Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 17
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

“ንንጽህትስ ሓይኩ?!” - ንኽብሪ ጀጋኑ ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቅናን

Post by Meleket » 08 Mar 2018, 03:31

XXX
ኣስተውኢላ ረድያ፣ ንመንፈሱ ሒዛ ፍጹም ከይፍለያ፣
እታ ጻዕዳ ልባ ቃል ኪዳን ኣትያ፣ ምስ ስዉእ ሕጹያ።
ኪዳን ብኪዳኑ ናይ ዘልዓለም ኪዳን፣
ፍጹም ዘይጥለም ኣብ ዝኾነ እዋን።

ጽኑዕ ዝእምነታ፣ ቅንዕና ዓትዒታ፣ ሃቂ ተቀኒታ፣
ኣብ ኵናት ኣብ ሰላም ኣብ ማእከል ብጾታ፣
ዘለቕለቕ ከይበለት ወትሩ ኣብ መሬታ፣
ዓቂባ ክብረታ፣ ጥምረት ሕላገታ፣
እታ ጓል ኤርትራ ንሓሽከት መኪታ፣
እወ ጓል ሃገረይ ክንደይ ተዓዊታ።

ሰለም ከየበለት፣ ድሕሪት ከይተረፈት፣
ሕድሪ ከይጠለመት፣ ሓሽኸት ዝመከተት፣
መቐረት ኣብ ምረት ኮይና ዝተረክበት፣
ንጽህቲ’ያ ንሳ ጸኒዓ ዘጽነዐት ተቢዓ ዘትበዐት።

ኣብ ግዜ ተሻሞ ኣብ ግዜ ሳቮያ፣
ክትሓልፍ ድልውቲ ምእንቲ ብጻያ፣
መኣስ ካልእ ኮይና “ንጽህቲ” ንሳ’ያ!

መምሃሪ ኪከውን ግናይ ከይርከብ፣
ሓቂ እናገለጸት ድሁል ብምግጫብ፣
ንዘድሐርሕር ኩሉ እናበለት “መስከብ”፣
ንጾር ናይ ብጾታ ትስከም ኣብ ሞንኩብ፣
ኣእዳዋ ቆርዲፉ ሽዳ ከተልግብ።

በቲ ግርህናኣ ንኩሉ ተላዝብ፣ ምስ ኩሉ ትላዘብ፣
ብቕንዕና ከይዳ ንፍቕሪ ትከስብ።
ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዓቕልኻ ዘጽብብ፣
ድምብርጽ ከይበላ ማእዘናት ትህብር፣ ሜላታት ትጣበብ፣
መስተርሆት ፈጣሪት ፍታሕ እትቕልብ፣
ናታስ ንበይኑ’ዩ ቅድሚት ተወርዊራስ ንብጾታ ተስዕብ!፣
ገበትቲ ትኩብኩብ፣ ስልማት ጋንታኣ ብጾታ ትክብክብ!

ንሳ ንድያ “ንጽህቲ” ኣብ ኩሉ ትርከብ፣
እታ ጓል ኤርትራ ፍጹም ዘይትርብርብ፣
ሕድሪ ተረኪባስ ሕድሪ ከተርክብ!
ኣብ መትከል ትርከብ ሓድነት ትዕቕብ።

ተሸፊኑ’ዩ ምበር ቲ’ኩሉ መውጋእታ ብማንም ዓለባ፣
ሕዝባ ንኪናገፍ ኪሃልፍ ጸበባ፣
ኣብ ዝባና ኣጽሕያ ነቲ ኩሉ ቦንባ፣
ከም ማይ ብጠያይቲ ንዓመጽቲ ገጪባ፣
ኣጽዋራት ሰሊባ፣ ሓርነት ኪመጽእ ገበትቲ ሸልቢባ፣ ብሓዊ ለብሊባ፣
ክንዲ ዝተጋደለት ሓለፋ ካብ ሰባ፣
ኣየ ተጋደልቲ ኣየ በኣል ማማ ኣየ በኣል ባባ፣
“ሓይኩ” ዶ በልኩማ ነታ ጽላል ሕዝባ! ነታ ገርሂ ልባ?
ኣነስ ምበልክዋ ንጽህቲ ናይ ህዝባ፣ ንሃገር ድባባ፣
ዝያዳ ትሕረ ካብ ንግስተ ኣዜብ ካብ ንግስተ ሳባ።

ምኳን …
ሳለ ከምኡ ኢልኩም እናተጫረቕኩም ዝተወሃሃድኩም፣
ገጽኩም ብብሩሁ ናጽነት ኣምጺእኩም፣
ሓደራ ዝብለኩም፣ ከምታ ናይ ቀደምኩም፣
ከይተጨካከንኩም እናተመሃሃርኩም እናተመሓሓርኩም፣
ዓቕብዋ በሉ ኣጽኒዕኩም ፍቕርኩም፣ ሰሳጓኹም ሂዝኹም።

ፍልፍል መበቖላዊ ዛንታ “ሰውራ መቐረት ኣብ ምረት” ብተጋዳላይ ይትባርኽ ሃብተጊዮርጊስ