብርቱዕ ፃዕሪ ኣየድልየካን ኢዩ። ኢየሱስ ገርህን፡ ሓቀኛን፡ ጥዑምን፡ ትሑት ዝልቡን ስለ ዝኮነ፡ ንዕኡ ንኽትፈልጥ ከማኡ ገርህነትን፡ ሓቅነትን፡ ሕያውነትን፡ ትሕትናን ክትለብስ ኣሎካ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓዋርያዊ ስራሕ ኢየሱስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

155 - ሓዋርያዊ ስራሕ ኢየሱስ
ፍቕሪ እቲ ምእንታኻ ቢሉ ሥጋኻ ዝለበሰ፡ ኣምላክ ምሉእ ብምሉእ እንተትፈልጦ ነይርካ፡ ብፍቕሩ ምሞትካ ነይርካ። “ወልደ ኣምላኽ፡ ሰብ ምስ ኮነ፡ ዳርጋ ምስ ኵሉ ሰብ ከምዝተራኸበ ኢዩ ዚቝጸር፡ ንሱ ልክዕ ከም ኣሰራርሓ ኵሉ ሰብ ኢዩ ስራሑ፥ ልክዕ ከም ኣፈቃቕራ ኵሉሰብ ኢዩ ኣፍቂሩ” (ሓጐስን ተስፋን ቍ.22)። እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ገይሩ ኢዩ ናብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣትዩ፥ እቲ ተፃይ ስሙ ተላዒሉ ዘሎ ቃልሲ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ፍሉይ ዝኮነ ህልውና ኣምላኽ ከምዘለዎ ኢዩ ዚምስክሮ።
እቲ ኣብ ሓደ ቦታ ተወሲኑ ኪነብር ዘይኽእል ዝነበረ ኣምላኽ፡ እንሆ ሎሚ ኣብ ታሪኽ እዙ ዓለምዙይ ተሓጺሩ ይርከብ። ንኢየሱስ ተባሂሉ ክንደይ ነገር ተቐያይሩ ይርከብ! ኣቋጻጽራ ጊዜ ከይተረፈ ምእንቲ ክብሪ ስሙ ተኸፋፊሉ ይጽዋዕ! ብኢየሱስ እንድኅሪ ኣሚንካ ንዘለዓለም ክትነብር ኢኻ፥ ወልደ ኣምላኽ ዝሞተ ምእንታኻ ኢሉ ኢዩ። ንሱ ኣብዙ ጊዜያዊ ዓለምዙይ ከማኻ ጊዜያዊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ዓለም ኣብ ታሕጓሱ ምእንቲ ክትሕጐስ ኢዩ (ዮሓ 17፡24 ረኣ)። ካብ ሞት ዝተንሥኤ፡ ንዓኻ ተስፋ እቲ ዘይኃልፍ ሕይወት ኪህበካ ኢሉ ኢዩ።
ከምቲ ነፍሲ፡ ህይወት ሰብነት ዝኾነት፡ ከኣ ኢየሱስ ሕይወት ነፍስኻ ኢዩ። ብገዛእ ኃይልኻን ጻዕርኻን ናብኡ ክትድይብ ስለ ዘይትኽእል፡ እግዚኣብሔር ናባኻ ኪወርድ መረጸ፥ ወልደ ኣምላኽ ምእንቲ ክትከውን፡ ንሱ ወዲ ሰብ ኮነ። ኢየሱስ ከም ደቂ ሰብ መዋቲ፡ ከም እግዚኣብሔር ከኣ ቅዱስ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን፡ ኣማላዲ ኮነ። መሬት ብኣዳም ናብ ሥጋ ተለወጠት፥ ሥጋ ብኢየሱስ፡ ናብ እግዚኣብሔር ዓረገ። ኢየሱስ እቲ ዚረኤ እግዚኣብሔር ኪኸውን ከሎ። ኢየሱስ እውን፡ ከም እግዚኣብሔር ኣብ፡ ጐይታ ታሪኽ ደቂ ሰብን ጐይታ ሕይወትን ሞትን ኢዩ።
ከምቲ ሰብ ብዘረባኡ ወይ ብቓሉ ሓሳቡ ዚገልጽ፡ ከምኡ ከኣ፡ እቲ መሠረታዊ ቃል እግዚኣብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ንኣብ ይገልጾ። ንኢየሱስ እንተፈሊጥካ ንእግዚኣብሔር ኣብ እውን ፈልጥካዮ ማለት ኢዩ (ዮሓ 8፡19 14፡7 ረአ)፥ ንኢየሱስ እንተሪኢኻዮ ንእግዚኣብሔር ኣብ እውን ርኢኻዮ ማለት ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ነቲ ካብ ዘለዓለም ኣትኂዙ ዝፈልጦ ዝነበረን ኣብ ገዛእ ርእሱ እውን ዜንጸባርቕ ዝነበረን፡ ነቲ ገዛእ ሓሳቡን ቃሉን ዝኾነ ኢየሱስ ናብ ዓለም ለኣኾ። ኢየሱስን እግዚኣብሔር ኣብን ሓደ ኢዮም (ዮሓ 10፡30: 14፡9 ረአ)።
እግዚኣብሔር ወልድ ከም እግዚኣብሔር ኣብ ዘልዓለማዊ ኢዩ። ንስኻ ንሓዲኦም እንተኺሒድካ፡ ነቲ ሓደ እውን ክትክሕዶ ኢኻ። እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣብ ኢየሱስ ይርከብ፥ እግዚኣብሔር ኣብ ምስ ኢየሱስ ኮይኑ ኣባኻ ይነብሩ። ንስኻ ምስ ኣምላክን ምስ ኣኅዋትን ኅብረት ምስ ትፈጥር፡ ሳላ እቲ ሰብኣዊነት ክርስቶስ፡ ኣብ መለኮታዊ ሕይወት እናተሳተፍካ ትነብር። ብዛዕባ ኢየሱስ ሓንቲ ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ሓንቲ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ዕላማ ምሉእ ሕይወት ኢየሱስ፡ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ምምላእ ኢዩ። እቲ ኢየሱስ ዚገብሮ ኵሉ፡ ብምሥጢራዊ ፍቓድ፡ ብእግዚኣብሔር ኣብ፡ ዝተዓብለለ ኢዩ። ንስኻ በታ ዘይትጠፍእ ናብ ዓለም ብርሃን (ዮሓ 8፡12 ረአ) ዝኾነ ኢየሱስ፡ ከምትበርህ ግበር። ኢየሱስ ባዕሉ ሓቂ ክንዲ ዝኾነ፡ ሓቂ ዚበሃል ኣይፈልጥን ኢዩ (ዮሓ 14፡6 ረአ)። ንስኻ ናብ ኢየሱስ ምስ ትቐርብ፡ ናብቲ ምሉእ ሓቂ ዝውንን እግዚኣብሔር ኢኻ ቀሪብካ እትርከብ። ኣብ ኢየሱስ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ምሥጢርን ዕቤትን ተኃቢኡ ኣሎ ይመስለካ! መልክዑ ሰብ፡ ኣቕዋሙ ግን እግዚኣብሔር፥ ንሱ ብዓይኒ ሰብ ኢዩ ዚርእየካ፡ ንስኻ እውን ብሥጋዊ ዓይንኻ ኢኻ ትርእዮ፥ ከምቲ ካብ ሞት ምስ ተንሥኤ ሓዋርያት ቀጥቀጥ እናበሉ ዝተንከፍዎ ንስኻውን ቀጥቀጥ እናበልካ ኢኻ ትትንክፎ፥ እንተኾነ ግን ፡ እቲ ዚርእየካን ንስኻ እውን እትርእዮን፡ እትትንክፎን ሰብ፡ ኣምላክ ኢዩ።
ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብመሥዋዕተ ቅዳሴን ብምሥጢራትን ገይሩ፡ ንእግዚኣብሔር እናወደሰን ንዓለም እናድኃነን፡ ከየቋረጸ ክህነታዊ ተግባሩ ኪቕጽሎ ይርከብ። ሥርዓተ ጸሎት እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ዚቕጽል ዘሎ ስራሕ ኢየሱስ ኢዩ። ስራሕ ኢየሱስ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንስብከት ወንጌል ንኽትርዳእ ሓገዝ ሕተት። ንስኻ ንኢየሱስ ብዓይኒ መንፈስ ደኣ እምበር፡ ብዓይኒ ሥጋ ኣይኮንካን እትርእዮ።
ኣይሁዳውያን ልቦም ዓዊሩ ስለ ዝነበረ ንኢየሱስ እናረኣዪዎ ከለዉ፡ ኣይረኣዪዎን (ሮም 1፡21፥ ማቴ 13፡15፥ ግብ 28፡27 ረአ)። ስራሕ ኢየሱስ ዚፍለጥ፡ ካብ ብመጽናዕቲ መጻሕፍቲ፡ ተምበርኪካ ብእተብጽሖ ጸሎት ኢዩ። ኦ ኢየሱስ ጐይታ፡ ወልደ ኣምላኽ፡ ሰብ ዝኾንካሉ ምኽንያት፡ ንዓይ መለኮታዊ ባሕርይ ንኽትህበኒ ኢልካ ኢኻ፥ ናብዙ ዓለምዙይ ዝወረድካሉ ምኽንያት፡ ኣነ ናብ ሰማይ ምእንቲ ኪድይብ ኢልካ ኢኻ፥ ሞት ዝመረጽካሉ ምኽንያት፡ ኣነ ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ ኢልካ ኢኻ፥ ኦ ጐይታይ ንስራሕካ ከምዝርድኦ ግበረኒ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኢየሱስ ብምሥጢራት ኣብ መንጎና ይርከብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

156- ኢየሱስ ብምሥጢራት ኣብ መንጎና ይርከብ
ኢየሱስ እቲ ንውልቁ ሓደን ሓቀኛን ዘለዓለማውን ዝኾነ ካህን፡ ነዙ ዓለምዙይ ቅድሚ ምግዳፉ፡ ካብ መንጎ እቲ ብደሙ ዝዓደጎ ሕዝቢ ከይተፈለየ፡ ንተግባር ቤዛውነት ብክህነቱ ገይሩ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኪቕጽሎ ምዃኑ ወሰነ (ማቴ 28፡20 ረአ)። ኢየሱስ፡ ብዓይኒ ዚረኣዮ፡ ምንጪ ጸጋ ዝኾኑ ምሥጢራት ኪሠርዕ ከሎ፡ ንሳቶም ብቕድስናኡ ኵሉ ጊዜ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ህልው ኮይኑ ዚነብረሉን ብኣኣቶም ገይሩ ፍሉይ ዝኾነ ሓገዝ ዚዕድለሉን ሥርዓት ኢዩ።
ንኣብነት ኢየሱስ ነቶም ዚሠርዖም ምሥጢራት ፍረ ዚህቡ ከምቲ ትርጉም ቃሎም ኢዩ። ኢየሱስ ብምሥጢረ ጥምቀት ገይሩ፡ ንምውታን ሕይወት ይህብ፥ ኣባላት ምስጢራዊ ሰብነት ከምዝኾኑ ይገብሮም፥ ንእግዚኣብሔር፡ ኣቦ ኢሎም ንኺጽውዕዎ መሰል ውልዱነት ይህቦም። ብምሥጢረ ሜሮን ገይሩ፡ ብቕድስናኡ ዜበርትዓካ መንፈሱ ናብ ነፍስኻ ይሰደልካ፥ ብምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን፡ ዝለዓለ ስራሕ ፍቕሩ፡ ሕያው ኮይኑ ኣብ መንጎና ይነብር፥ ብምሥጢረ ኑዛዜ፡ ንኃጢኣትካ ይሠርየልካ፡ ዕርክነቱ ከም ብሓዲሽ የረጋግጸልካ፥ ብምሥጢረ ቀንዲል፡ ኣብ ስቓይ ይኹን ኣብ እርጋን ዕረፍቲ ይህበካን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ከኣ ትብዓትን ተስፋን የኅድረልካ፥ ብምሥጢረ ክህነት፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኪውክሎ፡ ንሰብ ምስሌነኡ ይገብሮ፥ ብምሥጢረ ተኽሊል፡ ንፍቕሪ ወዲ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነቱን ምልክት ሱታፌኡን ንኺኸውን ይባርኾ።
ምሥጢራት፡ መቐጸልታ እቲ ሰብኣዊ ክህነትን ቤዛውን ቅዱስን ዝኾነ ተግባር ኢየሱስ ኢዮም። ምሥጢራት፡ ብልኡኻቱ ገይሩ ዚሰርሓሎም ባዕሉ ኢየሱስ ኢዩ። ንሱ ንምሥጢራቱ ገይሩ ከየቋረጸ ኣብ መንጎና ይነብር፥ ኢየሱስ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎ፡ እቲ ኵሉ ብዓይኖም እናረኣይዎ ዚፍጽሞም ዝነበረ ነገር፡ ሕጂ ብሥውር፡ ናብ ተግባረ ሥርዓተ ኣምልኮ ተመኃላሊፉ ይርከብ። ምሥጢራት ኪፍጸሙ ከለዉ፡ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዚራኸብሉ ኵነት ኢዩ። ምሥጢራት ኣብ ሓዲሽን ዘለዓለማውን ኪዳን፡ እቲ እግዚኣብሔር ዚፈጸሞ ዝዓበየ ስራሕ ኪኸውን ከሎ፡ ኢየሱስ፡ ንቤተ ክርስቲያኑ ክቡር ዝኾነ ህያብ መዝገብ-ወርቂ ኪኸውን ዝገበሮ ኢዩ።
ኣብቲ ሠራዕን ተቐባልን፡ ቅኑዕ ሓሳብ እንተሊዩ፡ ፍሪያምነት ምሥጢራት ዚርከብ፡ ብስራህን ብፍቓድ ኢየሱስን ኢዩ። ምሥጢራት፡ ሃብቲ ኢየሱስ ኣባኻ ኣፍሲሶም፡ ኣብ መለኮታዊ ሕይወቱ ተሳታፊ ይገብሩኻ። ሳላ ምሥጢራት፡ ንድኅነትካን ንቕድስናኻን ኣውሒስካ፡ ምስቲ ዚሳቐን ኣብ ክብሩ ዚበጽሔን ኢየሱስ፡ ብምሥጢራዊ መንገዲ፡ ግን ከኣ፡ ሓቂ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ኢየሱስ ትኃብር (ዮሓ 1፡16 ረአ)። ነቲ ኣብ ምሥጢራት ተሠዊሩ ዘሎ ልዑል ዝኾነ ሓቂ እምነትካ ጥራሕ ኢዩ ዜርእየካ። እምነት እንተደእ ዘይብልካ ኮይንካ ግን’ ብዓይንኻ እናረኤኻ ኣይክትርእን ኢኻ፥ ብእዝንኻ እናሰማዕካ፡ ኣይክትሰምዕን ኢኻ።
ኣብቲ ዘይምርመር መለኮታዊ ምሥጢር ብምስታፍካ፡ ነቲ ኣብ ነፍስኻ ዘሎ ኣድማሳዊ ዕቤት ክብርኻን ሰብኣዊ ታሕጓስካን ዚዓብን ዚሰፍሕን ይግበሮ! ሳላ ምሥጢራት ምድራዊ ሕይወትካ እቲ ምስ ኢየሱስ ዘለዎ ኅብረት፡ ናይቲ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ከተስተማቕሮ እትቕረበሉ ዘሎኻ ታሕጓስ፡ መባእታ ዋዜማን ኣፍደገን ይግበሮ! ኦ ኣምላኸይ! ብምሥጢራትካ ገይርካ ኣብ ሕይወት ክርስቶስ ተሳትፈኒ ኢኻ ዘሎኻሞ፡ ኣብ ሰማይ ምስኡ ኃቢረ ንመንግሥተ ሰማይ ምእንቲ ኪወርስ፡ ናብ ምስሊ ወድኻ ቀይረኒ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ድኅነት ብኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

157 - ድኅነት ብኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ
ኢየሱስ ናብዙ ዓለምዙይ ዝመጸሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማይ ንምምላስን ነቲ ብኃጢኣት ተባላሺዉ ዝነበረ መለኮታዊ መልክዑን፡ ናብ ናይ ፈለማ መልክዑ ንምምላስ ኢዩ። ኢየሱስ ናይዙ ዓለምዙይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኢዩ። ነዙ ዘለዓለማዊ ድኅነት ዝመረቖ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኢዩ፥ ኵሎም ሰባት ዓሌቶም፡ ቋንቋኦም፡ ሃይማኖቶም፡ እንታይ ምዃኑ ብዘየገደስ፡ ናብዙ ዓለምዙይ ኪመጹ ከለዉ፡ ብኃጢኣት ተመራሲሖም ኢዮም ዚመጹ። ካብዙ በደልዙይ ናጻ ዘውጽኦም፡ ኢየሱስ ኢዩ፥ ኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ፡ ናጻ ኬውጽኦም ዚኽእል፥ ብዘይካ ኢየሱስ ናጻ ኬውጽእ ዚኽእል የልቦን። “ብእኡ ክንድኅን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን። ስለዚ ድኅነት ብሓደ ካልእ ሰብ ከቶ የልቦን” (ግብ 4፡12)።
ኢየሱስ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ንሰብ ኵሉ ዘመን ኬድኅን ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ እዙይ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ኢዩ። ኢየሱስ እቲ መፈጸመታ ታሪኽ ኢዩ፥ ንሱ ቀዳማይ ታሕጓስ ሕዝቢ ኢዩ (ሓጐስ ተስፋን ቍ 45)። ንኢየሱስ ዘይለበሰ ኪድኅን ስለ ዘይኽእል፡ ንኼድኅነካ ቢሉ፡ ከማኻ ሥጋን ነፍስን ለበሰ። ትስብእቱ፡ ምስ ቃለ ኣብ ሓድነት ገይሩ፡ ናይ ድኅነትካ መሳርሒ ኪኸውን ከኣለ።
ወልደ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ዜንጽሕ መሥዋዕቲ ንምቕራብ ኢዩ። ንሱ ናብዙ ዓለምዙይ ዝወረደ፡ ንስኻ ናብ ሰማይ ምእንቲ ክትድይብ ኢዩ። ሃብታም ክነሱ፡ ድኻ ዝኾነሉ ከኣ ንዓኻ ብድኽነቱ ሃብታም ምእንቲ ኪገብር ቢሉ ኢዩ (2 ቆሮ 8፡9 ረአ)። ናቱ ድኽነት፡ ናትካ ሃብቲ ኢዩ፥ ናቱ ድኻምነት ናትካ ኃይሊ ኢዩ። ኢየሱስ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ጸጋ ትንሣኤ ዘርኤ። እቲ ንገዛእ ርእሱ ካብ ሞት ኪድኅን ዘይኽእል፡ ንኻልኦት ሕይወት ኪዘርእ ኣይኽእልን ኢዩ።
ከምቲ ዘብርሃካን ዘውዕየካን ፀሓይ ብምሉኡ ናትካን ናይ ነፍስወከፍ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚነብር ሰብን ዝኾነ፡ ከምኡ ከኣ፡ ድኅነት ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ናትካን ናይ ነፍስወከፍ ኣብዙ ዓለም ዚነብር ሰብን ኢዩ። ብደሙ ተበጂዉ ምእንቲ ኬድኅነካ፡ እግዚኣብሔር ንወዱ ድኅነት ኃጢኣትካ ገበሮ። ናይ ኢየሱስ ስም፡ ንሸይጣውንቲ ዜንቐጥቕጥ፡ ንመላእኽቲ ዜሕጕስ፡ ንደቂ ሰብ ተስፋ ዜኅድር ኢዩ። ነቲ ከድኅነካ ኢሉ ብዙኅ ዝጸዓረልካ ኢየሱስ፡ ንፍቕሩ ብሞሳ እምበር፡ ብኽሕደት ኣይትመልሸሉ።
ንስኻ ንማዕዳኡ እንተዘይተቐቢልካዮ ወይ ጽዒርካ ክትኣትዎ እትኽእል መንግሥተ ሰማይ ከምዘሎ እንተዘይኣሚንካ፡ ኢየሱስ ናብዙ ዓለምዙይ ምምጽኡ እንታይ ትርጉምን ጥቕምን ኣለዎ? ንሱ ዘድኃነካ ከይጠዓስሲ፡ ንተግባረ ድኅነቱ ተጠቐመሉ (ዘፍ 6፡7 ረአ)። ነኅዋትካ ንኽትጠቅም ኢልካ እንተደኣ ተጻዊዕካ ኮይንካ፡ ጥቅሚ እቲ ምእንትኣቶም ኢሉ ደሙ ዜፍሰሰ ኢየሱስ እምበር፡ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ኣይትድለ። ንዕግበት ገዛእ ርእስኻን ብባህጊ መኽሰብን ተደፊእካ ዘይኮነስ፡ ብፍቕሪ ኢየሱስ ተደፊእካ ጥራሕ ብቅንኣት መንፈስ ስራሕ።
ኢየሱስ ንዓለም ንኼድኅን ገንዘብ ኣይተኸፍለን፡ እኳ ደኣ ንሱ ኢዩ ብደሙ ዝኸፈለ። ንስኻ ኣብዙ ዓለምዙይ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ እንተተቓሊስካ፡ ጻማኻ ንሱ ባዕሉ ኢዩ። እቲ ቃል ዝኣትወልካ ዘሎ፡ ንባዕሉ እቲ ብርእሳ ሓቂ ዝኾነ ኣምላኽ ምዃኑ እናፈለጥካ ስለምንታይ ከየታልለካ ትፈርሕ? ንስኻ ብኣኡ ኣይትሕፈር፥ ንኅሊናኻ ከኣ ኣብ ኃደጋ ኣይተውድቕ፥ ኣብ ትዛረቦ ዘረባ ተባዕ ኩን፥ ኣብ ትሳቐዮ ስቓይ ኃይሊ ጽንዓት ግበር። እቲ ንኢየሱስ ዚኽተል፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ኢዩ ዚኃልፍ እምበር፡ ኣይጠፍእን ኢዩ (ዮሓ 5፡24 ረአ)። ኦ ጐይታይ! ኣብ ቃልካ ምእንቲ ክኣምንን፡ ተስፋ ምእንቲ ክገብርን፡ ንዓኻ ምእንቲ ከፍቅረካን፡ እምነት ኣብዝኃለይ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምስ ኢየሱስ ኮይንካ መስቀልካ ተሸከም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

158 - ምስ ኢየሱስ ኮይንካ መስቀልካ ተሸከም
ንኢየሱስ ክትክተሎ እንተደሊኻ፡ መዓልቲ-መዓልቲ መስቀልካ ክትሽከም ይግብኣካ። ናብ መንግሥተ ሰማይ ክትኣቱ እንተደሊኻ፡ በቲ ኢየሱስ ዝኸዶ መንገዲ ንኽትከይድ ጽዓር። ሓቀኛ መንፈሳውነት፡ ናይቲ መስቀሉ ተሸኪሙ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንኢየሱስ ኪኽተሎ ዚደሊ ንቑሕ ኅሊና ኢዩ። ካብ መስቀል ንዚመጸካ ውርደት ድንን ኢልካ ንኽትቅበሎ ድኅር ኣይትበል (ገላ 5፡11 ረአ)፥ መስቀል እቲ ንዓለም ዜድኃነ ኢዩሞ ብመስቀል ኣይትሕነኽ። መስቀል ምንጪ ድኅነት ኢዩ፥ መስቀል ናይ እግዚኣብሔር ዕርዲ ኢዩ፥ ንሞት ዝቐተለ መስቀል ኢዩ።
ኢየሱስ መስቀሉ ኪሽከም እሺ ዘበሎ ምኽንያት፡ ንዓኻ ሕይወት ምእንቲ ኪህብ ኢዩ። ንስኻ ግን መስቀልካ ካብ ምሽካም ክትሃድም ዝደለኻ ትመስል። ኢየሱስ ምእንታኻ ቢሉ ኣብ መስቀል ኪሽንክርዎ ምስ ደለዩን ምስ ወሰኑን ኣይኣበየን። ንስኻኸ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካዶ ኣይምተሸንከርካን? ኢየሱስ ንጹሕ ክነሱ፡ ዘይግብኦ ስቓይ ተሳቒዩ፡ ዕዳኻ ከፈለልካ። ንስኻ ግን ኃጢኣተኛ ክነስኻ፡ ስቓይ ክትሳቐ ኣይደልን ኢኻ ትብል።
እግዚኣብሔር ነቲ ኃጢኣት ዘይብሉ፡ ንጹሕ ዝኾነ ቦዅሪ ወዱኳ ዘይነሓፎስ፡ ንዓኻ ብጸጋ ወዱ ዝኾንካ ኃጢኣተኛ ደኣ፡ ከመይ ገይሩ ክንሕፈልካ? ዋላ እንተተሳቐኻ፡ ምስቲ ኢየሱስ ምእንታኻ ኢሉ ዝተሳቐዮ ስቓይ፡ ኪነጻጸር ከሎ፡ ሒደት ኢዩ። ኢየሱስኳ ሓኪምካ ከሎ፡ ንጽዋዕ ሕማማቱ ቅድሚ ኵሉ ንኺሰትዮ ድኅር ዘይበለስ፡ ንስኻ ደኣ ሓሚምካ ከሎኻ፡ ስለምንታይ ኢኻ ጽዋዕ ሕማማትካ ክትሰቲ ዘይትደሊ?
ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ ስቓይን ድኻምን ብትሕትና እንተተቐቢልካ፡ ዕረፍትን ታሕጓስን ኪስመዓካ ኢዩ፥ መስቀልካ ምሽካም እንተኣቢኻ ግን፡ ብጐደና ፍጽምና ምኻድ ምድላይ ዘበት ከምዝዀነ ክትርድኦ ይግባእ። መስቀል ጽማቍ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይላት ኢዩ። ንመስቀልካ ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ እንተተሸኪምካዮ፡ ንሱ ንዓኻ ኪሽከመካ ኢዩ፥ ምንጪ ሕይወትካ እውን ኪኸውን ኢዩ። ኢየሱስ ናይ ጭቁናት ተስፋ፡ ንናይ ኵሎም ሕዙናት ጽንዓትን ታሕጓስን ኢዩ። መስቀል ኢየሱስ፡ ንትርጉም ስቓይ፡ ሓዲሽ ትርጉም ሂብዎ ኢዩ። ንደም ኢየሱስ ክትዝክር ከሎኻ፡ ነቲ ኵሉ ምረት ስቓይካ መቐረት ዚህቦን ንሸኽምካ ዜቕልሎን፡ ኣብ ጻዕርን ኣብ ጽልኢ ሰብን፡ ዜጸናንዓካን ኢዩ።
ንስቓይ ምስ ኢየሱስ ኃቢርካ ምስ ትሳቐዮ፡ ክንደይ ጥዑም ይመስለካ! ናይ መንፈስ ፍስሓ እትረክብ፡ ኣብ ኣርዑት መስቀል ኢዩ (ማቴ 11፡30 ረአ)። ነዙ ንዝኾነ ድኻም ዚውግደልካ መስቀል፡ ብምሉእ ፍቕሪ ልብኻ ፍተዎ። ካብቲ ንስኻ እትመርጾ፡ እግዚኣብሔር ዚመርጸልካ ስለ ዝበልጽ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዚሰደልካ መስቀል ብታሕጓስ ተቐበሎ። እቶም ብመስቀል ጥራሕ ፍቕሮም ዚወሃሃቡ ብዙኃት ኢዮም! ነቲ ኬድኅነካ ዚኽእል መሳርሒ ድኅነትካ ብሸለልተኛ ዓይኒ ኣይትርኣዮ። ነቲ ካብ ስቓይ ክርስቶስ ዝተረፈ ንኽትምልእ፡ ንስቓይካ ምስ ስቓይ ክርስቶስ ጸንብሮ (ቆላ 1፡24 ረአ)።
ኢየሱስ፡ ደጊም፡ ምእንቲ ሰብ ኢሉ ብሥጋኡ ኪሳቐ ስለ ዘይኽእል፡ ሕማማቱ ኣብቶም ኣካላቱ ዝኾኑ ምእመናን ኪቕጽሎ ኢዩ። ኢየሱስ ኣብቲ ዓቢይ ስራሕ ድኅነቱ ንኽትካፈል መሪጹ ብቕዓት ስለ ዝሃበካን፡ ኣብ ውሽጥኻ ሕማማቱ ይቕጽል ስለ ዘሎን፡ ስቓይ ኪወርደካ ኸሎ፡ ልብኻ ብታሕጓስ ኪፍንጫሕ ምተገብኤ! ኢየሱስ ናብቶም ሓቀኛ ኣዕሩኹ ብዝበለጸ ምቕራብ ኪደሊ ከሎ መስቀሉ ኢዩ ዜሸክሞም።
ንስኻ ስቓይ ምስቲ እተፍቅሮ ኢየሱስ ስለ ዘመሳስለካ እምበር፡ ስቓይ ብስም ስቓይ ኣይኮንካን ከተፍቅሮ ዘሎካ። ልብኻ ብፍቕሪ ዝመልኤ እንተኾይኑ፡ ኵሉ ነገር ከሕጕሰካ ኢዩ። ስቓይ፡ ከምቲ ንኢየሱስ ተልእኾ ሕይወቱ ዝነበረ፡ ተልእኾ ሕይወትካ እውን ከምዚዀን ግበሮ። እዙ ጊዜ እዙይ፡ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ዝፍትነካ እዋን ኢዩ። ኢየሱስ ካብ ጽርሓ ጽዮን ወጺኡ፡ ኪመውት ኢሉ ኪኸይድ ከሎ ከምዙይ በለ፥ “ኣነ ነቦ ከምዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኪፈልጥ፥ ከምቲ ኣቦ ዝኣዘዘኒ፡ እፍጽም ኣሎኹ” (ዮሓ 14፡31 ረአ).።
ዝኸበርካ ኃወይ፡ እግዚኣብሔር፡ ንፍቓዱ እናመላእኻ መስቀልካ ብምስኻም ፍቕርኻ ክትገልጸሉ ኪጽውዓካ ይኽእል ኢዩሞ፡ ንስኻ እውን ተሰናዲኻ ንበር። ኢየሱስ ንዘሸክመካ መስቀል ፍቓድካ ይኹን ቢልካ ብምቕባል፡ እግዚኣብሔር ኣብ ብጻይ ሕይወትካ ስለ ዝኾነ ኣመስግኖ። ነቲ ኵሉ ዜሳቕየካ ነገር ብትዕግሥቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብምስጋና ተቐበሎ። ንኵሉ ፈተና፡ ብዓይኒ ብርሃን መስቀል ጠምቶ። ከምዙይ እንተደኣ ገይርካ፡ ንእግዚኣብሔር ደስ ከተብሎ ኢኻ፥ ንስኻ ከኣ፡ ብመንገዲ ፍቕሪ ክትስጕም ኢኻ።
ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕማማት ኢየሱስ፡ ቤት ምህሮ ጥበብን ፍቕርን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!