Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum


Save Adna-Ztseat- My Perspective

Postby Abe Abraham » 20 Dec 2017, 14:39




ከተለያዩ ዩኒቨርሲቲዎች የዘር ጥቃት ሸሽተው ህይወታቸውን ለማትረፍ በኢትዮ-ቻይና ኮሌጅ ግቢ ተጠልለው የነበሩ የትግራይ ተማሪዎች በፖሊስ ተገደው እንዲወጡ መደረጋቸው የሚታወቅ ነው።

እንደ ሳሙኤል ክፍሌ ያሉ የትምህርት ሚኒስቴር ሀላፊዎች "ወደየመጣችሁበት ዩኒቨርሲቲ ተመልሳችሁ ሂዱ" ነው የሚሉት።

ተማሪዎቹ "የፀጥታ ስጋት አለብን፤ ህይወታችን ላይ አደጋዎች ተቃጥተውብናል፤ ህይወታችንን ለማትረፍ ሸሽተን ወደመጣንባቸው ዩኒቨርሲቲዎች ተመልሰን ብንሄድ ለህይወታችን አስጊ ሁኔታ ውስጥ ነው የምንገባው፤ ተመልሰን ብንሄድ ለሚደርስብን ጉዳትን ማን ነው ዋስትናው የሚወስድ?" የሚል አስተያየትና ጥያቄ ቢያቀርቡም የነ ሳሙኤል መልስ "የራሳችሁ ጉዳይ" ዐይነት መንፈስ የተላበሰ ነበር- "በቃ ተመልሳችሁ፤ እዚያው ሂዳችሁ የምትሆኑትን ሁኑ" ነው ያሉት።

ለነሳሙኤል እስካሁን በትግራይ ተወላጅ ተማሪዎች ላይ የደረሰ ሞት፣ የአካል ጉዳት፣ የሞራል ጉዳት ወዘተ በቂ አልሆነ ይሆን? ትንሽ ቢሰማቸውማ ቢያንስ ዩኒቨርሲቲዎቹ እስኪረጋጉ፣ ትምህርት ለማስጀመር ዝግጁ እስኪሆኑ ድረስ በዚህ ቦታ ተጠልለው እንዲቆዩ መፍቀድ፣ ሁኔታዎች ማመቻቸት ይችሉ ነበር፤ ግን አልሆነም።

ኮተቤ ሚትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ውስጥ ተጠልለው የነበሩ በኦሮሚያና አማራ ክልል ከሚገኙ ዩኒቨርሲቲዎች የተፈናቀሉ የትግራይ ተወላጅ ተማሪዎች ደግሞ ትምህርት ሚኒስቴር "ሂዳችሁ የምትሆኑትን ሁኑ" ከማለት የዘለለ መልስ ሊሰጣቸው ስላልቻለና አንዳች ተስፋ የሚሰጥ ሁኔታ ስላጡ ዛሬው ዕለት ወደ ትግራይ ወላጆቻቸው ዘንድ ሔደዋል።




ከሳምንት በፊት ጨለንቆ ላይ 8 የመከላካያ አባላትና ከ15 በላይ ሰላማዊ ዜጎችና የኦሮሚያ ልዩ ሀይል አባላት ከተገደሉበት የጨለንቆ መጥፎ ክስተት በኋላ አቶ ለማ በ04/04/2010 አንድ ነገር ተናግረው ነበር "የኦሮምያ ክልላዊ መንግስት ህዝብ ሲጎዳ ዝም ብሎ አያይም። የክልሉ የሰላም ሃይል ከየትኛዉም ግዜ ይልቅ ከህዝቡ ጎን ሊቆም ይገባል።”

ይህንን በተናገሩ በጥቂት ቀናት ውስጥ በምዕራብ ሐረርጌ በድሮሎቢ ወረዳ በጋድሌ ቀበሌ ለደህንነታቸው ሲባል በአካባቢው በአቅራቢያ በሚገኝ ፖሊስ ጣቢያ ተጠልለው በነበሩ የኢትዮጵያ ሶማሌ ተወላጆች የጅምላ ግድያ ተፈፀመባቸው፤ እስካሁንም ከ60 በላይ ወገኖች በግፍ ተጨፍጭፈው መገደላቸው እርግጥ ሆነ።
በዚህ ሁሉ እልቂት ውስጥ አቶ ለማ "የሰላም ሀይላችን" ያሉት የክልሉ ልዩ ሀይል፣ ቄሮዎች፣ ፉሊዎች አሉ።

ለዚህ ፍጅት ተጠያቂዎች የሆኑ ሰዎች ወደ ሕግ ሊቀርቡ ይገባል። የኢትዮጵያ ፍርድ-ቤቶች የዚህን ዐይነት ፍጅት እቅድ አውጪዎች፣ ፈፃሚዎች፣ አስፈፃሚዎች ላይ ፍርድ የመስጠት ወኔ ባይኖረው ደግሞ ጉዳዩን የዐለም-አቀፉ የሄግ ፍርድ-ቤት እንዲመልከተው ልናደርግ ይገባል።
እንደነዚህ ዐይነት ክስተቶችን በዝምታ ማለፍ በልባቸው ጥፋትና ፍጅት ለሚያልሙ ፀላኤ-ሰናዮችን የሚያበረታታና ያንጃበበው የጥፋት ዳመና እውን የመሆን እድሉ የሚያሰፋ ነው። ይህ እንዲሆን ፈፅሞ መፍቀድ የለብንም።

የሟቾች ነፍስ በገነት ያኑር፤

ለቤተሰብ፣ ለወዳጅ ለዘመድ፣ ለመላው የሱማሌ ክልል ህዝብ፣ ለመላው የኢትዮጵያ ሕዝብ መፅናናትን እመኛለሁ፤

ሁላችን ከሳሪ ወደምንሆንበት ሁኔታ( a lose-lose situation) እየመሩን ላሉ ሰዎች ደግሞ ልቦና ይስጣቸው እላለሁ።






ብላታ ሃይለማረያም ረዳ:

“ተጋሩ ስረ ምዕጣቕ ንኽእል ኢና፤ ቂም መቛፅሪ ግን የብልናን፡፡ ከምዙይ ስለዝኾነ እውን እዩ ውዒሉ እንተሓደረ እውን ደቅና ንፀላእትና ዝሰዓሩ፡፡ “

መምህር ገብረኺዳን፤

“ትግራዋይ ናይ ተቓሊስካ ምዕዋት እምበር ናይቲ ዓወት ፍረ ምሕፋስ ልምዲ የብሉን፤ ይስዕር እሞ ካብኡ ብቲ ዓወቱ ዓጊቡ ይህረስ፣ ይዓይም፤ ካብኡ ናይቲ ዓወት ፍረ ካልኦት ይሽምጥጡዎ፤ ትማሊ ተቓሊሱ ደምዩ እዩ፣ ንእሽቶይ ንትኮበሉ እኳ ኣይብሉን፤ እቲ ፍረ ንበይኖም ይሓፍሱዎ፣ ይግህጥጡዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቲ ንሱ ዘዕጠቖም ስረ፣ ንሱ ዝሃቦም ሃፍቲ፣ ብቲ ንሱ ዝሃቦም በትሪ ገይሮም ይዘብጡዎ፡፡ እዚ ናይ ትማሊ ታሪኽና እዩ፤ ሐዚ እውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይደግም ኣሎ፡፡ ሎሚ ዝግበር፣ ዝኸውን ዘሎ ኹሉ ምስቲ ትማሊ ዝነበረ፣ ዝተገበረ ኩሉ ቐጣታዊ ምትእስሳር ኣለዎ፤ ብዛዕባ ትማሊ ምፍላጥ፣ ትማሊ ዝተገበረ ንድሕሪት ቆላሕ ምባል ፅባሕ እንታይ ከምዝመፅ ክትግምት ከኽእለካ ኣለዎ፡፡ እቲ ዘሕዝን ግን ትግራዋይ ኣዝዩ ረሳዒ እዩ፤ ካብ ትማሊ ዘይመሃር፣ ናይ ትማሊ ጌጋ ምድጋም ባህሊ ዝገበረ ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍል ገይሩዎ እዩ፤ ሕዚ እውን ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ፤ እንተዘይለቢሙ ንቕድሚት እውን ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ፤ ለብሙ ደቀይ"






ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ 1933- 1939 ዓ.ም

ታሪክ ብኣፍ ብዓል ዋና እንትዝንቶ ኣታ ኽንደይ ይጥዕም!

“መን የርድእ ዝቐበረ፤ መን ይዛረብ ዝነበረ” እዩሞ ውላድ መራሒ ቐዳማይ ወያነ ኣቦና ብላታ ሃይለማረያም ረዳ ዝኾኑ ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም ረዳ ሓርበኛ ኣቦና ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ዝሰነዱዎም ፅሑፋት ጠሚሮም፤ ንብላታ ሃይለማርያም ኣዝዩ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ገይሮም፤ ምሽጥራዊ ሰነዳት መንግስቲ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ብደቂቑ ፈቲሾም ንውልድ ወለዶ ዝሓልፍ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ታሪኽ መዝገብ ኣዳልዮም ትማሊ ብዕሊ ኣመሪቖም፡፡ ኣብ ኣኽሱም ሆቴል (ኣዲስ ኣበባ) ዝተሳለጠን ብዙሓት ግዱሳት ተጋሩ ዝተረኸቡሉን ደሙቕ መድረኽ ምረቓ ብብዙሕ መልክዑ ኣዝዩ ዕዉትን ታሪኻዊን ነይሩ፡፡

ቅድሚ ምጅማር ፕሮግራም ምረቓ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ኣብ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ዝተወሰንና መናእሰይ እክብ ኢልና ምስ ኣቦና መምህር ገብረኺዳን ደስታ እውን ሓፂርን ጥዑምን ወግዒ ገይርና ነይርና፡፡

መምህር ገብረኺዳን ከምዚ ኢሎምና፤

“ትግራዋይ ናይ ተቓሊስካ ምዕዋት እምበር ናይቲ ዓወት ፍረ ምሕፋስ ልምዲ የብሉን፤ ይስዕር እሞ ካብኡ ብቲ ዓወቱ ዓጊቡ ይህረስ፣ ይዓይም፤ ካብኡ ናይቲ ዓወት ፍረ ካልኦት ይሽምጥጡዎ፤ ትማሊ ተቓሊሱ ደምዩ እዩ፣ ንእሽቶይ ንትኮበሉ እኳ ኣይብሉን፤ እቲ ፍረ ንበይኖም ይሓፍሱዎ፣ ይግህጥጡዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቲ ንሱ ዘዕጠቖም ስረ፣ ንሱ ዝሃቦም ሃፍቲ፣ ብቲ ንሱ ዝሃቦም በትሪ ገይሮም ይዘብጡዎ፡፡ እዚ ናይ ትማሊ ታሪኽና እዩ፤ ሐዚ እውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይደግም ኣሎ፡፡ ሎሚ ዝግበር፣ ዝኸውን ዘሎ ኹሉ ምስቲ ትማሊ ዝነበረ፣ ዝተገበረ ኩሉ ቐጠጣዊ ምትእስሳር ኣለዎ፤ ብዛዕባ ትማሊ ምፍላጥ፣ ትማሊ ዝተገበረ ንድሕሪት ቆላሕ ምባል ፅባሕ እንታይ ከምዝመፅ ክትግምት ከኽእለካ ኣለዎ፡፡ እቲ ዘሕዝን ግን ትግራዋይ ኣዝዩ ረሳዒ እዩ፤ ካብ ትማሊ ዘይመሃር፣ ናይ ትማሊ ጌጋ ምድጋም ባህሊ ዝገበረ ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍል ገይሩዎ እዩ፤ ሕዚ እውን ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ፤ እንተዘይለቢሙ ንቕድት እውን ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ፤ ለብሙ ደቀ”ይ ኢሎምና፡፡

መምህር ገብረኺዳን ቀፂሎም “ናይ ትግራዋይ ክብረት ኣብ ዓዱ እዩ፤ ትግራዋይ ካብ ዓዱ ክወፅእ፣ ካብ ሱሩ ክመሓው የብሉን፤ ከምቲ እትሪኡዎ ዘለኹም ትግራዋይ ካብ ዓዱ ወፂኡ ኣብ ዓድማቱ ናይቲ ፌደራል ስርዓት ፖለቲካዊ ክቱር (political hostage) ኮይኑ ኣሎ፤ ትግራይ ኣይኮነን ንሓሙሽተ ሽዱሽተ ሚልዮን ንኻልኦት እውን ዝኣክል ሃፍቲ ኣብ ከርሳ ኣለዋ፤ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ህዝቢ ብግቡእ መሪሑ፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘሎ ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣዋዲዱ ንኹሉ ትግራዋይ መሊኣ እትተርፍ ትግራይ ዝፈጥር መራሒ ኣይረኸብናን፡፡ ምናልባሽ እቲ ሐዚ መፂኡ ዘሎ መሪሕነት ካብ ናይ ትማሊ ጌጋ ተማሂሩ ሕይሽ ዝበለ ስራሕ ዶ ይሰርሕ ቀፂልና ንሪኦ ይኸውን፤ ኣነ ብውልቀይ ግን ትስፉወ እየ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ደቀይ ለብሙ፣ ኣብ ኩሉ መዳይ በሊፅኩም ውፁ፤ ኣንብቡ፤ ብፍላይ ታሪኽኩም ፍለጡ፤ ነገራት ስቕ ኢሎም ሃንደበት (ካብ ባዶ) ኣይለዓሉን፤ ካብ ትማሊ ተማሂርኩም ናይ ሎሚ መንገድኹም ኣዕርዩ፣ ኣንፈት ናይ ፅባሕ ጉዕዞኹም ቀይሱ” ኢሎምና፡፡

ካብቲ ፕሮግራም ምረቓ መፅሓፍ ምስ ወፃእና ድማ ዝተወሰንና መናእሰይ ትግራዋይ ብሰንኪ ኣብዚን ኣብቲን ፋሕ ብትን ምባሉ ዘለዎ ልዑል መጠን ተጋላፅነት፣ ዝበፅሖ ዘሎ በደላት፤ መፍትሒኡ ብዙሕ ብዙሕ ዘቲና፡፡ ኩሉ ኣዝዩ ደስ ዝብል ነይሩ፤ ርሕስቲ ቀዳም!

ናብቲ ምረቓ መጽሓፍ እንትንምለስ ኩሉ ነገር ውቑብን ምዕሩግን ነይሩ፡፡ ሓንቲ ርኢቶ ሃብ እንተዝብሃል ግን- ዝኾነ መፅሓፍ እንትምረቑ ንዶ/ር ኣደሃነ ሃይለ ፈፂምና ርኢቶ ወሃቢ (review ገባሪ )እንተዘይንገብሮም እብል- ንምንታይሲ ፅዋ ናይ ምንዋሕ(ምጉታት) ልምዲ (ተሓዚ) ስለዘለዎም፡፡

ትማሊ ነቲ 502 ገፃት ዘለዎ ታሪኻዊ መፅሓፍ ክንዲ ዝኸኣልኩዎ ከንብብ ፈቲነ፡፡ ኣብ ኢድ ሕድሕድ ትግራዋይ ክርከብ ዘለዎ ኣዝዩ ኣዝዩ ጠቓሚ፣ መምሀሪ፣ ዓይኒ ከፋቲ፣ መሐረኒ፣ መለበሚ መፅሓፍ ንምዃኑ ብዓሰርተ ኣፃብዕተይ እፍርም!
ቁሩብ ቃላት ካብ ኣንደበት ሓርበኛ ኣቦና ብላታ ሃይለማርያም፤

“እቲ እትፈልጦ ታሪኽ ህዝብናን ትግራይን ኣዋግዐኒ ክትብሉኒ እንተለኹም፤ ብሓደ ገፅ ታሪኽ መከራ፣ ግፍዒ፣ ብርሰትን ስቓይን መቕተልትን እንትኸውን ብሓደ ገፅ ድማ ታሪኽ ሓቦን ሓበንን፣ ታሪኽ ጅግንነትን ወያነን፣ ሰብ ፅኑዕ ሃይማኖት፣ ፃዕረኛ፣ ሓቅን እምነትን እዩ፡፡ “
“..………ንዛ ዓዲ ናታቶም ናይ በይንቶም ናይ ውልቆም ገይሮም ይሪኡዋ፤ ኣፎም መሊኦም ከዳዓት ይብሉና፡፡ ወዮ ካብ መናብርቶም ነዛ ሃገር እናኸድዑ፣ እናቖርመሙ እናሸጡ እናለወጡ ዝነበሩን፤ ሐዚ እውን ሸፍጢመናብርቶም ዝኾነን ሕማቓት እሳቶም እዮም፡፡ ንጥልያን ኣሕሊፎም ናይ ዝሃቡና፣ ናይ ዝተጨፍጨፍናን ዕርድና ምስዓትዐትና ናይ ዝወደቕናን ከዳዓት “ክሓሱና” ኢሎም ስጋና ወዲኦም ኣዕፅምትና ገሃፁዎ፡፡ ንኹሉ ዓድታ ኣንደዱዎ፣ ኣስሩና፣ ቀተሉና፣ ኣሳደዱና፡፡ ብስረና ካብ ጥልያን መንዚዕና ንዝዓጠቕናዮ ብረት ንኣታቶም ኣረኪብና ፈፂምና ክንንብርከኽን መሊኦም ከጥፍኡናን ኩሉ ሓይሎም ኣዋዲዶም ደድሕሪ መሪር ተጋድሎ ዘበን ወራር ጥልያን ተተኪኦም ኣብ ልዕሌና ወፈሩ፡፡ ቆልዓ ሰበይቲ ኣረጋውያን ሕሙማት እንተይፈለዩ ዝደለዩዎ ኩሉ ገበሩ፡፡”

“………በዚሑ ሕደጉና ኣይተጋፍዑና ኢና ዝበልና፡፡ እምበር ኣብ ታሪኽና ኮነ ታሪኽ ቀዳሞት ወለድኹም ትግራዋይ ዕቡይ ኮይኑ ንኻሊእ ህዝቢ ብጋዶ ወፊሩ ዘጋፍዖ ታሪኽ የለን፡፡ ተጋሩስ ዓዲማቶም ወሪሮም ኣጋፊዖም ዝብል ነበረያ-ነበረ’ኳ የለን፡፡ ታሪኽ ትግራዋይ ከምቲ ንመንነቱ ዘኽበራ ንመንነት ካልኦት ህዝብታት እውን ማዕረ እዩ ዘኽብር፡፡ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ መረበቱ እዩ ተፈፂሙዎ እምበር ዓድማቱ ከይዱ ኣይነበረን፡፡ መፂኦምና እምበር ኣይከድናዮምን፡፡ ኣብ ዓድና ኣብ መረበትና ግፍዒ መቕተልቲ ብኸምዙይ ምስበዝሐ ግና እወ፣ ድሕሪ ደጊም እንታይ ከይተርፈና ይኣክል ንበሎም ዝበልና፡፡ ኣብ ዋዕላ ዳልጌና እውን ነይሩ ብዕሊ ዳኝነትና ኣብ ገረብና፣ ዓረና ቀንጪ ኮይንና “ጠንጠነልና ወይንና ኣለና!” ዝበልና፡፡”

“…………ተጋሩ ስረ ምዕጣቕ ንኽእል ኢና፤ ቂም መቛፅሪ ግን የብልናን፡፡ ከምዙይ ስለዝኾነ እውን እዩ ውዒሉ እንተሓደረ እውን ደቅና ንፀላእትና ዝሰዓሩ፡፡ “ (ኣቦና መምህር ገብረኺዳን ደስታ ዝበሉዎ እውን ንሱ ነይሩ)

ዝተረፈ- ኣብቲ መፅሓፍ ኣለኩም ኣንብቡዎ፡፡

ከም ኩሉ ግዘ፤ ናብቲ ምረቓ ታሪኻዊ መፅሓፍ ዝተዓደሙ መራሕቲ ህወሓት ዳርጋ ኩሎም ተሪፎም፡፡ ኣየ እዳ ህወሓት!

ሐዚ እውን እብል፤ ኩሉ ትግራዋይ ንዛ መፅሓፍ ገዚኡ የንብባ፣ ካልኦት ከንብቡ እውን ይግበር፡፡

ፅቡቕ ንባብ፤
ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ 1933- 1939 ዓ.ም

Return to Ethiopian News & Opinion

Who is online

Registered users: AfranQallo, Atse Lebna Dengel, Bing [Bot], Bwendimu, Google [Bot], Google Feedfetcher, info, Khysion, Majestic-12 [Bot], MatiT, MRed, present