Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum


Minister Osman Saleh, Tgrgna Interview

Postby Zmeselo » 24 Dec 2017, 12:51


ECSS-Online.com ቃለ-መጠይቕ-ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ


http://www.ecss-online.com/2013/wp-cont ... 3123-1.jpg

ሕቶ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብጺሑ። ምስ’ዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለና ሓባራዊ ረብሓታት እንታይ ይመስል? ትጽቢትና’ኸ?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ እተን ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 3-4 ኣዋርሕ ዝበጻሕናየን፡ ግብጺ፡ ጫድን ሩዋንዳን እየን - ውሱናት እየን። እቲ ምስኣተን ዝጸንሓና ዝምድና ገሊኡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝነበረ ኮይኑ፡ ዝያዳ ንምድማቑን ንምድልዳሉን ተባሂሉ ዝተገብረ ድማ እዩ። ምስተን ዕሙቕ ዝበለ ዝምድና ዝጸንሓና ኸኣ ብዝያዳ ንምስፍሑን ንምድልዳሉን እዩ። ነቲ ዝምድናታት ንምድልዳል ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ መልእኽትታት ኣብጺሕና። መልእኽትታት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ መንገዲ እውን ይኸይድ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ዳግመ ምውዳብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣገዳስነት እውን ስለዝነበሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ብዛዕባኡ ዝምልከት ኤርትራ ዘለዋ ርእይቶ ዝሓዘ መልእኽትታት ሰዲዱ።

እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣወንታዊ ጐድኒ ኣለዎ ኣብ ዝምድናታት ናይ ክልተ ሃገራት። ኤምባሲታት - ኣብ ግብጺ ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣለና። ኣብ ሊብያ እውን ኣለና። ዘለዋና ብዝሒ ኤምባሲታት ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ኤምባሲ ወይ ፐርማነንት ሚሺን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣለና። ስለ’ዚ ብኡ መጠን እቲ ዝምድናታት ብዝያዳ ምስዘን ሃገራት ማለት’ዩ። 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣለዋ - ካብዚኣተን እተን እንበጽሐን ውሱናት እየን። ኣብተን ኤምባሲታት ዘለወን ከኣ፡ ዝያዳ ጽልዋ ክህልወና ከምዝኽእል ክፍለጥ ኣለዎ።

ሕቶ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ኣብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ዳግም ንምርኣይ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ‘ሓገዝ ንኣልሸባብ’ ዝብል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመርትዖ ከምዘይተረኸበ ተረጋጊጹ እናሃለወ፡ እቲ ዘይፍትሓዊ እገዳ ግን ንተወሳኺ ዓመት ከም ዝናዋሕ ኮይኑ ኣሎ - እንታይ እዩ ቁንቁኛኡ?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ‘ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ኣሎ’ ምባል ከም ኣዘራርባ ጌጋ እዩ። ንኽልተ ዓመት’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ ካብኡ ንዝበዝሕ’ውን ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ፡ ተናዊሑ ከምዘሎ ጥራይ ምሕባር ይሓይሽ። እገዳ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንተኾይነ ግን፡ ናይ ዶብ ሕቶ ከይለዓል ምእንቲ፡ ንኤርትራ እንታይ ክንገብራ ኣለና እዩ’ቲ ዕላማ። ሕቶ ዶብ ብሕጋውን ቴክኒካውን መንገዲ ተፈቲሑ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ተገይርሉ እዩ። ዶብ ከኣ ብክኦርዲነይትስ ተመልኪቱ እዩ። ኣብ ባይታ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ንኸውን ግን ተመልኪቱ ኢዩ። ሳይንሳዊ ድማ እዩ - ቅቡል። ካርታታትና ሒዝና ኣለና። ንሳቶም’ውን ከምኡ። ሓደ ዓይነት ካርታ ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ እዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝቕመጥ እውን ተገይሩ። ስለ’ዚ እዚ ውዱእ ጉዳይ ከይለዓል ምእንቲ፡ ኣብ ከብሒ ኮፍ ከብሉዎ ምእንቲ፡ ‘ንኤርትራ ብኻልእ ሻቕሎት ጅሆ ክንሕዛ ኣለና’ ብምባል እገዳ ኣንቢሮም። ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ከይትሓስብ፡ ከይትዛረብ፡ ከይትቃለስ ብዝያዳ ሸበድበድ ከም እትብል ንምግባር ዝዕላማኡ እዩ። እገዳ ኣብ ልዕሌና ዘንበሩ - ሽግር ክፈጥሩልና። ካብ 2009 ክሳብ እዚ ግዜ እዚ እገዳ ኣብ ልዕሌና ጸኒዑ ኣሎ። ሓደ ግዜ ጥራይ ድማ ኣይኮነን። ኣብ 2009 ብይን 1907 ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ‘ኤርትራ ንኣልሸባብ ክትሕግዝ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል ኣእትያ ኣላ’ ተባሂሉ። ቀጺሉ፡ ዶብ ናይ ጁቡቲ ዝብል መጺኡ - ናይ ጁቡቲ ቦታታት ብሓይሊ ሒዞም ስለዘለዉ፡ እገዳ ክንገብረሎም ኢሎም። ብሸበድበድ ማለት ካባና መልሲ ከይተጸበዩን መራሒ ሃገር መረዳእታ ከይሃቦምን እንከሎ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣእትዮም፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ድሮ ክሪስማስ ኣብ ልዕሌና እገዳ ከም ዝትግበር ተገይሩ። እዚ ኣመሪካ ዝገበረቶ እዩ ነይሩ። ፍጹም ሕጋዊ ኣይነበረን ጭብጥታት የብሎምን። ንሕና ንኣልሸባብ ደገፍ ሰራዊት ኣይሃብናን። ስለዚ ብሕጊ ክሕዙና ኣይክእሉን እዮም። እዚ ዓመጽ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ጉዳይ ኩሉ ግዜ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዘቕርበሎም ሓደ ተቖጻጻሪ ጉጅለ - ሞኒተሪንግ ግሩፕ ዝበሃል ኣቚሞም፡ ብኡ መሰረት ከኣ ጸብጻባት ክመሓላለፍ ናብ ባይቶ ጸጥታ ተገይሩ። ቅቡል ንምምሳል ማለት’ዩ። ከምኡ እናበሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከንብሩ ጸኒሖም። ኣብ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ 2011 እገዳ ተግቢሮም። እቲ ናይ 2009፡ ኣብ ኣጽዋር (ኣርምስ ኢንባርጎ) ኰይኑ ንሕና ከይንገዝእ ወይ ከኣ ከይነመሓላልፍ ወይ ናይ ካልኦት ከይንቕበል ዝተገብረ እገዳ እዩ። ከምኡ’ውን ርእሰ-ማል ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ይኹን ካልእ ንብረት ይኹን ናይ ብሓለፍቲ’ውን ከም ዝድስክል ምግባር’ዩ ነይሩ። ሓለፍቲ’ውን ከይንቀሳቐሱ። እዚአን እተን ቀንዲ ምኽንያታት ዝብሉወን እየን። ኣብ 2011 ብተመሳሳሊ ብይን 2023 ዝበሃል መጺኡ። ብዝያዳ ኣብ ቁጠባ ዘነጻጸረ እዩ ነይሩ። ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ኤርትራውያን 2 ሚእታዊት ናብ ሃገሮም ከይከፍሉ፤ ከምኡ’ውን ናይ ቢሻ ናይ ዕደና ጉዳይ’ውን ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ጎረባብቲ ሰላምን ርግኣትን ከሊኣ ኣላ። ገንዘብ ትህብ ኣላ ብዝብል ነቲ ገንዘብ ክቈጻጸርዎ ጽዒሮም። ካልእ እውን ዝገበርዎ ነገራት እንተልዩ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ብደገ ነዛ ሃገር እዚኣ ገንዘብ ወይ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብዚ ሃገር ከይመጽእ ውህለላ ከይግበር፡ ከምኡ እውን ሪሚታንስ ዝበሃል ነገራት ከይመሓላለፍ፡ ንኤርትራ ብቁጠባ ይኹን ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ሽግራት ፈጢርካ ጅሆ ምሓዝ እዩ ነይሩ። እዚ እገዳ ንሕና ሕጋውነት ወይ ከኣ መሰረት ናይ ሕጊ ዘይብሉ ምዃኑ ክነረድእ ፈቲንና። ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ክልተ ግዜ ተቐቢልናዮ ኢና። ሕጋውነት ስለዘይብሉ ግን ነቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ኣይሃብናዮን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እቲ እገዳ ዝቕጽል ዘሎ ሞኒተሪን ግሩፕ ስለ ዘይተቐበልኩም ኢኹም ዝብል ነይሩ። እቲ ጉጅለ በብእዋኑ ዝህቦም ጸብጻባት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝረኣናዮ ሓሶት ጥራይ’ዩ። ናይ እገዳ ብይን ክመጽእ ከሎ፡ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝተጠቕሙላ፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ዝውዕል ኣጽዋር ዝጸዓና 3 ነፈርቲ ኣብ በይደዋ ኣውሪዳ ዝብል ነይሩ። እዚ ጉዳይ ከም ጸብጻብ ሓሊፉ። ብኡ መሰረት ከኣ ብይን 2023 ዝበሃል ተመሓላሊፉ። ስለዚ እቲ እገዳ ናይ ብሓቂ ክትርእዮ ከለኻ ካብቲ ናይ ዶብ ሕቶ ናይ መወዳእታ ውሳኒኡ ረኺቡ ዝተመልከተ ዶብ ብዛዕብኡ ከይንዛረብ፡ ንዓና ሽግር ንምፍጣር ዝገበሩዎ እዩ። ‘ንስኻትኩም ሞኒተሪን ግሩፕ ወይ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ክሳብ ትቕበሉ፡ እገዳ ክቕጽል እዩ’ ድማ ተባሂሉ። ሕጂ ዘምጽእዎ ዘለዉ፡ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ዝምድና የብላን ዝብል እዩ። ሞኒተሪንግ ግሩፕ ናብ ኤርትራ ክኣቱ እንተዀይኑ ሓሶት ጸብጻብ ዘይህብ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ። መረጋገጺ ከቕርብ ዘይክእል እንተኾይኑ እሞ በብእዋኑ ኸኣ ንሱ ብዝሃቦ መሰረት እገዳታት ኣብ ልዕሌና ዝጸንዕ እንተኾይኑ፡ ሕጂ’ውን ኣይንቕበሎን ኢና። መጎተና ቅኑዕ እዩ። ብዝኾነ ግን እቲ ጉዳይ ክምርመር እንከሎ ጭብጥታት ዘይብሉ’ዩ። ካብ 2009 ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ዝኣከብኩሞ ጸብጻባት ከልስዎ ኢልናዮም ኢና።

ምኽላስ ዝበሃል ንሳቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ እቲ ኣብ ልዕሌና ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ብምሉኡ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ምዃኑ ይፍለጡ እዮም። ስለ ዝኾነ እቲ ሓሶት ፍለጥዎ፡ ሓሶት ከምዝነበረ ኣረጋግጹ ኢና ንብሎም ዘለና። ሕራይ ረቪው ክንገብር ኢና ኢሎም - ኣብ 2016 ከም መደብ ሒዞሞ ክንሶም ክሳብ ሕጂ ረቪው ክገብሩ ኣይከኣሉን። ክለሳ ክገብሩ ዘይደልዩ እንተኾይኖም ብሓይሊ ኸኣ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ተቐበሉ ዝብሉ እንተኾይኖም፡ 2-3 ግዜ ጸብጻባት ኣቕሪቡ ኩሉ ኸኣ ሓሶት ስለ ዝነበረ ፈጺምና ክንቅበሎ ኣይንኽእል ኢና። ነዚ ጉዳይ ከልሱዎ፡ እንደገና ገምጋም ግበርሉ ኢና ንብሎም ዘለና። ገምጋም ግበርሉ ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለየ ትርጉማት ክህብዎ ጀሚሮም። ንሕና 2000 ሰራዊት ኣብ ሶማልያ ከም ዘይሰደድና፡ ብረት ዝጸዓና 3 ነፈርቲ ናብ ባይደዋ ከም ዘይለኣኽና ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ። በዚ ጉዳይ ንሳቶም እውን ተሸጊሮም ኣለዉ። ከመይ ገይሮም ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ ዝጠፍኦም እዮም ዝመስሉ። ጸብጻብ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ብምልኡ ሓሶት እዩ። ስለዝዀነ ሕጂ’ውን ኣብቲ ጉጅለ ምትእምማን የብልናን። ድሕሪ ሕጂ ዝህብ ጸብጻባት እውን ሓሶት ክኸውን ስለ ዝኽእል ክንቅበሎም ኣይንኽእልን። ሕጋውነት እውን የብሉን። ስለዚ እቲ ጉዳይ ክምጉቱሉ ኣይክእሉን ኣለዉ።

ሕቶ፡ ንኤርትራ ብሰብኣዊ መሰላት ንምኽሳስ ሰፊሕ ዘመተ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ካብ ምንታይ እዩ ዝነቅል? ዕላምኡ’ኸ ብልክዕ እንታይ እዩ? መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እውን እንተተብርሃልና?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት-ኤርትራ ንጹር መርገጺ እዩ ዘለዋ። ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ጉዳይ እዩ። ተጋዲልና ናጽነት ዝረኸብና ህዝቢ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰል ናይ ኩሉ ማለት ንልምዓት ንምዕባለ ወዘተ መሰል ኣለዎ። እዛ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሰላ እያ። ስለ ዝኾነት ኩሉ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ የድልዮ እዩ ዝበሃል ብምሉኡ መምስ ዓቕምና ከም ዝማላኣሉ ይግበር ኣሎ። መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ። ገና’ውን ክዝርጋሕ እዩ። ናይ ጥዕና’ውን ዝርጋሐኡ ኣዝዩ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ናይ ማይ እውን ከምኡ። ዕዳጋታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ከም ዝኽፈት እናተገብረ ይኸይድ ኣሎ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ - ንኹሉ ርሑቕ ገጠራት ከም ዝባጻሕ ንምግባር ይጸዓር ኣሎ። ጽሩይ ማይ ንኹሉ ክባጻሕ መንግስቲ ኤርትራ ጻዕርታት ካብ ዝገብረሉ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ መጠን ዝተኸዘነ ማይ ብቐሊል ዝረአ ኣይኮነን። ንምስታይን ጽሬትን ጥራይ ዘይኰነ ንልምዓት’ውን ክጠቅም ምእንቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ይኽዘን ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ክረኽበሉ ኣለዎ ዝበሃል ነገራት ብምሉኡ መንግስቲ ኤርትራ እናኣማለኦ ዝኸደሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ብኹለንተናኡ ክትሪኦ እንከለኻ መሰል ክበሃል ከሎ፡ መሰል ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ኢና ክንርእዮ ንኽእል። ግዳ ከምቲ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ንኤርትራ ብሓሶት ጠቂንካ ዝተተግበረ እገዳ እናላሕለሐ ምስ ከደ፡ ንኤርትራ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንሓዛ ተባሂሉ። 193 ሃገራት ኣብ ዝተኣከባሉ መድረኽ፡ ኣብ ዩኒቨርሳል ፐረዲክ ረቪው፡ ማለት ኣብ ኣድማሳዊ ወቕታዊ ክለሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ነፍሲ- ወከፍ ሃገር ብዛዕባ ናታ ንጥፈታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጸብጻባት ኣብ ተቕርበሉ እዋን፡ ንኤርትራ ብጥቁል ኣቢልካ ብሰብኣዊ መሰላት ምኽሳስ ተራእዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ካንትሪ ስፐስፊክ እዩ ነይሩ። ብፍሉይነት ኣብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ቦጥቊልካ ንምጥቃዕ ዝዓለመ እዩ። ተኣኪበን ዝነበራ ሃገራት’ውን ሽዑ ርእይቶአን ክህባሉ ዘኽእል ዕድል ኣይነበረን። እቲ ኣገባቡ ቅቡል ኣይኮነን፡ ሕጋዊ ኣይኮነን።

ኩለን ኣህጉራውያን ውድባት ሓያላን ሃገራት ዝቈጻጸርአን ስለዝኾና፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ፕሪንሲፕል ኣይሰርሕን እዩ። ካልኦት ሃገራት ከኣ ብዝተፈላለየ ጉዳ ስለጽለዋ ደፊረን እዚ ጌጋ እዩ ክብላ ኣይክእላን እየን። ሓያላን ሃገራት ነተን ኣህጉራውያን ይኹና ዞባውያን ውድባት ከም ድላየን እየን ዝጠውይአን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝምስርታኦ ክስታት እቲ ሓደ ምስ ላሸወ ብኻልእ ምሽጋር ዝበሃል ነገራት ኣሎ። ክኸሱኻ ክደልዩ ከለዉ ሓደ ስፐሻል ራፖርተር ምምዛዝ ኩሉ ግዜ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። ንእገዳ ዝኸውን ጸብጻባት ዘምጽኣሎምን ሕጋውነት ንምትሓዝን ማለት’ዩ። በዚ ከኣ’ዮም ሞኒተሪንግ ግሩፕ ኣቚሞም። ቀጺሎም ከኣ ስፐሻል ራፖርተር ኣምጺኦም። ጸብጻባት በብእዋኑ ከተዳሉ እትኽእል ሰብ። ኣገባብ ዝተኸተለ ግን ኣይኰነን። እዛ ሰብ እዚኣ ሸይላ እያ ትበሃል። ከም ስፐሻል ራፖርተር ወይ ከም ፍልይቲ ጸብጻቢት ተባሂላ እያ ቀሪባ። ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት እዛ ሰብ እዚኣ ካብ ጭቡጥ ኵነታት ኣይተበገሰትን። ውድዓውነት ብግቡእ ኣብ ክንዲ ተንጸባርቕ ብምልኡ ኣንጻር ኤርትራ ዘበለ ጸብጻብ ኣዳልያ። ስርሓ ብምሉኡ ምስ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣዛሚዳ እያ ዓሚማቶ። ሓሶት ክህብ ዝኽእል ሰብ ከም ምስክር እናኣቕረበት መዓት ጸብጻብ ኣዳልያ። ከም ግቡእ፡ ብጭቡጥ መንነት ናይቶም ዝተወከሰቶም እውን ኣይጠቐሰትን። ኣስማቶም’ውን የለን። ብድፍኑ ክንድዚ ሰባት ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ሂቦም ጥራይ እዩ ተባሂሉ። ብምሉኡ ከኣ ንኤርትራ ዝኸስስ።

ንሳ ኣንጻር ዝኾነት ሃገር ክስታት ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ንዓኡ ንምርባሕ እትጽዕር ሰብ እንተዘይኮይና ፍታሕ ከተምጽእ ትኽእል ሰብ ኣይኮነትን። ብወገንና ከኣ ሓቂ ንምሕባር ዝከኣለና ክንቃለስ ጸኒሕና ኢና። ንዝተፈላለያ ሃገራት ብክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ምስ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ውድባትን እውን እናተሻረኽና ነቲ ጉዳይ ከነህድኦ ክኢልና። መሊሶም ሓደ መጽናዕቲ ከቕርብ ዝኽእል ዝበልዎ ኮሚሽን ኣቚሞም። ብመንገዲ’ዚ ኮምሽን’ዚ እውን ነቲ እታ ሰበይቲ ዝሃበቶ ጸብጻባት ንምድራዕ’ዩ ዕላማኦም። ‘ክራይም ኣገይንስት ሁማኒቲ’ ብዝብል ከሲሶም ኣብ ገበናዊ ቤት-ፍርዲ ወይ ኣይሲሲ ዝበሃል ኣብኡ ከቕርቡና ብዝለዓለ ደፊኦሙሉ። እዚ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ሓንጎሎም በቲ ኣሎ ዝበሃል ሕማቕ ጸርፍታት እናኣነወርና፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ድሂልና እዚ መንግስቲ’ዚ ከልግስ ኣለዎ ዝብል’ውን ኣንቂዶም።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከኣ፡ ‘መኸተ’ ዝብል ጭርሖ ኣልዒሉ ኣካይዳኦም ግጉይ ከምዘሎ ክነግሮም፡ ኣብ ኤርትራ መንግስትን ህዝብን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ምዃኖም ከፍልጦም ብኹሉ መንገዲ ተቓሊሱ። ኣብ ጀነቫ ክሳብ 1 ሽሕ ዝኸውን ኤርትራዊ ኣብ ሓደ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዝሒ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ኣይፈልጥን። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሳን-ፍራንሲስኮን ኣብ ዋሽንግተንን ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብ ኣውስትራልያ እውን ከምኡ ብዙሕ ቁጽሪ ዝተሳተፎ ተኻይዱ። ህዝቢ በብእዋኑ እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ፡ ናብ ጀኔቫ ብኽሳርኡ እናተጓዕዘ ብኹሉ ዓቕሙ ብዝተወደበ ኣገባብ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ጸኒሑ። ጌና እውን ይቃለስ ኣሎ። ካልእ ምስኡ ተዛሚዱ ዝኸይድ - መንእሰያት ካብ ኤርትራ ቦንቊርካ ብምውጻእ መንእሰያት ክጽንቀቑ እሞ ልምዓታዊ መደባት ምዕንቃፍን እዛ ሃገር ክትከላኸል ናብ ዘይትኽእለሉ ደረ ምውራድን ዝብል መደቦም’ዩ። ኩሉ’ዚ ክኾነሎም ኣይከኣለን። እቲ እገዳ ዝበሃል ተዳኺሙ እዩ። እቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝበሃል’ውን - ዝኣልምዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ

ግን እናተዳኸመ እዩ መጺኡ። ስለ’ዚ ኣብ ፍልይ ዝበለ መድረኻት ንኣቱ ኣለና ማለት’ዩ። ጉዳይ እናፈሸሎም ይኸይድ ከምዘሎ ስለዝተረድኡ እምበኣር፡ ዝተፈላለየ ኣገባባት ክጥቀሙ፡ ኣኼባታት ክገብሩ. . .ገለ እዮም ዝስምዑ ዘለዉ። ንሕና ከኣ ካብቲ ዝጸናሕናዮ መድረኽ ወጺእና ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ኣቲና ኣለና ክበሃል ይከኣል።

ሕቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ሰፊሕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣማዕቢላ እያ። ምስ ቀረባ ጐዶቦና ከምኡ’ውን ምስ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይን ምብራቕን ዘሎ ዝምድና ከም ጽቡቕ ክግለጽ ይከኣል። ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት ኤውሮጳን፡ ምስ ሃገራት ሩስያን ቻይናን፡ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ኣሜሪካ እውን እቲ ዝምድናታት እንታይ ይመስል?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ዝምድናታት፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢና ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓድንን ምስ ዘለዋ ሃገራት ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዘሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይል ተፋሰስ ብምሉኡ ምስ ዘለዋ ሃገራት እውን ዝምድናና ሕማቕ ኣይኮነን። ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን እዩ’ቲ ጸገም።

ምስ ኤውሮጳ ዘለና ዝምድና፡ ብፍላይኳ ካብ 2013 ጀሚርና እቲ ናይ ምብጽጻሕ መደባት ይካየድ ኣሎ። መደባት ኣውጺና ብኣኡ መሰረት ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብዚ ክበጽሑና ጸኒሖም እዮም። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ እቲ ኣረኣእያታት እናተቐየረ ከምዝኸደ ክፍለጥ ኣለዎ። ክልተኣዊ ዝምድናታት ምስተን ሃገራት ጽቡቕ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ብዘይካ ሓደ ክልተ እንተዘይኮይኑ ናይ ምጽባእ ተርእዮ የብለንን እተን ሃገራት። ምሳና ዝደልደለ ዝምድና ክፈጥራ ዝደልያ እየን ዝበዝሓ። ዋላ ኣብ’ቲ ናይ ክልቲኣዊ ምትሕግጋዝ ዝብል፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቁጠባዊ መዳያት ክተሓጋግዝሉ ዝኽእሉ መንገዲ እውን ኣንፈታት ይረአ ኣሎ። ምስ ኤውሮጳ ሕብረት ኣብ ሓደ ስምምዕ ኣቲና ኣለና ኣብ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ። እዚ ኣብቲ ዝምድናታት ዝፈጥሮ ኣወንታዊ ስለዝኾነ፡ ብጽቡቕ እንግምግሞ ነገራት እዩ።

ካልእ ኣብ ኤስያ፡ ምስ ጃፓን፡ ምስ ሩስያ፡ ምስ ቻይና ይኹን ምስ ህንዲ ምስ ካልኦት እውን ጽቡቕ ዝምድናታት ኣለና። ንበጻጻሕ ኢና - ምብጽጻሕ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ ምትሕግጋዝ ክንኣትወሉ ዘኽእሉ መንገዲ እውን ንርኢ ኣለና። ኣመሪካ ምስ እንመጽእ፡ እዚ ኹሉ ሽግር ዝፈጠረልና ሃገር ኣሎ እድሕር ተባሂሉ - ኣመሪካ እዩ። ምኽንያቱ ግጉይ ፖሊሲታት ነይርዎ እዩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ - ብፍላይ ኣብ’ቲ ንኢትዮጵያ ዝሕቁፍ። ንኻልኦት ሃገራት እናሃሰየ ንኢትዮጵያ ዘሻድን እዩ ነይሩ እቲ ፖሊሲኡ። ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ዝምድና ኣይጸንሓናን እንትርፎ ተጻብኦ። እገዳ ብኣኦም እዩ መጺኡ፡ ሰብኣዊ መሰላትዶ ካልኦዶ እናበልካ ንዓና እናኸሰሰ ዝቕጽል. . . ኩሉ ነገራቱ ኣመሪካ ዝፈጠረቶ እዩ። እዚ ኩሉ ተጻብኦታት ሓሊፉ ኣብዚ እዋን’ዚብቐጥታ ምስኣቶም ዝርርብ ጀሚርና ኣለና

ክልተ ግዜ ረኺብናዮም - ኣንፈቱ ከኣ ደሓን እዩ እቲ ዝርርብ ከኣ ክቕጽል እዩ ክንባጻጻሕ ኢና ኣብዚ መጺኦም ክዘራረቡ እዮም ንሕና ናብኡ ኬድና ክንዘራረብ ኢና ስለ’ዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ናይ ተጻባኢ መንፈስ እናተላቐቐ፡ ኣብ እዋን እዚ ዝምድናና ኣብ ጽምዶ ኣትዩስ፡ ጽምዶና ከምዝሕይል ንምግባር ጻዕርታት ንገብር ኣለና። ነዚ ንሳቶም እውን፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጽምዶ ከምዝእተዉ ተዛሪቦም እዮም፡ ጐስጓስ እውን ይገብርሉ ኣለዉ።

ንሳቶም (ኣመሪካ)፡ ኣብዚ ከባቢ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ክህሉ ኢና እንደሊ እዮም ዝብሉ። ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ እዚ ሰላምን ርግኣትን ከተስፍን ተራ ከምዘለዋን፡ ተራ ክህልወና ከም ዝኽእልን ከኣ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሓንቲ ዝተገንዘብዋ ነገር እንተልያ፡ ብጀካ ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ’ዚ ሰላም ዘለዋ ሃገር የላን። እዛ ሃገር እዚኣ ብዙሕ ከተበርክት ትኽእል እያ ዝብል ኣረኣእያታት ኣብ ኣመሪካውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ እናተራዕመ ይኸይድ ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ ምስ ኣመሪካ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ደሓን ኣንፈት ሒዙ ይኸይድ ከምዘሎ እየ ዝሕብር። ምስ ሩስያ፡ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘለና። ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቁጠባውን ባህላውን መዳያት እውን ምርድዳኣት ኣሎ። ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክረአ እንከሎ፡ መርገጺ ሩስያ ፍልይ ዝበለ እዩ። ንዓና ደጋፊትና እያ። ካብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ወጻኢ ወይ ኪኖኡ እናሓሰብና ከኣ ዝምድናታትና ከም ዝድልድል ምግባር ንጽዕር ኣለና።

ሕቶ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ከምቲ ዝቖመሉ ዕላማን መትከላትን ይነጥፍ ኣሎ’ዶ ትብል? ኣብዚ ዞባን ከባቢናን ለውጢ ከምጽእ እንተኾይኑ እቲ ክኸውን ዘለዎ እንታይ’ዩ?

ኢጋድ ሽግሩ ዓቢ እዩ። ኣብ ምቛሙ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ተራ ዝነበረን ሃገራት’ያ ነይራ። ብቐንዱ ዕላማታቱ፡ ሰላምን ምርግጋእን ናይ’ዚ ከባቢ ኣብ ምስፋን ከምኡ’ውን ዞባዊ ቁጠባዊ ምውህሃድ ከም ዝህሉ ኣብ ምግባር እዩ ነይሩ። እዘን ክልተ ዕማማት ግን ክፍጽም ኣይከኣለን። ኢጋድ መጀመርታ ዝገበሮ ጌጋታት እንድሕሪ ሃልዩ ናይ ሶማል ኩነታት’ዩ። እናኸፍአን እናገደደን ክኸይድ ኣብ ምግባር ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ። ከምኡ‘ውን ናይ ቡሽ ስርዓት፡ ኲናት ኣንጻር ግብረ- ሽበራ ዝብል ነይርዎ። ኣብኡ ኢትዮጵያ ንሕና ክንድግፈኩም ኢና ብምባል ኢዳ ኣእትያ። ኣብ 2006 ሕቡራት ሃገራት ብብይን 1725 ዝፍለጥ መዳውብቲ ሶማል ዝዀነት ሃገር ኣብቲ ጉዳይ ክትኣቱ የብላን ዝብል ኣውጺኡ ነይሩ። ኢጋድ ግን መርገጺ ናይ ኣመሪካን ናይ ኢትዮጵያን ንኽድግፍ ነዚ ኣህጉራዊ ብይን ረጊጹ። ስለ’ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ኣትያ ማለት እዩ። ሽዑ ንሕና ካብ ኢጋድ ኣንሳሒብና ጥራይ ዘይኮነ ኣባልነትና እውን ኣደስኪልና። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ኢጋድ ክሰርሕ ኣይረኣናን። ኣብ ሶማል ክንደይ ግዜ ኢዱ ኣእትዩ። ሰላም ኣብ ሶማል ከምጽእ ኣይከኣለን። ኩነታት ናይ ደቡብ ሱዳን መጺኡ። ኣብኡ’ውን እንትርፎ ከጋድዶ ዘምጸኦ ሰላም ኣይነበረን። ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ከምኡ፡ ኬንያ ትኹን ኡጋንዳ ዳርጋ ኣብ ኢጋድ እምነተን እናተዳኸመ ከይዱ። ብዝያዳ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናድሃቡ ይኸዱ ኣለዉ። ኢጋድ መን እዩ ተቖጻጺርዎ ዘሎ እንተደኣ ኢልና ኩሎም ሰራሕተኛታቱ ዳርጋ 90 ካብ 100 ናይ ወያነ እዮም። ኢጋድ ዝበሃል ውድብ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ ማለት’ዩ። ኢጋድ ዝበሃል የለን። ኣብ 2010 ግቡእ ተሳታፍነትና ከነረጋግጽ ጽሒፍናሎም ኢና። እቲ ሰክረታሪ ጀነራል ዝበሃል ተቐቢልዎ ክነሱ ወያነ ኣይከውንን ኢሉ። ካልኦት ኣባላት’ውን ክዛረባ ኣይከኣላን። ኢጋድ መሳርሒ ናይ ኢትዮጵያ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣቚጺሩ ኣሎ። እገዳ ኣብ ልዕሌና ክትግብሩ እንከለዉ ብመንገዲ ኢጋድ እዮም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመሓላሊፎምዎ። ካብኡ መንጢሎም ድማ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብጺሖምዎዎ። እዚ፡ እቲ እገዳ ኣፍሪቃዊ ደገፍ ከምዘለዎ ንምምሳል እዩ። ምኽሪ ናይ ኣመሪካ እዩ ነይሩ። ኢጋድ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቑጠባ ክምዕብልን ጸጥታዊ ኩነታቱ ውሑስ ክኸውንን ኣበርክቶ ክገብር ዘይኮነ፡ ነቲ ኩነታት ከጋድድ ጥራይ’ዩ ተራእዩ። ስለዚ ከም ውድብ መጠን ዝኣምነሉ ነገር የብለይን።

ሕቶ፡ ሓደ ካብ’ቲ ናይ ልምዓት ግንባራት፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ዜጋታትና ዝሓቁፍ እዩ። እዞም ዜጋታት ኣብ ዝቕመጡለን ሃገራት መሰላቶም ክኽበር ኣብኡ ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲን ስራሕን ብዝበለጸ ንኽጥቀምሉ ብመንግስቲ እንታይ ይስራሕ ኣሎ? ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብዝበለጸ ንምስታፎም ዝተታሕዘ መደባት እንተሎ? ኣብ ንግድን ወፍርን እውን እንታይ መደባት ኣሎ?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ኤስያ፡ ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ኣሎ ህዝብና። ኣብ ኩሉ ቦታታት ከመሓድሩዎ ዝኽእሉ ብመንግስትን ግንባርን ሰባት ከም ዝምደበሎም ተገይሩ። ተወዲቡ ክኸይድ ጥራይ ዘይኮነ ተወዲቡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ከምዝሰርሕ ገይርናዮ ማለት እዩ። ስለ’ዚ እዩ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ናይ መኸተ መደብ ኣብ ምዕዋት ዝተቓለሰ። ዲፕሎማሲ ክበሃል እንከሎ ኣብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ሃገር ዘካይድዎ ንጥፈት እዩ። ምስ ኣባላት ፓርላማ ናይ መጽናዕቲ ትካላት፡ ናይ ዜና ትካላትን ጸለውቲ ውልቀ-ሰባትን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክገብሩ ይኽእሉ። ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ናይ ንቕሓትን ፖለቲካን ስርሓት’ውን የካይድ። ብጉጅለ፡ ብጨንፈር፡ ብሃገር ደረጃ’ውን ተወዲቡ ኣሎ። ሃገራዊ ሽማግለ ዝበሃል ቅርጺ ከም ዝቐውም ተገይሩ። ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ዜናን እውን ከም ዘበርክት ንምግባር ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ። ስለ’ዚ ኣበርክቶ ናይቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ስድራቤቱ፡ ወገኑ፡ ኣዝመዱ ክሕግዝ ጸኒሑ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ጠመተኡ ናብ ኤርትራ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ዝተነብረ እገዳን ምስኡ ተዛሚዱ ዝተገብረ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንከይኣቱ ምኽልካልን፡ ናይ ውህለላ ይኹን ረሚታንስ ዓቕሚ ነክዩ። ኣብዚ ናይ እገዳ ኣተረጓጉማ ናይ’ቲ ዓንቀጻት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይፈላለ እዩ። 2% ኣብዚ ከይትኸፍሉ ኢሎም። 2% ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ካናዳንን ኣብ ጀርመንን ከይትኸፍሉ ተባሂሉ። እቲ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝኸፍል ተገይሩ። ከምኡ እውን እቲ ውህለላ ይኹን ረሚታንስ ናብዚ ሃገር ከይለኣኽ ተዓናቒፉ ማለት እዩ። ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብ ቁጠባ ሃገሩ ከየበርክት ምእንቲ ብናይ ኣመሪካ ግጉይ ፖሊሲታት ምኽንያት ገንዘብ ከምቲ ዝደልዮ ክሰድድ ኣይከኣለን። እንተሰዲዱ እውን ዝተፈላለያ ጉጅለታትን ትካላትን ነቲ ዶላር እናኣትረፋ፡ ናቕፋ ተተሰኪሞም ክመጽኡ ዘይተገብረ ኣይኰነን። እዚ እውን ኣብ ቁጠባና ብዙሕ ሳዕቤናት ነይርዎ። እቲ ናይ ውህለላን ናይ ረሚታንስ ዝበሃል ኣገባቡ ሒዙ ዝኸደሉ መንገዲ ይረአ ኣሎ። ናይ ወፍሪን ንግዲን ጉዳያት ምስ ውሽጣዊ ኩነታትና ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ። ብዝኾነ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማለት ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጎላ፡ ዱባይን ካልእን ብዙሓት ኤርትራውያን የውፍሩ ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኤርትራዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከይዱ ከውፍር ነተባብዖ ኢና። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ከውፍር ኣለዎ ዝብል የለን። ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ደገ ከውፍር ኣለዎ። ኣብ ደገ ምውፋር ንዓና እውን ጠቓሚና ስለዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ደገ ኣውፊሩ ክጥቀመሉ ዝኽእል እንተኾይኑ የውፍር። ግዳ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እውን ከውፍር ዝያዳ ጻዕርታት ንገብር ኣለና። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ወፍሪ ጽላታት ከውፍር ንደልዮ ኢና። ኣብ ጽላት ሕርሻ - ትሕተ ቅርጺ ማይ ተዋዲዱ ስለዘሎ፡ ሓደ ካብቲ ክድፈኣሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ካልኣይ፡ ናይ መጓዓዝያ እዩ። ሳልሳይ ድማ፡ ናይ ጸዓት። ኣብዚ ጽላታት’ዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ከውፍሩ ድሌቶም ገሊጾም ከምዘለዉ ድማ ንፈልጥ።

ሕቶ፡ ሚኒስተር ዑስማን፡ ምስ ጉዳይ ፍልሰት ደቂ-ሰብ ዝተኣሳሰር ንግዲ ደቂ- ሰብ ይካየድ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዋዕላ’ውን ቀንዲ ኣጀንዳኡ ነይሩ። እዚ ንዓና’ውን ብኸመይ ይጸልወና? ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ፖሊሲ ቅጽበታዊ ምቕባል - ማለት ኣውቶማቲክ ኣሳይለም ክኽተላ ጸኒሐን ኣለዋ። ኣብ’ዚ መዳይ እዚ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ እንታይ ገስጋስ ኣርእዩ?

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንግዲ ደቂ-ሰብ ንገዛእ ርእሱ ጊላነት እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሊብያ’ውን ተራእዩ እዩ። ዳርጋ ጨረታ ዓይነት እዩ - ብኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዶላር ተጫሪቶም ሰባት ይወስዱ። ባርነት እዩ ክበሃል ዝከኣል። ኣብ 2010ን 2013ን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ሙን ደብዳቤ ኣብ ዝሰደደሉ ግዜ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ገሊጽዎ ነይሩ እዩ። ሕጂ እያ ዓለም ዳርጋ ዓው ኢላ ክትዛረበሉ ጀሚራ ዘላ። እዞም ግዳያት እዚኣቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም። ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። ክሳብ 34 ሽሕ ዝኾኑ ኣብኡ ኣለዉ። ካብኦም ኤርትራውያን እውን ዘይነዓቕ ቁጽሪ ኣለዎም። ክንመልሶም እንተኾይንና ግን፡ ናይቶም ክምለሱ ኣለዎም እንብሎም ዘለና ድሌት ክሕወሶ ኣለዎ። እዚ ድማ ብዝያዳ ክዝረበሉ ተባሂሉ ተመሓላሊፉ ዘሎ ጉዳይ እዩ።



የቐንየልና



Re: Minister Osman Saleh, Tgrgna Interview

Postby almaze » 25 Dec 2017, 02:39


Who gives a Fucck about That village idiot. :lol: :lol: he might be ended up detained incommunicado for giving interviews with out the permission of Wedi Medhin Berad :lol: :lol: :lol: Mark my word .



Re: Minister Osman Saleh, Tgrgna Interview

Postby Zmeselo » 25 Dec 2017, 04:14


Take it easy, transvestite.

Your master & owner, uncle Sam, apparently doesn't think so.

And following the new oromo slogan: 'enathn ....'



Re: Minister Osman Saleh, Tgrgna Interview

Postby almaze » 25 Dec 2017, 04:55


Grandpa zemelso ....... I think it's fair to tell you that .....I still think you're a hopeless twat. :lol: :lol:



Re: Minister Osman Saleh, Tgrgna Interview

Postby Zmeselo » 25 Dec 2017, 07:30


I could care less, what you think of me, agame prostitute. Your days are numbered. No amount of Eritrea bashing, can save your hoe momma from being thoroughly raped.



Return to Ethiopian News & Opinion

Who is online

Registered users: Awash, Bing [Bot], calmdown5, ethiopian, Google [Bot], Khysion, Majestic-12 [Bot], Sadacha Macca, Yahoo [Bot]